ትራምፕ፡ ግዳም ሓደራት ካብ ዋሽንግተን ብቕጽበት ክወጽኡ ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ገበናት ንምክልኻል ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ቤት ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ብቕጽበት ክወጽኡ ኣዚዙ።
ከንቲባ እታ ርእሰ ከተማ ግን ንሓሳብ ትራምፕ ብምቕዋም፡ ንዋሽንግተን ዲሲ ምስ ባቕዳድ ምምስሳል ከምዘቘጠዓ ኣብሪሃ።
ምክትል ሓላፊ ዋይት ሃውስ ስቴፈን ሚለር፡ ዋሽንገተን ዲሲ ብዕግርግርን ገበንን፡ "ልዕሊ ባቕዳድ'ያ" ንዝበሎ እያ ግብረመልሲ ሂናትሉ።
ከንቲባ ዋሽንግተን ሜርየል ቦወዘር፡ ኣብታ ከተማ ወሰኽ ገበናት ከምዝተረኣየ ግን ትኣምን።
ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ "ክትነብሩሉ ትኽእሉ ቦታ ክንህበኩም ኢና፣ ካብ ርእሰ ከተማ [ዋሽንግተን ዲሲ] ግን ርሕቕ ዝበለ'ዩ ክኸውን" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ'ውን ንዋሽንግተን ዲሲ "ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝነበረቶ ዝጸበቐትን ድሕነታ ዝተሓለወን" ክገብራ ምዃኑ ተመባጺዑ።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቤት ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ቀይዲ ንኽኣትዉ ቀሊል ዝገብር ሕጊ ፈሪምሉ ነይሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ኣብ ጎደናታት ዋሽንግተን ዲሲ ንኽዋፈሩ ትእዛዝ ሂቡ ነይሩ።
ትራምፕ ኣብቲ ባዕሉ ዝውንኖ ትሩዝ ዝተሰምየ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰንበት ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ "እቶም ቤት ኣልቦ ዝዀኑ ብቕጽበት ክወጽኡ [ካብ ዋሽንግተን ዲሲ] ኣለዎም" ኢሉ።
ኣስዒቡ፡ "ካብዛ ርእሰ ከተማ ርሕቕ ኣብ ዝበለ ቦታ ክንህበኩም ኢና፣ እቶም ገበነኛታት ግን ምውጻእ ኣየድልየኩምን'ዩ፡ ናብቲ ዝግበኣኩም ቤት ማእሰርቲ ከነእትወኩም ኢና" ኢሉ።
ትራምፕ ናይ መወዳእታ መደቡ እንታይ ምዃኑ ኣየነጸረን። ኣብ 2022 ግን ቤት ኣልቦ ዝዀኑ ሰባት ካብ ከተማታት ወጻኢ ዓይኒ ምድሪ ዘለዎ ምዕቡል ቴንዳታት ሰሪሑ ከውጽኦም መደብ ከምዘለዎ ኣተንቢሁ ነይሩ።
ትራምፕ ብዓርቢ ነቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ 'ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኰይኑ' ዝበሎ ገበናት ንምቍጽጻር ዩኤስ ፓርክ ፖሊስ፡ ምምሕዳር ምቍጽጻር ዕጸፋርስ፡ ኤፍቢኣይን ዩኤስ ማርሻል ሰርዚስን ናብታ ከተማ ክዋፈሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ዩ።
ናብታ ከተማ ኣስታት 450 ኦፊሰራት ከምዝተዋፈሩ ዋይት ሃውስ ንናሽናል ፐብሊክ ራድዮ ሓቢሩ።
ቀንዲ መንቀሊ እዚ ጉዳይ ሰራሕተኛ ምቍጽጻር ብቕዓት ትካላት ዝነበረ ወዲ 19 ዓመት ኣብ ማእከል ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ ብገበነኛታት ተጋፊዑ መኪናኡ ክትጭወ ፈተነ ምስ ተኻየደሉ'ዩ።
ከንቲባ ዋሽንግተን ዲሲ ሜርየል ቦወዘር፡ ንዋሽንግተን ልክዕ ከም ኣብ ኲናት ዘላ ሃገር ምምሳላ ግቡእ ከምዘይኰነ'ያ ትማጎት።
እታ ከንቲባ፡ "ኣብ 2023 ቍጽሪ ገበናት ከምዝወሰኸ ርኢና ኢና፣ ሕጂ ግን ኣብ 2023 ኣይኰንናን ዘለና፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣብዛ ከተማ ገበናት ንኽንኪ ክንረባረብ ጸኒሕና ኢና፣ ናብቲ ቅድሚ 30 ዓመታት ዝነበሮ'ውን ከነውርዶ ክኢልና ኢና።" ኢላ።
ኣብታ 700 ሽሕ ተቐማጦ ዘለዋ ዋሽንግተን ዲሲ 3782 ቤት ኣልቦ ሰባት ከምዘለዉ ሮይተርስ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቓሊሑ።
እቶም ዝበዝሑ ኣብ መንግስቲ ዝሃቦም ግዝያዊ መጽለሊ ዝነብሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቶም 800 ሰባት ግን ኣብ ግዳም ሓደር እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







