ትራምፕን ፑቲንን ብኣካል ክራኸቡ እዮም - ተባሂሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ኣብ "ዝቕጽሉ መዓልታት" ክራኸቡ ከምዝተሰማምዑ ሓደ ተሓጋጋዚ መንግስቲ ክረምሊን ገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፡ ትራምፕ ምስ መዛኑኡ መራሕቲ ሩስያን ዩክረይንን "ኣብ ቀረባ እዋን" ብኣካል ተራኺቡ ኲናት ዩክረይን ንምብቃዕ ክዘራረብ "ጽቡቕ ዕድል" ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

ትራምፕ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንምባል ክትሰማማዕ ወይ ድማ ተወሳኺ ሰፊሕ እገዳ ክስዕባ ምዃኑ ዘቕመጦ ገደብ ግዜ ገደብ ዓርቢ 08 ነሓሰ ከብቅዕ እዩ።

ብኻልእ ወገን፡ትራምፕን ፑቲንን ክራኸቡ ምዃኖም ዝግለጽ ዘሎ፡ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ብረቡዕ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ድሕሪ ምዝርራቡ እዩ።

ዊትኮፍ ቅድሚ ሕጂ ኣርባዕተ ግዜ ናብ ሞስኮ ተጓዒዙ'ዩ።ትራምፕ ተስፋ ረኺቡ'ኳ እንተነበረ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ዝርርብ ሰላም ዓቢ ፍረ ኣይተረኸበን።

ትራምፕ፡ ብረቡዕ ምሸት፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተኻየደ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ፑቲንን "ኣብቲ ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ዝርርብ ክሳተፉ፡ ተሰማሚዖም ድዮም?" ዝብል ሕቶ ቀሪቡሉ፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ ተስፋ" ከምዘሎ እዩ ገሊጹ።

ሓጋዚ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭ፡ ብረቡዕ ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ፡ እዚ ሓሳብ ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ኣኼባ፡ ከምዝተጠቕሰ እኳ እንተገለጸ፣ እቲ ኣማራጺ ሩስያ ግን "ብዘይ ርእይቶ" ከምዝተገደፈ ብማዕከናት ዜና ሩስያ ገሊጹ።

ዘለንስኪ ነቲ ዝርርብ ደገፉ ኣርእዩ፡ ዝተፈላለየ ቅርጺ ኣኼባታት ከምዝተዘተየሉ ኣንፊቱ፤ "ክልተ-ክልተኣዊን ሓደ ስሉሳዊን" ኣኼባታት።

ኤውሮጳ ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ እቲ ዝርርብ "ተሳታፊት ክትከውን ኣለዋ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ኤክስ ኣበ ዘስፈሮ ጽሕፉ፡ "ዩክረይን ንዝርርብ ኣይትፈርሕን እያ፣ ካብ ወገን ሩስያ ድማ ተመሳሳሊ ተወፋይነት ትጽበ" ክብል ጽሒፉ።

ኡሻኮቭ፡ ትራምፕን ፑቲንን ዝራኸብሉ ቦታ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎን፡ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ድሒሩ ክግለጽ ምዃኑን ገሊጹ።

እቲ ንፑቲን ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ዘማኽር በዓል ስልጣን፡ ኵሎም ወገናት ኣብ ዝርዝር ነገራት ምስራሕ ጀሚሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትራምፕ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ድሕሪ'ቲ ዊትኮፍ ዝገበሮ ተደጋጋሚ [ኣርባዕተ ግዜ] ምብጻሕ፡ ብፑቲን ተቘጢዑ ምንባሩ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ሕጂ ዝያዳ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ቃና እዩ ዝዛረብ ዘሎ።

ረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ከም ሓድሽ ነገር ገይረ ኣይርእዮን እየ...ኣብዚ ንነዊሕ እዋን ክንሰርሐሉ ጸኒሕና። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መንእሰያት ይሞቱ ኣለዉ...ኣነ ኣብዚ ዘለኹ ነቲ ነገር ክውድኦ እየ፡" ኢሉ።

ክረምሊን ግን፡ ብዛዕባ ምብጻህ ዊትኮፍ መደናገሪ መግለጺ እዩ ዘርጊሑ።

ነቲ ዘተ "ሃናጺ" ክብል ብምግላጽ፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ኣንፈታት ከምዝተለዋወጡ ኣመልኪቱ።

ዘለንስኪ ብኻልእ ወገን ብዛዕባ ዑደት ዊትኮፍ ምስ ትራምፕ ከምዝተዘራረበን፡ መራሕቲ ኤውሮጳ እውን ኣብቲ ጻውዒት ከምዘለዉን ገሊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ ፑቲን ናብ ሰላም ገጹ ዝገብር፡ ሩስያ ገንዘባ ክትውድእ እንተጀሚራ ጥራይ ምዃኑ ከጠንቅቕ ጸኒሑ'ዩ።

ትራምፕ እንታይ ኢሉ ነይሩ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብ መወዳእታ ሓምለ፡ ኣብ ውሽጢ "ዓሰርተ ወይ 12 መዓልታት" ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብል ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ምዕባለ ስለ ዘየርኣየ፡ ካብዚ ንላዕሊ ንምጽባይ "ዝዀነ ምኽንያት የሎን፡" እውን ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንመግለጺ ትራምፕ፡ "ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ፡" ክብል መጒሱዎ።

ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኲናት ደው ንምባል 50 መዓልታት ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ፣ እንተዘይኰይኑ፡ ንሃገሩ ከቢድ ቀረጽ ክስልዓላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡እቲ ገደብ ሎሚ ዓርቢ እዩ ዘብቅዕ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ።

ብዕስለ ድሮናትን ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ብምጥቃዕ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ሃገር ንእትገብሮ መጥቃዕቲ ቀጺላቶ ኣላ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ብመንጐኝነት ቱርኪ ዝተኻየደ ሰለስተ ግዜ ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣሽሓት ምሩኻት ኲናት ክለዋወጡ ኣኽኢሉ'ዩ። እንተዀነ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ዘኽእል ዝዀነ ሓቀኛ ምዕባለ ኣይተራእየን።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ደማዊ ግጭት፡ ክልቲኦም ወገናት ብኸመይ ኣብ ውሽጢ እዘን መዓልታት ነቲ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ የዘራርብ ኣሎ።