ቀረጽ ትራምፕ፡ ዛጊት ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ እንታይ ኣምጺኡ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጥሪ ዳግማይ ናብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምምላሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ካብ ክኢላታት ስነቝጠባን ትካላት ንግድን ኣብ ምጣነ-ሃብቲ ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ ንዝቐረበ መጠንቀቕታታት ዕሽሽ ብምባል ቀረጽ ክውስኽ ጀሚሩ።

ብሜክሲኮ፡ ካናዳን ቻይናን ጀሚሩ ናብ ሓጺን፡ ኣሉሚንየምን መካይንን ዒላማ ገይሩ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ ኣብ ምያዝያ - ኣብቲ "ዕለተ ሓርነት" ዝበሎ - ካብ ሃገራት ዓለም ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ኣቑሑት ሓድሽ ግብሪ ኣንቢሩ።

እቶም ውጥናት ንንጥፈታት ንግዲ ጸልዮምን ኣብ ፋይናንሳዊ ዕዳጋታት ነውጺ ኣኸቲሎምን እዮም። ስክፍታታት እናዓበየ ምስ ከደ ግን ትራምፕ፡ ነቲ ኣዝዩ ኣኽራሪ መደባቱ ቀልጢፉ ደው ኣቢሉ ንዘተ 90 መዓልታት ክህብ ወሲኑ።

እቲ መወዳእታ ዕለት - 9 ሓምለ - እናቐረበን ቀጻሊ ዝወስዶ ስጕምትታት ኣብ ዝሓስበሉን ዘሎ እዋን፡ ብዛዕባ ቍጠባ ኣመሪካ ክሓስብ ክቕሰብ እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ዝተወስደ ስጕምትታት ኣብ ባይታ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩ?

ዕዳጋ ኣክስዮን (ብርኪ) ተመሊሱ ኣሎ

ትራምፕ ዝሓንጸጾ መደባት፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመጽእ ኣቑሑት 20%፡ ኣብ ኣቑሑት ቻይና 145%፡ ካብ ቬትናም ኣብ ዝኣቱ ንብረት ድማ 46% ቀረጽ ክኸፍላ ዘጠቓለለ እዩ። ትማሊ ረቡዕ ግን ኣብ ልዕሊ ቬትናም ዝኽፈል ቀረጽ ናብ 20% ዘጕድል ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ኣፍሊጡ።

ዕዳጋ ኣክስዮን ኣመሪካ መጀመርታ ተሃስዩ እዩ፤ ኣብ ለካቲት ክወርድ ጀሚሩ፡ ኣብ ምያዝያ ድማ ኣዝዩ ጐዲሉ። ትራምፕ ኣብቲ "ዕለተ ሓርነት" ዝበሎ መዓልቲ፡ ምሉእ ዝርዝር ውጥናቱ ድሕሪ ምግላጹ፡ 500 ዓበይቲ ኩባንያታት ኣመሪካ ዝሓቘፈ ኤስ ኤንድ ፒ 500 ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ ኣስታት 12% ክሳራ ኣጋጢሙዎ።

እንተዀነ፡ ትራምፕ እቲ ልዑል መጠን ቀረጽ ከይትግበር ድሕሪ ምውሳኑን ዝነኣሰ 10% ቀረጽ ምምራጹን ዕዳጋ ኣክስዮን ምምሕያሽ ኣርእዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኤስ ኤንድ ፒ 500 ኣስታት 6% ወሲኹ ኣሎ። ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኤውሮጳን ዝርከብ ኣክስዮናት'ውን ተመሓዪሹ ይርከብ።

ኣብ ቀረጽ ዝምርኰሳ ኩባንያታት ከም ድኳናት (ቸርቻሮታት)ን ኩባንያታት መካይንን ዝኣመሰላ ግና ይጽገማ ኣለዋ። እቲ ናይ ዝርርብ ግዜ ይቐርብ ስለ ዘሎ ዘይርጕጽነት ሰፊኑ ኣሎ።

ዋይት ሃውስ እቲ ገደብ ግዜ ብዙሕ ኣገዳሲ ከም ዘይኰነን እቲ ፕረዚደንት ኣብታ መዓልቲ ምስ ገለ ሃገራት ጥራሕ ስምምዕ ክገብር ከም ዝኽእልን ብምብላጽ፡ ኣማራጺታቱ ክፉት ገዲፉ ይርከብ።

ንግዲ ኣብ ቃራና መንገዲ

ኮንተይነራት ዝጸዓነት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto/Getty Images

ትራምፕ ኣብ ቀረጽ ብዝወሰደ ስጕምቲ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፍላ ናይዚ ዓመት ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ከቃላጥፍ እንከሎ፡ ኣብ ምያዝያን ግንቦትን ግን ሓያል ምንቍልቋል ኣርእዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ስእሉ እንተ ተመልኪትና፡ ኣብ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑት ኣመሪካ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ17% ወሰኽ ኣርእዩ።

እንታይ ከም ዝስዕብ ኣብ ውሳነ ትራምፕ እዩ ክምርኰስ። በዚ ደው ኣቢሉዎ ዘሎ ድዩ ክቕጽል ወይስ ናብቲ ናይ ፈለማ ሓሳቡ ክምለስ እዩ ጸኒሕካ ዝርአ ክኸውን እዩ።

ቤን ሃኬት ካብ ኣሶሴይትስ ሃኬት፡ "ኣብዚ ግዜ'ዚ ናይ ዝዀነ ሰብ ግምት እዩ ዘሎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ነገራት "ደው" ኢሎም ከም ዘለዉ ገሊጹ።

"እዚ ዘሎ [ዝተኣመመ] ቀረጽ ደው ምባል ኣልጊሱ ልዑል ቀረጽ እንተ ተተግቢሩ፡ ንምንቍልቋል ቍጠባ ክህልወና ከም ዝኽእል ዳርጋ ርግጸኛ እየ፡" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ዋጋታት ዘሕድሮ ጽልዋ ንጹር ኣይኰነን

ኣብ ኣመሪካ፡ እቶም ካብ ወጻኢ ዝኣትዉ ኣቑሑት ካብ'ቶም ሰባት ዝገዝኡዎም ንኣስታት 11% ጥራሕ እዮም ዝሕዙ።

ትራምፕን መሻርኽቱን፡ ዋጋ መነባብሮ ኣመሪካውያን ካብዚ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ዝነበሮ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ክልዕል እዩ ንዝብል ስግኣት፡ ልዕሊ ዓቐን ግምት ምዃኑ ይምጕቱ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ከፊላዊ መረዳእታ፡ ደረጃ ዝቕባበ ኣመልኪቶም ኣለዉ፤ ዋጋታት ሃለኽቲ ካብ ምያዝያ ክሳዕ ግንቦት ብ0.1% ጥራሕ ከም ዝወሰኸ ይገልጹ።

ከም ባምቡላታት ዝኣመሰሉ ኣቑሑት ግን ልዑል ወሰኽ ዋጋ ኣርእዮም። እቶም ዝለዓለ ቀረጽ ዝተነብረሎም ኣቑሑት ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ድንኳናት ኣይርከቡን ኣለዉ።

ብፍላይ እተን ሓያል መኽሰብ ዘለወን ኩባንያታት፡ ንዓማዊለን ብሃንደበራዊ ወሰኽ ዋጋታት ኣብ ክንዲ ዘሰንብዳ ቀስ ኢለን ክውስኻ ክመርጻ ይኽእላ እየን።

እቲ ፕረዚደንት ዋላ'ኳ ኩባንያታት "ነቲ ቀረጽ ክቕበላ" እንተ ሓተተ፡ መብዛሕትኦም ክኢላታት ስነቝጠባ ግን ኣብ መወዳእታኡ ዓማዊል ክኸፍሉዎ ምዃኖም ይኣምኑ።

ሓንቲ ጓል ኣብ ድኳን

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg/Getty

ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ዓማዊል ይጐድል ኣሎ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ትራምፕ መደባት ቀረጽ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ኣረኣእያ ሰባት ኣብ ቍጠባ ኣመሪካ ክብእስ ጀሚሩ።

ፖለቲካዊ ርእይቶታት ግን ኣብ ቍጠባ ንዘሎ ሓሳባት ብዓቢይ መጠን እዩ ዝጸልዎ። ስለዚ፡ እዚ ስክፍታታት'ዚ ስድራቤታት ንንውሕ ዝበለ እዋን ብዝወሓደ ወጻኢታት ክኸዳ ይገብረን ድዩ ወይስ ጽልዋ የብሉን ገና ኣይተነጸረን።

ሕጂ፡ ገለ ምልክታት ናይዚ ክንርኢ ጀሚርና ኣለና። መሸጣ ድኳናት (retail sales) ካብ ምያዝያ ክሳዕ ግንቦት ብ0.9% ጐዲሉ። እዚ ድማ ንኻልኣይ ወርሒ ኣከታቲሉ ወሪዱ። ድሕሪ መወዳእታ 2023 ንኽልተ ኣዋርሕ ተኸታታሊ መሸጣ ክወርድ እዚ ንፈለማ እዋን እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሰባት፡ ኣብተን ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት ዝወሓደ ገንዘብ ከም ዘውጽኡን ኣብ ግንቦት ድማ ብዘይተጸበዩዎ መንገዲ ወሪዱን።

ዕብየት ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብዙሕ ክዝሕትል ትጽቢት ይግበር፣ መብዛሕትኦም ክኢላታት ግን ስራሕ ርጉእ ክሳብ ዝጸንሐ ቍጠባ ካብ ምንቍልቋል ክድሕን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝያዳ ምጕዳል ስራሕ እኳ እንተ ተራእየ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ግን ገና ትሑት ኰይኑ (4.2%) ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ማእከላይ ደረጃ ብተመሳሳሊ ናህሪ ሓደስቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ።

ሚስ ሶንደርስ፡ ብዙሕ ዘይርጉጽነትን ዘይርጉእ ፖሊሲታትን ስለ ዘሎ፡ ቍጠባ ኣብ "ናይ ምጽባይ ኵነት" ዘሎ እዩ ዝመስል ኢላ። ሓያሎ ኩባንያታት ንግዜኡ ሰራሕተኛታት ካብ ምቝጻርን ወፍሪ ካብ ምክያድን ተሓይበን ኣለዋ።

እቲ ቍጠባ፡ ገለ ጸገማት ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ድማ ኣጠንቂቓ።

"ቍጠባ፡ ካብዚ ዘለዎ ተመሓዪሹ ምርኣይ ኣጸጋሚ እዩ፡" ድሕሪ ምባላ፡ "እቲ ቀንዲ ሕቶ ዝኸውን ክዝሕል ጥራሕ ድዩ ወይስ ዝዓበየ ምንቍልቋል እዩ ክስዕብ ዝብል እዩ፡" ኢላ።