ኣልሲሲ ኣብ ዛዕባ ግድብ ህዳሰ ንትራምፕ መጒሱ - ትራምፕኸ እንታይ ኢሉ?

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ፡ ነቲ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ "ፍትሓዊ ስምምዕ" ንኽብጻሕ ዘቕረቦ ጻውዒት መጕሱ።
ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ 14 ሓምለ ነቲ ግድብ ኣመልኪቱ፡ ኣመሪካ ንህንጸት እቲ ግድብ ብገንዘብ ከም ዝሓገዘትን፡ "ናብ ሩባ ናይል ዝፈስስ ማይ ዝዓግት እዩ፡" ዝብል ኣዘራራቢ መግለጺታት ክህብ እዩ ተሰሚዑ።
ኣብ ዘረባኡ ትራምፕ፡ ናይል ንህይወት ግብጺ ወሳኒ እዩ ዝብል ምሕጽንታ ብምቕራብ፡ "ኣብ ሩባ ናይል ማይ ክህሉ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና፡" ኢሉ።
እዚ ዘረባ ትራምፕ ብወገን መራሒ ግብጺ ክብ ዝበለ መጐስ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ "ኣመሪካ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ትራምፕ ግጭታት ንምፍታሕን ወግኣት ደው ንምባልን እትህቦ ዓቢይ ቦታ ዘርኢ እዩ፡" ክብል ናእዳኡ ኣብ ኤክስ ኣስፊሩ።
ኣልሲሲ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ንግድብ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ንረብሓ ኵሎም ወገናት ዝሕሉ ፍትሓዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ዘለዎ ድሌት፡ ከምኡ'ውን ንሩባ ናይል ከም ምንጪ ህይወት ግብጺ ኣፍልጦ ምሃቡ፡ ግብጺ ክብ ዝበለ ምስጋና ኣለዋ፡" ክብል ኣብ ናይ ኤክስ ሕሳቡ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ነቲ "ንዅለን ሃገራት እቲ ዞባን ዓለምን ፍትሓዊ ሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ንምምጻእ፡" ንዝብል ራእይ ትራምፕ ንምዕዋት ሃገሩ ኣብ ጐድኑ ደው ከም እትብል ኣረጋጊጹ።
ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንግብጺ ዝገብሮ ዘሎ ውግንናን ካልእ ፋይናንሳዊ ደገፍን ምስ ቓዛ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይገልጹ።
ግብጺ፡ "ግድብ ህዳሰ ክትፍንጅሮ ትኽእል እያ፡" ዝብል ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ኣዘራራቢ መግለጺ ዝሃበ ትራምፕ፡ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዘለዎ ወገናውነት ብንጹር ዘንጸባርቕ መግለጺታት ሂቡ'ሎ።
ትራምፕ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እውን፡ ኣመሪካ ነቲ ግድብ ትምውሎ ከም ዘላን ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ከም ዝቕንሶን ዝገልጽ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ሂቡ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
እቲ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ግድብ ህዳሰ፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህዝቢ ብዝተዋጽአ ገንዘብን ውሽጣዊ ሃብቲ እታ ሃገርን ዝተሃንጸ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ንመግለጺ ትራምፕ ኣመልኪቶም ዛጊት ዝሃብዎ ምላሽ የሎን።
ትራምፕ እንታይ እዩ ኢሉ?
ትራምፕ፡ ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ ማርክ ሩተ፡ ብሰኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበሮ ርክብ እዩ ንግብጽን ግድብ ህዳሰን ኣልዒሉ ተዛሪቡ።
ኣብ ዘረባኡ እቲ ፕረዚደንት፡ ስም ኢትዮጵያ ከይጠቐሰ፡ "ጐረቤት ግብጺ፣ ጥዕይቲ ጐረቤት፡" ክብል ጥራይ እዩ ኣልዒሉ።
ትራምፕ ነታ ጐረቤት ዝበላ እውን "ኣዕሩኽተይ እዮም" ክብል ተሰሚዑ።
ኣብ ዘረባኡ፡ "ምስ ግብጽን ምስታ ጥዕይቲ ዝዀነት ጐረቤታን ኣብ ዝተሓሓዝ ሰሪሕና ኢና፡" ኢሉ።
"ኣዕሩኽተይ እዮም፣ እንተዀነ ናይል ናብ ዝተባህለ ሩባ ዝፈስስ ማይ ዝዓግት ግድብ ሃኒጾም፡" ክብል ተሰሚዑ።
ግብጺ ንግድብ ህዳሰ ኣመልኪታ ኣብ እትህቦ መግለጺ፡ ነቲ ካብ ሩባ ናይል እትረኽቦ መጠን ማይ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ ክትብል ደጋጊማ ኣስሚራትሉ እያ።
ንምምላእ ማይን ካብቲ ግድብ ዝፍኖ መጠን ማይን ኣብ ዝምልከት ዛዕባታት ኣገዳሲ ስሉሳዊ ስምምዕ ከይተበጽሐ፡ ኢትዮጵያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ክትቅጽል ከም ዘይብላ ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ከተጠንቅቕ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ኣብዚ እዋን'ውን ነዚ ጽኑሕ መጠንቀቕታኣ ደጊማቶ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትራምፕ ወሲኹ፡ "ኣነ ግብጺ እንተ ዝኸውን ነይረ ኣብ ሩባ ኣባይ ማይ ክህሉ ምደለኹ፤ ነዚ ድማ ንሰርሓሉ ኣለና። እቲ ጸገም ክፍታሕ'ዩ፡" ኢሉ። እንተዀነ፡ ግብጺ ነቲ ብጽሒተይ እዩ እትብሎ 55.5 ቢልዮን ትርብዒት ሜትር ማይ ከይጐድል እያ ትሓትት እምበር፡ "ኣብ ሩባ ኣባይ ማይ ስለ ዘቋርጽ" ወይ ከምቲ ትራምፕ ዝብሎ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝደርቕ ኣይኰነን።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ብጽሒት ዘረጋግጽ፡ ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማኡን ብዝምልከት ስምምዕ ክግበርን እዚ ድማ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱን ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ።
ኣብዚ ግድብ ዝካየድ ዝነበረ ተኸታታሊ ስሉሳዊ ዘተ ስምምዕ ክፈጥር ከም ዘይከኣለ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኵሎም ወገናት ንፍሽለት እቲ ዝርርባት ንሓድሕዶም ክወቓቐሱ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኢትዮጵያን እቲ ግድብን ብስም ከየልዓለ ዝሃቦ መግለጺ ትራምፕ፡ "ካብ ግብጺ ውጽእ ኢሉ፡ ኣብ ዓለም ካብ ዝዓበዩ ዲጋታት ሃኒጾም። ብዛዕባ'ዚ ትፈልጡ ኢኹም፣ ዓቢ ጸገም'ዩ፡" ይብል።
ኣስዒቡ፡ "ኣይፈልጥን እየ! ግን ኣመሪካ ነቲ ግድብ ዝመወለት 'መስለኒ፡" ኢሉ።
"ቅድሚ እቲ ግድብ ምህናጾም ንምንታይ ነዚ ጸገም ከም ዘይፈትሕዎ ኣይርድኣንን እዩ፤ እንተዀነ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ማይ ክህሉ ጽቡቕ'ዩ። ኣገዳሲ ምንጪ እቶት'ዩ፤ ህይወት ግብጺ'ዩ። ነዚ ካብ ግብጺ ምምንዛዕ ድማ ዝድንጹ እዩ፣ ነዚ ቀልጢፍና ክንፈትሖ ኢና ዝብል ግምት ኣሎኒ፡" ይብል ትራምፕ።
እቲ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ተባሂሉ ዝነበረ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝጅመር ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም (ምእታው ሓድሽ ዓመት እታ ሃገር) ብወግዒ ክምረቕ ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







