'ሪሉትድ'፡ ኣፍሪቃውያን ዝተዘምተ ሓድግታቶም በዚ ሓድሽ ቪድዮ ጌም ከምልሱዶ ይኾኑ?

ኖማሊን ካልኦት ገጸ-ባህርያትን

ምንጪ ስእሊ, Nyamakop

መግለጺ ስእሊ, ኖማሊ (ጸጋም)፡ 70 ቅዱሳንን ባህላውን ኣቑሑት ኣፍሪቃ ክትመልስ ኣለዋ
ንባብ: 4 ደቓይቕ

2099 ኰይኑ ኣሎ ኢልኩም እሞ ሕሰቡ፡ ውዕል ስግረ-ኣትላንቲክ (Transatlantic Returns Treaty) ብዝብል ዝፍለጥ መብጽዓ ምምላስ ካብ ኣብያተ መዘክር ኣፍሪቃውያን ዝተዘምቱ ቅርስታት ከኣ ይፈርስ ኣሎ።

በዚ ዝተቘጥዐት ክኢላ ቅርስታት ፕሮፌሰር ግሬስ፡ ነቲ ጉዳይ መፍትሒ ክትህቦ ወሲና ትብገስ። እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት፡ ነዚ ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ሰባት ትፈልጥ'ያ። ደቂ ደቃ ኖማሊን ትሬቨርን ከምኡ'ውን ተመሃሪታ ዝነበረት ኢቲየን።

ፕሮፌሰር ግሬስ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ዘሎ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ መኽዘን፡ ብዛዕባ'ቲ ልዑል ጥበብ ዝሓትት መደባ ተሰላስል ኣላ።

ከመይ ጌርካ ናብቶም ኣብያተ መዘክርን ሓድግታት ዝተቐመጡሎም ናይ ብሕቲ ቦታታትን ኣቲኻ ብብዝሒ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተዘምቱ ቅርስታት ኣፍሪቃውያን ምምላስ ይክኣል ዝብል እያ ትሓስብ።

እዚዅሉ ግን ግሃዳዊ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ትረኻ ናይታ 'Relooted' ዝተሰምየት መሃዝታ ""ናይ ኣፍሪቃ መጻኢ ናይ ስርቂ ጌም" ዝበሉዋ እዩ። እዛ ቪድዮ ጌም፡ ብሰሉስ 10 ለካቲት 2026 ወግዓዊ ኰይና ኣላ።

እቶም ገጸ ባህርያት ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሓድግታት ኣፍሪቃ ንምምላስ ዝግበር ዝምታ ዝወሃቦም ክፍሊት ኰነ ዝሕተትሉ ገበናዊ ድሕረ ባይታ የብሎምን።

እዚ ዳሕረዋይ ምምሕያሽ ውዕል ምምላስ ስግረ-ኣትላንቲክ -Transatlantic Returns Treaty- ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምርኢት ዝቐረቡ ቅርስታት ጥራይ ክምለሱ ኣለዎም እዩ ዝብል።

ሕጂ ድማ ምዕራባውያን ኣብያተ መዘክር ነቶም ናውቲታት ኣብ ምእካብን ናብ መኽዘናት ኣብ ምቕማጥን ተጸሚዶም ኣለዉ።

ኣብቲ ጌም ዘላ ገጸባህሪ ተመራማሪት ኖማሊ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ብዝተወጻጽኡ ክኢላታት ተሓጊዛ፡ ንኣፈጻጽማ መደባት ዝምታ ቤተ-መዘክራት ትውጥን።

ዳይረክተር ትረኻ ናይቲ ጌም ሞሃለ ማሺጎ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኖማሊ ኵሉ ነገር ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ብዘይ ድሌታ ነቲ ቀዳማይ መደብ ዝምታ ትሰማምዓሉ፡" ክትብል ገሊጻ።

ኖማሊ ከም ምጉያይ፡ ምዝላል፡ ምሕዃርን መሰናኽላት ምዝላልን ዝኣመሰሉ ክእለታት ተጠቒማ 70 ኣፍሪቃውያን ቅዱሳንን ባህላውያንን ኣቑሑት ተምልስ።

ሓዋ ትሬቨር ጸጋኒ መፋትሕን ክኢላ ድሕነትን ኮይኑ፡ ብመሰረት ካብ ቤልጅየማዊት-ብሪጣንያዊት ፈላጢት ውሽጢ ዝረኽቦ ሓበሬታ ናብቶም ህንጻታት ክትኣቱን ክትወጽእን ይሕግዛ።

ካብ ካሜሩን ዝመጽአት ንዴዲ፡ ነቲ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ምህዳም፡ ኣክሮባቲክ ክእለት ትጥቀም።

ካብ ሃገረ ኬንያ ዝተላእኸ ሰምሳሪ ክሪፕቲክ ክኸውን ከሎ መራሒ መኪናኦም ድማ ኮንጎዊ ፍረድ ይበሃል። እቲ ጸወታ ብዝቐጸለ ቍጽሪ'ውን ካልኦት ተወሰኽቲ ገጸ-ባህርያት ይመጽኡ።

'ሪሉትድ'፡ ብፓን ኣፍሪቃዊት ጋንታ ስቱድዮ ንያማኮፕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተነድፈት እያ።

ኣብ ናይጀርያ፣ ኣንጎላ፣ ማላዊ፣ ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያን ኬንያን ዝርከቡ ዲዛይነራትን ተዋሳእቲ ድምጽን እውን ኣብቲ ቪድዮ ጌም ተሳቲፎም ኣለው።

ኣካያዲ ስራሕ ቤን ማይረስ፡ እዚ ጌም ኣፍሪቃዊ መበቈል ዘለዎ ጸወታ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ። ቀንዲ ዓማዊል ድማ ኣፍሪቃውያን ዲያስፖራ እዮም።

እዚ ጌም ኣብ ኮምፒዩተር ወይ ቴሌቪዥን ክትጻወቶ እትኽእል ኰይኑ ኣብ ሞባይል ክትጻወቶ ዘኽእል መስርሕ የብሉን

ምንጪ ስእሊ, Nyamakop

መግለጺ ስእሊ, እዚ ጌም ኣብ ኮምፒዩተር ወይ ቴሌቪዥን ክትጻወቶ እትኽእል ኰይኑ ኣብ ሞባይል ክትጻወቶ ዘኽእል መስርሕ የብሉን

ዛምቢያዊት ኣካያዲት ፕሮጀክት ሲተ ንኩቤ፡ "ዝተዘመቱ ባህላዊ ቅርስታት ምምላስ ብሓቂ ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዝገብርዎን ዝሓስብዎን ነገር'ዩ፡" ትብል።

ማይረስ፡ ኣብ ለንደን ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ እዋን እዩ ንሪሉትድ ክሰርሕ ከም ዘለዎ ዝሓሰበ።

ኣዲኡ ናብ ቤተ መዘክር ብሪጣንያ ኣብ ዝኸደትሉ ሓደ እዋን፤ ንሓወልቲ ነራይድ - ካብ 1842 ክሳብ 1844 ካብ ደቡብ ቱርኪ ዝተወስደ ሕጡብ ህንጻ ርእያ።

ማይረስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣዲኡ በቲ ዝርኣየቶ "ህንጻ ኣፍሪስካ ክትዘምት ብዝነበረ ድፍረት ተቘጢዓ። ብዘይ ምግናን ድማ 'እዚ ናብ ጌም ክትቕይሮ ኣለካ ኢላትኒ፡" ኢሉ።

ማይረስ ኣብ ክንዲ ህንጻታት፡ ቅርስታት እዩ ተጠቒሙ። ምኽንያቱ "ሓደ ህንጻ ካብ ካልእ ህንጻ ምግዓዝ ናብ ዘዘናግዕ ጸወታ ክቕይሮ ኣይክኣልኩን፡" ይብል።

እቶም ቅርስታት ካብ ኣፍሪቃ ክዝመቱ እንከለው ብዙሓት ዓመጻት ተፈጺሞም እዮም፤ ኣብዚ ጌም ኮምፒዩተር ግን ዝዀነ ዓመጽ የለን።

ተጻወትቲ ኣብ ክንድኡ፡ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣብ ምፍታሕ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ከመይ ኢልካ ትበልሕ፡ ጸገማት ከመይ ትብድህ፣ ዕንቅፋታት ምብዳህን ናይ ሓባር ስራሕን ዝብሉ ምርኵስ ገይሮም ክዋስኡ ይርኣዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ጸወታ፡ እቶም ተጻወትቲ ነቲ ዝተመልሰ ቅርስታት ኣብ ዳካር ሰኔጋል ናብ ዝርከብ ሓደ ቦታ፡ ማለት ናብ ቤተ መዘክር ጸለምቲ ስልጣነታት ይወስድዎ።

"ኵሎም ቅርስታት ኣብ መወዳእታ ናብ ዋናታቶም ዝዀኑ ሰባት ከም ዝምለሱ ዘርእይ ነጥቢ'ዩ፡" ይብል ማይረስ።

ቀንዲ ዕላማ እዚ ጌም ግን ምዝንጋዕ እዩ።

እዚ ወርቃዊ መሸፈኒ ገጽ ሓደ ካብቶም ኖማሊ እትመልሶም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Nyamakop

መግለጺ ስእሊ, እዚ ወርቃዊ መሸፈኒ ገጽ ሓደ ካብቶም ኖማሊ እትመልሶም እዩ

ኣብ ቪድዮ ጌም 'ሪሉትድ' ዝርከቡ ቅርስታት - ዋላ እኳ እቲ ጸወታ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኬንያን ታንዛንያን ዝተዘምቱ ቅርስተት እንተሃለዎ - ኣብ መወዳእታ መበል 19ን 20ን ክፍለ ዘመን ብወጻእተኛታት ዝተወስዱ ሓቃዊ ፍጻመታት ምርኵስ ዝገበሩ እዮም።

ኣብ 1874 ወተሃደራት እንግሊዝ ኣብ ኩማሲ ዝርከብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘዕነዉሉ እዋን ዝተዘምተ ወርቃዊ 'ማስክ ኣሳንቴ' - ሕጂ ኣብ ለንደን ብዋላስ ኮሌክሽን ተታሒዙ ይርከብ።

ንግዊ ንደም ወይ ባንግዋ ንግስቲ፡ ካብ ካሜሩን ብ1899 ተኣልዩ።

እዚ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ቅርጺ ኣብ ሓደ እዋን ኣካል ናይቲ ሰፊሕ እኽብካብ ኣፍሪቃዊ ንብረታት ፈላሚ መመላኽዒ ሄለና ሩቢንስታይን እዩ ነይሩ።

እዚ 81 ሴንቲ ሜትር ቁመት ዘለዎ ቅርጺ፡ ኣብ 1930ታት ብፍሉጥ ስነጥበባዊ ማን ሬይ ኣብ ጎኒ ዕርቃና ዝወጽአት ሞዴል ምስ ሰኣሎ፡ ምልክት ባህሊ ፖፕ ኰይኑ።

ንግዊ ንደም፡ ንህዝቢ ለባንግ ደቡባዊ ምዕራብ ካሜሩን ካብ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ንላዕሊ ትርጉም ኣለዎ። ንኣቦታት ዝውክል፣ ምልክት ፍርያምነት፣ ብልጽግናን ሓለዋን ከምኡ'ውን ኣብ ባህላዊ ስነ-ስርዓታት ዝቐርብ ቅዱስ ቅርጻ እዩ።

እዚ፡ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ዳፐር ፋውንዴሽን - ኣብ 1990 ኣብ ጨረታ ሶተቢ ብ3.4 ሚልዮን ዶላር ምስ ዓደጐ፡ ብመሰረት እቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ክሳብ ሕጂ ክመልሶ ምዃኑ ዘአንፍት ነገራት የለን።

ሪሉትድ

ምንጪ ስእሊ, Nyamakop

ገለ ካብቶም ፍሉጣት ቅርስታት ኣፍሪቃ - ነሓስ ቤኒን - ንኽምለሱ ካብ 1930ታት ብናይ ሽዑ ንጉስ ንገስት ናይጀርያ ኦባ ኣከንዙዋ ዳግማዊ ጀሚሩ ወግዓዊ ጠለባት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ጥራይ እዩ ርኡይ ምምላስ ቅርስታት ብናይ ምዕራባውያን ዩኒቨርሲቲታትን ኣብያተ መዘክርን ዝጀመረ።

እዚ ሕጂ'ዉን ቀጻሊ ጻዕሪ ዝግበረሉ ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።

ማይረስ፡ 'ሪሉትድ' ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መዘናግዒ ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር እዩ ይብል።

ግን ነቲ ጸወታ "ብዛዕባ ባህሊ ኣፍሪቃ፡ ታሪኽ ኣፍሪቃን ደረጃ ናይዚ ዘጋጠመ ዝምታ ባህላዊ ቅርስታትን ሓፈሻዊ ንቕሓት ንምዕባይ ዝግበር ፈተነ፡" ገይሩ'ዉን ከም ዝርእዮ ሓቢሩ።