ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ህሉው ወተሃደራዊ ዓቕሚ እንክነጻጸር

መራሕቲ ክልቲኣን ሃገራት

ኢትዮጵያን ግብጽን ብዛዕባ’ቲ ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ ክልል ቤንሻንጉል ዝህነጽ ዘሎ ንፈለግ ኒል ዝምግብ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ንነዊሕ እዋን ክተፋነና ከምዝጸንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ምዕባለ ጥንታዊት ግብጺ ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ፈለግ ኣባይ፡ ሕጂ እውን ንግብጻውያን ናይ ሞትን ሕየትን ተራ ከምዘለዎ’ዩ ዝንገር።

ግብጻውያን ካብ ፈለግ ኣባይ ብዝውሕዝ ማይን ምስቲ ውሕጅ ብዝመጽእ ሃብታም ሓመድን እዮም ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ዘሰላስሉ። ስለዝዀነ ከኣ’ዩ ሕጂ ኢትዮጵያ ንማይ ኣባይ ንልምዓትን ጸዓትን ክትጥቀመሉ “ህዳሰ” ዝሰመየቶ ዓቢ ግድብ ክትሰርሕ ምስ ጀመረት ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ናብ ወጥሪ ኣትየን ይርከባ።

እዘን ብተፈጥሮኣዊ ዶብ ዘይራኸባ ክልተ ሃገራት ኢትዮጵያ ግብጽን፡ ኣጽዋር ዝጸዓና ወተሃደራዊ ነፈርቲ ግብጽን ሰራዊትን ኣብ ሞቓድሾ ድሕሪ ምእታዎም ዝጸንሐን ወጥሪ ይጋደድ ኣሎ።

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ከኣ እቲ ኵነታት ንርግኣትን ድሕነትን ሶማልያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ተቓውሞአን ገሊጸን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ሶማልያ "ነቲ ዞባ ንምዝራግ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ግብጺ ካብ ሩባ ናይል እትረኽቦ ብጽሒት ማይ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ስጕምትታት ካብ ምውሳድ ድሕር ከምዘይትብል ናብ ባይቶ ጸጥታ መጠንቀቕታ ደብዳበ ሰዲዳ’ያ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ "ግብጺ ህላወኣ ንምክልኻልን ረብሓ ህዝባ ንምሕላውን ብመሰረት ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ኵሉ ስጕምትታት ክትወስድ ድልውቲ እያ" ክብል ሓቢሩ። እቲ ምስ ሶማልያ ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ከኣ ካልእ ግጭትን ጐንጽን ከየለዓዕል ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ወተሃደራዊ ዓቕሚ ግብጽን ኢትዮጵያን ብኸመይ ይነጻጸር?

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ኢትዮጵያ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታ ዓመታት ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ኲናት ኣጋጢምዎ እዩ። እቲ ን30 ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝተኻየደ ብዙሕ ክሳራ ዓቕሚ ሰብን ንዋትን ዘስዓበ ኲናት ካብቲ ብዝለዓለ ደረጃ ዝግለጽ እዩ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዘተ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተዛዘመ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ’ውን ኣሎ። ኣብ ርእሲኡ'ውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ተልእኾታት ዓቃብ ሰላም ክሳተፍ ጸኒሑ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዘብጽሖ ጉድኣት ካብቲ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ዕንወት ዘይውሕድ ምዃኑ ይንገረሉ።

ብኣንጻሩ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ኣብ ርኡይ ኲናት ዘይተሳተፈን ብምዕራባውያን ሃገራት ዘመናዊ ኣጽዋር ክዓጥቕ ዝጸንሐ’ዩ።

ሰራዊት ግብጺ ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ ምስ ስሉጥ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ብዝተፈጥረ ግጭት ሓያሎ ኣሽሓት ሰራዊቱ ከምዝሰኣነ ይፍለጥ።

ሓደ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፡ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ በረኻታት ሲናይ ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ ዘካየዶ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ካብ 2013 ጀሚሩ 3200 ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ግብጺ ከምዝተቐትሉ ገሊጹ ነይሩ።

ካብዚ ወጻኢ ሰራዊት ግብጺ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዀነ ወተሃደራዊ ውግእ ኣይተሳተፈን።

ሃገራት ሓፈሻዊ ወተሃደራዊ ዓቕመን ብምዕቃን ዝሰርዕ ግሎባል ፋየርፓወር ኣብ ናይ 2024 ሕታሙ፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሃገራት፡ ካብ መጠን ሰራዊተን ክሳብ ዕጥቀን ኣስፊሩ ነይሩ።

ዓመታዊ ወተሃደራዊ ዓቐምን ኣቃውማ ናይ 145 ሃገራት ዝግምግም ግሎባል ፋየርፓወር፡ ገምጋሙ ንምጽፋፍ ኣስታት 60 መዐቀኒታት እዩ ዝጥቀም።

እቲ መዐቀኒታት ከኣ ሃገራት ዘለወን ብዝሒ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት፡ ሰራዊተን ዝዓጠቘ ወተሃደራዊ ኣጽዋር፡ ንሰራዊተን ዝምደብ ዓመታዊ ባጀት፡ ንሰራዊተን ኣድላዪ ቀረብ ኣብ ዝግባእ ግዜ ናይ ምቕራብ ዓቕመን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣን እተን ሃገራት ብዝርዝር ዝግምግም።

ብመሰረት ኣሃዛት ግሎባል ፋየርፓወር፡ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ግብጺ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝበረኸ እዩ።

ብመሰረት’ዚ ኢትዮጵያ ካብ 145 ሃገራት ኣብ መበል 49 ደረጃ ክትስራዕ እንከላ ግብጺ ድማ ኣብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ።

ካብ 54 ሃገራት እታ ኣህጉር ድማ ኢትዮጵያ ሓምሸይቲ ግብጺ ድማ ቀዳመይቲ እየን።

ኣብ መንጐ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ብብዝሒ ሰራዊት ኣየር፡ ምድርን ባሕርን ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕ እዩ።

ብዝሒ ሰራዊት

ግብጽን ኢትዮጵያን ተመሳሳሊ ብዝሒ ህዝቢ'ኳ እንተለወን፡ ኣብ ቍጽሪ ሰራዊት ዘሎ ፍልልይ ግን ሰፊሕ እዩ።

ኢትዮጵያ ብጠቕላላ 162 ሽሕ ሰራዊት ክህልዋ እንከሎ፡ ግብጺ ድማ 440 ሽሕ ሰራዊት ኣለዋ።

ብተወሳኺ ግብጺ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዕቑር ሓይልታትን 300 ሽሕ ኣባላት ህጹጽ ደገፍን ከምዘለዋ፡ ኢትዮጵያ ግን ዕቑርን ህጹጽ ደገፍን ከምዘይብላ’ዩ ዘመልክት ግሎባል ፋየርፓወር።

ሓይሊ ኣየር፡ መሬትን ሓይሊ ባሕርን

ሓይሊ ኣየር ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓይሊ ኣየር ግብጺ

ግብጺ ብድምር 1080 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ክህልዋ እንከሎ፡ ካብዚአን እተን 238 ነፈርቲ ውግእ እየን።

ኢትዮጵያ ካብ ዘለዋኣ 91 ወተሃደራዊ ነፈርቲ እተን 23 ጥራይ እየን ነፈርቲ ውግእ።

ኣብ ብዝሒ ሄሊኮፕተራት ክመጽእ እንከሎ፡ ግብጺ 338፡ ኢትዮጵያ ድማ 31 ኣለወን።

ናይ ጽዕነት ነፈርቲ ውግእ፡ ንስልጠናን ንፍሉይ ተልእኾ ዝውዕላ ነፈርቲ ብዝምልከት ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ልዕልና ኣለዋ።

ናይ መሬት ሓይሊ ክረአ እንከሎ ከኣ ግብጺ ልዕሊ 5300 ታንክታት ክህልዋ እንከሎ ኢትዮጵያ ድማ 680 ታንክታት ትውንን።

ኣብ ብረት ዝለበሳ ተሽከርከርቲ ዘለዎ ፍልልይ እውን ልዑል እዩ። ኢትዮጵያ ትሕቲ 10 ሽሕ ዓቕሚ ክህልዋ እንከሎ ብኣንጻሩ ግብጺ ልዕሊ 77 ሽሕ ኣለዋ።

ኣብቲ ኣብ 2024 ዝተመሓየሸ ጸብጻብ ግሎባል ፋየር ፓወር እኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ኢትዮጵያ ውሑዳት ብቱርኪ፡ ቻይናን ኢራንን ዝተሰርሓ ድሮን ከምዘለዋ ይግመት።

ግብጺ ብወገና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈርያ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይዳ ዝኽእላ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝዓጠቐት እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝዓበየ ሓይሊ ባሕሪ ዝሃነጸት ግብጺ፡ መብዛሕትአን ብኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ጥልያንን ዝፈረያ ዝተፈላለየ ዓቐንን ኣጠቓቕማን ዘለወን 140 መራኽብ ኣለዋኣ።

ኢትዮጵያ ከኣ ዋላ’ኳ ኣፍ ደገ ባሕሪ እንተዘይብላ ዳግማይ ሓይሊ ባሕራ ትሃንጽ ከምዘላ እዩ ዝንገር። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝፍጽማ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ የብላን።

ሓይሊ ሰብ፡ ፋይናንስን ሎጂስቲክስን

ታንክታት ግብጺ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንጡፍ ሓይሊ ሰብ፡ ፋይናንስን ሎጂስቲክስን ሓንቲ ሃገር ኣብ ውጽኢት ነዊሕ ዝጸንሕ ኲናት ዓቢ ተራ ክጻወት ተኽእሎ ኣሎ።

ግሎባል ፋየርፓወር፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ክፈርዩን ኣብ ዓውደ ውግእ ከም ጸጋ ክውዕሉ ዝኽእሉን ከም ተተኮስቲ፡ ዩኒፎርም፡ መሳርሒታት፡ መድሃኒት፡ መግቢ ዝኣመሰሉ ዘፍሪ ሓይሊ ዕዮ ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ይገልጽ።

በዚ መዳይ ኢትዮጵያ ብ10 ሚልዮን ህዝቢ ዝዛይድ ዓቕሚ ሰብ ኣለዋ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ዓቕሚ ካብ ግብጺ እትበልጸሉ ሓደ ነጥቢ ብብዝሒ ንስራሕ ድሉው ክኸውን ዝኽእል ሓይሊ ሰብ እዩ።

ወተሃደራዊ ወጻኢታት ግብጺ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ብ10 ዕጽፊ ይዛይድ። ዓመታዊ ባጀት ሰራዊት ግብጺ 9.4 ቢልዮን ዶላር ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ድማ 888 ሚልዮን ዶላር እዩ።

ካብ 1980ታት ጀሚሩ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘለዋ ረብሓ ብዝምልከት ዓቢ ተራ ንዝተጻወተት ግብጺ ኣስታት 50 ቢልዮን ዶላር ቍጠባውን ወተሃደራውን ሓገዝ ኣበርኪታትላ።

ይዅን እምበር ኢትዮጵያን ግብጽን ናብ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ግጭት ክኣትዋ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ ዝግመት። ብቐጥታ ኣብ ዘይሳተፋሉ ግጭታት ድማ ሃገራት ንዘለወን ኵሉ ወተሃደራዊ ዓቕመን ክጥቀማሉ ዘኽእለን ዕድል የሎን።

ምናልባት ግን፡ ዋላ’ኳ ኣብ ሪፖርት ግሎባል ፋየርፓወር እንተዘይተጠቐሰ ክልቲአን ሃገራት ክሊ ኣየር ጎረባብቲ ሃገራት ሓሊፈን መጥቃዕቲ ኣየር ንምፍጻም ዘኽእለን ዘመናዊን ድልዱልን ስርዓተ ምክልኻል ኣየር ከምዘለወን ይንገር’ዩ።