ትራምፕ፡ ፑቲን ኣብ 10 -12 መዓልቲ ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል ክሰማማዕ ኣለዎ ኢሉ

ፕረዚደንት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ካብ ሰኑይ ኣትሒዛ ኣብ ውሽጢ "ዓሰርተ ወይ 12 መዓልታት" ምስ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኲናት ደው ከተብል ሓድሽን ሓጺርን ናይ ግዜ ገደብ ኣቐሚጡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ምዕባለ ስለ ዘየርኣየ፡ ካብዚ ንላዕሊ ንምጽባይ "ዝዀነ ምኽንያት የሎን፡" ኢሉ። ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ንመግለጺ ትራምፕ፡ "ዕዙዝ ኣገዳስነት ዘለዎ፡" ክብል መጒሱዎ።

ትራምፕ ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ኲናት ደው ንምባል 50 መዓልታት ኣለዎ፣ እንተዘይኰይኑ፡ ንሃገሩ ከቢድ ቀረጽ ክስልዓላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ትራምፕ ኣብ ስኮትላንድ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቲ ሓድሽ ናይ ግዜ ገደብ ሰኑይ ወይ ሰሉስ ከረጋግጾ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኣብ ልዕሊ ሞስኮ እገዳን ካልኣዊ ቀረጽን ክግበር ምዃኑ ግን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ዘለንስኪ፡ ትራምፕ ንዘቐመጦ ዝተመሓየሸ ገደብ ግዜ ኣመስጊኑ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ግዚኡ እዩ መጺኡ፡" ኢሉ። ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ "ህይወት ንምድሓንን ነዚ ዘስካሕክሕ ኲናት ደው ንምባልን፡" ንዘለዎ "ንጹር መርገጽን ተወፋይነትን፡" ንኢዱ።

ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ሓምለ፡ ምስ ሩስያ ንግዲ እተካይድ ዝዀነት ሃገር፡ 100% ቀረጽ ክስልዓላ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ፡ ነቲ ኣቑሑት ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ስለ ዝገብሮ፡ ትካላት ንግዲ ኣመሪካ ብዝሓሰረ ዋጋ ካብ ካልእ ቦታ ክገዝኣኦ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንሩስያን ምስኣ ዝነግዳ ሃገራትን ኣታዊአን ክጐድል ዝገብር እዩ።

ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኬር ስታመር ኣብ ስኮትላንድ ድሕሪ ዘካየዶ ርክብ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፑቲን ምሉእ ወራር ኣካዪዱ ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝወሰዶ ስጕምትታት ከም ዘይቅበሎ ደጊሙ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትራምፕ፡ ፑቲን "ክሕሱ" ከም ዝጸንሐ ይኣምን እንተዀይኑ ኣይገለጸን። እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ እቲ ፑቲን ኣብ ዝርርቦም ዝበሎን ለይቲ ለይቲ ናብ ከተማታት ዩክረይን ዝትኵሶ ሚሳይላትን ዘሎ ፍልልይ ኣመልኪቱ።

"ተዅሲ ደው ከነብል፣ ምናልባት'ውን ሰላም ከነስፍን እናበልና. . . ብድሕሪኡ ምሸት ምሸት ሚሳይላት ናብ ኪቭን ካልኦት ከተማታትን ክሰዱ ጀሚሮም፡" ኢሉ። ዘተ ይከኣል እዩ ኢሉ ይሓስብ ከም ዝነበረ፣ ሕጂ ግን "እቲ መስርሕ ኣዝዩ ደንጒዩ" ከም ዘሎን ገሊጹ።

"ኣነ እብል ኣለኹ፡ ረስዓዮ። ደጊም ኣይክዛረብን እየ። ከምዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣጋጢሙ'ዩ፣ ደስ ኣይብለንን እዩ፡" ክብል'ኳ እንተ ገለጸ፡ ምስ ፑቲን ኵሉሳዕ ጽቡቕ ከም ዝሰማምዑ'ውን ሓቢሩ።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ "ድሕሪ ሕጂ ኣብ ዝርርብ ተገዳስነት ከም ዘይብሉ" ገሊጹ። እዛ ዘረባ እዚኣ ብቕጽበት ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሩስያ ተቓሊሓ።

ፑቲን ብዛዕባ እቲ ናይ ግዜ ገደብ ርእይቶ ሂቡ ኣይፈልጥን። ገደብ 50 መዓልታት ኣብ ዝተዋሃበሉ ግዜ፡ ወሃቢ-ቓል ክረምሊን ድሚትሪ ፔስኮቭ "ኣዝዩ ዕቱብ" ኢሉ ጥራይ እዩ ሓሊፉዎ። ሞስኮ ክትሓስበሉ ግዜ ከም ዘድልያ ግን ገሊጹ ነይሩ።

ትማሊ ሰኑይ ኣባል ባይቶ ሩስያ ኣንድሬይ ጉሩልዮቭ ንእዋናዊ ፍጻመታት ኣመልኪቱ ርእይቶ ኣብ ዝሃበሉ፡ ምፍርራሕ ትራምፕ፡ "ድሕሪ ሕጂ ኣይሰርሕን'ዩ... ኣብ ዞባ ውግእ ይዅን ኣብ ሞስኮ፡" ኢሉ። ብተወሳኺ፡ ሩስያ ሓይሊ ኣጽዋር፡ መትከልን ቈራጽነትን ከም ዘለዋ ገሊጹ።

ትራምፕ እቲ ገደብ ግዜ ምሕጻሩ ኣብ ዝጠቐሰሉ እዋን፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣንድሪ የርማርክ፡ "ሓይሊ ዘለዎ ንጹር መልእኽቲ ሰላም ከም ዘመሓላለፈ፡" ብምንኣድ፡ ፕቲን፡ "ንስልጣኑ ጥራይ እዩ ዘኽብር፡" ክብል ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ መጥቃዕቲ ኣሐይላቶ። ብዕስለ ድሮናትን ሚሳይላትን ኣብ ልዕሊ ከተማታት ዩክረይን ብምጥቃዕ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ናይታ ሃገር ንእትገብሮ መጥቃዕቲ ቀጺላቶ ኣላ።

ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ብመንጐኝነት ቱርኪ ዝተኻየደ ሰለስተ ግዜ ዘተ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣሽሓት ምሩኻት ኲናት ክለዋወጡ ኣኽኢሉ'ዩ። እንተዀነ፡ ተዅሲ ደው ንምባል ዘኽእል ዝዀነ ሓቀኛ ምዕባለ ኣይተራእየን።

ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ደማዊ ግጭት፡ ክልቲኦም ወገናት ብኸመይ ኣብ ውሽጢ 12 መዓልታት ነቲ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ከም ዝኽእሉ ንጹር ኣይኰነን።