ትራምፕን ፑቲንን ቀጻሊ ኣብ ሞስኮ? ኣብ ኣላስካኸ እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ኣብ ኣላስካ ዝተኻየደ ዝርርብ መራሕቲ ኣመሪካን ሩስያን፡ ኣብ ኲናት ዩክረይን ሰላማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንታት ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ንኣስታት ክልተ ሰዓታት ዘካየዱዎ ዘተ ግን ምቍራጽ ተጻብኦ ክመጽእ ኣይሓገዘን።
ፑቲን፡ ኣብ ቀጻሊ ትራምፕ ናብ ሞስኮ ንኽመጽእ ዓዲሙዎ ኣሎ።
እቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ ግን ሓያሎ ሕቶታት ክለዓሉ ደሪኹ ይርከብ።
ካብ ኣኼባ ኣላስካ ዝተወስዱ ሓሙሽቶ ቀንዲ ጕዳያት እነሆ፤
ፑቲን ናብ ዓለምለኸ መድረኽ ምምላሱ
ምዕራባውያን ዘግለሉዎ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብዓርቢ ናብ ኣላስካ ክኣቱ እንከሎ ደበና ዝዓብለሎ ኵነታት ኣየር'ዩ ነይሩ።
ትራምፕ ድማ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ኤልመንዶርፍ-ሪቻርድሰን ቀይሕ ምንጻፍ ዘርጊሑ ክጽበዮ ጸኒሑ።
ፑቲን፡ ካብ ነፋሪት ወሪዱ ናብ ትራምፕ እናቐረበ ምስ ከደ፡ ትራምፕ ኣጣቒዑ። ድሕሪኡ ክልቲኦም መራሕቲ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ፍሽኽ በሉ።
እዚ፡ ንፑቲን ዘደንቕ ህሞት እዩ ነይሩ - ሞስኮ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ ኣግሊሎምዎ እዮም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ናብ ከም ሰሜን ኮርያን ቤላሩስን ዝኣመሰላ ምስ ፈደረሽን ሩስያ ምሕዝነት ዘለወን ሃገራት ጥራይ እዩ ድሩት መገሻታት ክገብር ጸኒሑ።
ዋዕላ ኣላስካ ምክያዱ እምበኣር ንፑቲን ዓቢይ ዓወት እዩ ነይሩ። ምዕራባውያን ዘርሓቝዎ ፑቲን፡ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ከም መሻርኽትን ዓርኪን እዩ ዝርአ ዘሎ።
ፑቲን ናብቲ ኣኼባ ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ክንዲ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፕረዚደንታዊ መኪና ብሊሞዚን ትራምፕ እዩ ተጓዒዙ።
ፑቲን ኣብ ድሕሪት እታ መኪና ኮፍ ኢሉ ክስሕቕ'ውን ተራእዩ።
ፑቲን ዘይመለሶም ሕቶታት
ይዅን'ምበር፡ ፑቲን ፈጺሙ ዘይተጸበዮ ሕቶታት ኣጋጢምዎ።
ፑቲን ፕረዚደንት ሩስያ ኰይኑ ኣብ ዝጸንሓሉ 25 ዓመታት ንሚድያታት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩ፡ ናጽነት ሚድያታት ብምጭፍላቕን ሓበሬታ ብፕሮፖጋንዳ ብምትካእን እዩ ዝመርሕ ዘሎ።
"ሰለማውያን ሰባት ምቕታል ደው ከተብል ዲኻ?" ተባሂሉ ኣብ ኣላስካ ዝተሓተተ ፑቲን፡ መልሲ ኣይሃበን።
እቲ ሕቶ'ውን ዝረበሾ ኣይመስልን።
ክልቲኦም መራሕቲ ስእሊ ክስኣሉ እንከለዉ'ውን ብቋንቋ ሩስያ ሓዊሱ ተወሳኸቲ ሕቶታት ቀሪቦምሉ።
ምስ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክትራኸቡ ዲኹም ተባሂሉ ተሓቲቱ'ውን ኣይመለሰን።
እቶም መራሕቲ ሕቶታት ዘይተቐበልሉ ጋዜጣዊ መግለጺ
ፑቲንን ትራምፕን ዝርርቦም ምስ ወድኡ፡ ጋዜጠኛታት መግለጺ ክወሃብ ይጽበይሉ ናብ ዝነበረ ክፍሊ ኣምሪሖም።
ኣብ ክንድኡ ክልቲኦም መራሕቲ መግለጺታት ሂቦም ካብ ሪፖርተራት ዝዀነ ሕቶ ከይተቐበሉ ወጺኦም።
ፑቲን እዩ ቀዲሙ ዝተዛረበ፤ "ኣብ ሓበራዊ ምክብባር ዝተመስረተ ሃናጺ ዝርርብ ነይሩ፡" ክብል ኣሞጒሱ።
ኣላስካ ድማ፡ ግዝኣት ሩስያ ከም ዝነበረት ጥቕስ ኣቢሉ ሓሊፉ።
ፑቲን ክዛረብ እንከሎ፡ ትራምፕ ደው ኢሉ ይዕዘብ ነይሩ።
ፑቲን፡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ምኽንያት ዘተ ክልቲኦም መራሕቲ ዝዀነ "ኵነታት ዩክረይን፡" ክብል ኣልዒሉ።
እንታይ ምዃኑ ዘይነጸሮ "ስምምዕ" ከም ዝተበጽሐ ብምጥቃስ፡ ሰላም ቅድሚ ምምጽኡ "መሰረታዊ መንቀሊ እቲ ጐንጺ፡" ክውገድ ኣለዎ ኢሉ።
ክንዮኡ፡ እቲ ኲናት ምስ ተጀመረ ተዅሲ ደው ንምባል ማሕለኻ ኰይኖም'ዮም ዝበሎም ጕዳያት ኣመልኪቱ።
ግዝኣታት ዩክረይን ዝበሃሉን መብዛሕትኦም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሩስያ ዝርከቡን ክሪሚያ፡ ዶነስክ፡ ሉሃንስክ፡ ዛፖሪዝዚያን ኬርሰንን ግዝኣታት ሩስያ'የን ኢልካ ኣፍልጦ ምሃብ፤ ቅድሚ ሕጂ'ውን ዝጠቕሶም ዝነበሩ ጕዳያት እዮም።
ካልኦት ሕቶታት ሩስያ ድማ፡ ዩክረይን፡ ወተሃደራዊ ዕጥቂታታት ንኽትፈትሕ፡ ዘይሻራዊ መርገጺ ንኽህልዋ፡ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ምትእትታው ንኸተወግድን ዝብሉ እዮም።
እዚ ስጕምቲ- ንኪቭ ቅቡል ኣይኰነን- ምኽንያቱ ግዝኣታታ ብሩስያ ይጥቕለሉ ምህላዎም እያ ትኣምን።
እዚ ዅሉ ግን፡ ኣብዚ ጕባኤ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዘየለ ዘርኢ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ዘይተባህለ'ኸ
ትራምፕ ክዛረብ ተራኡ ምስ በጽሐ፡ ብዘገርም ኵነታት፡ ንዩክረይን ወይ ተኽእሎታት ተዅሲ ደው ምባል ኣየልዓለን።
ነቲ ግጭት ብምውካስ ክዛረብ እንከሎ "ኣብ ሰሙን ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ፡ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ይቕተሉ እዮም ዘለው፤ ፑቲን እውን መወዳእታ እቲ ምፍሳስ ደም ክርኢ ይደሊ'ዩ፡" ኢሉ።
ብዙሕ ብምዝራብ ዝፍለጥ ትራምፕ፡ ካብቲ ፑቲን ዝተዛረቦ ዝወሓደ ቃላት'ዩ ተዛሪቡ።
ኣብ መግለጺኡ ብተዛማዲ፡ ከምኡ'ውን ዘይልሙድ፡ ሓጺር ብቐንዱ ግን ዘይንጹርነት ዝተራእዮ ነይሩ።
"ብዙሓት ዝተሰማማዕናሎም ነጥብታት ነይሮም፡" ዝበለ ትራምፕ፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ኣኼባ ልዑል ምምሕያሻት ተራእዩ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ይዅን'ምበር፡ ብዛዕባ እቲ ልዑል ምምሕያሽ ዝበሎ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኲናት ዩክረይን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝዀነ ዓይነት ጭቡጥ ስጕምቲታት ዝተወስዱ ኣይመስሉን።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ ዘሳተፈ ስምምዓት ይዅን ስሉሳዊ ኣኼባ ከም ዝህሉ ኣይተገልጸን።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምቍራጽ ተዅሲ እንተዘይተበጺሑ፡ ሩስያ "ከቢድ መቕጻዕቲ" ከም ዝጽበያ ኣጠንቂቑ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ኣብዚ ኣኼባ ኣይተላዕለን።
ቀጻሊ ኣብ ሞስኮ' - ፑቲን ሳሕቲ ብእንግሊዝኛ ዝተዛረቦ
ዋዕላ እቶም መራሕቲ፡ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምምጻእ ዝዀነ ዓይነት ጭቡጥ ለውጢ ከምጽእ እኳ እንተዘይከኣለ፡ ኣብ መንጐ ሩስያን ኣመሪካን ንፋስ ኣቲዩዎ ዝነበረ ዝምድና ምቅርራብ ክህሉ በሪ ከፊቱ እዩ።
ክልቲኦም ፕረዚደንታት ብተደጋጋሚ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞምን ፍሽኽ እናበሉን ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።
ከምኡ'ውን ኣመሪካውያን ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ፑቲን ንዝተጕዓዘሉ ቀይሕ ምንጻፍ ክዝርግሑ እንከለው ዘርእዩ ምስሊታት ወጺኦም።
ፑቲን ዝህቦ ዝነበረ መግለጺ ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ሓደ ካብቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ዝተዛረበሉ ነጥብታት ብምውካስ፡ ትራምፕ ኣብ ስልጣን እንተዝህሉ ነይሩ ኲናት ዩክረይን ፈጺሙ ኣይምተላዕለን ኢሉ።
ትራምፕ ኣብዚ ዘተ "ዓቢ ምዕባለ" ተራእዩ'ዩ ክብል እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ዋዕላ ኣላስካ ዝዀነ ጭቡጥ ነገር እንተሎ ብወግዒ ኣይተገለጸን።
ክልቲኦም መራሕቲ ግን ኣብ መጻኢ ዘተ ክህሉ ከም ዝኽእል ኣአንፊቶም ኣለው።
እዚ ምናልባት ኣብ መሬት ሩስያ ክኸውን ይኽእል።
"ምናልባት ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ክርእየካ'የ፡" በለ ፑቲን።
ፑቲን፡ ብዘይተለመደ ኵነታት ፍሽኽ እናበለ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ናብ ትራምፕ እናጠመተ "ቀጻሊ ኣብ ሞስኮ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ብግደኡ፡ "እወ፤ ዝገርም እዩ። ምናልባት ነቐፌታ ክገጥመኒ ይኸውን። ከም ዝኸውን ግን ይርኣየኒ፡" ክብል መሊሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







