ስምምዕ ኢትዮጵያን ሶማልያን፡ ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከህድእ ይኽእል’ዶ?

እታ ንገዛእ ርእሳ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ኢላ እትጽውዕ ርእሰ ምሕደራ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ንገለ ክፋል ገማግም ባሕራ ንኢትዮጵያ ከተካሪ ካብ ትሰማማዕ ኣትሒዙ ንኣስታት 7 ኣዋርሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።
እቲ ዝርዝራቱ ገና ንህዝቢ ዘይተገልጸ ስምምዕ ንሶማልያ ዘቘጥዐ’ዩ ነይሩ።
መጀመርያ ሶማልያ፡ ነታ ኣብ 1991 ኣብ ምጅማር ኲናት ሓድሕድ ዝተፈልየት ሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ ስለእትቘጽራ፡ እቲ ስምምዕ ዘይሕጋዊን "ተግባር መጥቃዕቲን" ምዃኑ ብምግላጽ ኮኒናቶ’ያ።
ኢትዮጵያ ብኣምሳያኡ ንሶማሊላንድ ከም ልኡላዊት ሃገር ኣፍልጦ እትህብ ቀዳመይቲ ሃገር ከምእትኸውን ዝገልጹ ጸብጻባት’ውን ንሶማልያ ዘሐጉሱ ኣይነበሩን።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ንመሬታዊ ሓድነት ሶማልያ ብምድጋፍ ኵሎም ወገናት ነቲ ወጥሪ ከዝሕሉ ከምዘተሓሳሰቡ ዝዝከር’ዩ።
ኣብዚ እዋን ግን ቱርኪ ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ኣብዚ ጉዳይ ኢዳ ኣእትያ ኣላ።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ልኡኻት ኢትዮጵያን ሶማልያን ክልቲአን ሃገራት ዘጋጠመን ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ መንገዲ ንኽፈትሓ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ርእሰ ከተማኣ ኣንካራ ክዛተዩ ገይራ።
እቲ ዘተ ዕዉት ዶ ነይሩ?
ብኸፊል እወ ዕውት’ዩ ነይሩ።
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልያን ብርግጽ ብ1 ሓምለ ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ተረኺቦም እዮም፤ እንተዀነ ግን ፊት-ንፊት ተራኺቦም ክዛተዩ ኣይፈቐዱን።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ነቲ ዝርርብ "ግልጺ፡ ምዉቕን ንቕድሚት ዝጥምትን" ክብል ገሊጽዎ።
ክልቲኦም ወገናት ድማ ኣብ መስከረም ዳግማይ ክራኸቡ ተሰማሚዖም ኣለዉ። ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ሽዑ ምዕባለ እንተተራእዩ፡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክራኸቡ እዮም።
ስለዚ ተስፋ ኣሎ።
ቱርኪ ስለምንታይ’ያ ኣብዚ ጉዳይ ኢዳ ኣእትያ?
ቱርኪ ምስ ሶማልያ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዋ፤ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት፡ ቱርኪ ንገማግም ባሕሪ ሶማልያ ንምሕላውን ሓይሊ ባሕሪ ሶማልያ ዳግማይ ንምህናጽን ክትሕግዝን ዘኽእል ናይ 10 ዓመት ናይ ምክልኻል ስምምዕ ተፈራሪሞም እዮም።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከምዝበሎ ድማ፡ ቱርኪ ነቲ ዘተ ከተመቻችኦ ዝሓተተት ኢትዮጵያ እያ።
ሶማልያ ካብ ሃገራት ምዕራብ ከምኡ’ውን ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ደገፍ ንምርካብ ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ጎስጓስ ስለዘካየደት፡ ኢትዮጵያ ነቲ ወጥሪ ንምቅላል ድሌት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕ ክትርሕቕ ፍቓደኛ ምዃና ዝሕብር "ምልክት" ዛጊት ከምዘይሃበት ፕረዚደንት ማሕሙድ ገሊጹ ኣሎ።
ስምምዕ ኢትዮጵያ-ሶማሊላንድ እንታይ’ዩ?
ዝርዝር ትሕዝቶ ስምምዕ ኢትዮጵያ-ሶማሊላንድ ንህዝቢ ኣይተገልጸን፤ ስለዝዀነ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ (MoU) ዝተሰማምዑሉ ዝተፈላለየ ስሪት ስለዘሎ ኣጸጋሚ እዩ ዝኸውን።
ናይ ምርድዳእ ስምምዕ (MoU) ማለት ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ዘይኰስ ናይ ዕላማ መግለጺ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ንጹር ዝመስል ዝርዝር ግን ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ብኽራይ ወደብ ኣቢላ ንግዳዊ ትራፊክ ባሕሪ እትረኽበሉ መንገዲ ክተመቻችእ ድልውቲ ምዃና እዩ ዘመልክት። ኣየናይ ከባቢ ገምገም ባሕሪ ንኢትዮጵያ ከምእትህብ ግን ንጹር ኣይኰነን።
ምስዚ ወተሃደራዊ መዳይ እውን ኣሎ። ሶማሊላንድ ሓደ ክፋል ገማግም ባሕሪ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከተካሪ ከምእትኽእል ምግላጻ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተረጋገጸ ኣካል እቲ ስምምዕ’ዩ።
ብኣምሳያኡ፡ ሶማሊላንድ ኣብቲ ዕዉት ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብጽሒት ክትረክብ እያ።
ነገራት ዝገደደ ናብ ወጥሪ ዘምርሑ ግን ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ድያ ኣይትህባን ዝብል እዩ። ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበት ዝዀነት ሃገር ክሳዕ ሕጂ የላን።
እቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ኣብ ዝተፈረመሉ መዓልቲ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ ኣብዲ፡ እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መጻኢ ንሶማሊላንድ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ከም እትህባ ዝገልጽ ዓንቀጽ ከምዘጠቓለለ ገሊጹ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ነዚ ኣየረጋገጸትን። ኣብ ክንድኡ፡ መንግስቲ ኣብቲ ስምምዕነት እንታይ ከምዘሎ ንምንጻር ኣብ ዝገበሮ ፈተነ፡ ብ3 ጥሪ እቲ ስምምዕ "ሶማሊላንድ ኣፍልጦ ንምርካብ እትገብሮ ጻዕሪ ብዝምልከት መርገጺ ንምውሳድ ዓሚቝ ገምጋም ንምግባር. . . [ዝሕግዙ] ድንጋገታት" ከምዘጠቓልል’ዩ ገሊጹ።
እዚ ስለምንታይ እዩ ኣዝዩ ኣካታዒ ኰይኑ?

ሶማልያ፡ ሶማሊላንድ ዘይትንጸል ኣካል ግዝኣታ ከምዝዀነት’ያ ትኣምን። ሶማሊላንድ ምስ ካልእ ሃገር ውዕል ክትፍጽም ወይ ብዘይ ፍቓድ ሶማልያ ካብ መሬታ ክተካሪ ትኽእል ዝብል ሓሳብ ንሶማልያ ዘቘጥዕ’ዩ።
ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ ሶማልያ ነቲ ስምምዕ "... ንሰላምን ምርግጋእን ዕንቅፋትን" ከምኡ’ውን ተግባር "መጥቃዕቲን" ከምዝዀነን እያ ገሊጻ። ካብ ኣዲስ ኣበባ እውን ኣምባሳደራ ከምዝሰሓበት ዝዝከር’ዩ።
ብድሕሪ'ዚ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ እውን ካብ ሞቃድሾ ወጺኡ’ዩ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ ፕረዚደንት ሶማልያ'ውን "ንሃገርና ክንከላኸል ኢና፡ ብዅሉ ኣድላዪ መንገዲ ክንከላኸለላን ክሕግዘና ፍቓደኛ ካብ ዝዀነ መሽርኽቲ’ውን ደገፍ ክንሓትትን ኢና" ብምባል መርገጺ እታ ሃገር ከምዘነጸረ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ መንእሰያት "ንምክልኻል ሃገርና ክንዳሉ" ብምጽዋዕ ኢትዮጵያ "ጸላኢ" ሃገር ክብል ገሊጽዋ’ዩ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ነዊሕ ታሪኽ ንሕንሕ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኣብ 1977ን 1978ን ኢትዮጵያን ሶማልያን ነቲ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብዝብል ዝፍለጥ ቦታ ንምቝጽጻር ኣዕናዊ ኲናት ኣካይደን ነይረን።
ኣብ ሞቓድሾ እውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ስምምዕ ተቓውሞታት ከምዘካየዱ ይዝከር።
ኵነታት ሶማሊላንድ እንታይ ይመስል?
ናይ እንግሊዝ መከላኸሊት ሃገር ዝነበረት ሶማሊላንድ፡ ኣብ 1991 ካብ ሶማልያ ነጻ ምዃና ገሊጻ። ንጡፍ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ስሩዕ መረጻ፡ ሓይሊ ፖሊስን ናይ ገዛእ ርእሳ ባጤራን ዝርከብዎም ካብ ሓንቲ ሃገር ትጽቢት ዝግበረሎም ኵሉ ረቛሒታት ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት እውን ካብ መብዛሕትኡ እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ህውከትን ዓመጽን ኣምሊጣ እያ።
ናጽነታ ግን ብዝዀነት ሃገር ኣፍልጦ ኣይረኸበን።
ስለዝዀነ ድማ ከምቲ ሶማሊላንድ ዝበለቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ እዋን ኣፍልጦ ክትህባ እንተተሰማሚዓ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
ኢትዮጵያ ንምንታይ እያ ነቲ ስምምዕ እትደልዮ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ተበጻሕነት ባሕሪ ምርካባ ናይ ህልውና ጉዳይ እዩ ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኤርትራ ካብ ናጻ እትኸውን ኣትሒዙ፡ ናብ ባሕሪ ዘብጽሕ ወደብ የብላን። ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላን ሃገር እያ።
ኣብይ፡ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ዕላማኣ ክትፍጽም ክትፍትን ትኽእል እያ ክብል ዝሃቦ መግለጺ ድማ ስግኣት ኣለዓዒሉ ይርከብ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ታሪኻዊ ምዃኑ ብምግላጽ ዕላማኣ ሰላማዊ ምዃኑ ኣስሚራ ኣላ።
ቤት ጽሕፈት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ "መንግስቲ ዝገለጾ መርገጺ ምስ ዝዀነ ኣካል ናብ ኲናት ክትኣቱ ድሌት የብላን ኣብ ዝብል ጽኑዕ መሰረት ሱር ዝሰደደ እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብይ ግን ኣብቲ ክትዕ ገለ ሸንኮለል ዝመስል መወከሲ ሂቡ ነይሩ፡ "ነገራት ብዝለመድናዮ ወይ ንፈልጦ ወይ ክንግምቶ እንኽእል መንገዲ ክፍጸሙ እንተተጸቢና [ዕድላት] ክሓልፉና ይኽእሉ እዮም" ክብል ብ6 ጥሪ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ’ዩ።
ወሲኹ ድማ ገለ ነገራት ንምዕዋት ሓደ ሓደ ግዜ ካብቲ ዝተለምደ ወጻኢ ምሕሳብ የድልዮም’ዩ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ካልኦት ኣካላት’ከ እንታይ ይብሉ?
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ሙሳ ፋኪ መሃማት ሓደ ካብቶም ቀዳሞት "ነቲ ዝብርኽ ዝነበረ ወጥሪ ንምቕላል" ህድኣትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ዝጸውዑ'ዩ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሊግ ዓረብን ሕብረት ኣውሮጳን እውን ነዚ ስምዒት ዝተኻፈሉ ኣካላት’ዮም።
ኣብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ሮበርት ኤ ዉድ፡ ሃገሩ "ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓባራዊ ጸጥታዊ ረብሓ ዘሕድሮ ዘሎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘሻቐላ" ምግላጹ ዝዝከር’ዩ።
ብሰንኪ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝተሃንጸ ዓቢ ግድብ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ እትርከብ ግብጺ’ውን ንሶማልያ ክትድግፍ ቃል ኣትያ እያ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ፡ ግብጺ ኣብ ጐድኒ ሶማልያ ደው ኢላ "ጸጥታን ምርግጋእን" እታ ሃገር ከምእትድግፍን ንሶማላዊ መዘናኡ ኣረጋጊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ማሕሙድ ኣብ ጥሪን ኣብ መጋቢትን ከም ኣካል ናይቲ ዞባዊ ደገፍ ንምልዕዓል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ናብ ኤርትራ ኣቕኒዑ ነይሩ። ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መንጐ 2020ን 2022ን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ’ኳ እንተነበረ፡ ብድሕሪኡ ግን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት እናተበላሸወ እዩ መጺኡ።
ኤርትራ’ውን ኢትዮጵያ ናብ ገማግም ባሕሪ ንምብጻሕ ብዘለዋ ህርፋን ከምዝተሻቐለት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ምስ ክልቲአን ኢትዮጵያን ሶማልያን ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ኣብዚ ጉዳይ ዛጊት ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበትን። ዩጋንዳ እውን ንጹር መርገጺ ኣይወሰደትን።
ኣብቲ ዞባ ኣገዳሲ ተራ ዘለወን ክልተ ሃገራት ስዑዲ ዓረብን ቻይናን፡ ንመሬታዊ ሓድነት ሶማልያ ከምዝድግፋ ዝገለጻ ክዀና እንከለዋ፡ እዚ ድማ ኣብ ሞቓድሾ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ተባሂሉ ተናኢዱ’ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







