ኣመሪካ፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ 'ኣይስ' እንከሎ ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓደ ካብ ኤርትራ ስደተኛ ፉኣድ ስዒድ ዓብደልቃድር ዝተባህለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ፔንስልቬንያ ፊሊፕስበርግ ኣብ ዝከርብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዓረፈ ተገሊጹ።
እቲ ወዲ 46 ዓመት ስደተኛ፡ ብ14 ታሕሳስ 2025 ኣብ ሞሻኖን ቫሊ ብኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ተታሒዙ እንከሎ ከም ዝሞተ ተሓቢሩ።
ዓብደልቃድር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ 'ኣይስ' ን215 መዓልታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ዳግመ ግምት ኢሚግሬሽን መስርሕ ፍርዲ ይጽበ ነይሩ።
ጠንቂ ሞት እቲ ውልቀሰብ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምጽራይ ይርከብ።
ብመሰረት ሕጂ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ዓብደልቃድር ኣብ ማእከል ሞሻኖን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ኣፍ ልቡ ቃንዛ ይስምዓኒ ኣሎ ይብል ከም ዝነበረ የመልክቱ።
ኣብቲ ግዜ፡ ሰራሕተኛታት ሕክምና እቲ መሳለጥያ ናብ ክፍሊ ሕክምና ወደዶሞ፡ ይኹን'ምበር፡ ብህይወት ክተርፍ ኣይክለኣን ተባሂሉ።
ፖሊስ ግዝኣት ፔንስልቨንያን መርማሪ ሬሳ ምምሕዳር ክሊርፊልድን ጠንቂ እቲ ሞት ይምርምሩ ኣለዉ።
ዓብደልቃድር ብ15 መጋቢት 1979 ኣብ ርያድ፡ ስዑዲ ዓረብ ዝተወልደ ኤርትራዊ ዜጋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብ30 ሚያዝያ 2018 ኵነታት መንበሪኡ ናብ ሕጋዊ ቀዋሚ ነባሪ ከም ዝቐየሮ ይግለጽ። መዛግብቲ ከም ዝሕብርዎ፡ ክሳብ ሕጂ ዜግነት ኣመሪካ ንምርካብ ሕቶ ኣየቕረበን ጸኒሑ።
ብ3 ሚያዝያ 2024 ድማ፡ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ሰሜናዊ ኦሃዮ፡ ንዓብዱልቃድር ብምትላልን ብስርቂ ገንዘብ ህዝቢን ን21 ኣዋርሕ ክእሰር ፈሪድዎ። እቲ ቤት ፍርዲ ጠቕላላ ልዕሊ 10,000 ሽሕ ዶላር ከም ዝተጠፋፍአ ይገልጽ።
ብሓምለ 2024 ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ናብቲ ማእከል ምጽራይ መስርሕ ስደተኛታት ከም ዝተወስደ ሓበሬታ ኢመግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን የመልክት።
ኣብታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ሰፊሕ ስጕምቲ ይውሰድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሓደ ኣፍጋናዊ ስደተኛ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ኣመሪካ ብጥይት ሃሪሙ - ሓደ ሞይቱ እቲ ካልእ ድማ ብኸቢድ ቈሲሉ።
ንዕኡ ስዒቡ፡ ምምሕዳር ትራምፕ መስርሕ ዕቝባ ኣፍጋናውያን ዝርከቡዎም ስደተኛታት ደው ክብል ብምግባር፡ ብዝሒ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምድራት ስጕምትታት ይወስድ ኣሎ።
ምምሕዳር ትራምፕ ሕጋዊ ሰነዳት ዘለዎም ዜጋታት ኤርትራን ሶማልያን ሓዊሱ ካብ 19 ሃገራት ዝመጽኡ ናይ መንበሪን ናይ ስራሕ ፍቓዶም ክግምግም ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ካብ ኵለን ሃገራት ንዝቐርብ ሕቶ ዕቝባ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ኣቢሉ፣ እቲ ፕረዚደንት ካብ "ሃገራት ሳልሳይ ዓለም" ንዝመጽኡ ስደተኛታት "ቀዋሚ እገዳ" ክገብር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፋ መዓልታት ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝርከቡዎም ካብ መላእ ዓለም ዝተፈላለያ ገበናት ዝፈጸሙን "ኣዝዮም ሓደገኛታት ስደተኛታት" ተባሂሎም ዝቝጸሩን ውልቀሰባት ዝርዝር ኣውጺኡ ኣሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ዝሓለፈ ዓመት ጐስጓስ ዳግመ መረጻ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ጽኑዕ ቍጽጽር ኢምግረይሽን ክገብርን "ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዝዓበየ ወፍሪ ምስጓግ" ከካይድ ምዃኑን ብተደጋጋሚ ይዛረብ።
ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመልሰላ መዓልቲ ድማ ነዚ ስጕምቲ ግብራዊ ክገብር ጀሚሩ። ካብ ኣመሪካ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ምእሳርን ምስጓግን ሓዊሱ ናይ ቪዛን መገሻን ገደብ ተግባራዊ ተገይሮም እዮም።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ጸጥታ ዶባቱ ብምሕያልን ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰፊሕ ፍተሻታት ብምክያድን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ስጕምቲ ክወስድ ጸኒሑ'ዩ። ብተወሳኺ፡ ስደተኛታት ናብ ዓዶምን ሳልሳይ ሃገራትን ብወተሃደራዊ ነፈርቲ ክስጕጉ ተራእዩ።
ኣብ ግንቦት፡ ኣማኻሪ ድሕነት ሃገር ስቲቨን ሚለር፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ መዓልቲ 3,000 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ንምእሳር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
መረዳእታ ዩኒቨርሲቲ ሲራክስ ከም ዘመልክቶ፡ ክሳብ መፋርቕ ሕዳር ልዕሊ 65,000 ሰባት ብኣኽበርቲ ሕጊ ኢምግረይሽንን ጉምሩክን (ICE) ተኣሲሮም ከም ዝነበሩ ይሕብር።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







