ትራምፕ ምስ ካናዳ ዝጀመሮ ንግዳዊ ዝርርባት ከምዘብቀዐ ተዛሪቡ

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ግንቦት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸብሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ግንቦት ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተራኸብሉ

ትራምፕ፡ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመፅአሎም ቀዳሞት ሰሙናት፡ ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን 25 ሚእታዊት ቀረጽ ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና 20 ሚእታዊት ወሰኽ ብምግባሩ ኣዘራረቢ ዀይኑ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ሕነ ዝፈዲ ስጕምቲታት ወሲደን።

በፍላይ ካናዳ ኣብ ልዕሊ 150 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑት ኣመሪካ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ወሲና ነይራ።

እዚ ድማ ንርክባት ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት በቲዑዎ ነይሩ።

ምስ ምምፃእ፡ ምስ ትራመፕ ፅቡቕ ርክብ ኣለዎ ዝበሃል ሓድሽ መራሒ ካናዳ፡ እተን ሃገራት ርክባተን ብዝርርብ ክመሓየሽ እየን ዝብል ተስፋታት ነይሩ።

እንተዀነ፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ካናዳ ዝካየድ ዝነበረ ንግዳዊ ዝርርብ ሃንደበት ይቖርጾ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ንሱ ከምኡ ዝበለ፡ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ዓበይቲ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ኣመሪካ ዒላማ ዝገበረ ፖሊሲ ግብሪ ኣብ ተግባር ክተውዕል ኣብ ትቐራረበሉ ዘላ እዋን እዩ።

እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ውሳነ፡ እተን ጎረባብቲ ሃገራት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ንግዳዊ ስምምዕ ንምስናይ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበራ እዋን እዩ።

ትራምፕ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ፡ "ቁጠባዊ ሓይሊ" ተጠቒሙ ንካናዳ ክሕውስ ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሕ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ነንሕድሕደን ቀረጽ ኣንቢረን ነይረን።

ብዓርቢ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ኩባንያታት ቴክኖሎጂ ተነቢሩ ዘሎ ልዑል ግብሪ፡ ዝርርብ የብቅዕ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳ ዝኣትዉ ኣቑሑት ሓድሽ ቀረጽ ከምዝእውጅ ኣፈራሪሑ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ንግዲ ምስ ካናዳ ዝግበር ዝነበረ ዘተ ኩሉ ነቋርጾ ኣለና፡ ብቐጥታ ተግባራዊ ዝኸውን ውሳነ እዩ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።

"ካናዳ ኣብ ዝቕጽል 7 መዓልታት ምስ ኣመሪካ ምልውዋጥ ንግዲ ንምክያድ ዝኸፍልዎ ታሪፍ ክንሕብሮም ኢና።"

ቀዳማይ ሚኒስተር ማርክ ካርኒ፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓጺር ርእይቶ ግን፡ እቲ ዝርርብ ክቕጽል ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ።

"እዚ ዝተሓላለኸ ልዝብ ንረብሓ ካናዳውያን ክነውዕሎ ኢና"።

ካናዳ 3 ሚኢታዊት ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ግብሪ ምንባራ፡ እቲ ሕጊ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝሕንጸጽ ኣትሒዙ ምስ ኣመሪካ ቅርሕንቲ ፈጢሩ ኣሎ።

እቶም ኩባንያታት፡ ናይ መጀመርታ ክፍሊታት ቀረፅ፡ መፃኢ ሰኑይ ክጅምሩ እዮም።

ጉጅለታት ንግዲ፡እዚ ሓድሽ ግብሪ ስዒቡ፡ ከም ኣማዞን፣ ኣፕልን ጉግልን ዝኣመሰላ ኩባንያታት ኣመሪካ ኣብ ዓመት ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ከም ዘኽፍለን ይግምቱ።

ሰበስልጣን ካናዳ፡ ብመስርሕ ንግዳዊ ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ክፈትሕዎ ትጽቢት ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።

እቲ ሓድሽ ምሩፅ መራሒ -ካርኒ፡ ምስ ትራምፕ ዝፈጠሮ ብተዛማዲ ውዑይ ዝምድና እቲ ልዝባት ክቐልል ይኽእል እዩ ዝብል ተስፋታት እውን ነይሩ።

እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሃንደበት ዘፍለጦ ውሳነ፡ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ዝርርብ ጥርጣረ ዘስዕብ'ኳ እንተኾነ፡ ንሱ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝርርብ ፀቕጢ ንምፍጣር ወይ ድማ ንምቅልጣፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምኡ ዓይነት ምፍርራሓት ክጥቀም ይረአ።

ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ናብ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትዉ ኣቑሑት ቀረጽ ክውስኽ ምዃኑ ኣፈራሪሑ ነይሩ።

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ናይቲ ፡ ንግብሪ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ዝነቕፍ ቤት ምኽሪ ንግዲ ካናዳ፡ ካንደስ ላይንግ፡ኣብ ስምምዕ ንምብፃሕ ኣብ ዝተቐራበሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን 'ዝዀነ ዘይተገመተ ለውጢ ትፅቢት ይግበር' ኢላ።

ንሳ፡ "ቃናን ትሕዝቶን ዘተ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ተመሓይሹ'ዩ፡ ምዕባለታት ክቕጽል ክንርኢ ድማ ተስፋ ንገብር" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ዲጂታላዊ ኣገልግሎታት ግብሪ ከንብራ ኣብ ዝጀመራሉ እዋን፡ ዋይት ሃውስ ኣበርቲዑ ተቓሊሱ።

ሓደሽቲ ውሳነታት ትራምፕ፡ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዋጋታት ሃለኽቲ ክውስኽ ገይሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ድማ ንጥዕና ቍጠባ ኣመሪካ ክጐድእ ይክእለ'ዩ- ተባሂሉ ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ቁጠባን ዋጋታት ንብረትን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ልዑል ስክፍታታት ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ትራምፕ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳን ሜክሲኮን ዝኣትዉ ኣቑሑት ዝተነብረ 25% ቀረጽ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ኣብ ዘረጋገጸሉ እዋን፡ ዕዳጋታት ብርኪ [ኣክስዮን] ኣመሪካ ኣብዚ ዓመት ዝዓበየ ዕንወት ኣጋጢምዎ ነይሩ'ውን ተባሂሉ።

ትራምፕ ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ቻይናን ኣውሮጳን ሓደሽቲ ግብርታት ኣንቢሩ ዝነበረ ዀይኑ፡ እዚ ኣብ ዓለም ክፈጥሮ ዝኽእል ቁጠባዊ ቅልውላው ከቢድ ከምዝዀነ ተሰጊኡ ነይሩ።