ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ወጥሪ ናብ ግጭት ከምርሕ ይኽእል ድዩ?

መራሕቲ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ሶማልያን (ካብ ጸጋም ናብ የማን)

ምንጪ ስእሊ, BBC/GETTY/

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ ተደራረብቲ ምስሕሓባት ተመስሪቱ ወጥሪ እናዓረገ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ሓደ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን እዩ።

ኣብ መንጐ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝግበር ኲናት ቃላት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት እናገደደ ይመጽእ ኣሎ። እዚ ድማ ቀጥታዊ ይዅን ብተዘዋዋሪ ግጭት ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ።

እቲ ዝዓበየ ስግኣት ኣብ መንጐ ሓይልታት ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ሶማልያ ግጭት ክፍጠር’ዶ ይኸውን ዝብል እዩ።

ሶማልያ ብ16 መስከረም 2024 ናብ በይነ-መንግስታዊ ውድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ እቲ ትካል ኢዱ ክሕውስ ምሕታታ፡ ምናልባት እቲ ወጥሪ ክዝሕል ከም ዝኽእል የመልክት።

ብኸመይ ናብዚ በጺሑ?

ብ26 ነሓሰ 2024 ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ኣጽዋርን ወተሃደራትን ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቓድሾ ዓሊበን።

ኣብ ተመሳሳሊ ሰሙን ከኣ ሓደ ዘይመንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሶማልያ፡ 1000 ወተሃደራት ግብጺ ናብታ ሃገር ከምዝኣተዉን ክልቲአን ሃገራት ኣብ መስከረም ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ከካይዳ መደብ ከምዘለወንን ጸብጺቡ።

ብ12 መስከረም 2024 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ፡ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ መዓስን ብኸመይን ከምዝዋፈር መንግስቱ ኣብ ውሳነ ከምዘይበጽሐ ኣፍሊጡ።

እዚ ወተሃደራዊ ርክባት ክልቲአን ሃገራት ግን ንኢትዮጵያ ቅሳነት ኣይፈጠረን።

ብኻልእ ገጽ እውን ግብጺ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ኣብ ምሕያል ትርከብ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ርክብ ድማ ውጥረት ዝመልኦ ኰይኑ ይርከብ።

እዚ ዅሉ ዝፍጸም ዘሎ፡ ሓደ ምንጪ ወጥሪ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ እናተደራረበ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣብ ስምምዕ ምብጽሓ ይዝከር። እቲ ክልቲኤን ዝተፈራረማኦ ሰነድ፡ ኢትዮጵያ ኣብታ ንባዕላ ከም ሃገር ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽን ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋን ዘኽእል ኰይኑ፡ ከም መከሓሓሲ ድማ ነታ ርእሰ ምምሕዳር ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ዝብል ይርከቦ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ኣትሒዙ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ፀኒሑ እዩ።

ካርታ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሚያዝያ 2018 ስልጣን ዝሓዘ ኣብይ፡ ናብ መሪሕነት ካብ ዝመጽእ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ተቛሪጹ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ዳግማይ ዘጣየሶ።

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብምትዕራቕ ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ "ኵነተ ኣይሰላም ኣይኲናት" ኣመሓይሽዎ ነይሩ።

ቀጺሉ ምስ ሶማልያን ኤርትራን "ዞባዊ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ" እኳ እንተመስረተ፡ ንንግዲ ይዅን ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝኸውን ኣፍደገ ባሕሪ ግን ክረኽብ ኣይከኣለን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ 11 ጥቅምቲ 2023 ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መእተዊ ምርካብ "ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ" ብምባል፡ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ምውሓስ ወጻእ ካልእ "ኣማራጺ ከምዘይብላ" ተዛሪቡ ነይሩ።

መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር እውን ክሳብ’ቲ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ ስምምዕ ዝበጽሓ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሰፊሑ ኣጀንዳ ክገብርኦ ተራእየን።

ንሶማሊላንድ ከም ሓንቲ ግዝኣታ እትቖጽራ ሶማልያ ግን፡ ነቲ ስምምዕ ከምዘይትቕበሎ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምግላጻ ምስ ግብጺ ስምምዕ ምትሕብባር ፈሪማ።

ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዝምድና ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሩባ ኣባይ (ፈለግ ኒል) ዝህነጽ ዘሎ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ተፀልዩ እዩ ፀኒሑ።

መንግስቲ ሶማልያ እቶም ኣንጻር ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ሻባብ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ንኽሕግዙ ብዝብል ካብ 2006 ኣትሒዞም ኣብታ ሃገር ዝተዋፈሩ ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ክወጽኡ ኣብ ምሕታት ይርከብ። ኣብ ክንድኦም ከኣ ወተሃደራት ግብጺ ክትክኡ ንምግባር ውጥናት ከምዘለዎ ይግለጽ።

ነዚ ስዒቡ ግብጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ናብ ሶማልያ ክትሰድድ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ጸቕጢ ካብ ምፍጣር ዝሰገረ ካልእ ዕላማ ክህልዎ ከምዘይክእል ይግለጽ።

ኢትዮጵያ ብወገና ሰራዊት ግብጺ ናብ ሞቃድሾ እንተመጺኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወተሃደራታ ካብ ሶማልያ ከምዘይትስሕብ ኣጠንቂቓ’ላ።

መንግስቲ ሶማልያ ነቲ ምስ ግብጺ ዝገበሮ ስምምዕ ስዒቡ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ከምዘጋጠሞ’ዩ ዝግለጽ።

ካርታ

መብዛሕትኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ካብ ቁጽጽር ሰራዊት ሶማልያ ወጻኢ ዝዀነ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዝርከቡ ከባቢታት ጌዶ፡ ባይን ባኩልን ተዋፊሩ ይርከብ።

እቲ ክልተ ግዝኣታት ዘመሓድር ዞባ ደቡብ ምዕራብ ሶማልያ ግን ምስ ሓይልታት ኢትዮጵያ ክቕጽል ከም ዝደሊ’ዩ ብተደጋጋሚ ኣፍሊጡ።

ኣብታ ከፊል ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ዝርከብ ሓደ ፍሉጥ ፖለቲከኛ፡ ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘለዋ ግጭት "ንሶማልያ ትምዝምዝ ኣላ" ክብል ይኸስስ።

ማእከላይ መንግስቲ ሶማልያ ነዚ ውሽጣዊ ቅልውላው ንምግታእ ኣብ ምጽዓር ይርከብ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዛ ዓብዲ ባረ ነቲ ዘሎ ዘይምርድዳእ ክፈትሕ ብምሕሳብ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ናብ እትርከብ ማዲና ባይዶኣ ከይዱ ምስ ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ዘትዩ ነይሩ።

ግጭት ክለዓል ይኽእል’ዶ?

ኢትዮጵያ ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብ ምዕራብን ሶማልያ ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 10 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣለዋ። ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራታ ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ (ATIMS) ዝንቀሳቐሱ እንትኾኑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ክልቲኤን ሃገራት ናብ ቅልውላው ቅድሚ ምእታወን ብዝተበጽሐ ስምምዓት እዮም ተዋፊሮም።

ኣብ ሶማልያ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1977 ዝተኻየደ ኲናት እናጠቐሳ ፕሮፖጋንዳ ክሰርሓ ተራእየን እየን። ኢትዮጵያ ግን ነቲ ጉዳይ ዘይምቕባላ ብዘረባን ብተግባርን ተርእይ ኣላ።

ነፈርቲ ግብጺ ኣብ ሞቓድሾ ድሕሪ ምዕላበን፡ ጐረቤታ ዝኾነት ሶማልያ ንሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ሓይልታት ተዕቁብ ከምዘላ ኣጠንቂቓ። ህላወ ሓይልታት ግብጺ ከኣ "ሓደጋታት ዝሓዘለ እዩ" ኢላ።

ሰራዊት እታ ሃገር ኣብቲ ምስ ሶማልያ ዝዳወብ ክልል ሶማል-ኢትዮጵያ ሓድሽ መደበር ሓይሊ ኣየር ከጣይሽ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ነሓሰ ኣቃሊሐን ነይረን። ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ’ውን ንዅለን መዕርፎ ነፈርቲ ዞባ ጌዶ ከምዝተቘጻጸሩ ይግለጽ።

ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ሰራዊታ ከተዋፍር እንተዀይና ፍቓድ ሶማልያን ሕብረት ኣፍሪቃን ረኸበት ኣይረኸበት ብዘየገድስ ሰራዊታ ከምዘይትስሕብ መጠንቀቕታ ምሃባ ንሞቃድሾ ስግኣት ዝፈጠረ ጉዳይ ኰይኑ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ከጥቅዕ ዝፍትን ዝዀነ ኣካል "ዓሰርተ ግዜ ክሓስብ" ኣለዎ ምባሉ’ውን ይዝከር።

ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ኣብ መጀመርታ መስከረም ንሰራዊት ምብራቓዊ እዚ ኣብ ዘስምዖ መደረ ሰራዊቱ ንዝዀነ "ወራሪ ሓይሊ" ንምምካት ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ብኢንተርነት እትፍኖ ተለቪዥን ብሕቲ ኣብ ዝዘርግሓቶ ብሕቡእ ዝተቐድሐ ድምጺ፡ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ግብጺ "ታሪኻዊ ጸላኢት" ኢትዮጵያ ከምዝዀነት ብምግላጽ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዕጡቓት ሓይልታት ትድግፍ እያ ክብል ከሲሱ።

ፈተነታት ልዝብ ክዕወቱ’ዶ ይዀኑ?

መራሕቲ ሶማልያ፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ምስ ባንዴራታት ሃገራቶም

ምንጪ ስእሊ, BBC/GETTY

ሶማልያ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢጋድ ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ እቲ ዞባዊ ትካል ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ ክሕውስ ሓቲታ’ላ። እዚ ድማ ሞቃድሾ ነቲ ኵነታት ከተለስልሶ ከም ዝሓሰበት ዘመልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቱርኪ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ዝገበረቶ ፈተነታት ውጽኢታዊ ኣይነበረን። ብ13 ነሓሰ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ልዝብል ብዘይፍረ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ሶማልያ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ።

ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን እውን ኣብ መንጐ’ተን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ንመራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብተናጸል ኣዘራሪብዎም ነይሩ።

ግን ከኣ እቲ ሶማልያ ምስ ግብጺ ዘካየደቶ ስምምዕ ንኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣቖጢዕዋ። እቲ ብ17 መስከረም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ’ውን ተናዊሑ።

ሶማልያ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ገጻ ናብ ቱርኪ መሊሳ ነይራ።

ሓይሊ ባሕራ ክተሰልጥነላን ክተጠናኽረላን ከምኡ’ውን ምሉእ ዓቕሚ ክሳብ ዝረክብ ንማያዊ ግዝኣታ ክትሕልወላ ምስ ቱርኪ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ስምምዕ ምብጽሓ ይዝከር።

ምስ ኢትዮጵያ'ውን ጽቡቕ ርክብ ዘለዋ ቱርኪ ግን፡ ክልቲአን ሃገራት ጸገማተን ብዘተ ክፈትሓ ትምሕጸን።

መንግስቲ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ሰነድ ስምምዕ እንተዘይቀዲዳቶ እቲ ወጥሪ ከምዘይሃድእ ትገልጽ። ነዚ ምስ እትፍጽም ከኣ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ብዘተ ኣፍደገ ባሕሪ ክትጥቀም ትኽእል እያ ዝብል መርገጺ ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ብወገና፡ ዝዀነ ስምምዕ ልክዕ ከምቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ዝረብሕ እንተዘይኰይኑ፡ ከምዘይትቕበሎ ትገልጽ።

እታ ንእሽቶ ቀርኒ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጅቡቲ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ብዝብል ወደብ ታጁራ ምስ ኢትዮጵያ "ብሓባር ዝመሓደረሉ" ዕድል ከምእትህብ ቃል ኣትያ’ላ። እዚ ድማ ንዋሕዚ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘቐጽል ከምዝኸውን ትገልጽ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰደድን ኣታውን ንግዳ 95 ሚእታዊት ንወደብ ጅቡቲ እያ ትጥቀም። ስለዚ እቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝተገበረ ስምምዕ ንጅቡቲ ብዙሕ ኣታዊ ክትስእን’ዩ ዝገብራ።

እቲ ሕጂ ዞባውን ዓለማውን መሻርኽቲ፡ እቲ ወጥሪ ናብ ዕጥቃዊ ግጭት ከይዓቢ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ።