ኢትዮጵያ፡ ምስ ምእታው ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ብዝተሓሓዝ እንታይ ኢላ?

ምንጪ ስእሊ, Ministry Of foreign Affairs
ኢትዮጵያ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ “ንምዝራግ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት” ስቕ ኢላ ከምዘይትዕዘብ ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብረቡዕ 28 ነሓሰ 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ምስ ቀጻሊ መስርሕ ምስግጋር እቲ ኢትዮጵያ እትሳተፈሉን ኣብ ጥሪ ዝዛዘምን ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝተሓሓዝ ስግኣት ሰፊኑ’ሎ።
ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግ ስጕምቲ ዝወስዱ ካልኦት ተዋሳእቲ ኣካላት ከምዘለዉ’ውን ከሲሱ።
እቲ ሚኒስትሪ ነዚ መግለጺ ዝሃበ፡ ወተሃደራትን ኣጽዋርን ዝጸዓና ክልተ ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ብሰሉስ ከምዝኣተዋ ምስተገለጸ’ዩ።
ብተወሳኺ መንግስቲ ሶማል "ምስቶም ነቲ ዞባ ክዘርጉ ዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ይሰርሕ ኣሎ" ክብል እቲ ሚኒስትሪ ይኸስስ።
ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኣ፡ መንነት ናይቶም ንቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዘርግ ስጉምቲ ይወስዱ ኣለዉ ዝበለቶም "ካልኦት ተዋሳእቲ" ወይ ሓይልታት ኣየነጸረትን።
ይዅን'ምበር ኣብቲ ዞባ ንሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ንዝኽእሉ ኵሎም ፍጻመታት ብንቕሓት ትከታተሎም ምህላዋ ኣፍሊጣ ኣላ።
ግብጺ ክልተ ነፈርቲ ውግእ ኣጽዋር ናብ ሶማልያ ብምልኣኽ፡ ብሰንኪ’ቲ ምስታ ናጻ ኢላ እትጽውዓ ሶማሊላንድ ብዝገበሮ ስምምዕ ርክብ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ወጥሪ ትርከብ።
ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ ሶማልያ ተራእየን ዘለዋ፡ ካይሮን ሞቓድሾን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ምፍራመን ስዒቡ እዩ።
ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም፡ ሰራዊት ከተበርክት ዘቕረበቶ እማመ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወግዓዊ ምዃኑ ይዝከር።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ጉዳይ ኣወዳድባ ናይቲ ንመሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝትክእ ዓቃቢ ሰላም፡ ነቲ ዞባ ሓድሽ ስግኣት ሒዙሉ ይመጽእ ከምዘሎን እዚ ድማ ነታ ሃገር ከምዘሻቕላን ኣመልኪቱ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ንሓያሎ ዓመታት ሰራዊታ ዘበርከተትሉ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጥሪ ዝመጽእ ዓመት ተልእኾኡ ዛዚሙ ኵነታት ጸጥታ ንመንግስቲ ሶማልያ ከምዘረክቦ ይግለጽ።
ይዅን’ምበር ኣብ ሶማልያ ጸጥታዊ ክፍተት ንከይፍጠር፡ ካብ 10 ሽሕ ዘይበዝሑ ወተሃደራት ዝሓዘ ዓቃብ ሰላም ክዋፈር ከምዝግበር’ዩ ዝዝረብ።

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ጉዳይ እቲ ኣብ ሶማልያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ምድላዋት ይገብሩ ከምዘለዉ ዝሓበረት ኢትዮጵያ፡ "እቲ ዞባ ናብ ዘይግመት ፈተና ይኣቱ ኣሎ" ኢላ።
ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሶማልያ ሰራዊተን ዘዋፈራ ሃገራት ብተደጋጋሚ ከቕርባኦ ዝጸንሓ ጻውዒትን ርእይቶን ቆላሕታ ኣይተወሃቦምን ክትብል እውን ነቒፋ።
ኢትዮጵያ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ’ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝመሓደር ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ተዋፊራ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ነዚ ኣብ ግምት ዘየእተወ ከምኡ’ውን ንስምን መስዋእትን ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ዘዳኽም መግለጺታት ወጺኡ ክብል ይኸስስ፡ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ።
ኢትዮጵያ ነዚ ስቕ ኢላ ክትሓልፎ ካብ ገለ ወገናት ድሌት ከምዝነበረ እቲ መግለጺ ጠቒሱ’ሎ።
ወሲኹ፡ "ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሕሉፍ እዋናት ኣብ ልዕሊ ዞባውን ዓለምለኻውን ግብረሽበራውያን ጕጅለታት ዝተረኽበ ዘተባብዕ ውጽኢት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ንድሕሪት ዝመልስን ተግባራት ኣይትጻወርን እያ" ኢሉ።
ቱርኪ፡ ነቲ ኢትዮጵያ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ብዝኸተመቶ ኣካታዒ ስምምዕ ምስ ሶማልያ ንዝተፈጠረ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ጻዕሪታት ኣብ ምግባር ትርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ ንምቅላል ኣብ ዝተዳለወ መድረኻት ዘተ ብንጥፈት ትሳተፍ ምህላዋ ብምሕባር ጭቡጥ ውጽኢት ከምዝተራእየ እያ ትገልጽ።
"መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ክንዲ ነዚ ጻዕርታት ሰላም ዘሐይል፡ ምስቶም ነቲ ዞባ ንምዝራግ ዝጽዕሩ ናይ ደገ ሓይልታት ይሰርሕ ኣሎ" ክትብል’ውን ትኸስስ።
ኢትዮጵያ ቅድሚ ምዝዛም ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም፡ ነቲ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይሰሪዛቶ ኣሽሓት ወተሃደራታ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከምዝግበር መንግስቲ ሶማልያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ መወዳእታ ሰነ ነቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛቶ፡ ኵሎም ኣብ ትሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ክልተኣዊ ስምምዕን ተዋፊሮም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊታ ክወጹ ምዃኖም ብወግዒ ኣጠንቂቑ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራት፡ ምስ ሶማልያ ብዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕ ድማ ኣስታት 7 ሽሕ ወተሃደራት ኣብታ ሃገር ኣዋፊራ ትርከብ።
ቅድሚ ሎሚ፡ ብዛዕባ’ቲ ሶማልያ ዝሓዘቶ መርገጺ ርእይቶኡ ክህብ ብቢቢሲ ዝተሓተተ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ነብዩ ተድላ፡ “ተልእኾ ኢትዮጵያ ኣብ ድልየት መንግስቲ ሶማልያ ጥራይ ዝምስረት ከምዘይኰነ” ብምግላጽ፡ እቲ ሕቶ ካብ መንግስቲ እታ ሃገር ጥራይ ዘይኰነስ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ዓለምለኻውያን ትካላትን ክመጽእ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ክትስሕብ ዝድለ እንተዀይኑ እቲ ሕቶ ብወግዒ ምስ ዝቐርብ ተግባራዊ ከምዝኸውን ዘመልከተ እቲ ወሃቢ ቃል፡ "ኢትዮጵያ ሓይላ ክትስሕብ ካብ መንግስቲ ሶማልያ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ወግዓዊ ሕቶ የለን" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝኣወጀትን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዝፈረመቶ ሰነድ ስምምዕ ንሶማልያ ኣዝዩ ካብ ምቑጣዕ ሓሊፉ ኣብቲ ዞባ ዓብዪ ወጥሪ ፈጢሩ’ሎ።
ሶማልያ ተደጋጋሚ ክስታትን መግለጺታትን ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶ’ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







