ትራምፕን ፑቲንን ብዛዕባ ዩክረይን ክመያየጡ ኣብ ኣላስካ ክራኸቡ እዮም

ፕረዚደንታት ትራምፕን ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ዝመጽእ ዓርቢ ኣብ ኣላስካ ተራኺቦም ብዛዕባ መጻኢ ኲናት ዩክረይን ክዘራረቡ እዮም።

ትራምፕ ነቲ ን15 ነሓሰ ከካይድዎ ዝወጠንዎ ኣኼባ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዕላዊ ዝገበረ ኰይኑ ድሒሩ ድማ ብወሃቢ-ቓል መንግስቲ ሩስያ ተረጋጊጹ።

እቲ ወሃቢ-ቓል ኣላስካ ምስ ሩስያ ብተዛማዲ እቲ ዝቐረበ ክፋል ኣመሪካ ብምዃኑ እዩ ተመሪጹ ኢሉ። ወሲኹ፡ ትራምፕ መቐጸልታ ናይቲ ዋዕላ ንኽሳተፍ ናብ ሩስያ ከም ዝተዓደመ ሓቢሩ።

ካብ ዩክረይን ዝተዋህበ ቅጽበታዊ ግብረ መልሲ የሎን። ትራምፕ ነቲ ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጐረቤታ ዝጀመረቶ ኲናት ንምግታእ፡ ዩክረይን መሬት ክትህብ ክትግደድ ከም እትኽእል ድሕሪ ምእንፋቱ'ዩ ክልተኦም መራሕቲ ከም ዝራኸቡ ዝተገልጸ።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዋይት ሃውስ፡ "ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝተዋጋእኩምሉ መሬት ኢኹም ትጥምቱ ዘለኹም፣ ከም ውጽኢቱ ድማ ብዙሓት ሩስያውያንን ዩክረይናውያንን ሞይቶም፡" ኢሉ።

"ኣዝዩ ዝተሓላለኸ'ዩ። ገለ ክንመልስ ኢና፡ ገለ ክንቅይር ኢና። ገለ ምልውዋጥ ግዝኣታት ክህሉ'ዩ። ንኽልቲኦም ብዝጠቅም መንገዲ እነተዓራርዮ ነገር ክህልወና እዩ፡" ትራምፕ እቲ እማመ እንታይ ከም ዝመስል ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

ይዅን እምበር፡ ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ኒውስ፡ ነቲ ዘተ ዝፈልጡ ምንጭታት ብምጥቃስ፡ ዋይት ሃውስ፡ መራሕቲ ኤውሮጳ፡ ሩስያ ንመላእ ዞባ ዶንባስ ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ወሲዳ ንክረሚያ ክትሕዛ ዘጠቓልል ስምምዕ ክቕበሉ ይጽዕር ከም ዘሎ ይሕብር።

ከም ኣካል ናይቲ ዝቐረበ ስምምዕ፡ ነተን ብኸፊል ዝሓዘተን ዞባታት ከርሰንን ዛፖሪዝዝያን ድማ ክትገድፈን ምዃና ሲቢኤስ ጸብጺቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቐዲሙ ብዓርቢ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ፑቲን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንልኡኽ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ተመሳሳሊ ምድላው ሓሳብ ከም ዘቕረበ ጸብጺቡ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ፑቲንን ካብ ቅድመ-ዅነት ሰላም ርሒቖም ከም ዘለዉ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዩክረይንን መሻርኽቲ ኤውሮጳን ኣብ ከምዚ ዓይነት ውዕሊ ክሰማምዑ ድዮም ኣይሰማምዑን ንጹር ኣይኰነን።

ዘለንስኪ ግዝኣታዊ ሕድገታት ከም ቅድመ-ዅነት ገይርካ ዝግበር ዘተ ካብ ፈለማ ነጺግዎ ኣሎ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ንዝመጽእ ዓርቢ ዝተወጠነ ኣኼባ ክለዋወጥ ከም ዝኽእልን ሕጂ'ውን ዘለንስኪ ብገለ ዓቕሚ ክሳተፍ ተኽእሎ ከም ዘሎን ገሊጹ።

ሞስኮ በቲ ዘካየደቶ መጠነ-ሰፊሕ ወራር ምሉእ ዓወት ኣይረኸበትን። እንተዀነ፡ ኣስታት 20 ምኢታዊት መሬት ዩክረይን ክትቈጻጸር ዝኸኣለት ኰይና መጥቃዕትታት ዩክረይን ንሓይልታት ሩስያ ንድሕሪት ክደፍኦም ኣይከኣለን።

ኣብ ኢስታንቡል ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝተኻየደ ሰለስተ ዙርያ ቀጥታዊ ዝርርብ፡ ነቲ ኲናት ናብ መወዳእታ ከብጽሖ ኣይከኣለን፣ ሞስኮ ንሰላም ዘቕረበቶ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ቅድመ-ዅነት ብኪየቭን መሻርኽታን ዩክረይን ኢዳ ከም ዝሃበት ተገይሩ'ዩ ዝቝጸር።

ጠለባት ሩስያ፡ ዩክረይን ገለልተኛ ሃገር ክትከውን፣ ወተሃደራዊ ሓይላ ብዓቢዩ ምንካይን ባህግታት ኔቶ ምግዳፍን ከምኡ'ውን ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ እገዳ ምልዓል ይርከብዎም።

ሞስኮ ብተወሳኺ፡ ኪየቭ ካብተን ሩስያ ብኸፊል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዩክረይን ዝሓዘተን ኣርባዕተ ዞባታት ወተሃደራታ ክትስሕብ ትደሊ።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "መራሕቲ ኤውሮጳ ሰላም ኰይኑ ክርእዩ ይደልዩ፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሰላም ኰይኑ ክርኢ ይደሊ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡ ዘለንስኪ'ውን ብተመሳሳሊ ሰላም ክኸውን ይደሊ፡" ኢሉ።

ትራምፕ፡ "ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኵሉ ዘድልዮ ክረክብ ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ገለ ነገር ንምፍራም ክዳሎ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣበርቲዑ ዝሰርሕ ዘሎ ይመስለኒ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትራምፕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ ብፑቲን ተስፋ ቈሪጸ ኣለኹ፣ እንተዀነ መሊአ ኣይቀበጽኩን፡" ኢሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣንጻር ክረምሊን ዘለዎ መርገጺ ዘትረረ ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንኽብል ክትሰማማዕ ወይ ድማ ዝያዳ ሰፊሕ እገዳ ከም ዝገጥማ ትማሊ ዓርቢ ኣጠንቂቑ።

እቲ ናይ መወዳእታ ግዜ እናቐረበ ምስ ከደ ግን ትራምፕን ፑቲንን ብኣካል ተራኺቦም ኣብ ክህሉ ዝኽእል ስምምዕ ሰላም ክዛተዩ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ትማሊ ዓርቢ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ከም ዝግበር ዝገልጽ ሓበሬታ የሎን።

ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ለካቲት ብተለፎን ዝተዘራረቡ ኰይኖም፡ ድሕሪ ምሉእ ወራር ሩስያ ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ንፈለማ እዋን ዝተገበረ ቀጥታዊ ርክብ'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ንመወዳእታ ግዜ ብኣካል ምስ ፑቲን ዝተራኸበሉ ኣብ 2021 ኰይኑ ጀነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ'ዩ ነይሩ።