ምእታው ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ንኢትዮጵያ ይዅን እቲ ዞባ ዘለዎ ትርጕም እንታይ’ዩ?

ግብጺ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ዓቃቢ ሰላም ኰይኑ ንኽኣቱ ሕቶ ከምዘቕረበት ብወግዒ ተገሊጹ እዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ንሕቶ እታ ሃገር ብእወታ ከምዝርእዮ ኣፍሊጡ’ሎ።
ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕነትን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ግብጽን ጅቡቲን ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊተን ኣብ ሶማልያ ከዋፍራ ሕቶ ከምዘቕረባ ብወግዒ ኣፍሊጡ’ሎ።
እዘን ሃገራት ነዚ ሕቶ ዘቕርባ ዘለዋ፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኽወጽእ ተደጋጋሚ ሕቶ የቕርቡ ኣብ ዘለውሉ ኵነታት እዩ።
እቲ ግብጺ እተቕርቦ ዘላ ሕቶ ተግባራዊ ዝኸውን እንተዀይኑ እቲ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ተልእኾኡ ኣብ 2024 ዛዚሙ ሰራዊት ግብጺ ካብ 2025 ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ክዋፈር እዩ።
ፕረዚደንት ግብጺ ስለምንታይ’ዩ ሰራዊቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከዋፍር ደልዩ?
ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብቐረባ ዝከታተል ማት ብራይደን፡ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ ‘ግብጺ ንምንታይ’ያ ሰራዊታ ናብ ሶማልያ ክትልእኽ ደልያ ዘይኰነስ ስለምንታይ ሕጂ ደልያቶ’ዩ? ክኸውን ዘለዎ’ ይብል።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተው ዓመታት ሶማልያ ሓገዝ ከምዘደልያ ትገልጽ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ግብጺ ኣብ ጉዳያ ሶማልያ ይምልከተኒ’ዩ ኢላ ክትግደስ ተዓዚብና ኣይንፈልጥን ይብል ሳሕል ኣብ ዝተበሃለ ማእከል ስትራተጂያዊ ምርምር ኣማኻሪ ማት ብራይደን።
“ኣልሸባብ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲን ኬንያን መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ። እተን ሃገራት’ውን ሰራዊተን ኣብ ሶማልያ ከዋፍራ ተገዲደን እየን። ይዅን እምበር ኣልሸባብ ኣንጻር ግብጺ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ኣይፈልጥን” ዝበለ ብራይደን ድልየት ግብጺ ካልእ ክኸውን ከምዝኽእል የረድእ።
ግብጺ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣጋ መፈጸምታኡ ዝበጽሐ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ምስሕሓብ ካብ እተመርሕ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ኰይኑዋ’ሎ። ሶማልያ ድማ ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ውዕል ወደብ ዝምድናአን ከምዝሓርፈፈ ዝፍለጥ እዩ።
እንተዀነ ኢትዮጵያ ኣንጻር እቲ ሕማም ርእሲ መንግስቲ ሶማልያ ኮይኑ ዝርከብ ኣልሸባብ ብምውጋእ ልዑል ተራ ትጻወት ከምዘላ ዝፍለጥ እዩ።
ብጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጥኣ ካብ ሶማልያ ሪሒቓ እትርከብ ግብጺ፡ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ሕማም ርእሲ ክዀና ከምዘይክእል ማት ብራይደን ገሊጹ።
እንተወሓደ ግብጽን ሶማልያን ኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃን ዓረብ ሊግን ስለዝዀና ዘቀራርብ ታሪኻዊ ምትእስሳር ኣለወን።
ይዅን እምበር፡ “ግብጺ ናብ ሶማልያ እትኣትወሉ ምኽንያት ጂኦ-ፖለቲካዊ’ዩ” ዝበለ እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቀንዲ እትኣትወሉ ምኽንያት ግብጺ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ፍሕፍሕ ከምዝዀነ የብርህ።
ግብጺ ንሶማልያ እተርእዮ ዘላ ድጋፍ ካብ ሃገራዊ ረብሓኣ ዝምንጩ ከምዝዀነ ክስመረሉ ከምዝግባእ’ውን ይጠቅስ።
ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ድሕነት ናይቲ ብዕጡቓት ሑቲን ኣልሸባብን ዝህወኽ ዘሎ ምንቅስቓስ መራኽብ ንግዲ ቀይሕ ባሕሪ ካልኣይ ምኽንያት ክኸውን ከምዝኽእል ማት ብራይደን ገሊጹ።
ስለዝዀነ ድማ ግብጺ ናብ ሶማልያ እንተኣትያ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ብምልኣት ንምርግጋጽ ዕድል ክህባ’ዩ።
ብፍላይ ድማ ቀንዲ መተሓላለፊ መዲተራንያንን ቀይሕ ባሕርን ዝዀነ ስዊዝ ካናል ቀንዲ እቶታ ስለዝዀነ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪ ምርግጋጽ ንግብጺ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ።
ስለምንታይ ግብጺ ናብ ሶማልያ ምእታው ኣድልይዋ?
ወደብ ኣልቦ ዝዀነት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ሓይሊ ባሕራ ንምሕያልን ምስ እታ ካብ ሶማልያ ተነጺላ ከም ነጻ ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ውዕል ከምዝኣሰረት ዝዝከር እዩ።
እቲ ውዕል ተግባራዊ ዝኸውን እንተዀይኑ ብዙሕ ህዝብን ገዚፍ ቍጠባን ዘለዋ ኢትዮጵያ ናብ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ክትኣቱ ዝሕግዝ እዩ ዝኸውን።
“ኢትዮጵያ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ሶማሊላንድ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ምድላያ ግብጺ ሃገራዊ ረብሓኣ ዝጻረር ገይራ ክትወስዶ ትኽእል እያ። ስለዝዀነ ግብጺ ኣብ ሶማልያ ክትህሉ ምድላያ ካብ ኢትዮጵያ ከጋጥማ ካብ ዝኽእል ስግኣት ንምክልኻል ክሕግዛ ይኽእል እዩ” ይብል ማት ብራይደን።
ኣብቲ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ፡ ምላሽ ናይቲ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ኣፍደገ ባሕሪ ንሶማሊ ላንድ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ንሶማልያ ከምዘዀረያ ዝገልጽ ድማ ሰራሕተኛ ዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ቻታም ሃውስ ዶ/ር ኣቤል ኣባተ እዩ።
ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ ኣብ ክንዲ ምስተን ኣብ ጐደቦኣ ዘለዋ ሃገራት ምዝታይ ገጻ ምስ ግብጽን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣዚራ እያ ዝብል ሓሳብ ዘለዎ ዶ/ር ኣቤል፡ “ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ክተስተዋሕዶ እያ እትደሊ። ግብጺ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ድልየታት ንምዕዋት ምስኣ ዝሰርሑ ሓይልታት ትደሊ’ያ” ኢሉ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ንኽወጽእ ኣጥቢቘም ካብ ዝሓቱ ሓደ ሚኒስተር ሶማሊያ ነበር መሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም፡ ግብጺ ኣብ ሶማልያ ሰራዊታ ከተዋፍር ምድላያ ኣብቲ ከባቢ ዓብይ ለውጢ ዘምጽእ እዩ ኢሉ።
መንግስቲ ሶማልያ ምትእትታው ግብጺ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽአ ጽልዋታት ኢትዮጵያ ምላሽ ገይሩ ከምዝወስዶ ሚኒስተር ጸዓትን ሃብቲ ተፈጥሮን ሶማሊያ ነበር ንቢቢሲ ገሊጹ።
ግብጺ ሰራዊታ ኣብ ሶማሊያ ከተዋፍር ዝደለይትሉ ምኽንያት ኣብቲ ከባቢ ኢሉ እውን ብደረጃ ዓለም እናተሓላለኸ ይኸይድ ብዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ክኸውን ከምዝኽእል’ውን እቲ ሚኒስተር ይጠቅስ።
ምትእትታው ግብጺ ኣብቲ ዞባ ዝፈጥሮ ሻቕሎት
ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ዝዋፈር እንተዀይኑ ንዘበናት ብቐጥታ ብዘይራከብ ዶባት ዝጸንሐ ወጥሪ፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ንኽራኸብ ዝዕድም ኵነታት ከምዝፍጠር ዶ/ር ኣቤል ሻቕሎቱ ይገልጽ።
“ኢትዮጵያን ግብጽን ማዕዶ ንማዕዶ ዘራኽብ ተፈጥሮኣዊ ዶብ የብለንን። እዚ ድማ ብቐጥታ ንኽፋጠጡ ዘኽእሎም ዕድላት ኣጕዲልዎ ጸኒሑ’ዩ። ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማሊያ እንተተዋፊሩ፡ ኣብ ታሪኽ ዘበናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ክልተኤን ሃገራት ናብ ግጭት ከምርሓሉ ዝኽእል ዕድላት ክሰፍሕ’ዩ ዝመስለኒ። እዚ ከም ስግኣት ክንርእዮ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ” ይብል።
ማት ብራይደን ብወገኑ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ግብጺ ወፍሪ ሰራዊት ኣብ ሶማልያ ኣቕሊላ እትርእዮ ጉዳይ ከምዘይኰነ’ዩ ዝገልጽ።
ኣልሸባብ ስግኣት ኢትዮጵያ ስለዝዀነን ምስ ሶማልያ ድማ ነዊሕ ዶም ስለእትማቐል፡ ድሕነት እቲ ከባቢ ከገድሳን ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ክጸንሕ ምስ ድሕነታ ከተተኣሳስሮ ትኽእል’ያ። ካብኡ ብተወሳኺ ገለ ግዝኣታት ሶማልያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ክጸንሕ ከምዝደልይዎ ማት ብራይደን ገሊጹ።
መሓመድ ሙኽታር ኢብራሂም’ውን ብተመሳሳሊ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ዝሰፍር እንተዀይኑ ካብ ንሶማልያ ዝህልዎ ረብሓ ንላዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝፈጥሮ ውጥረት ከምዝዛይድ’ዩ ዝገልጽ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ “ቀንዲ ስግኣት ሶማልያ ካብ ግዳማውያን ሓይልታት ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ብዝፈጠሩ ምምቕቓላት’ዮም” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF DEFENCE [EGYPT]
ግብጺ ልዕሊ ኢትዮጵያ ንሶማልያ ትጠቕማ ዶ?
እቲ ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዝጸንሐ ሓይሊ ግዜኡ የብቅዕ ስለዘሎን እቲ ሓድሽ ኣብታ ክዋፈር ዝሕሰብ ዘሎ ሓይሊ ድማ ፋይናንሳዊ ሕጽረታት ከምዝገጠሞ ይግለጽ ኣብ ዘለሉ እዋን ግብጽን ጅቡቲን ሰራዊተን ከዋፍራ ድልየት ከምዘለወን ምግላጸን ብኣወንታ ዝርአ ጉዳይ እዩ።
መሓመድ ሙኽታር ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ዝዋፈር እንተዀይኑ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልተኤን ሃገራት ከምዘጠናኽሮ ይገልጽ።
ኣብ መንጐ ግብጽን ሶማልያን ዝፍረም ወተሃደራዊ ውዕላት ንካቢነ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ክቐርብ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ መገዲ ኣየር ግብጺ ናብ ሞቓድሾ በረራ ምጅማሩ ድሮ እቲ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክሕይል ምጅማሩ መርኣያ ከምዝዀነ ይገልጽ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ምስዝዋፈር ኣልሸባብ ንምድምሳስን ሰላም እታ ሃገር ንምውሓስን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ንሰራዊት ሶማልያ ዓብይ ተመኵሮ ከካፍል ከምዝኽእል እቲ ሚኒስተር ነበር ሓቢሩ።
ኣቶ መሓመድ እዚ ይበል እምበር ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ንኣስታት 20 ዓመታት ንኣልሸባብ ዝተዋግአን ንመንግስቲ እታ ሃገር ዝደገፈን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝዀነ ካልእ ሃገር ብተነጻጻሪ ዝሓሸ ሓይልን ዓቕምን ከምዘለዎ’ዩ ዝዝረበሉ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ 3 ሽሕ ምስ መንግስቲ ሶማልያ ብዝተገበረ ስምምዕ ድማ ካብ 5 ክሳዕ 7 ሽሕ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ከምዘዋፈረት ጸብጻብ ሮይተርስ የመልክት።
ኣዛዚ ምክልኻል ሓይልታት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ዳርጋ ፍርቂ ዝኸውን ግዝኣት ሶማልያ ካብ ኣልሸባብ ከምዝተኸላኸለ ኣፍሊጡ።
እቲ ፊልድ ማርሻል ኣስዒቡ፡ “ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ዝወጽእ እንተዀይኑ መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ሞቓድሾ ዝቕኒ ኣይመስለንን” ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







