ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ንጉዳይ መሰል ዜግነት ብቦታ ትውልዲ ክሰምዕ ተሰማሚዑ

መሰል ትውልዲ ዝብል ጭርሖ ዝሓሱ ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ፡ ገለ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ዕሸላት ቅዋማዊ መሰል ዜግነት ኣለዎም ድዩ የብሎምን ንዝብል ጉዳይ ክሰምዕ ተሰማሚዑ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ስልጣኑ፡ በቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ወለዲ ዝተወልዱ ህጻናት ብቦታ ትውልዲ መሰል ከይወሃቦም ፈሪሙ እኳ እንተ ነበረ፡ ሓያሎ ታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ነቲ ስጕምቲ ዓጊተንኦ።

ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ንዝካየድ መጐተ መዓልቲ ኣይተቘጽረን፣ ውሳነ ንኽወሃብ ድማ ኣዋርሕ ተሪፉዎ ኣሎ።

እቲ ቤትፍርዲ ዝውስኖ፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኢምግረይሽን ኣመሪካ ዘካይዶ ዘሎ ዓቢይ ጽልዋን ኣመሪካዊ ዜጋ ንዝብል ኣምርን ክውስኖ ምዃኑ ይግለጽ።

ኣብ መበል 14 መመሓየሺ ቅዋም ኣመሪካ ከም ዝተደንገገ፡ ዝዀነ ኣብታ ሃገር ዝተወልደ ዜግነት ኣመሪካ ይህሉዎ እዩ ዝብል፣ ኣብ መንግስታዊ ተልእኾ ካብታ ሃገር ንዝወጽኡ ዲፕሎማሰኛታትን ወተሃደራትን ድማ ንውሉዳቶም መሰል ይህብ። እዚ ሕጊ'ዚ ንኣስታት 160 ዓመታት ከይተቐየረ ዝቐጸለ እዩ።

ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ደቂ ናይቶም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ወይ ድማ ብግዝያዊ ቪዛ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሰባት ዜግነት ንምኽላእ ዝዓለመ እዩ። እዚ ኣካል ናይቲ ምምሕዳር ትራምፕ ስርዓተ ኢምግረይሽን እታ ሃገር ንምጽጋንን ነቲ "ንሃገራዊ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ርኡይ ሓደጋታት፡" ዝበሎ ንምምካትን ዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ጻዕሪ እዩ።

እቲ ምምሕዳር፡ እቲ መበል 14 መመሓየሺ ዓንቀጽ "ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ" ዝብል ዓንቀጽ፡ እቲ እማመ ንደቂ ናይቶም ብቐዋምነት ይዅን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዘይርከቡ ሰባት ዘግልል ማለት እዩ ኢሉ ተማጒቱ።

ሴሲልያ ዋንግ - ዳይረክተር ማሕበር ስቪላዊ ሓርነት ኣመሪካ - ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዝዀነ ፕረዚደንት ነቲ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ ዝህቦ መሰል ክቕይሮ ከም ዘይክእል ገሊጻ።

"ንልዕሊ 150 ዓመታት፡ ኵሉ ኣብ መሬት ኣመሪካ ዝተወልደ ሰብ፡ ካብ ልደቱ ጀሚሩ ዜጋ ምዃኑ ሕግን ሃገራዊ ልምድናን'ዩ ነይሩ፡" ኢላ።

"እዚ ጉዳይ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ፈጽሚ ክረክብ ብሃንቀውታ ንጽበ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ኣመሪካ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዶባተን ንዝተወልዱ ንእለቱ ዜግነት ዝህባ ኣስታት 30 ሃገራት ዓለም እያ።

ኣብ ልዕሊ ፈጻሚ ትእዛዝ ትራምፕ ሕጋዊ ብድሆታት ምስ ቀረበ፡ ሓያሎ ዳያኑ ቤትፍርዲ ፈደራል እቲ ስጕምቲ ቅዋም ሃገር ዝጥሕስ እዩ ክብሉ ከለዉ፡ ክልተ ናይ ፈደራል ዞባውያን ኣብያተ ፍርዲ ይግባይ ድማ ነቲ ትእዛዝ ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝዓግት ትእዛዛት ኣውጺአን።

ብድሕሪኡ ትራምፕ፡ ነቲ ትእዛዝ ንምብዳህ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ወሲዱዎ። እቲ ቤትፍርዲ ኣብ ሰነ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ፡ እቲ ጉዳይ ንታሕተዎት ኣብያተ ፍርዲ ካብ ደረት ስልጣነን ንላዕሊ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ መበል 14 መመሓየሺ ሕጊ፡ ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ኣመሪካ፡ እቶም ሓራ ዝወጽኡ ኮነ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዱ ግልያታት ነበር መሰል ዜግነት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ዲ ጆን ሳውር፡ እቲ እማመ፡ "ንደቂ ናይቶም ንግዜኡ ናብ ኣመሪካ ዝበጽሑ ወጻእተኛታት ወይ ዘይሕጋውያን ወጻእተኛታት ዘይኰነስ፡ ነቶም ሓደስቲ ሓራ ዝወጽኡ ግልያታትን ደቆምን ዜግነት ንምሃብ፡" ከም ዝጸደቐ ተማጒቱ።

ኣብ መሬት ኣመሪካ ምውላድ፡ ዜግነት ከም ዘውህብ ገይርካ ምሕሳብ፡ "ግጉይ ኣረኣእያ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኣረኣእያ፡ "ኣዕናዊ ሳዕቤን" ከም ዘስዓበ ገሊጹ።

ኣብ 2016 ፍቓድ ካብ ዘይተዋህቦም ወለዲ 250,000 ዕሸላት ተወሊዶም። ካብቲ ኣብ 2007 ክብ ኢሉ ዝነበረ ድማ ብ36% ከም ዝነከየ ማእከል መጽናዕቲ ዘ ፒው ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ ኣብ 2002 ንመወዳእታ ግዜ መረዳእታ ኣብ ዝተኣከበላ ዓመት፡ 1.2 ሚልዮናት ካብ ዜጋታት ኣመሪካ ካብ ፍቓድ ዘይተዋህቦም ዝደተኛታት ከም ዝተወልዱ የረድእ።