ግብጽን ሶማልያን ውዕል ወተሃደራዊ ምትሕብባር ከቲመን

ምንጪ ስእሊ, presidency Eg
ኣብ ካይሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ምስ ዘሎ ፕረዚደንት ሶማሊያ ተኣሳሲሩ፡ ግብጽን ሶማልያን ብወተሃደራዊ መዳያት ተሓባቢረን ንምስራሕ ዘኽእለን ውዕል ከቲመን።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ብምዝታይ ኣብ ኵሉመዳይ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ተሰማሚዖም።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ግብጺ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገሩ ንምክልኻል ንእትገብሮ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ እቲ ውዕል ራዕዳዊ ተግባራት ንምክልኻልን ሰላም ንምውሓስን ጠቓሚ ከምዝዀነ ጠቒሱ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ብወገኑ፡ ኣልሲሲ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ንኽሕሎን ከምኡ’ውን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝፍጠር ኢድ ኣእታውነት ከምዝቃወም ምግላጹ ሓቢሩ።
ካብ ሶማሊያ ተነጺላ “ነጻ ሃገር ከምዝዀነት” ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኣተወቶ ውዕል ዝምድና ግብጽን ሶማልያን እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።
ግብጺ ካብቲ ምስ ሶማልያ ዝኣተወቶ ወተሃደራዊ ውዕል ብተወሳኺ ኣብ ሞቓድሾ ኤምባሲ ክትከፍት እንከላ መገዲ ኣየር ግብጺ ድማ ናብ ሞቓድሾ ቀጥታዊ በረራ ጀሚሩ ኣሎ።
ሰበ ስልጣን መንግስቲ ሶማልያ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ ብተደጋጋሚ ሕቶ ከቕርቡ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብኣንጻሩ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ንኽዋፈር እወታዊ ምላሽ ረኺቡ እዩ።
ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ዝዋፈር እንተዀይኑ ምስ ህንጸት ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ተዛሚዱ ሓርፋፍ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ኢትዮጵያን ግብጽን ብቐጥታ ክተፋነና ዝኽእላሉ ዕድላት ክህሉ ከምዝኽእል ይግመት።
እቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ተግባራዊ ክኸውን’ዩ ተባሂሉ ተዘሪብሉ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ሶማልያን ግብጽን ዝርዝር ጉዳያቱ’ኳ ዝፍለጥ እንተዘይኰነ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ካቢነ መንግስቲ ሶማልያ ከምዝተቐበሎ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







