ካብ ምዝንጋዕ ናብ ቢልዮነር፡ እቲ ንሰርከስ ዳግማይ ዝመሃዘ ሓዊ ዘስተንፍስ ተዋዛዪ


መስራቲ ሰርክ ዱ ሶሌይ ጋይ ላሊበርተ፡ ኣብ ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፌም ኮኾቡ ተቐቢሉ

ምንጪ ስእሊ, Michael Tran / FilmMagic via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መስራቲ ሰርክ ዱ ሶሌይ ጋይ ላሊበርተ፡ ኣብ ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፌም ኮኾቡ ተቐቢሉ
ንባብ: 7 ደቓይቕ

እቲ ሓዊ ዘስተንፍስ ኣብ ዕንጸይቲ ተሰቒሉ ዝኸይድ ቢልዮነር ጋይ ላሊበርቴ ተላለዩዎ።

ንነብሱ፡ ፍርቃ ስነ-ጥበባዊት ፍርቃ ድማ ርእሰማላዊት (ካፒታሊስት) እያ ክብል ይጽውዓ።

ንሱ፡ ብመገዲ እቲ ብደረጃ ዓለም 'ሰርክ ዱ ሶሌል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኵባንያ ኣቢሉ፡ ነቲ መብዛሕትና ብዝተፈላለየ መልክዑ እንፈልጦ ሰርከስ ናብ ልዑል ስነጥበባዊ ምርኢት ቀይርዎ።

ላሊበርተ፡ ኣብ ምብራቓዊ ካናዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ኩቤክ ብ1959 ተወሊዱ።

ለይቲ ካብ ሓደ ክሳብ ሽዱሽተ ሰዓት ይድቅስ፣ ኣብ ንግዲ ድማ ቀሊል ዘይበሃል ተዋሳኣይ እዩ።

ብተወሳኺ ብኤ-ሊስተርን ኣክሮባትን ዝተመልአ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ድግስ ብምድጋስ ይፍለጥ።

ጋይ ላሊበርተ ዕሊ ዓቐን ዝዀነ ድግስ ብምድጋስ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Shirlaine Forrest / WireImage via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጋይ ላሊበርተ ዕሊ ዓቐን ዝዀነ ድግስ ብምድጋስ ይፍለጥ

ጋይ ላሊበርተ፡ ኣብ ውሽጢ 120 ኣዝማድ ዘለዋ ጫውጫው ዝበዝሓ፡ ን48 ሰዓታት፡ ሙዚቃ፡ ጸወታ ካርድን ዕግርግርን ዝተመልኦም ኣብ ዝድገሰላ ስድራቤት እዩ ዓብዩ።

ከም ብዙሓት ቢልዮነራት፡ ንንግዲ ዝጥምት ብልሒ ብኣጋኡ ነይሩዎ።

ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ካርድታት ቤዝቦል ይሸይጥን ናይ ኣቦኡ ኣኮርድዮን ይለማመድን ነበረ።

ቈልዓ ከሎ ድማ፡ ኣብ ባህላዊ ሰርከስ ኣመሪካ ተሳቲፉ፤ እዚ ቀልቡ ገዚኡዎ። ትምህርቲ ግን ኣይከርናኡን።

ወዲ 10 ዓመት ምስ ኰነ ናብ ጽኑዕ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ተላኢኹ፤ ድሒሩ ንመንፈስ ካልኦት ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ቈልዑ ከም ዝጐሰየ ተዛሪቡ።

ሰርክ ዱ ሶሌል' ኣብ 2010 ኣብ ሜሪላንድ ምርኢት እናኣቕረበት

ምንጪ ስእሊ, Brendan Hoffman / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላሊበርተ ኣብ ንእስነቱ ጃግሊንግ፡ ሓዊ ምትንፋስን ኣብ ቀጢን ዕንጸይቲ ተሰቒልካ ምጕዓዝን ምስ ዝመሃሩዎ ስነ-ጥበባውያን

ዕድመ ንእስነቱ ቍጥዐ ዝመልኦ እዩ ነይሩ።

ካብ ሓያሎ ኣብያተ ትምህርቲ ተሰጒጕ።

ክመርጾን ክስዕቦን ብዝግባእ ሞያ ዝምልከት ምስ ስድራኡ ተባኢሱ።

ኣብ 14 ዓመት ዕድመኡ ድማ ካብ ገዛኡ ወጺኡ።

ኣብ መወዳእታ ናብ ገዛኡ ምስ ተመልሰ ብሓደ ነገር ተሰማሚዑ።

ክመሃር ከም ዘለዎ፡ ግን ጸጕሩ ከም ዘይቈርጽን ናይ ባዕሉ ገንዘብ ክገብር ከም ዝጅምርን ኣሚኑ ተቐቢሉ።

ነዚ ንኸሳኽዕ ኸኣ፡ ኣብ ጎደናታት ኩቤክ ምዝንጋዕን ምውዛይን ዝተሓወሶ ሰርከስ ከርኢ ጀሚሩ።

ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣኮርድዮንን 50 ዶላር ሒዙ ናብ መላእ ኤውሮጳ ተጓዒዙ።

ኣብ ለንደን ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ኣብ ዝርከቡ ወናብር ደቂሱ'ዩ፤ ሽዑ ምስቶም ኣብ ንእስነቱ ጃግሊን፡ ሓዊ ምትንፋስን ኣብ ቀጢን ዕንጸይቲ ተሰቒልካ ምጕዓዝን ዝመሃሩዎ ስነ-ጥበባውያን ተራኺቡ።

እዚ ኣብ መወዳእታ ሰብዓታት ዝተምሃሮ ክእለት ኣብ መወዳእታ፡ ድርኺት ናይ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ፍሉጣት ዝዀኑ ቀጥታዊ ምርኢታት ኰነ።

ንሰርከስ ዳግም ምምሃዝ

መስረትቲ ሰርክ ዱ ሶሌል ሓድሽ ዓይነት ሰርከስ ንምፍጣር ድሌት ነይርዎም

ምንጪ ስእሊ, Scott Barbour / Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መስረትቲ ሰርክ ዱ ሶሌል ሓድሽ ዓይነት ሰርከስ ንምፍጣር ድሌት ነይርዎም

ናብ ካናዳ ምስ ተመልሰ፡ ዝተፈላለዩ ሃንደበታዊ ኣብ ዝዀኑ ዓይነታት ስራሕ ክወፍር ጀሚሩ።

ክሳብ ብኣድማ ማሕበር ሰራሕተኛታት ናብታ ንእሽቶ ከተማ ኩቤክ ባይ ሴንት ፖል ቅድሚ ምኻዱ፡ ንሓጺር እዋን ኣብ ፋብሪካ፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ዲጋ ሃይድሮኤሌክትሪክ ሰሪሑ።

ኣብኡ ድማ ምስ ክልተ ንህይወቱ ዝቐይሩ ሰባት ተራኸበ፤ ዳኒኤል ጎቲየርን ጂልስ ስቴ-ክሮይስን ይበሃሉ።

ስቴ-ክሮይስ፡ ኣብ ቀጢን ዕንጸይቲ ተሰቒሎም ምርኢት ናይ ዘቕርቡ ጕጅለ መስሪቱ።

ላሊበርተ ተጸንቢሩ ብቕልጡፍ ናብ መሳርዕ ደይቡ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ናይታ ጕጅለ ኰይኑ ነቲ ምርኢታት ናይ ምውዳብ ሓላፍነትን ምትእኽኻብ ገንዘብን ኣትዩ።

ሰለስቲኦም ኣብ 1982 ሓደ ዓብይ ሓሳብ ሒዞም መጺኦም፤ እዚ ድማ ብናይ ሰርከስ ተዋሳእቲን ውሑዳት ኣሲድ ዝሸጡ ዝመስሉ ተዋዘይትን ዝመልአ ናይ ጐደና ምርኢት ምቕራብ ዝብል ነበረ።

እዚ ፈስቲቫል እዚ ሓድሽ ዓይነት ሰርከስ ንምፍጣር ምልዕዓል ፈጢሩሎም።

ሆሊውድ ነቶም 'ሰርክ ዱ ሶሌል' ዘቕርቦም ምርኢታት ክፈትዎም ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Formula 1 via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሆሊውድ ነቶም 'ሰርክ ዱ ሶሌል' ዘቕርቦም ምርኢታት ክፈትዎም ጀሚሩ

ኣብ 1984፡ ካናዳ መበል 450 ዓመት ምስረታኣ ኣብ እተኽብረሉ እዋን፡ ዓብይ ናይ ስራሕ ዕድል ረኺቦም።

ላሊበርተ፡ ተጓዓዛይ ሰርከስ ዝብል ሓሳብ ኣቕረበ። መንግስቲ ንሓሳቡ ብምቕባል ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር ውዕል ሂብዎ።

ሰርከ ዱ ሶሌል 800 ሰባት ኣብ ዝነበርሉ ኣብ ውሽጢ ሰማያውን ብጫን ቴንዳ እያ ተመስሪታ።

ሽዑ ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ላሊበርተ፡ ሓዊ ዘስተንፍስ ኰይኑ ምርኢት ኣቕሪቡ።

እተን ቀዳሞት ዓመታት ግን ቀለልቲ ኣይነበራን።

ኣብ 2004 ንፎርብስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓደ ጀማሪ ተጻዋታይ ዓቢ ክገብሮ ዝኽእል ኵሉ ጸገም ነይሩና፡" ኢሉ።

"እቲ ቴንዳ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ፈሪሱ። ሰባት ናብቲ ምርኢታት ኣይመጽኡን ነይሮም። ትብዓትን ትዕቢትን ንእስነትን ጥራይ እዩ ኣድሒኑና።"

ዕዳኡ ስለ ዝበዝሐ፡ ባንክታት ልቓሕ ገንዘብ ከሊአንኦ።

እዚ ዓንቀፍቀፍ ዝበዝሖ ኣጀማምራ ዝነበሮ ላሊበርተ፡ ኣብዚ እዋን ዓለም እትዛረበሉ ሰብ'ዩ ኰይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images for One Drop Foundation

መግለጺ ስእሊ, እዚ ዓንቀፍቀፍ ዝበዝሖ ኣጀማምራ ዝነበሮ ላሊበርተ፡ ኣብዚ እዋን ዓለም እትዛረበሉ ሰብ'ዩ ኰይኑ

ሓንቲ ንእሽቶ ማሕበረሰባዊ ባንክ እምነት ኣሕዲራትሉ።

ካብ ካናዳ ወጻኢ ናብ ዓቢ ናይ ቱሪዝም ቦታ ኒያጋራ ፎልስ ንምስፋሕ ዝገበርዎ ናይ መጀመርታ ፈተነ ኣዝዩ ውሑድ ትኬት ስለ ዝተሸጠ ነቲ ምርኢት ክስርዙዎ ተገዲዶም።

እቲ ኩባንያ ዳርጋ ፈሪሱ'ኳ እንተነበረ፡ ኣለቃሕቱ ናይ መኽፈሊ ግዜ ኣናዊሖምሉ።

"ኣፍቂሮምና፡ ስለ ዝኣመኑና፡" ጥራይ እዮም ከምኡ ገይሮም ይብል።

እቲ ዘሕደርሉ እምነት ክኣ ኣየሕፈሮምን። ኣብ 1987 ሰርክ ዱ ሶሌል ኣብ ፈስቲቫል ሎስ ኣንጀለስ መኽፈቲ ምርኢት ከቕርብ ዕድል ረኺቡ።

ላሊበርተ ንዅሉ - ቃል ብቓሉ ነፍሲ ወከፍ ታዓሪፋ - ኣብዚ ምርኢት ኣውፈሮ።

ነቲ ኣዳራሽ፡ ብሲልቨስተር ስታሎንን ኣርኖልድ ሽዋዚንገርን ዝርከብዎም ፍሉጣት ሰባት መሊእዎ።

ሲቢኤስ ንላሊበርተ ኣብ 2005 ንዅሉ ባህልታት ክሰግር ከም ዝፈተነ ገሊጹ።

"ኣቀራርባና ኣዝዩ ቀሊል እዩ ነይሩ። ኣድማሳዊ ቋንቋ ምፍጣር እዩ ነይሩ። ንነፍሲ ​​ወከፍ ካብ መላእ ዓለም ዝመጽእ ህዝቢ ዝስሕብ ምርኢት፣ እዚ ድማ ዓቢ ነገር እዩ ነይሩ።"

እቲ ምርኢት ዕዉት ኰይኑ፤ ሆሊዉድ ድማ ፈትዩዎ። ኣብቲ ግዜ፡ ማይክል ጃክሰን ወርሓዊ ገጹ ተሸፊኑ ይመጽእ ነይሩ ይበሃል።

"እዛ ከተማ ብባህላዊ፡ ብስነጥበባዊ መዳይ ክትዓቢ ኣበርክቶ ጌርና ኢና፡" ክብል ላሊበርተ ንሲቢኤስ ተዛሪቡ።

"ሰባት ዝተራቐቑ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጽና።"

ኣብ መወዳእታ 1990ታት ሰርክ ዱ ሶሌል ካብ 23 ሃገራት ዝመጽኡ 1300 ተዋዘይቲ፡ ኣክሮባትን ሳዕሳዕትን ይቘጽር ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Brittany Long / WireImage via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መወዳእታ 1990ታት ሰርክ ዱ ሶሌል ካብ 23 ሃገራት ዝመጽኡ 1300 ተዋዘይቲ፡ ኣክሮባትን ሳዕሳዕትን ይቘጽር ነይሩ

ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሰርክ ዱ ሶሌል ኣብ ዓለም ዑደት ክገብር ጀመረ - ኣብ ለንደን፡ ፓሪስን ጃፓንን። ላሊበርተ ግን ትዅረቱ ኣብታ ብቐዋምነት ዝሓዛ ላስ ቬጋስ ገይሩ።

መጀመርታ ዝኣተዎ ሓደ ውዕል ድሕሪ ምፍራሱ፡ ካብ ሃብታም ካዚኖ ስቲቭ ዊን ዕድመ ቀሪብሉ።

ንሱ ድማ፡ ኣብ ላሊበርተ እምነት ስለ ዘሕደረ 36 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ትያትር ሃኒጹ። እታ 'Mystère' ዝተሰምየት ምርኢቶም ድማ ዓቢ ዓወት ረኺባ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ኣታዊታት 30 ሚልዮን ዶላር በጺሑ። ኣብ መወዳእታ 1990ታት፡ ፍርያት ቬጋስ ሰርክ ዱ ሶሌል፡ ንመልክዕ ምዝንጋዕ እታ ከተማ ቀይሮምዎ።

ካብ ርእሰ ከተማ ቁማር ናብ መዕረፊ ዓበይቲ ስድራቤት ዝምችኡ ኵነታት ክትፈጥር ኣብ ምቕያር ሓጊዙዋ።

ኣብ ላስ ቬጋስ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጥራይ፡ ኣታዊታት 'Mystère' ካብ 30 ሚልዮን ዶላር ናብ 110 ሚልዮን ዶላር ዓብዩ።

እዚ፡ ብገለ መልክዑ ነቲ ኣብቲ እዋን ኣብ ቀጥታዊ መዘናግዒ ዝነበረ ኵነታት ዘንጸባርቕ እዩ። ዓበይቲ ምርኢታት፡ ዓበይቲ ዑደታት።

ኣብ መወዳእታ 1990ታት እቲ ኩባንያ ካብ 23 ሃገራት ዝመጽኡ 1300 ተዋዘይቲ፡ ኣክሮባትን ሳዕሳዕትን ይቘጽር ነይሩ፤ ደሞዝ ጥራይ ድማ 80 ሚልዮን ዶላር ነይሩ።

ብ2009 ኣብ ኔዘርላንድስ ምርኢት እንተቕርቡ

ምንጪ ስእሊ, Greetsia Tent / WireImage via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2004 መጽሔት ፎርብስ፡ ዋጋ ሰርክ ዱ ሶሌል 1.2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸውን ገሊጹ

ላሊበርተ፡ ኣክስዮን ብምሻጥ ናብ ህዝቢ ክቐርብ ዝቐረበሉ ዕድመ ነጺጉ፤ እቲ ኵባንያ ንዲዝኒ ምሻጥ እውን ኣብዩ።

ኣብ ክንድኡ፡ ናብ ሸቐጣት፡ ምፍራይ ፊልምን ልዑል ደረጃ ዘለዎም ምትሕብባራትን ትዅረት ክገብር ጀሚሩ።

እዚኦም፡ ኣብ ዙርያ ዘ ቢትልስ፡ ኤልቪስ ፕሪስሊን ማይክል ጃክሰንን ዘለውዎ ምርኢታት ዝኣመሰሉ'ዮም ነይሮም።

ኵሉ ነገር ግን ዝተደላደለ ኣይነበረን።

ኣብ 1999፡ ነታ ኩባንያ ሓቢሩዎ ዝመስረተን ፕረዚደንት ሰርክ ዱ ሶሌልን ዳኒኤል ጎልቲየር ካብቲ ኩባንያ ክወጽእ ወሲኑ።

ኣብ 2000ታት ዘቕረብዎም ሓያሎ ምርኢታት ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ክኸስሩ ገይሩዎም።

ኣብ 2004 ግን፡ ፎርብስ ዋጋ ሰርክ ዱ ሶሌል 1.2 ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸውን ገሊጹ ነይሩ። ሕጂ ድማ ላሊበርተ ብወግዒ ቢልዮነር ኰይኑ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ታይም መጽሔት'ውን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ጸለውቲ ዝዀኑ ሰባትን ምናልባት'ውን ኣብቲ ዝርዝር ዝኣተወ ናይ መጀመርታ ተዋዛይን ክብል ረቚሑዎ።

ኣብ 2008፡ 20% ናይቲ ኩባንያ ንኣውፈርቲ ዱባይ ሸይጡ፤ ኣብቲ ግዜ ዘጋጠመ ዓለማዊ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ግን መደባቶም ናይ ምስፍሕፋሕ ሓሳባት ጸልዩዎ፤ ኣታዊታቶም ድማ ጐዲሉ።

ኣብ 2015፡ ላሊበርተ ዝበዝሐ ብጽሒቱ ንኣውፈርቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ካናዳን ብገምጋም 1.5 ቢልዮን ዶላር ሸይጡ። ድሒሩ እቲ ቅልውላው ንሰርክ ዱ ሶሌል ኣብ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት ዕዳ ኣእትይዎ።

ገንዘብ ሒዝካ ምውጻእ

 ላሊበርተ ሕጂ'ዉን ተዋዛዪ ብዝብል ክፍለጥ እዩ ዝደሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images for Cirque Du Soleil

መግለጺ ስእሊ, ላሊበርተ ሕጂ'ውን ተዋዛዪ ብዝብል ክፍለጥ እዩ ዝደሊ

ውልቃዊ ህይወት ላሊበርተ፡ ልክዕ ከምቲ ምርኢታቱ ሕብራዊ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ካብ ክልተ መጻምድቲ ሓሙሽተ ቈልዑ ኣለውዎ።

ኣብ ሓደ እዋን ድማ ምስ ፍልጥቲ ሞዴል ናኦሚ ካምፕበል ዝምድና ጀሚሩ ነይሩ።

ምናልባት ኣብ ዓለም ዝበለጸ እኳ እንተዘይኮነ፡ ህንጡይ ቁማርተኛ እውን እዩ።

ካብ 2006 ክሳብ 2009 ኣብ ጸወታታት ፖከር ብኢንተርነት ኣስታት 30 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ ይንገር፤ እንተዀነ ኣብ ዓበይቲ ውድድራት እውን ተዓዊቱ እዩ።

ላሊበርተ ኣብ 2009 ናይ መጀመርታ ናብ ህዋ ዝኸደ ካናዳዊ ኰይኑ እዩ።

ኣፍንጫ ተዋዛዪ ኣብ ኣፍንጫኡ ገይሩ ድማ ኣብ ዓለምለኻዊ መደበር ህዋ 12 መዓልታት ኣሕሊፉ።

ላሊበርተ ኣብ 2009 ናይ መጀመርታ ናብ ህዋ ዝኸደ ካናዳዊ ኰይኑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ላሊበርተ ኣብ 2009 ናይ መጀመርታ ናብ ህዋ ዝኸደ ካናዳዊ'ዩ

ንሱ፡ ድሒሩ እቲ ናብ ህዋ ዝገበሮ ጕዕዞ ብመገዲ ግብረ ሰናይ ትካሉ 'ዋን ድሮፕ ፋውንዴሽን' ኣቢሉ ኣብ ሕጽረት ማይ ዘሎ ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ "ንግዳዊ ጕዕዞ" እዩ ነይሩ ክብል ገሊጽዎ።

ሎሚ ላሊበርተ ግዚኡ ኣብ ሞንትርያል፡ ኢቢዛን ሃዋይን ዝርከቡ ገዛውቲ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳ ፖሊነዥያ ኣብ ሰሙን ብ1 ሚልዮን ዩሮ ክትካረዮ ኣብ እትኽእል ናይ ብሕቲ ደሴት የሕልፎ።

ኣብ 2019 ኣብኡ ካናቢስ ብምፍራይ ተኣሲሩ እኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ንውልቃዊ ረብሓ ጥራይ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ክሲ ከይተመስረተሉ ከሎ ተፈቲሑ።

ላሊበርተ፡ ጽቡቕ ህይወት ክነብር ስለ ዝደለየ፡ ነቲ ገንዘብ ሒዙ ክኸይድ ዝወሰነ ቢልዮነር ምዃኑ ይፍለጥ።

ንሱ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ውሑዳት ኣዘናጋዕቲ ቢልዮነራት እዩ።