ትራምፕ፡ ንሕብረት ኤውሮጳን ሜክሲኮን ዝሰልዖ 30% ቀረጽን ዝተዋህቦ ግብረመልስን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሕብረት ኤውሮጳን ሜክሲኮን ካብ 1 ነሓሰ ጀሚረን ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣቱ ንብረት 30% ቀረጽ ከም ዝኸፍላ ኣፍሊጡ።
እተን ምስ ኣመሪካ መሻርኽቲ ንግዲ ዝዀና ሃገራት ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲ እንተ ወሲደን፡ ብዝያዳ ዝለዓለ ቀረጽ ክስልዓለን ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
እቲ 27 ኣባላት ዝሓቘፈ ሕብረት ኤውሮጳ - ዝዓበየ ንግዳዊ መሻርኽቲ ኣመሪካ - ቅድሚ 1 ነሓሰ ምስ ዋሽንግተን ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ተስፋ ከም ዘለዎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ትራምፕ ኣብዚ ሰሙን'ዚ'ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ ጃፓን፡ ደቡብ ኮርያ፡ ካናዳን ብራዚልን ዝመጽኡ ኣቑሑት ሓድሽ ቀረጽ ከተንብር ምዃና ገሊጹ'ሎ። እዚ'ውን ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ተግባር ዝውዕል እዩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ተመሳሳሊ ደብዳበታት ናብ ሓያሎ ንኣሽቱ መሻርኽቲ ንግዲ ኣመሪካ ተላኢኹ።
ትራምፕ ብዓርቢ ናብ ፕረዚደንት ኮምሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ "ብዛዕባ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዘለና ንግዳዊ ዝምድና ንምዝታይ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፍና ኢና። ብሰንኪ ቀረጽኩም፡ ካልእ ሕግታትን ንግዳዊ ዕንቅፋታትኩምን ዝመጽእ ዓቢይን ነባሪን ንግዳዊ ፍልልያት ክንቅንስ ከም ዘለና ወሲንና ኣለና፡" ክብል ጽሒፉ።
"ርክብና፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ካብ ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝ ዝረሓቐ'ዩ፡" ክብል እቲ ደብዳበ ወሲኹ ገሊጹ።
ሕብረት ኤውሮጳ ብተደጋጋሚ ብትራምፕ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ። ብ2 ሚያዝያ፡ ካብቲ ሕብረት ዝመጽእ ኣቑሑት፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዓሰርተታት መሻርኽቲ ንግዲ፡ 20% ቀረጽ ክኽፈል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ብድሕሪኡ ንግዳዊ ዝርርብ ደው ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ቀረጽ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ሃገሩ ኣብ ዝኣቱ ኣቑሑት ናብ 50% ክብ ክብል ምዃኑ ኣፈራሪሑ።
ዋሽንግተንን ብራስለስን ቅድሚ 9 ሓምለ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ገይረን እኳ እንተ ነበራ፡ ብዛዕባ ዝሰዓበ ምዕባለታት ግን ዝዀነ መግለጺ ኣይተዋህበን።
ኣብ 2024 ኣመሪካ 235.6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሕጽረት ንግዲ (ካብ ኣታዊ፡ ወጻኢ ዝዛየደሉ) ከም ዘጋጠማ ቤት ጽሕፈት ወኪል ንግዲ ኣመሪካ ይሕብር።
ቮን ደር ሌየን፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ "ክሳብ 1 ነሓሰ ናብ ስምምዕ ንምብጻሕ ጻዕሮም ክቕጽል፡" ድሉው ምዃኑ ገሊጻ።
"ኣብ ዓለም ከም ሕብረት ኤውሮጳ ንፍትሓዊ ንግዲ ክፉታትን ተወፋይነትን ዘለወን ሃገራት ውሑዳት እየን፡" ድሕሪ ምባላ፡ "ረብሓታት ሕብረት ኤውሮጳ ንምሕላው ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ክንወስድ ኢና፣ ኣድላዪ እንተዀይኑ ክሳብ ግቡእ ዝዀነ ተመጣጣኒ ግብረ-መልሲ ዝተጠቓለለ፡" ኢላ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ነቲ ናይ ትራምፕ ኣዋጅ "ብትሪ ከም ዘይቅበሎ፡" ገሊጹ።
ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይተበጺሑ፡ እቲ መራሒ ፈረንሳ፡ እቲ ሕብረት ኤውሮጳ "ተኣማንነት ዘለዎ ግብረ-መልሲ ንምድላው ምቅልጣፍ፡" ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ቀዳመይቲ ምኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ፍትሓዊ ዝዀነ ስምምዕ" ክብጻሕ ከም እትኣምን ብምግላጽ፡ "ኣብ መንጎ ክልተኡ ወገን ኣትላንቲክ ንግዳዊ ኲናት ምጅማሩ ትርጕም የብሉን፡" ኢላ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሆላንድ ዲክ ሹፍ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኣመሪካ "ንኽልተኡ ወገን ዝጠቅም" ስምምዕ ንምብጻሕ፡ ኣብ ዘለዎ ዕላማ "ብሓባርን ቈራጽነትን ከትክል ኣለዎ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ማሕበር ኢንዱስትሪ መካይን ጀርመን፡ ንጀርመናውያን ሰራሕቲ መካይንን ኣቕረብትን ቀረጽ ክውስኽ ምዃኑ ኣጠንቂቑ፣ "እቲ ንግዳዊ ግጭት ዝያዳ ክውስኽ ከም ዝኽእል ስግኣት ምህላዉ ዘሕዝን'ዩ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ናብ መራሒ ሜክሲኮ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣመሪካ "መጻወቲ ንግዲ ዕጸፋርስ" ንኸይትኸውን ሜክሲኮ እኹል ስራሕ ከም ዘይሰርሐት ገሊጹ።
ትራምፕ ወሲኹ፡ "ሜክሲኮ ነቲ ዶብ ንምውሓስ ክትሕግዘኒ ጸኒሓ'ያ፣ እንተዀነ፡ እቲ ሜክሲኮ ዝገበረቶ እኹል ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ትራምፕ ናብ ሕብረት ኤውሮጳን ሜክሲኮን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበታት፡ ክልተኦም መሻርኽቲ ንግዲ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ተወሳኺ ቀረጽ እንተ ሰሊዖም፡ ልዕሊ እቲ 30% ብምውሳኽ መልሲ ክህብ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ሜክሲኮ ትማሊ ሰንበት ንምፍርራሕ ትራምፕ፡ "ዘይፍትሓዊ እማመ" ብምባል ምላሽ ሂባትሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ዋይት ሃውስ ናብ ካናዳ 35% ቀረጽ ክኸፍል ዘፈራርሕ ደብዳበ ሰዲዱ።
ዛጊት ምምሕዳር ትራምፕ ን24 ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝምልከት ቅድመ-ኵነት ቀረጽ ዝገልጽ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ብ12 ሚያዝያ፡ ኣማኻሪ ንግዲ ዋይት ሃውስ ፒተር ናቫሮ፡ እቲ ዕላማ "ኣብ ውሽጢ 90 መዓልታት 90 ውዕላት" ንምግባር ምዃኑ ገሊጹ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ፕረዚደንት ክልተ ከምዚ ዓይነት እማመታት ኣስፊሩ ኣሎ - ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ቬትናምን። እቲ ዘተ ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







