ኢትዮጵያ ን100 ዓመታት ኣብ ጀርመን ዝጸንሑ ታሪኻዊ ቅርስታት ተረኪባ

እዚ ኣኽሊል፡ ዋልታታትን ኣሳእልን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኵሎም ኣብ ኢትዮጵያ ባህላውን ታሪኻውን ኣገዳስነት ኣለዎም ተባሂሎም ዝቝጸሩ እዮም

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia's Ministry of Tourism

መግለጺ ስእሊ, እዚ ኣኽሊል፡ ዋልታታትን ኣሳእልን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኵሎም ኣብ ኢትዮጵያ ባህላውን ታሪኻውን ኣገዳስነት ኣለዎም ተባሂሎም ዝቝጸሩ እዮም

ንልዕሊ 100 ዓመታት ብሓንቲ ጀርመናዊት ስድራ ተታሒዞም ዝጸንሑ 12 ታሪኻዊ ቅርስታት ኢትዮጵያ፡ ብወግዒ ናብታ ሃገር ተመሊሶም።

እቶም ፈለማ ኣብ 1920ታት ብናይ ሽዑ ልኡኽ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ፍራንዝ ዋይሰን በዓልቲ ቤቱ ሄድዊግን ዝተኣከቡ ቅርስታት ብረቡዕ 19 ሕዳር 2025 [ኣ.ኤ] ናብ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣረኪቦም።

እዚ ኣኽሊል፡ ዋልታታትን ኣሳእልን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኵሎም ኣብ ኢትዮጵያ ባህላውን ታሪኻውን ኣገዳስነት ኣለዎም ተባሂሎም ዝቝጸሩ እዮም።

"እቶም ቅርስታት ክሳብ ሕጂ ከም ምልክት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐን ምሕዝነታዊ ዝምድና ጀርመንን ኢትዮጵያን ኰይኖም ኣለዉ፡" ይብል ልኡኽ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ፈርዲናንድ ፎን ዌይ።

ኣቦኡ ብዲፕሎማስያዊ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተወልደ ፕሮፌሰር ራሞን ዊስ፡ ምኒስተር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ስነ-ስርዓት ነቶም ሓድጊታት ኣረኪቡ።

ንሱ፡ እታ ስድራቤት "ጽባቐ እቶም ሓድጊታት ንህዝቢ ንምክፋልን ምስ ልደት ኣቦይ ዝተኣሳሰር ባህልን ታሪኽን ንምዕቃብን፡" ብዝብል ነቲ ቅርስታት ንምምላስ ወሲና ክብል ገሊጹ።

እቶም ቅርሲታት ናውቲ ህያብ ወይ ዕድጊ ከም ዝነበሩ እቶም ስድራቤት ይገልጹ።

"ስድራ ፕሮፌሰር ዋይስ ነዞም ቅርስታት ብጥንቃቐ ብምዕቃብን ናብ ግቡእ ዓዶም ክምለሱ ብምግባርን ንኢትዮጵያ ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪ ብግብሪ ብምግላጾም ከመስግኖም እፈቱ፡" ክትብል ምኒስትሪ ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ተዛሪባ።

እቶም ዝተመለሱ ናውቲታት ንኣካዳሚያዊ መጽናዕትን ንህዝቢን ክኽፈቱ ተዳልዮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia's Tourism Ministry

መግለጺ ስእሊ, እቶም ዝተመለሱ ናውቲታት ንኣካዳሚያዊ መጽናዕትን ንህዝቢን ክኽፈቱ ተዳልዮም ኣለዉ

እቶም ዝተመልሱ ቅርሲታት ንመጽናዕትን ኣካዳሚያዊ ዕላማን ኣብ ቀረባ እዋን ንህዝቢ ክኽፈቱ ምዃኖም ወሲኻ ገሊጻ።

እቲ ስጕምቲ ኣብ ምሕላው ባህላዊ ቅርስታት ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ'ውን ጠቒሳ።

"ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ኢድ ውልቀሰባትን ትካላትን ዝርከቡ ጥንታውያን ቅርስታት ንምምላስ ዝግበር ጻዕርታት ክቕጽል'ዩ፡" ኢላ።

ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪቃ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ባህላዊ ቅርስታት ተዘሚቶም'ዮም።

ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዘምቱ ኣቑሑ ንኽምለሱ ዘቕረብኦ ጻውዒት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገለ ዓወት ኣመዝጊቡ'ሎ።

ገለ ኣቑሑት ግን፡ ብልቓሕ ጥራይ እዮም ዝምለሱ ዘለው።

ኣብ 2022 ጀርመን "ጸሊም መግዛእታዊ ታሪኻ" ንምቕያር ብዝብል ገለ ካብቶም ፍሉጣት ነሓስ ቤኒን ናብ ናይጀርያ ዝመለሰት ፈላመይቲ ሃገር እያ ነይራ።