ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ዝተቐመጠት ሰበይቲ ንምንታይ ተሰጒጓ?

ጓል 73 ዓመት ሃርጂት ካውር

ምንጪ ስእሊ, Manjit Kaur

ካብ 1991 ኣትሒዛ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ክጥቅመጥ ዝጸንሐት ጓል 73 ዓመት እናሓጎ፡ ብሰበስልጣን ኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምርክን ኣመሪካ (ICE) ናብ ህንዲ ብምስጓጓ ኣብ ማሕበረሰብ ሲንክ ስንባደ ፈጢሩ።

ኣብ ፑንጃብ ካብ ዝነበረ ፖለቲካዊ ዕግርግር ንምህዳም ኣብ 1991 ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ ናብ ካሊፎርንያ ብምኻድ ክትቅመጥ ጸኒሓ። ሕቶ ዕቝባኣ ተቐባልነት ክረክብ ብዙሕ ፈተነታት እኳ እንተ ኣካየደት ክሰልጣ ግን ኣይከኣለን።

ጠበቓኣ ዲፓክ ኣህሉዋልያ፡ እዛ ሃርጂት ካውር ዝተባህለት ኣደ፡ ገበናዊ መዝገብ ዘይብላ ክነሳ ኣብ ግዜ ማእሰርታ ብ"ዘይቅቡል" መንገዲ ከም ዝተታሕዘት ከሲሱ።

ካብ 60 ክሳዕ 70 ሰዓታት ዝኸውን ብዘይዓራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘሕለፈትን ኣብ መሬት ክትድቅስ ከም ዝተቐሰበትን ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መድሃኒት ክትወስድ በረድ ከም ዝተዋህባን ክትበልዖ እትኽእል መግቢ ከም ዘይተቐረበላን ሓቢሩ። ሓለውቲ ናይቲ መዳጐኒ ግን ንዝተዋህባ ሳንድዊች ክትበልዖ ብዘይምኽኣላ ይወቕሳኣ።

ብዓልመዚ ኢምግረይሽንን ኣኽበርቲ ጉምርክን ኣቐዲሙ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እታ ኣደ፡ "ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ግቡእ መስርሕ ከም ዘድከማ"ን ዳኛ ኢምግረይሽን ኣብ 2005 ከተልግስ ከም ዝኣዘዘን ገሊጹ።

"ሃርጂት ካውር ክሳብ ታሽዓይ ዞባዊ ቤትፍርዲ ብዙሕ ግዜ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቕሪባ፣ ኣብ ኵሉ ድማ ተረቲዓ። ሕጂ ኵሉ ሕጋዊ ኣማራጺታት ምስ ወድአት፡ ICE ሕጊ ኣመሪካን ትእዛዛት ዳኛን የተግብር ኣሎ። ካብዚ ንላዕሊ ናይ ኣመሪካ ግብሪ ዶላር ኣይክተባኽንን እያ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ሳንፍራንሲስኮ ቤይ ኣብ ዝርከብ ሄርኩለስ እትነብር ዝነበረት ወ/ሮ ካውር፡ ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ከም ሰፋዪት ባህላዊ ክዳን ሳሪ ኰይና ሰሪሓ፣ ግብሪ ድማ ትኸፍል ነይራ። ኣመልከትቲ ዕቝባ፡ ሕቶኦም ኣብ መስርሕ እንከሎ ብሕጋዊ መንገዲ ክነብሩን ክሰርሑን ይፍቀደሎም እዩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ደልሂ ድሕሪ ምዕላባ ንጋዜጣ ታይምስ ኦፍ ኢንዲያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ንኽንድ'ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምንባርካ፡ ሃንደበት በዚ መንገዲ ትእሰርን ትስጎግን፤ ነዚ ካብ ምግጣም ሙማት ይሓይሽ፡" ኢላ።

እቲ ሕቶ ይግባያ ምስ ተነጽገ፡ ናብ ህንዲ ንምምላስ ግቡእ ሰነዳት ስለ ዘይነበራ፡ ኣብ ኣመሪካ ክትጸንሕን ምስራሕን ቀጺላ።

ካብ ሽዑ ጀሚራ ኣብ ነፍሲወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ናብ ሰብመዚ ኢምግረይሽን ከተመልክት ተሓቲታ። ከምዚ ክትገብር ናብ ሳንፍራንሲስኮ ምስ ከደት ድማ እያ ተታሒዛ።

ምእሳራ ኣብ ማሕበረሰብ ሲክ ስንባደን ቍጥዐን ዘስዓበ ኰይኑ፡ ደገፍታ ኣብ ካሊፎርንያ ተቓውሞታት ኣካይዶም።

በብዓመቱ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሓተትቲ ዕቝባ ናብ ዶባት እታ ሃገር ይኣትዉ፣ ዛጊት ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ጉዳያት ዕቝባ ኣብ ቤትፍርዲ ኢምግረይሽን ይርከብ።