ሶማልያ፡ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ሞቓድሾ ኣትየን

ምንጪ ስእሊ, Social Media
ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ትማሊ ሰሉስ 27 ነሓሰ 2024 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ከምዝዓለባ ተሓቢሩ።
እዚ ድማ ግብጺ ድሕሪ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ንሶማልያ ዝሃበቶ ፈላማይ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምዃኑ ሮይተርስ ንዲፕሎማስያውን ምንጭታት መንግስቲ ሶማልያ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ክልተ ባንዴራ ግብጺ ዘለወን ሲ-130 ዝዓይነተን ወተሃደራዊ ነፈርቲ ጽዕነት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቃድሾ ክበጽሓ እንከለዋ ዘርኢ ኰይኑ፡ ሮይተርስ ብወገኑ እቲ ቪድዮ ቅኑዕ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ጸብጺቡ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ መንጎ መንግስታት ካይሮን ሞቓድሾን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ስምምዕ ምፍራሞም ስዒቡ እዩ እተን ነፈርቲ ኣብ ሶማልያ ተራእየን።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ካይሮ ኣብ ዘካየዶ ወግዓዊ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል ሲሲ ድሕሪ ምዝርራቡ ኣብቲ እዋን ዝርዝሩ ዘይተገልጸ ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከምዝተፈራረሙ ይዝከር።
እቲ ስምምዕ፡ ግብጺ ዓቕሚ ምክልኻልን ጸጥታን ሶማልያ ንምምሕያሽ ተወሳኺ ደገፍን ስልጠናን ክትህብ ምዃና፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ድማ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ከምዝህሉን የመልክት።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ’ውን ኣብቲ እዋን፡ እቲ ስምምዕ "ንሽበራ ንምምካትን ሰላም ንምድንፋዕን ኣድላዪ" ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ሶማልያ ብእትገብሮ ደገፍ ንግብጺ ምምስጋኑ’ውን ይዝከርኑ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ግብጺ ሰላም ንምዕቃብ ሰራዊታ ናብታ ጎረቤት ኢትዮጵያ ዝዀነት ሶማልያ ክትልእኽ ብወግዒ ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።
መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊት ክትሰድድ ካብ ዝሓተተሉ እዋን ኣትሒዙ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ከም ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ኣዋፊራ ትርከብ።
ኢትዮጵያ ምስታ ንገዛእ ርእሳ ናጻ ትብል ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ኣካታዒ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ስዒቡ ግን፡ ሶማልያ ቅድሚ እቲ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝዛሙ ኣሽሓት ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጹ ከምእትደሊ ኣፍሊጣ እያ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ሑሴን ዓሊ፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕ እንተዘይሰሪዛ፡ ኵሎም ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃን ክልተኣዊ ስምምዕን ዓስኪሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ከምዘጠንቀቐ ይፍለጥ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራት ከምኡ’ውን ምስ ሶማልያ ብዝገበረቶ ክልተኣዊ ስምምዕ ድማ ክሳብ 7 ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊራ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሶማልያ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከብዎም 18 ሺሕን 500 ወተሃደራት፡ እቶም 5 ሽሕ ካብታ ሃገር ክወጹ ተገይሮም እዮም።
ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት እውን ብዙሓት ሰራዊት ዝቕነሱ ክኸውን እንከሎ፡ ተልእኾ መሰጋገሪ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ተልእኾኡ ዛዚሙ ኵነታት እቲ ጸጥታ ንመንግስቲ ሶማልያ ከረክብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ይኹን’ምበር፡ ኣብ ጸጥታ ክፍተት ከይፍጠር፡ ካብ 10 ሽሕ ዘይበዝሕ ወተሃደራት ዘለዎ ዓቃብ ሰላም፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዝርከበን ከባቢታት ክዋፈር ምዃኑ ይጥቀስ።
ግብጺ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ሶማልያ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ከተበርክት ዘቕረበቶ እማመ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ተገሊጹ እዩ። መንግስቲ ግብጺ ግን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበን።
ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ግብጺ ሰራዊታ ክትልእኽ ዘቕረበቶ ሕቶ ብሓጎስ ከምዝቕበሎ እዩ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣልሲሲ ሃገሩ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ከምእትድግፍን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ዝህሉ ጣልቃ ምትእትታው ከምእትቃወምን ዳግማይ ከምዘረጋግጽ ሓቢሩ’ዩ።
ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተኸተመቶ ስምምዕ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ግብጽን ሶማልያን ዘሎ ዝምድና ተጠናኺሩ ኣሎ።
ብሰንኪ እቲ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ምስሕሓብ ዝጸንሐት ግብጺ ነቲ ስምምዕ ከምዝነጸገቶ ይፍለጥ።
እቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ ስምምዕ ምፍርራመን ስዒቡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ መሓመድ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ ዓብዱል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ብተሌፎን ከምዝተዘራረበን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ’ውን ብዙሕ ግዜ ናብ ካይሮ ከምዝበጽሐን ዝዝከር’ዩ።
ኣፍ ደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ፡ ንግዳዊ መተሓላለፊ ወደብ ክትረክብን ሓይሊ ባሕራ ክተጠናኽርን ካብ ዘለዋ ድሌት ተበጊሳ ምስታ ናጻ ሃገር እየ እትብል ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ፡ ምስ ሶማልያ ናብ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ኣእትይዋ ይርከብ።
ሶማልያ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኣዲስ ኣበባን ሃርጌሳን ዘሎ ምትእስሳር ልኡላውነተይን ግዝኣታዊ ሓድነተይን ዝጥሕስ እዩ ብምባል ብትሪ ክትቃወም ጸኒሓ’ያ።
እተን ኣብ ወጥሪ ዝጸንሓ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ቱርኪ ክልተ ዙርያ ዘተ ኣካይደን ነይረን።
እቶም ብመንጎኝነት ቱርኪ ዝተገብሩ ዘተታት ዋላ እኳ ፍረ እንተዘይፈረዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ግን ሳልሳይ ዙር ዘተ ክካየድ ትጽቢት ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







