ሶማሊላንድ፡ ምእታው ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ሸለል ከምዘይትብሎ ኣፍሊጣ

ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሰ በሂ

ሶማሊላንድ፡ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ብሸለልታ ከምዘይትሪኦ ገሊጻ።

እቲ ብሓሙስ 29 ነሓሰ 2024 [ኣ.ኣ] ብመገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሶማሊላንድ ዝወጸ መግለጺ እታ ርእሰ ምምሕዳር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሶማልያ ምውፋሩ፡ ንምርግጋእን ጸጥታን ሶማልያን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

“ሓይልታት ወጻኢ፡ ብዝዀነ ምኽንያት ኣብ ጐረቤት ሃገር ሶማልያ ምውፋር፤ ምርግጋእ እቲ ዞባ ዝዘርግ፡ ጻዕርታት ዓቃብ ሰላም ዘዳኽምን ዓቢ ቅልውላው ዘከትል ወጥሪ ክፈጥርን ዝኽእል እዩ” ብምባል ድማ ተቓውሞኡ ገሊጹ።

ሶማሊላንድ እዚ መግለጺ ተውጽእ ዘላ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣፅዋር ከም ዝፃዓና ዝንገረለን ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ናብ ሶማልያ ምእታወን ስዒቡ፡ ብኢትዮጵያ ተመሳሳሊ መርገጺ ድሕሪ ምውጽኡ እዩ።

“ካልኦት ተዋሳእቲ ንምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስጕምትታት ክወስዱ እንከለዉ ኢትዮጵያ ስቕ ኢላ ኣይትዕዘብን" ክብል ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ሶማሊላንድ ብወገና፡ “ከም ልኡላዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከም ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት፡ ምርግጋእን ጸጥታን ህዝብናን ዞባናን ዝዘርግ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ምውፋር ምሉእ ብምሉእ ኣይንቕበልን" ኢላ።

እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጸ መግለጺ፡ “መንግስቲ ሶማልያ ጻዕርታት ሰላም ክንዲ ዘሐይል፡ ምርግጋእ እዚ ዞባ ክዘርጉ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ ነይሩ።

ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ነቲ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝዀነ ስምምዕ ኣፍደገ ባሕሪ ድሕሪ ምፍራመን፡ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ፡ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ግብጻዊ መዘናኡ ዓብዱልፋታሕ ኣል-ሲሲ ብተሌፎን ምዝርራቡ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ፕረዚደንት፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ግብጺን ኤርትራን ናብ ዝርከብአን ጐረባብቲ ሃገራት ክገይሽ ጸኒሑ እዩ።

ግብጺን ሶማልያን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክገብራ ድሕሪ ምስምምዐን፡ ነፈርቲ ውግእ ግብጺ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ተራእየን እየን።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል፡ ኣርማ ሃገረ ግብጺ ዘለወን ክልተ ሲ-130 ወተሃደራዊ መጓዓዝያ ነፈርቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓድሾ ዓሊበን።

ሶማሊላንድ፡ ምስታ ብመሬት ዝተኸበበትን ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ንህላወኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እትገልጽን ሓይሊ ባሕራ ከተደልድል እትደልን ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ኣገዳሲ ስምምዕ ከምዘፈረመት ይዝከር።

እቲ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘውህብ ስምምዕን ከም ኣምሳያኡ ድማ ሶማሊላንድ ከም ሃገር ወግዓዊ ተፈላጥነትን ክትረክብ ዘኽእላ ስምምዕ፡ ሶማልያ፡ “ልኡላውነተይን ግዝኣታዊ ሓድነተይን ዝጥሕስ እዩ” ብምባል ብትሪ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

ግብጺ ምስ ሶማልያ ክንዮ ስምምዕ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ምፍራማ፡ “ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ሶማልያ” ንምሕያል ሰራዊታ ናብታ ሃገር ክትልእኽ ወግዓዊ ሕቶ ኣቕሪባ እያ።

ብመሰረት ግብጽን ሶማልያን ዝበጽሓኦ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ግብጺ ሓይሊ ምክልኻልን ጸጥታን ሶማልያ ንምምሕያሽ ደገፍን ስልጠናን ክትህብ ምዃና፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ድማ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ክህሉን እዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ እቲ ስምምዕ “ሽበራ ንምምካትን ሰላም ንምድንፋዕን ኣድላዪ እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ግብጺ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገሩ ንዝገበረቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።

ድሕሪ ምፍራም እቲ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ፡ ሃገሩ ንሓድነትን ልኡላውነትን ሶማልያ ከም እትድግፍን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ዝግበር ምትእትታው ከም እትቃወምን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን፡ ግብጺ ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ንምውፋር ዘቕረበቶ ሕቶ ብሓጐስ ከምዝቕበሎ ከምዘፍለጠ ዝዝከር ኰይኑ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ግን ኣብ መግለጺኡ ማሕበረሰብ ዓለም “ንሓደገኛ ንጥፈታት ግብጺ” ክዅንን ጸዊዑ።

ኢትዮጵያ እውን፡ ምቅይያር ኣቃውማ ተልእኾ ሰላም ኣብ ሶማልያ ስክፍታ ዝፈጥረላን ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ሓድሽ ሓደጋ ዘምጽእ ምዃኑን እያ ትምጕት።

ብሕቶ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመታት ሰራዊታ ኣብ ሶማልያ ኣዋፊራ ጸኒሓ እያ።