ኢትዮጵያ፡ ብግብጺ ዝግበር ዘሎ ተደጋጋሚ ታህዲድ ክጽናዕ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሓቲታ

ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀ-ስላሰ

ምንጪ ስእሊ, @TayeAtske

ኢትዮጵያ ነቲ ብተደጋጋሚ ብግብጺ ዝግበር ዘሎ፡ 'ብሓይሊ ስጕምቲ ክወስድ እየ' ዝብል ታህዲድ ኣቓልቦ ክህቦ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ብዝጻረር መገዲ፡ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ተደጋጋሚ ፈኸራን ታህዲድን እቲ ቤት ምኽሪ ክግንዘቦ ኣተሓሳሲቡ።

ደብዳበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀ-ስላሰ፡ ኣብ ህንጸት ግድብ ህዳሰን ኣሰራርሓኡን ዝምልከት ግብጺ ዝጸንሓ ገታር መርገጺ ይዅን ኢ-ምኽንያታዊ ሕቶታት ሓዲጋ ብመትከላት ዓለማዊ ሕጊ ክትግዛእ ይጽውዕ።

እቲ ሚኒስተር ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ግብጺ ዘቕረበቶ ደብዳበ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን መስኖን ግብጺ ዶ/ር ባደረ ዓብዱላቲ፡ ብ 01 መስከረም 2024 ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሃገሩ ብጽሒታን ድሕነታን ኣብ ፈለግ ኣባይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጕምቲ ክትወስድ መሰላ ምዃኑ ተሓንዩ ነይሩ።

እቲ ሚኒስተር ግብጺ ኣብ መልእኽቱ፡ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝሓዘቶ በይናዊ ፖሊሲ ሃገሩ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትቕበሎ ብምግላጽ፡ “ግብጺ ህላወኣ ንምክልኻልን ረብሓታት ህዝባ ንምርግጋጽ፡ ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኵሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጕምቲ ንኽትወስድ ድልውቲ እያ” ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ወጥሪ ኣብቲ ዞባን ነንሕድሕደን እናተኻሰሳ ናብ ባይቶ ጸጥታ ደብዳበታት ጽሒፈን።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጐ ግብጺን ሶማልያን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ግብጺ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ኣዋፊራ ኣላ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ታየ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ኣይንቕበሎን ብምባል፡ ኢትዮጵያ፡ ስሉሳዊ ዘተ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ወይ ብመሰረት ሓፈሻዊ ሕጊ ምትሕብባር ንምቕጻል ድሌት ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብቲ ደብዳበ፡ ውሳነ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ሃገራት ክውስና ስልጣን ከምዘለወን ብምጥቃስ ዝፍጠሩ ፍልልያት ብክልተኣዊ ርክብ ሃገራት ወይ ብዞባውያን ትካላት ክፍታሕ ከምዝከኣልን ከምዝግባእን መርገጺ ሃገሩ ኣነጺሩ።

“ኢትዮጵያ፡ ዝዀነ ይዅን ፕሮጀክት ማይ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ኢትዮጵያ ግቡእ፡ ፍትሓዊ፡ ሕጋዊ ብጽሒት ማይ ኣባይ ዝዀነ ይዅን ጽልዋ ከምዘይብሉ ከተረጋግጽ ትደሊ።”

ሚኒስተር ታየ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ግብጺ ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ምስ ፕረዚደንት ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣመላልኣኡን ዝምልከት ስርሓት ስሉሳዊ ዘተ ክግበር ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ ጠቒሱ።

ይዅን'ምበር "ኢትዮጵያ ነቲ ዘተ ንምቕጻል ኣብ ምሉእ ምድላው’ኳ እንተነበረት፡ “ግብጺ ካብቲ ስሉሳዊ ዝርርብ ከምዝወጸት ኣፍሊጣ'ያ” ኢሉ።

ግብጺ ካብቲ ስሉሳዊ ዘተ ምውጽኣን ናብ ባይቶ ጸጥታ ተደጋጋሚ ደብዳበታት ምልኣኻን፡ ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ካልእ ዕንቅፋት ኰይኑ ምጽንሑን ወሲኹ ገሊጹ።

ግብጺ ንማይ ኣባይ ንበይና ናይ ምጥቃም ድሌት ከምዘለዋ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጺ 'ኣብ ዝዀነት ሃገር ዝካየድ ዝዀነ ይዅን ልምዓታዊ ፕሮጀክት ግብጺ ኣብ ታሪኻዊ ሩባ ኣባይ ብዘይጸሉ ወይ ብዘይንኪ መንገዲ ክካየድ ኣለዎ' ኢሉ። እዚ ድማ ግብጺ ክሳብ ሕጂ በቲ ንኻልኦት ሃገራት ኣብ ግምት ዘየእቱ መግዛእታዊ ሕጊታት ክትከይድ ትደሊ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ክብል ታየ ናብ ባይቶ ጸጥታ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣመልኪቱ።

እቲ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ንዅሉ ከሰማምዕ ዝኽእል ምርድዳእ ክግበር ዘለዋ ቆራጽነት ተርኢ ከምዘላ ብምግላጽ፡ እቲ ስሉሳዊ ዘተ ብሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ወይ ብመሰረት ሓፈሻዊ ሕጊ ምትሕብባር ንምቕጻል ድሌት ከምዘለዋ ገሊጹ።