ብኣልሸባብ ናይ ሞት ምፍርራሕ እናበጽሖ ናብ ሶማልያ ዝተጠረዘ ዘዋሪ ኡበር

ምንጪ ስእሊ, Mahad Mohamud
መሓድ መሓሙድ ቅድሚ ሓሙሽተ ሰሙን ካብ ኣመሪካ ከተማ ሚንያፖሊስ ናብ ሶማልያ ካብ ዝጥረዝ፡ ነቲ ኣብ መቓድሾ ዘሎ ብርቱዕ ሃሩር፡ ዕገርግርን ወጥርን ክላመዶ ህርዲግ'ዩ ዝብል ዘሎ።
ነዚ ወዲ 36 ዓመት መሓድ መሓሙድ ብዙሓት ሶማልያውያን በቲ 'ጋርያቃን' ዝብል ናይ ቲክቶክ ሽሙ'ዮም ዝፈልጥዎ፤ ጋርያቃን ብቐጥታ ክትርጐም እንከሎ ዳኛ ማለት'ዩ።
ኣብ ቲክቶክ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ሰዓብቲ'ዮም ዘለዉዎ። መሓድ ኣብ ቲክቶክ ነቶም ናቱ ዓሌትን ብዝገብሮ ምክልኻልን ምጥባቕን ከምኡ ከኣ ንመንግስቲ ሶማልያን ብዘለዎ ልዑል ደገፍን ብሰዓብቱ ዓቢይ ተቐባልነት'ዩ ረኺቡ።
እዚ ግን ነቶም ኣብ ዋይት ሃውስ 'ራፒድ ሪስፖንስ 47' ዝብል ናይ ኤክስ ሕሳብ ዘመሓድሩ ሰብመዚ ኣየሐጐሶምን።
ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ሞቓድሾ ንሰብመዚ ፈረንሳ ካብ ሓደ ሆቴል ዝተፈጸሞም ጭውያ ኢድ ኣለዎ ኢሎም ከሲሰሞ።
መሓድ ኣብቲ እዋን ኣብ መቓድሾ ከም ዘይነበረ ብምሕባር ነቲ ክሲ ነጺግዎ፤ ብቤትፍርዲ ክሲ ስለ ዘይቐረበሉ ከኣ እቲ ክሱ ተሪፉ።
ንሱ፡ ብሰብመዚ ኢምግረይሽንን ግምሩኽን [ኣይሲኢ] ዝተኣሰረሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ "ክልተ ምኽንያት'ዮም ኣቕሪቦሙለይ፣ ናብዚ ዓዲ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ኢኻ ኣቲኻን ኣብ ሶማልያ ኣብ ምጭዋይ ሰብመዚ ፈረንሳ ኢድ ኣለካን ዝብል'ዩ፡" ይብል።
መሓድ እቲ ምጭዋይ ሰብመዚ ፈረንሳ ዝምልከት ብኤፍቢኣይ ተታሒዙ ከም ዝነበረን ሓቲቶም ኣጻርዮም ናጻ ከም ዝበልዎን'ዩ ዝሕብር።
እንተዀነ፡ ዋላ ደኣ ኤፍቢኣይ ናጻ ይበልዎ'ምበር ካብ ኣመሪካ ምጥራዙ ግን ኣይተረፈን።
መሓድ ናብ ኣመሪካ ንኽኣቱ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዕቑድ'ዩ ካብ ሶማልያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከይዱ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ 2021 ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብኡ በቶም ንስደተኛታት ዝጸልኡ ብረት ዝሓዙ ሰባት ተደጋጋሚ ምግፋዕ ምስ በዝሖ ናብ ብራዚል ኣመሪሑ።
ካብ ብራዚል ብምብጋስ ከኣ ሓያለ ሃገራት ኣቋሪጹ ብዘይ ዝዀነ ሰነዳት ብዶብ ሜክሲኮ ኣቢሉ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ።
"ንሓጹር ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ምስ ሰገርኩ ተታሒዘ ንሓደ ወርሒ ተኣሲረ፤ ሕቶ ዕቝባይ ብግዝያውነት ተቐባልነት ስለ ዝረኸበ ከኣ ንኽሰርሕ ዘፍቕድ ወረቐት ተዋሂቡኒ ናጻ ተባሂለ፡" ይብል መሓድ።

ምንጪ ስእሊ, Andaou via Getty Images
መሓድ ናይ ስራሕ ወረቐት ምስ ተዋሃቦ ናብ ምንያፖሊስ'ዩ ኣምሪሑ።
"ኣብኡ ከኣ ኡበር ሒዘ ይሰርሕ ነይረ፡ ኣብታ ካብ ቀደም ዝሓልማ ዝነበርኩ ሃገር ብምእታወይ ኣብ መወዳእትኡ ኣዝየ ሕጉስ'የ ነይረ፣ ነቲ ሕቶ ዕቝባ ምሉእ ንምሉእ ክቕበልዎ'ዮም ዝብል ተስፋ ከኣ ነይሩኒ"።
መሓድ በቲ ኣብ ቲክቶክ ዘጥረዮ ተፈላጥነት'ውን ካብ ሰዓብቱ ብዝወሃቦ ዝነበረ ህያባት ጽቡቕ ኣታዊ'ዩ ክረክብ ጀሚሩ።
ግን ኵሉ ይስዕቦን ይንእዶን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን።
ኣብ ቲክቶክ ንመንግስቲ ሶማልያ ዘለዎ ደገፍ ብግሁድ ይገልጽ ስለ ዝነበረ፡ ካብቶም ኣብ ሶማልያ ዝመደበሩም ዕጡቓት ኣልሸባብ ተደጋጋሚ ምፍርራሕ ይመጽኦ ነይሩ'ዩ።
ኣብ ኣመሪካ ዕቝባ ኣብ ዝሓተተሉ ከኣ ነቲ ካብ ዑጡቓት ኣልሸባብ ዝበጽሖ ዝነበረ ምፍርራሓት ከም መራጐዲ ይጥቀመሉ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ግንቦት ናይዚ ዓመት ግን ሰብመዚ ኢምግረይሽን ኣመሪካ ናብ ገዛኡ ብምምጻእ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮምዎ።
ኣብታ መዓልቲ ቈሪሱ ስራሕ ክጅምር ናብ መኪናኡ እናኣምረሐ እንከሎ'ዮም እቶም ሰብመዚ ኣብ ቀይዲ ኣእትየሞ።
መሓድ፡ ንኣስታት 30 ደቂቕ ብመኪና ዘዊሮም ኣብ ሚንያፖሊስ ኣብ ዝርከብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ኢምግረይሽን ከም ዘብጽሕዎን ብድሕሪኡ ንሽዱሸተ ሰዓታት ብምዝዋር ኣብ ዊልማር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝዳጐንዎ ይሕብር።
ኣብኡ ከኣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሩ።
መሓድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት እተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ነቲ ዝሓተቶ ዕቝባ መልሲ ክወሃቦ ከም ዝተጸበየን፡ እተን ዝተረፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ከኣ ክጥረዝ ምዃኑ ተነጊርዎ ንኽባረር ኣብ ምጽባይ ከም ዘሕለፈንን ይገልጽ።
መሓድ ናብ ኣሪዞና ምስ ተወሰደ፡ ኣብኡ ክጥረዝ ኣብ ዝጽበየሉ ዝነበረ እዋን፡ ምጥራዙ ርጉጽ ኰይኑ፡ መንግስቲ ቀረባት የዳሉ ከም ዘሎ ተነጊርዎ።
መሓድ መሓመድ ምስቶም ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ዝርከብዎም 39 ብሓባር ክጥረዙ ዝተወሰነሎም ሰባት'ዩ ነይሩ።
መሓድ ዝጥረዘሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ ንምሉእ ነብሱ ዝኣስር ጃኬት ገይሩ ከኣ ብሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት ብሓለዋ ተሰንዮም ሻውዓይ ርእሱ ተበጊሶም።
እቲ ጕዕዞ መጀመርታ ናብታ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ኮስታሪካ'ዩ ነይሩ።
ካብኡ ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሰኔጋል፡ ካብ ሰኔጋል ከኣ ናይሮቢ ዓሊቦም።
ናይሮቢ ምስ ዓለቡ እቲ ዝገበርዎ ንነብሶም ዝኣስር ጃኬት ተኣልይሎም፡ ኢዶም ጥራይ ተሞቝሖም ናብ መቓድሾ ኣመሪሖም።
መሓድ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ሶማልያ ክጥረዝ ምዃኑ ብወግዒ ስለ ዝተነገሮ፡ ድሮ ነቲ ምጥራዝ ተቐቢልዎ ስለ ዝነበረ ናብ መቓድሾ ምስ ዓለበ ርቡሽ ኣይነበረን።
ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምፍልላይ ምስ ሰለስተ ደቁ ተራኺቡ፡ "ንደቀይ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ስለ ዘይርኣኽዎም፡ እቲ ንዓኦም ምርኣይ ጥራይ እኹል መደዓዓሲ'ዩ ነይሩ ንዓይ፡" ይብል።
እንተዀነ ካብ ዕጡቓት ኣልሸባብ ክሳብ ናይ ሞት ምፍርራሕ ይመጽኦ ስለ ዝነበረ፡ ንድሕነቱ ኣመሪካ እታ ዝበለጸት ሃገር ምዃና'ዩ ዝገልጽ።
ሕጂ ኣብ መቓድሾ ኣብ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ቦታ'ዩ ዝነብር፤ ክንቀሳቐስ እንከሎ ከኣ ንኸይልለ ብዙሕ ጥንቓቐታት የዘውትር።
መሓድ ተጠሪዙ ናብ ሶማልያ ኣብ ዝኣተወሉ፡ በቲ ኣብ ቲክቶክ ዘጥረዮ ተፈላጥነት ገለ ፖለቲካውያን ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት'ዮም ተቐቢለሞ። እቶም ገለ ግን ሕልምልም እናበሉ ብሕዙናቶም'ዮም ነናብ ከጸግዖም ዝኽእል ቦታ ከይዶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብወግዒ ሶማልያውያን ስደተኛታት ኣብ ኣመሪካ ክነብሩ ከም ዘይደልዮም'ዩ ተዛሪቡ።
ንሱ ንሶማልያውያን ኣመልኪቱ ንጋዘጤኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል "ናብታ ዝመጻእኩምላ ተመለሱ" ብምባል'ዩ ኣብ ልዕሊ ሶማልያውያን ዘለዎ መርግጺ ኣነጺሩ።
ሶማልያ ድሕሪ ውድቀት ፕረዚደንት ሰይድ ባረ ካብ 1991 ጀሚራ ንምሉእ ሶማልያ ዝቘጻጸር ማእከላይ መንግስቲ ኣይተራእያን።
ሕጂ'ውን እንተዀነ፡ ዋላ ደኣ ኣብ መቓድሾ ማእከላይ መንግስቲ ይሃሉ'ምበር፡ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ብምቍጽጻር ኣብ ርእሰ ከተማ መቓድሾ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ይፍጽሙ ኣለዉ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሚንያፖሊስ ምስ ማሕበራዊ ደገፋት ዝተሓሓዝ ሓያለ ገንዘብ ምጥፍፍኡ ድሕሪ ምርግጋጹ'ዩ ነቲ ኢዱ ናብ ሶማልያውያን ብምውጥዋጥ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ከም ዘይደልዮም ገሊጹ።
ብድሕሪ እዚ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ሚንያፖሊስ 'ሊትል ሞቓዲሾ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባብን ሰይንት ፖልን ፖሊስ ገዛ ገዛ እናኸዱ ሰባት እናኣሰሩ ዘርኢ ቪድዮታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ክረአ ጀሚሩ።
ኣብ ሚንያፖሊስ ኣስታት 80,000 ዝዀኑ ሶማልያውያን ከም ዘለዉ'ዩ ዝግለጽ።
ሕጂ ዋላ እቶም ግዝያዊ ዕቝባ ዝተዋሃቦም'ውን ኣብ ፍርሒ'ዮም ዘለዉ።
ብዙሓት ከኣ ካብቲ ሰብመዚ ኢምግረይሽን ዝገብርዎ ዘለዉ ሃድን ንምኽዋል ኣድራሻ ክቕይሩ ከም ዝተገደዱ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ሶማልያውያን ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም፡ "ናብ ስራሕ ክንከይድ ኣይደፈርናን፤ ምኽንያቱ፡ ኣይሲኢ ኣብኡ ክጸንሑና ይኽእሉ'ዮም። ተሓቢእና ኢና ነሕልፎ ዘለና፣ እቲ ኣብ ኢድና ዝነበረ መግቢ ከኣ ይውዳእ ኣሎ። ብሕጂ እንታይ ከጋጥመና ከም ዝኽእል ብፍጹም ክንግምት ኣይንኽእል ኢና፡" ኢሉ።
ዋላ ደኣ ብወግዒ ኣይፈለጥ'ምበር ልክዕ ከምዚ ናይ መሓድ ናብ ሶማልያ ዝተጠረዙ ሰባት ብዙሓት'ዮም።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ካብ ኣመሪካ ናብ ሶማልያ ዝተጠረዘ፡ ኣብ ሞቓድሾ ከም ብሓድሽ እግሪ ንኽተክል ይቃለስ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንሱ ናብ ዓዱ ምስ ተመለሰ፡ እታ ዓዱ ብደርቒ ተጠቒዓ ከም ዝጸንሓቶን'ዩ ዝሕብር።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይፈቐደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ውልቀሰብ፡ ናብ ብራዚል ብምእታው ንሓያለ ሃገራት ኣቋሪጹ'ዩ ብዶብ ሜክሲኮ ናብ ኣመሪካ ኣትዩ።
ቅድሚ ናብ ሶማልያ ምጥራዙ ከኣ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ'ዩ ኣሕሊፍዎ።
ምስ ቢቢሲ ብተለፎን ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ "ካብ ዜሮ ንኽጅምር'ዮም ናብዚ ጠሪዞሙኒ፣ እዚ ኵሉ ዝሰራሕክዎ ብላሽ ተሪፉ፡ " ይብል።
ናብ ኣመሪካ ንኽኣቱ ኣስታት 20,000 ዶላር ከም ዝወድአ ብምሕባር፡ ገለ ክፋል እዚ ገንዘብ ከኣ ካብ ኣዕሩኽቱን ኣዝማዱን ከም ዝተለቀሖ ይሕብር።
ናብ ሶማልያ ከኣቱ አንከሎ ጥራይ ኢዱ'ዩ ኣትዩ።
ኣብ ሶማልያ ከኣ ዕድላት ስለ ዘይተራኣዮ፡ "ኣብዚ ዝዀነ መጻኢ ኣይርኣየንን'ዩ፡ ስራሕ የሎን ዝዀነ ነገር የሎን፡" ብምባል ዳግማይ ናብ ስደት ከምርሕ መደብ ከም ዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።
"ሕጂ ከም ብሓድሽ 'ሀ' ኢለ ክጅምር ኣይደልይን'የ፤ ናብ ዝዀነ ሃገር'የ ክስደድ ዝደሊ ዘለኹ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







