ጅቡቲ ንምንታይ ሕጂ ኣማራጺ 'ወደብ' ንኢትዮጵያ ኣቕሪባ? ነቲ ዘሎ ወጥሪ ኸ ከህድኦ ይኽእልዶ?

ወደብ ጅቡቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጅቡቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፍጢሩ ንዘሎ ከቢድ ወጥሪ ንምቅላል፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ወደባታ ብቐጥታ ከተመሓድር ዘኽእል ኣማራጺ ሓሳብ ከምዘቕረበት ዝዝከር እዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ፍሉይ ቃለ መሕትት፡ ኢትዮጵያ ናብ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ንኽህልዋ፡ ሃገሩ ንሓንቲ ካብ ወደባታ "ምሉእ ብምሉእ ከተመሓድር" ኣማራጺ ከምዘቕረበት ገሊጹ።

እቲ ኢትዮጵያ ከተመሓድሮ ከም ኣማራጺ ዝቐረበ ወደብ ታጁራ፡ ካብ ዶብ ኢትዮጵያን ጅቡትን 100 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቝ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዓፋርን ንዝርከብ ሰደድ-ማዕድን ፖታሽ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ምዃኑ ይንገር።

እዚ አማራጺ ሓሳብ ዝቐረበ ግን፡ ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ከም ሃገር እትጽውዕ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ወደብ ክትረክብ ዘኽእል ውዕል ድሕሪ ምኽታማ እዩ፤ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝነገሰ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ንምዝሕሓል ምዃኑ እዩ ተገሊፁ።

እንተዀነ፡ እቲ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ጅቡቲ ዘቕረበቶ ኣማራጺ ሓሳብ፡ "ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ዘየጠቓልል” ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ከምኡ’ውን፡ ንኢትዮጵያ ዘቕረበ ኣማራጺ ሓሳብ፡ ኣብ ሰሜን ጅቡቲ ዝርከብ ወደብ ታጁራ "ሓባራዊ ምሕደራ" ምዃኑ ኤኤፍፒ ንኻልኦት ማዕከናት ዜና ጠቒሱ ኣቃሊሑ።

እንተዀነ፡ ጅቡቲ ዘቕረበቶ ኣማራጺ እማመ፡ "ወደብ ታጁራ ናብ ኢትዮጵያ ንምስግጋር ወይ ንምሻጥ ከምዘይኰነ" ዝተዛረበ እቲ ሚኒስትር፡ እቲ ወደብ ንንግዲ ውሽጥን ወጻኢ ዓድን ጥራይ ክውዕል ከምዝኽእል ኣብሪሁ።

ኢትዮጵያ ነቲ ብ90 ሚልዮን ዶላር ዝተሃነጸ ወደብ ታጁራ ካብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚራ ክትጥቀመሉ ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እዚ እማመ ሓሳብ ኣመልኪታ ክሳብ ሕጂ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ጅቡቲ ንምንታይ ሕጂ ነዚ ኣማራጺ ኣቕሪባ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ 95 ሚእታዊት ንግዲ ወፃኢ ብወደባት ጅቡቲ እዩ ዝሓልፍ።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ በብመዓልቱ ዝውስኽ ግብርን ካልእ ሕልኽላኻትን በቲ ኣገልግሎት ሕጉስቲ ከምዘይኰነት ክትገልፅ ፀኒሓ ኣያ።

ስለዝዀነ’ውን፡ እታ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባ ዘለዋን ልዕሊ 120 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዝነብረለን ሃገር፡ ኣማራጺ ወደብ ወይ ድማ ባዕላ እትውንኖ መውጽኢ ኣፍደገ ባሕሪ ክትደሊ ፀኒሓ ኣላ።

ጅቡቲ ንወጥሪ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንምህዳእ ክትብል ዘቕረበትላ ኣማራጺ ወደብ ታጁራ፡ ካብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት 100 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ እዩ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኣብ ጀርመን - ዩኒቨርስቲ ላይፕዚግ ዝርከብ ኣቶ ነገራ ጉደታ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ጅቡቲ ነዚ ኣማራጺ ዘቕረበትሉ ብኽልተ ምኽንያታት ምዃኑ ይግምት።

‘ቀዳማይ ምኽንያት ቍጠባዊ እዩ’ ዝብል ኣቶ ነገራ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ልዕሊ 95 ሚእታዊት ንንግዲ ሰደድን እታወትን፡ ወደብ ጅቡቲ ክትጥቀም ምጽንሓ የዘኻኽር።

እዚ ማለት እውን ኣገልግሎት ወደብ፡ "ዓንዲ ሕቘ" ቍጠባ ጅቡቲ እዩ ማለት ምዃኑ የረድእ።

ኣቶ ነገራ፡ ኢትዮጵያ ገጻ ናብ ሶማሊላንድ እንተድኣ ኣዚራ፡ ጅቡቲ እዚ ሰፊሕ ኣታዊ ከም እትስእን ብምስጋእ፡ ወደብ ታጁራ ከተመሓድር ክትፈቕደላ ወሲና ኣላ።

እቲ ካልኣይ ፖለቲካዊ ምዃኑ ዝጠቅስ’ቲ ተንታኒ፡ መረጻ ቀጻሊ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት ክካየድ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ጅቡቲ ሓንቲ ካብተን ሕጹያተን ዘቕረባ ሃገራት ምዃና ይጠቅስ።

ከም ሕጹይ ኣቦ መንበርነት’ቲ ኮሚሽን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ፡ ነዚ ወጥሪ ብምቅላል፡ ንሰላም እቲ ዞባ ይሰርሕ ከምዘሎ ንምግላጽን፡ ጽቡቕ ስም ንምፍጣርን ይጥቀመሉ ከምዘሎ ይትንትን።

ወደብ ታጁራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ሓድሽ እማመ ነቲ ወጥሪ ከቃልሎ ይኽእል ድዩ?

ተንታኒ ኣቶ ነገራ፡ ኣማራጺ እማመ ጅቡቲ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ንዘሎ ወጥሪ ንምቅላል፡ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል ተኽእሎ "ግዝያዊ" ምዃኑ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ክሳብ ዘይሰረዘት፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክሃድእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ኢትዮጵያ እዚ ክትገብር እያ ዝብል እምነት ድማ የብለይን" ዝበለ ኣቶ ነገራ፡ ጅቡቲ ንንግዲ እቶትን ሰደድን ጥራይ ብዝብል ዘቕረበቶ ኣማራጺ፡ ኢትዮጵያ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ዘለዋ ባህጊ ከምዘየዓውት ኣብሪሁ።

ወሲኹ ድማ፡ ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ቅርሕንቲ ምስ ዘለዎን ሃገራት ወተሃደራዊ ስምምዕ ምግባራ፡ ነቲ ወጥሪ ከምዘጐሃህሮ ሓቢሩ።

ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ሶማልያን ካልኦት ሃገራትን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብዚ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ብቐጥታ ክሳተፍ ኣይደልያን ይዀና እየን።

መስመር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መስመር ንግዲ ባሕሪ ዝሓዘ እዩ።

ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳስነት ክብ ክብል ዝገበረ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ዝመጽእ ነዳዲ፤ ካብ ኤስያ ዝመጽእ ኢንዱስትርያዊ ፍርያት ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝሰጋገረሉ ወሳኒ ቦታ ብምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፡ ሓያላት ሃገራት ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ምሕዝነት ብምፍጣር ጽልዋአንን ቁጽጽረንን ከሐይላ ይደልያ።

ገሊአን ድማ ኣብቲ ዞባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣጣይሰን ኣለዋ።

ኣመሪካ፣ ፈረንሳይ፣ ሩስያ፣ ቻይናን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካብተን ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘቘማ ሃገራት እየን።

እዘን ልዕለ ሓያላን ሃገራት፡ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት፣ ወደባት ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ማእከላት ስልጠናን ታዕሊምን ከይተረፈ ሃኒጸን ኣዋ።

ኣቶ ነገራ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ እትርከብን ብብዝሒ ህዝቢ፣ ብታሪኽን ብቁጠባን ዓባይ ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ፣ ሰፊሕ ፅልዋ ክትፈጥር ዘኽእላ ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ምቁማታ፣ ነተን ሃገራት ስግኣት ከምዝኰነ ይጠቅስ።

ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ እንተረኺባ ኣብቲ ዞባ ጽልዋኣን ተሰማዕነታን ሓፍ ከምዝብል እውን ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ንሕቶ ጅቡቲ ክትቅበሎ ትኽእል ድያ?

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ታጁራ "ምሉእ ብምሉእ" ንምምሕዳር ዘቕረቦ ኣማራጺ እማመ፡ ናብ "ሓባራዊ ልምዓት" ብኸመይ ከም ዝቐየሮ'ኳ እንተዘይገለጸ፡ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ዝዓለመ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣቶ ነገራ ጉደታ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ኣማራጺ ሓሳብ ጅቡቲ ክትቅበሎ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግምት።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ምምሕዳር ወደብ ኣብ ትሕቲ ጅቡቲ'ኳ እንተጸንሐ፡ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 25 ዓመታት ንወደብ ጅቡቲ ክትጥቀመሉ ምጽንሓ እዩ።

ወሲኹ ድማ፡ ጅቡቲ ምምሕዳር እቲ ወደብ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከተረክብ ምውሳና፡ ከም "ጽቡቕ ነገር" ዝረአ'ዩ ይብል።

“እዚ ድማ ኣብ ኣታዊታትን ወጻኢታትን ኢትዮጵያ ንግዳዊ ቅልጣፈ ክፈጥር ይኽእል እዩ፤ ቢሮክራሲ ከጕድል እዩ" ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

እንተዀነ፡ ኣብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ዘቘማ ብዙሓት ሓያላት ሃገራት፡ ገገሊአን ነንሕድሕደን ተጻባእቲ ምዃነን ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ምስ ወደብ ጅቡቲ ብዝምልከት እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ስምምዕ፡ ብጥንቃቐ ክትርእዮ ይምዕድ።

ቅድሚ እዚ፡ ኣቶ ነገራ "ንመሕለፊ ኣቝሑ ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ከምዝተሃንጸ ዝዝረበሉ ወደብ፡ ኣገልግሎት ወደብ በርበራ፡ ናብ ዲፒ ወርልድ ምስግጋሩ ይዝክር።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ከምዚ ዓይነት ጌጋ ከይፍጸም ጥንቃቐ ክገብር ከምዘለዎ ይመክር።

ብቐዳምነት፡ ምስሕሓብ እንተተፈጢሩ ብኸመይ ይእለ? እንታይ ዓይነት ዘይምርድዳእ ከጋጥም ይኽእል? እንተትረአ ጽቡቕ ምዃኑ የመልክቱ።

ኢትዮጵያ ሶማሊላንድ ገዲፋ ኣብ ታጁራ ከተተኵር ትኽእል ዶ?

40 ሄክታር ዝስፍሓቱ ወደብ ታጁራ፡ ኣብ 2017 ንንግዲ ወጻኢ ኢትዮጵያ ዓሊሙ ዝሰፍሐ ኰይኑ፡ ብፍላይ ድማ ማዕድን ፖታሽ ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዝጠመተ እዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰፊሑ ዝርከብ ማዕድን ፖታሽ ናብ ዕዳጋ ወጻኢ ንምቕራብ ዝተዳለወ ወደብ ታጁራ ኣብ ሰዓት 2000 ቶን ፖታሽ ከአንግድ ይኽእል።

ኣብ ወደብ ታጁራ ነተን ዘመናዊ ማሽናት ንምትካል 60 ሚልዮን ዶላር ከም ዘውጽአት ዝንገረላ ጅቡቲ፡ ንመላእ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ዝኣቱን ዝለኣኽን ኣቑሑት ከምዘሕልፍ ተገይሩ እዩ ተሃኒጹ።

እንተዀነ፡ ኣቶ ነገራ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝኣተወቶ ስምምዕ፡ ዝያዳ ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምህናጽ ዘኸእላ ቦታ ምዃኑ የዘኻኽር።

ኣማሪጺ ጅቡቲ፡ ንግዲ እታወን ሰደድን ጥራይ ዝሕዝ ወደብ ስለዝዀነ፡ "ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ክትስርዝ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ'ዩ" ይብል።

“ንግዚኡ ምንዋሕ ክፈጥር ይኽእል እዩ፤ ኣብ ነዊሕ እዋን ግን፡ ሓይሊ ባሕራ ንምቛም ዘሎ ባህጊ ደው ዘብል ኣይክኸውንን” ክብል ይዛረብ።

ኢትዮጵያ ምስታ ካብ ሶማልያ ናጻ ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣዘራራቢ ስምምዕ ዝተፈራረመት ብ01 ጥሪ 2024 እዩ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማሊላንድ ኣስታት 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መደበር ሓይሊ ባሕሪን ንግዳዊ ወደብን ክትሃንጽ ዘኽእላ ወደብ ክትረክብ እያ።

ሶማሊላንድ ብወገና ብኢትዮጵያ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትረክብ ትጽቢት ዘለዋ ኰይኑ፡ ኣብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ቴሌኮም ዝተወሰነ ብጽሒት ከምእትረክብ ይዝረብ።