ናብራ ግዳም ሓደራት ኣመሪካ፡ 'ትራምፕ ስእለይ ምስ ለጠፎ ቴንዳይ ዓንዩ'

ጻዕዳ ማልያያን ሃሳስ ቀጠልያ ሓጺር ስረ ዝገበረ ጸሊም ኦክያለ ገይሩ ኣብ ሰድያ ዝተቐመጠ ሰብኣይ፡ ብድሕሪኡ ቴንዳን ዓቢ ህንኣን ይረአ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ባዕሉ ዝውንኖ መጻወቲ ጎልፍ ብመካይን ተዓጂቡ እናሓለፈ እንከሎ ንዓይኑ ዝስሕብ ነገር ኣብ መንገዱ ተዓዘበ፤ ግዳም ሓደራት ኣብ ማእከል ሳዕሪ ዝዘርግሕዎ ቴንዳ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብቲ ዝውንኖ ትሩዝ ተሰመየ ማሕበራዊ ሚድያ "እዞም ግዳም ሓደራት [ካብ ዋሽንግተን ዲሲ] ብጽበት ክወጽኡ ኣለዎም" ዝብል ጽሑፍ ኣርባዕተ ኣሳእል ኣሰንዩ ለጢፉ።

ሓንቲ ካብተን ኣሳእል ከኣ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍደገ ቴንዳ ኣብ መንበሩ ኮፍ ኢሉ እንከሎ እተርኢ እያ።

እቲ ሰብ ቢል ትዮዲ'ዩ ዝብሃል።

ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ቢል ትዮዲ ካብታ ቴንዳ ብሓይሊ ክወጽእ ተገዲዱ።

ነታ ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ዝለጠፋ ስእሊ ምስ ኣርኣኽዎ "እዚ ደኣ ኣነ እንድየ" ብምባል ተገሪሙ ጠመታ፣ ነታ ትራምፕ ዝለጠፋ ስእሊ ንመጀመርታ እዋን'ዩ ዝርእያ ነይሩ።

"ብፍኒስትራ ናይ መኪና ኰይኑ እዩ ስኢሉኒ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣሉታዊ መልክዕ ኣትሒዙ ለጢፉ መሳርሒ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ገይርዎ" ኢሉ ቢል።

ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ዝዘርገሖ ስእሊ፡ ቦል ትዮዲ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ይረአ
መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ዝዘርገሖ ስእሊ፡ ቦል ትዮዲ ኣብ ሰድያ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ይረአ

ንጽባሒቱ ሰኑይ ትራምፕ፡ ነቶም ኣብ ርእሰ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከቡ ግዳም ሓደራት ካብታ ከተማ ከውጽኦም ምዃኑ ብወግዒ ኣፍሊጡ።

"ነቶም ግዳም ሓደራት ካብቲ ኣዝዩ ጽቡቕ ዘዀነ ፓርክታት ከነልግሶም ኢና፣ ኣብ ፓርክታት ሻውላት ይፍጠር ኣሎ ኣዝዩ ዘዳኽም ነገር'ዩ" ብምባል ካብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ነቲ ስጕምቲ ወግዓዊ ገይርዎ።

ብድሕሪ እዚ 'ቢቢሲ ቨሪፋይ' ነተን ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ዝዘርገሐን ኣሳእል ከጽንዐንን ክምርምረንን ጀሚሩ።

እቲ ቴንዳ ዝተዘርግሓሉ ቦታ ካብ ዋይት ሃውስ ብመኪና ኣስታት 10 ደቂቕ ርሒቑ'ዩ ዝርከብ።

ካብቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቢቢሲ ከኣ ትሕቲ 10 ደቂቕ'ዩ።

እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ንምፍላጥ ናብቲ ቦታ ኣምሪሕና፤ ሰብ መዚ ከኣ ነቶም ኣብ ቴንዳ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ንኽወጽኡ ከገድድዎም ጸኒሖም።

ነቲ ወዲ 66 ዓመት ዝዀነ ቢል'ውን ኣብ ተመሳሳሊት ሰድያ ኮፍ ኢሉ ጸኒሑኒ።

ትራምፕ ጎልፍ ክጻወት ብብዙሓት መካይን ተዓጂቡ እናሓለፈ ርእይዎ ነይሩ።

"እተን ቃፍላይ መካይን ናይ ፕረዚደንት ኣዝየን ብዙሓት'የን፤ በዚ ክሓልፋ ከኣ ሰለስተ ግዜ ርእየየን" ይብል ቢል።

"ይርድኣኒ'ዩ ዛሕዛሕ ዝበለ ነገር ክርኢ ኣይደልይን'ዩ፣ እዚ ስለዝዀነ ኢና ዝያዳ ጽሬት ንምሕላው ካብቲ መንገዲ ኣርሒቕና፡ ንውሳነ ናይ ፕረዚደንት ይዅን ካልእ ሰብ ንዘይምእዛዝ ኣይኰንናን ንፍትን ዘለና" ይውስኽ።

ቢል ኣብ ህንጻዊ ስርሓት እናሰርሐ ኣብቲ ቴንዳ ንዓመታት'ዩ ተቐሚጡ።

ካብ 2018 ጀሚሩ ከም ቀዋሚ ሰራሕተኛ ኰይኑ ዝሰርሓሉ ስራሕ'ኳ እንተዘይረኸበ ብመልክዕ መዓልታዊ ስራሕ ግን ንናብራኡ ንምእላይ ዝኸውን ኣይስኣነን።

ብሓሙስ ቢልን ካልኦትን ንብረቶም ጠርኒፎም ካብቲ ቦታ ብቕጽበት ክወጽኡ ተሓቢርዎም።

ሓደ ጋዜጠኛ ከኣ እተን ነቲ ቴንዳታት ንምዕናው ዝተሰደዳ ቡልዶዞራት ነቲ ቴንዳታት እናኣዕነወኦ እንከለዋ ብቪድዮ ስኢልወን።

መግለጺ ቪድዮ, ዶዞራት ነቲ ቴንዳታት እናኣፍረስኦ ዘርኢ ቪድዮ

ቢል ትዮዲ "ወይ ጠርኒፍኩም ተኣለዩ ወይ ምስ ንብረቱ ከነዕንዎ ኢና ኢሎምና፣ ንምዝራብ ጥራይ'ውን ኣይመጽኡን" ብምባል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገሊጽዎ።

ኣብ ዋሽንገተን ዲሲ ኣብ ክፍሊ ጥዕናን ሰባዊ ኣገልግሎትን ምክትል ከንቲባ ዝዀነ ዋይነ ቱርናገ፡ ሰብ መዚ ነቲ ኣብታ ርእሰ ከተማ ብዘይኣገባብ ዝተደኰነ ቴንዳታት ከምዘፍረስዎ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ምፍራስ መብዛሕትኡ ግዜ ንዝተወሰነ ሰሙናት ናይ መጠንቀቕታ ምልክታ ድሕሪ ምሃብ'ዩ ዝፍጸም ነይሩ፣ ሕጂ ግን ትራምፕ ምስ ሓበረ ብቕጽበት'ዮም ናብ ተግባር ተሰጋጊሮም።

ቢል ትዮዲ ኣብ መዓስከር ንኽነብር ድሕነት ከምዘይስምዖ'ዩ ዝገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ቢል ትዮዲ ኣብ መዓስከር ንኽነብር ድሕነት ከምዘይስምዖ'ዩ ዝገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ብዓል ቢል ዝነበርዎ ቴንዳታት እቲ ዝበዝሐ ኣብ ሓደ ቦታ ዝተደኰነ ቴንዳታት'ዩ።

ኣብ ጥቓ ሓደ ካብ ዓበይትን ቀንድን ጎደናታት ዋሽንግተን ዝዀነ ቦታ ቢል ዝርከቦም 11 ሰባት'ዮም ጥቃ ንጥቃ ቴንዳ ዘርጊሖም ዝነብሩ ነይሮም።

ሎሚ ዓመት ብሓፈሻ 97 ግዳም ሓደራት ብቴንዳ መዓስከራት ፈጢሮም ኣብታ ከተማ ዝነበሩ ነይሮም።

እዚ ምስቲ ኣብ 2023 ኣስታት 297 ዝነበረ ቍጽሪ ቴንዳታት ዘርጊሖም ዝነበሩ ግዳም ሓደራት ብምውድዳር ኣዝዩ'ዩ ጎዲሉ።

ብሓፈሻ ግን ምስቶም መንግስቲ መጸግዒ ዝሃቦም ተደሚሮም ሎሚ ዓመት ኣብ ዋሽንግተን 5 ሽሕን 138 ምዝጉባት ግዳም ሓደራት ኣለዉ።

እዚ ቍጽሪ ኣብ 2024፡ 5 ሽሕን 613 ከምዝነበረ ሰነዳት ምምሕዳር እታ ከተማ ይሕብር።

ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ ካብ ዘለዉ ግዳም ሓደራት እቶም 4300 ግዝያዊ መጽለሊ ዝተውሃቦም ክዀኑ እንከለዉ እቶም 800 ግን ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ'ዮም።

ዋይት ሃውስ ነቶም ኣብ ጎደናታት ዝሓድሩ ግዳም ሓደራት፡ ጽላል፡ ወልፍታት ምስ ዝህልዎም ከኣ ኣገልግሎት ጥዕና ክውሃቦም ምዃኑ፤ ነዚ ምስ ዝሕሰምዎ ግን ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ ክቅጽዑ ምዃኖም'ዩ ኣዊጁ።

ቢል "ሃንደበት መጺኻ እናኣፈራራሕካ ንሰባት ወይ ናብ ግዝያዊ መጽለሊ ኪዱ ወይ ክንኣስረኩም ኢና ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ኣነ ናብ መዓስከራት ክኸይድ ኣይደልይን'የ ኣዝዩ ሕማቕ ቦታ'ዩ" ይብል።

ምስቶም ግዳም ሓዳራት ዝሰርሓ ትካላት ግብረ-ሰናይ፡ እቲ ንግዳም ሓደራት ንምጽላል ዝስራሕ መጽለሊታት ንውሱናት ሰባት ጥራይ ክሕዝ ተባሂሉ ስለዝስራሕ ዘለወን ስክፍታታት ገሊጸን ኣለዋ።

ቢል ቴንዳኡ ምስ ፈረሰ ንሰለስተ መዓልታት ሓደ ቴንዳኡ ከምዝፈረሰ ርእዩ ዝሃቦ ሰልዲ ተጠቂሙ ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ሓደ ሞቴል ንሰለስተ መዓልታት ደቂሱ።

"እዚ ክፍሊ ብቴንዳይን ካልእ ውልቃዊ ንብረተይ ምልእ'ዩ ኢሉ ዘሎ፣ ግን ኣብ ዓራት ይደቅስ ስለዘለኹ ጽቡቕ ይስምዓኒ ኣሎ። ሻወር ይገብር ብሕት ኢለ ደገ ዝወጽኣሉ ዓይኒ ምድሪ ኣለኒ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር'ዩ።ካብቲ ብሩኽ ሰብ ገንዘብ እንዘይረከብ ነይረ እንታይ ክገብር ከምዝኽል ኣይፈልጥን'የ፣ መን ይፈልጥ ኣብ ሓደ ማረቻበዲ ኮፍ ኢለ ግዜ መሕለፍክዎ " ይውስኽ።

እተን ቢል ዝውንነን ንብረት

ምንጪ ስእሊ, Submitted photo

መግለጺ ስእሊ, እተን ቢል ዝውንነን ንብረት

ቢል ትዮዲ ካብዚ ሞቴል ምስ ወጽአ ቴንዳኡ ክዝርግሓሉ ዝኽእል ቦታ ክደሊ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ። ኣበይ ክዝርግሕ ምዃኑ'ኳ ሓሳብ እንተዘይብሉ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ናይ ምውጻእ ሓሳብ ከምዘይብሉ ግን ኣይሓበአን።

ካልእ ቴንዳኡ ዝፈረሶ ጆርጅ ሞርጋን ዝተብሃለ ወዲ 65 ዓመት'ውን ረኺበ።

እቲ ዝነበረሉ ዝነበረ ገዛ ስለዝኸበሮ ካብ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ቴንዳ ዘርጊሑ ኣብ ጎደናታት ክነብር ከምዝጀመረ ገሊጹለይ።

 ጆርጅ ሞርጋን
መግለጺ ስእሊ, ጆርጅ ሞርጋን

ንሱ'ውን ልክዕ ከም ቢል ትዮዲ ዝኸፍለሉ ረኺቡ ከልቡን ቴንዳኡን ሒዙ ኣብ ሓደ ሞቴል ከምዘሎ ገሊጹለይ።

ጆርጅ ሞርጋን፡ "ንእትቕጽል ሓንቲ መዓልቲ ዝኸፍለለይ እንተረኸብኩ ይጽበ ኣለኹ፣ እተን ናይ መወዳእታ ዝነበራኒ 15 ዶላር ንኸልበይ መግቢ ዓዲገሉ" ኢሉኒ

ቅድሚ እዚ ጽሑፍ ናብ ሕትመት ምብቕዑ'ውን ንጆርጅ ሞርጋን ቢቢሲ ደጊሙ ደዊለሉ፣ "ንቀዳመ ሰንበት ዝኸፍለለይ ረኺበ ኣለኹ ዝመጽእ ሰሙን እንታይ ከምዝስዕብ ግን ኣምላኽ ሒዝዎ ኣሎ" ኢሉ።