ብሪጣንያ፡ ስለምንታይ’ያ ንባርነት 'ይቕረታ' ዘይትሓትት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብዚ ሰሙን ንመራሕቲ ኮመንወልዝ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ “እቶም ኣዝዮም ዘሕምሙ መዳያት ሕሉፍ ታሪኽና ደጊሞም ይድመጹ ኣለዉ” ኢሉ።
እቲ ንጉስ ነዚ ዝበለ፡ ብዛዕባ ካሕሳን ይቕሬታን ከምኡ’ውን ንግዲ ባሮት ዝግበር ክትዓት መሊሱ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ካሕሳን ይቕሬታን ከምኡ’ውን ንግዲ ባሮት ዝግበር ክትዓት ንንጉሳዊ ስድራቤት ሞያዊ ሓደጋ ኰይንዎ’ዩ ኣሎ። ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ ምስ ባርነት ዘለዎ ነዊሕ ታሪኻዊ ምትእስሳር ዝምልከት ሕቶታት ክምልስ ኣይከኣለን።
እዚ ጉዳይ ኣብ ከም ዋዕላ ኮመንወልዝ ዝኣመሰለ መድረኽ ዝያዳ ይለዓል ኣሎ። ኣብዚ መድረኽ ድማ ንገለ ካብተን ብሕድሪ መግዛእትን ባርነትን ኣዝየን ዝተሃስያ ሃገራት ዝውክሉ መራሕቲ ተረኺቦም እዮም።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ግን፡ ዋላ’ውን ምሳልያዊ ይቕሬታ ወይ ካሕሳ ቃል ክህሉ ኣለዎ ዝብል ውልቃዊ እምነት እንተሃለዎ፡ ቃሉ ክፍጽም ግን ኣይምኸኣለን።
ነጋውስ ብምኽሪ ሚኒስተራት እዮም ዝዛረቡ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ተሃዋስነት ዘለዎ ሕቶ ድማ፡ መደረታት ንጉስ ቻርለስ ኣብ ውሽጢ መቓን ፖሊሲ መንግስቲ ክድረቱ ክግደዱ እዮም።
ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብቲ ዝቐረበሉ ምኽሪ ተመስሪቱ እዩ ክዛረብ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብቲ ኣብ ሳሞኣ ዝካየድ ዋዕላ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ይቕሬታ ወይ ስምምዕ ካሕሳ ከምዘይህሉ ብንጹር ኣመልኪቱ ነይሩ።
እዚ ማለት እቲ ንጉስ ብውልቂ ዝሓስቦ ይዅን፡ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ በደላት ዝብሎ ዝዀነ ይዅን ነገር ነቲ መንግስቲ ዘቐመጦ መስመር ዘንጸባርቕ እዩ ዝኸውን።
ንጉስ ቻርለስ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኬር ስታመር “ታሪኽና ክንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና” ዝበሎ ትሕዝቶ ብዝሰማማዕ መንገዲ፡ “ዋላ ሓደ ካባና ነቲ ታሪኽ ክቕይሮ ኣይክእልን'ዩ” እዩ ዝበለ።
እዚ ግን እቲ ንጉስ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ዝቐረበ ነገር ካብ ምዝራብ ኣይዓገቶን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ንጉስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኬንያ፡ ኣብ ዘመነ መግዛእቲ ብዝተፈጸመ በደል “ዝዓበየ ሓዘንን ጣዕሳን” ከምዝተሰምዖ ተዛሪቡ ነይሩ።
ካብቲ ኣብ ሳሞኣ ዝተዛረቦ ብዝሓየለ ቋንቋ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቃልሲ ናጽነት “ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ዝተፈጸመ ጽዩፍን ዘይምኽኑይን ተግባራት ዓመጽ” ገሊጹ ነይሩ።
ምስ ፖሊሲ መንግስቲ ብዝሰማማዕ ኣገባብ ግን ብግሉጽ ይቕሬታ ከምዝሓተተ ዝትርጐም ኣይነበረን።
“ሓዘን” ዝብል ቃል ምጥቃም ብውሕሉል መንገዲ ይቕሬታ ካብ ምባል ክቝጠብ ዝገብር እዩ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ መንግስታት ኮመንወልዝ እውን እቲ ኣብቲ እዋን ልኡል ቻርለስ ነበር ተጠቒሙሉ እዩ።
እቲ ናብ ይቕረታ ዝቐረበ፡ ቶኒ ብሌር ኣብ 2007 ብዛዕባ ተራ ብሪጣንያ ኣብ ንግዲ ባሮት “ዓሚቕ ሓዘንን ጣዕሳን” ብወግዒ ዝተዛረቦ እዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ቶኒ ብሌር ካብዚ ንላዕሊ ክዛረብ ጻውዒታት ይቐርብ’ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ይቕሬታ ከምዝበለ’ዩ ገሊጹ።
“ሓዘን” ዝብል ኣገላልጻ ነቲ ስምዒት ዘጠቓልል’ኳ እንተዀነ፡ ምስ “ይቕሬታ” ክመጽእ ዝኽእል ተሓታትነትን ትጽቢት ካሕሳን ግን ዘወግድ እዩ።
ከም መራሒ ሃገር መጠን፡ ንጉስ ምሳልያዊ ትዅረት ናይ ከምዚ ዓይነት ጻውዒታት እዩ። እዚ ድማ ፋይናንሳዊ ካሕሳ ይዅን ብገለ ካልእ መንገዲ ታሪኻዊ በደላት ምፍታሕ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል። እዚ ግን ዝግደፍ ነገር ኣይኰነን።
ግን ዝያዳ ዝተሓላለኸ ሕቶ እውን ኣሎ፤ እቲ ንግስነት ከም ስድራቤትን ትካልን ክሳብ ክንደይ ሓላፍነት ክህልዎ ይኽእል ዝብል እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ መበል 17 ክፍለ ዘመን ብንጉሳዊ ድጋፍ ዝተመስረተ ሮያል ኣፍሪቃዊ ኩባንያ፡ ካብ ካልኦት ኩባንያታት ዝያዳ ባሮት ዝዀኑ ሰባት ብኣትላንቲክ ከምዘስገረ ይግለጽ።
ታሪኽ ግን ብተጋራጫውነት ዝመልአ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ መበል 19 ክፍለ ዘመን፡ ብሪጣንያ ባርነት ንምውጋድ ዝገበረቶ ፈላሚ ጻዕርታት ክለዓል እንከሎ፡ ብጸሓፊት ታሪኽ ፕሮፌሰር ሱዛን ሽዋርዝ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ እቲ ንጉሳዊ ስድራቤት ንባዕሉ ተገሚዑ ከምዝነበረ የመልክት።
ወዲ ሓው ጆርጅ ሳልሳይ ዝዀነ ልኡል ግሎስተር፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጐስጎስቲ ኣንጻር ባርነት እዩ ነይሩ፤ ንሱ ዘይሕለል ተቓዋሚ ናይቲ ሕሱም ንግዲን ከምኡ’ውን ደጋፊ ናይቲ ጕዕዞ ባሮት ንምዕጋት ዝጽዕር ዝነበረ ንጉሳዊ ሓይሊ ባሕሪን እዩ።
ንጉሳውያን ነቲ ጽልዋ ከይተሰምዖም እንከሎ ግን፡ ወዲ ጆርጅ ሳልሳይ ዝነበረን ድሒሩ ዊልያም ራብዓይን ዝዀነ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ህንጡያት ተሓለቕቲ ባርነት እዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ካልኦት ሃገራት ባርነት ኣብ ሕቶ ዘእትዉ መስመራት ንምሕንጻፍ ፈተነታት ተኻይዶም እዮም።
ንጉስ ሆላንድ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ብዝተዋደደ ስጕምቲ፡ ወግዓዊ ይቕሬታ ሓቲቱ’ዩ።
ንንጉስ ቻርለስን ካልኦት ላዕለዎት ንጉሳውያንን ግን፡ ሕጂ’ውን ተንጠልጢሉ ዝቕጽል ሕቶ'ዩ።
ልኡል ዊልያምን ካትሪንን ኣብ 2022 ናብ ካሪብያን ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ እቲ ዑደቶም ከምቲ ናይ መግዛእታዊ ምብጻሕ ዝመስል መልክዕን ስምዒትን ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ክትዕ ኣጋጢምዎም ነይሩ።
እቲ ንነዊሕ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብዚ ጉዳይ ክጥንቀቕ ዝጸንሐ ንጉስ ቻርለስ ግን ኣብ ሳሞኣ እውን ጥንቁቕ መንገዲ እዩ ተኸቲሉ።
“ዋላ ሓደ ካባና ነቲ ታሪኽ ኣይክእልን። ግን ከኣ፡ ብምሉእ ልብና፡ ካብኡ ትምህርቲ ክንወስድን ነቲ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይነት ንምእራም ፈጠራዊ መገድታት ክንረክብን ቃል ክንኣቱ ንኽእል ኢና” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







