'ዓሻ ዕድጊ'፡ ኣመሪካ ንኣላስካ ካብ ሩስያ ዝዓደገትሉ ታሪኻዊ ፍጻመ

ምንጪ ስእሊ, Hulton Archive/Getty Images
ሎሚ ዓርቢ፡ 15 ነሓሰ 2025 ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ኣብ ግዝኣት ኣመሪካ ኣላስካ ተራኺቦም፡ ኲናት ዩክረይን ደው ኣብ ዝብለሉ ጕዳይ ክዝትዩ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ኣኼባ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝተራእየ ዓቢይ ዲፕሎማሲያዊ ለውጢ እዩ ክብሃል ይኽእል። ካብዚ ብዝሰገረ ግን፡ ኣላስካ ታሪኻዊ ረብሓ'ውን ዘለዋ እያ።
ርክብ ዶናልድ ትራምፕን ቭላድሚር ፑቲንን፡ ኣብታ ዝዓበየት ከተማ ግዝኣት ኣላስካ ዝዀነት ኣንኮሬጅ እዩ ክካየድ።
እቲ ርክብ ምናልባት ቅድሚ 150 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ እንተዝካየድ ግን፡ 'ኣብ ግዝያት ሩስያ' ምተባህለ ነይሩ።
ምኽንያት ናይዚ ኣላስካ - ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየት ግዝኣት ኰይና- ኣስታት ሓደ ሕምሲት ክፋል መሬት እታ ግዝኣት ኣብ ሓደ እዋን ብሩስያ ይውነን ስለ ዝነበረ'ዩ።
'ንስነ-መጐታዊ ኣኼባ ዝኸውን ስነ-መጐታዊ ቦታ'
ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ምዕራብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ኣላስካ፡ ካብ ሩስያ ብመጻብቦ ቤሪንግ ተፈልያ እያ - እዚ መጻብቦ እዚ ካብቲ ጸቢብ ቦታ ልዕሊ 80 ኪሎ ሜትር ይርሕቕ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ እቲ ዋዕላ ኣብ ኣላስካ ከም ዝካየድ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ሓጋዚ ፕረዚደንት ሩስያ ዩሪ ኡሻኮቭ፡ ልኡኽ ሩስያ "ብመጻብቦ ቤሪንግ ብምብራር ኣብ ኣላስካ ንዝካየድ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳስን ትጽቢት ዝግበረሉን ዋዕላ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣዝዩ ስነ መጐታዊ ይመስል፡" ኢሉ።
ኣብ መንጐ ሩስያን ኣላስካን ዝነበረ ታሪኻዊ ርክብ ግን ካብ መጀመርታ 1700ታት ዝጅምር ኰይኑ፡ ደቀባት ሳይቤርያ መጀመርታ ኣብ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ መሬት ይነብሩ ነይሮም።
ብደኒማርካዊ ባሕረኛ ቪቱስ ቤሪንግ ዝተመርሐ ሓደ ጕጅለ ዳህሳስ፡ እዚ መሬት ምስ ሩስያ ከም ዘይራኸብ የረጋግጽ። እንተዀነ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ከባቢ ብኸቢድ ግመ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ እቲ ጕዕዞ ክቕጽል ኣይክኣለን።
ብ1741 ብቤሪንግ ዝተመርሐ ካልእ ጕጅለ ዳህሰስቲ፡ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ዕውት ጕዕዞ ገይሩ።
ድሕሪኡ ባሕረኛታት ናብቲ ቦታ ብምኻድ ብዙሓት ጕዕዞታት ንግዲ ገይሮም።
እዚ ድማ፡ ኣብ መንጐ ኤውሮጳ፡ ኤስያን ገምገም ባሕሪ ፓስፊክ ሰሜን ኣመሪካን ንግዲ ጸጕሪ (ጐፍጓፋት ኣብ ባሕሪ ዝነብሩ እንስሳ ኦተርስ) ንኽህሉ ማዕጾ ከፊቶም።
ይዅን እምበር፡ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ነጋዶ ጸጕሪ ብሪጣንያን ኣመሪካን ብርቱዓት ተነሓናሕቲ ሩስያውያን ነጋዶ ኰኑ።
እቲ ዝተኻረረ ንሕንሕ ኣብ 1824 ንኽፍታሕ፡ ሩስያ ምስ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝተፈላለየ ውዕላት ፈሪማ።
ምጥፋእ ኦተራት ባሕሪን ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ኲናት ክሪሚያን (1853– 56) ሩስያ ኣላስካ ንኣመሪካ ንክትሸጣ ድልውቲ ክትኸውን ካብ ዝገበሩዋ ምኽንያታት'ዮም።
'ዓሻ ዕድጊ'
ኣብቲ እዋን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ዊልያም ሴዋርድ፡ ነቲ ዋጋ-ዕዳጋ መሸጣ መሬት ብምምራሕ ምስ ሩስያ ውዕል ኣሲሩ።
ድሕሪ ብዙሕ ተቓውሞ፡ ኮንግረስ ኣመሪካ ነቲ ሴዋርድ ንዕድጊ ኣላስካ ዘቕረቦ 7.2 ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቑ፤ ብ18 ጥቅምቲ 1867 ድማ ኣብታ ሽዑ ርእሰ ከተማ ኣላስካ ዝነበረት ሲትካ ባንዴራ ኣመሪካ ተሰቒላ።
ኣብ መጀመርታ ዕድጊ ኣላስካ፡ እቲ መሬት ዝዀነ ነገር ከም ዘይብሉ ብዝኣመኑ ነቐፍቲ "ናይ ሴዋርድ ዓሻ ዕድጊ" ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ግምት ብምእታው ኣመሪካ ዝኸፈለቶ 7.2 ሚልዮን ዶላር፡ ብናይ ሕጂ ዕዳጋ እንተተዓቂኑ ልዕሊ 100 ሚልዮን ዶላር እዩ ዝኸውን።
ብዝገርም ኵነታት ግን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝዓበየት ግዝኣት ንዝዀነት ኣላስካ ዝተኸፍለ ትሑት ዋጋ እዩ።
ካብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ኣላስካ፡ ልዑል መኽሰብ ዝርከቦም ወርቂ፡ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።
ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ ዓቢ መኽሰብ ከተምጽእ ጀሚራ። ስጕምቲ ሴዋርድ ዓስቢ ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣብ 1959 ኣላስካ ብወግዒ መበል 49 ግዝኣት ኣመሪካ ኰይና።
ብሃብቲ ተፈጥሮ ዝበልጸት ኣላስካ፡ ሕጂ ልዕሊ 12 ሽሕ ሩባታትን ብዙሓት ቀላያትን ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ርእሰ ከተማኣ ጁኑዋ፡ ብጀልባ ወይ ብነፋሪት ጥራይ ክትበጽሓ እትኽእል እንኮ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ኣመሪካ እያ።
ኣብ ኣንኮራጅ ዝርከብ 'ሌክ ሁድ' ሓደ ካብቶም ዝበዝሑ ጽዑቓት መደበራት ነፈርቲ ባሕሪ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 200 በረራታት የአንግድ።
ፕረዚደንት ትራምፕን ፑቲንን ኣብቲ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ትካል እታ ግዝኣት ዝዀነ መደብር ኤልመንዶርፍ-ሪቻርድሰን ክራኸቡ እዮም።
እዚ 64 ሽሕ ሄክታር ዝስፍሓቱ መደበር፡ ኣመሪካ ኣብ ኣርክቲክ ንዘለዋ ወተሃደራዊ ድልየት ኣገዳሲ ቦታ እዩ።
ኣላስካ ኣብ ዲፕሎማሲ ኣመሪካ፡ ኣገዳሲ እጃም ክትጻወት እዚ ናይ መጀመርታኣ ኣይኰነን።
ኣብ መጋቢት 2021፡ ሓድሽ ጕጅለ ዲፕሎማስን ሃገራዊ ድሕነትን ጆ ባይደን፡ ምስ ቻይናውያን መዛኑኦም ኣብ ኣንኮራጅ ተራኺቦም ነይሮም።
ብዛዕባ እቲ ዋዕላ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ዋይት ሃውስ ግን እቲ ኣብ ኣላስካ ዝካየድ ኣኼባ፡ ንትራምፕ "ናይ ምስማዕ ዕድል" ዝህብ ከም ዝኸውንን ንፕረዚደንት ኣመሪካ "እዚ ኲናት ደው ንክብል ዝበለጸ ምልክት፡" ክህቦን'ዩ ኢሉ።
ትራምፕ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ፑቲን ከም ዝራኸብ ምስ ገለጸ፡ እቲ ኣኼባ ናብ ሰላም ዝወስድ ጭቡጥ ስጕምትታት ከስዕብ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት ዩክረይ ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣቐዲሙ፡ ኪቭ ዘይተሳተፈትሎም ዝዀነ ዓይነት ስምምዓት "ፍሹላት ውሳነታት'ዮም ክዀኑ፡" ኢሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







