'ክልተ ግዜ ተጨውየ ተሸይጠ'

ኢሳታ መሊሳ ነጻነታ ንምርካብ፡ ፋይቶነት ሰሪሓ፡ ንሸይጥታ ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ከም ዘለዋ ተነጊርዋ
መግለጺ ስእሊ, ኢሳታ መሊሳ ነጻነታ ንምርካብ፡ ፋይቶነት ሰሪሓ፡ ንሸይጥታ ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ከም ዘለዋ ተነጊርዋ

ኣብ ክሊ ዕድመ ፈለማ 20ታት እትርከብ ባሕተለይቲ ኣደ ኢሳታ፡ ነቲ ኣብ ሴራልዮን ዘሎ ዘስካሕክሕ ሂወት ፋይቶት እተርኢ እያ።

ተወቒዓ፡ ተዘሚታ፡ ተጨውያ ናብ ካልእ ሃገር ተሸይጣ፡ ድሒና፡ እንደገና ተሸይጣን ድሒናን እያ- ዘይዛሪ ስቓይ።

ኣብ መንጐ'ዚ ድማ፡ ውልፍቲ ናይቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከቢድ ዕንወት ዘውርድ ዘሎ ሓሽሽ ‘ኩሽ’ ኰይና።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ፡ ኣብታ ካብ ርእሰከተማ ፍሪታውን 200 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ ማኬኒ ዘሎ ህይወት ፋይቶት እንታይ ከም ዝመስል፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ተኸታቲልዎ።

እዛ ከተማ ብማዕድን ኣልማዝ ሃብታም ኣብ ዝዀነን ሕድሕድ ኲናት ሴራልዮን ንኽባራዕ ጠንቂ ኣብ ዝዀነን ከባቢ ዝተደኰነት እያ። እዚ ኲናት ዘውረዶ ከቢድ መዘዝ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይሓወየን።

ኢሳታ፡ ካብ መንጐ ኣብ ማኬኒ ዝርከባ ኣማኢት ጊላታት ምንዝርና (ፋይቶት) ሓንቲ እያ። ከም ኵለን እተን ዘዘራረብናየን ደቂኣንስትዮ፡ ናይ መጀመርታ ሽማ ጥራሕ ክንጥቀም እያ መሪጻ።

“እዚ ኵሉ ዝኸፍሎ ዘለኹ መስዋእቲ፡ ምእንቲ ጓለይ እዩ፤ ኣብ ጐደናታት ብዙሕ ስቓይ ኣሕሊፈ እየ” ትብል።

“ኣብ ክለብ ምስ ሓደ ወዲ ተራኺበ፣ ክዳውንተይ ቀዲድዎት፣ ኣብ መትሐዚ ጡበይ ዝነበረ ገንዘብ ወሲድዎ። ነብሰይ ንምድሓን ክቃለሶ ፈቲነ፤ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ርእሰይ ብሽጉጥ ወቒዑኒ፤ ክቐትለኒ ደልዩ።”

ሓደገኛ ህይወት እዩ። ገለ ካብ ዘዘራብናየን ደቂኣንስትዮ፡ ብኤችኣይቪ ተለኺፈን እየን።

ካልኦተን ድማ ተቐቲለን።

ብዙሓት ግን፡ ኣማራጺ ከምዘይብለን ይስምዐን።

ኢሳታ፡ ጓላ ንምዕባይ ኢላ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ህይወት ፋይቶነት ከም ዝኣተወት ትገልጽ
መግለጺ ስእሊ, ኢሳታ፡ ጓላ ንምዕባይ ኢላ ገንዘብ ንምርካብ ናብ ህይወት ፋይቶነት ከም ዝኣተወት ትገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ሓደ ጸልማት ረግረግ ቦታ እታ ከተማ፡ ክልተ ፋይቶት ናብቶም ኣብ መሬት ዝተዘርግሑ ካሻታት (መትሐዚ እኽሊ) የመላኽታ።

ካብተን መንእሰያት ደቂኣንስትዮ እታ ሓንቲ-ማቤኒ፡ እዚ ቦታ ጐኒ ንጐኒ ኰይነን ዝሰርሓሉ (ጾታዊ ርክብ ዝፍጽማሉ) ከም ዝነበረ ነጊራትና፤ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ምስ 10 ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ይፍጽማ።

እቶም ሰብኡት፡ ሓደ ግዜ ጾታዊ ርክብ ንምፍጻም ሓደ ዶላር ይኸፍሉወን።

ማቤኒ፡ ደቃ ንምዕባይ እኹል ገንዘብ ንምርካብ እያ ትፍትን ዘላ። ሽዱሽተ ደቂ ነይሮማ፡ እንተዀነ ሰለስተ ደቃ ሞይቶም።

እቶም ዝተረፉ ሰለስተ፡ ይምሃሩ ኣለዉ።

“ሓደ ውላዳ ፈተና ተፈቲኑ ኣሎ፤ ጾታዊ ርክብ (ነብሰይ) እንተዘይሸይጠ ንትምህርቲ ክኸፍለሉ ዝኽእል ገንዘብ የብለይን። እዚ እዩ እቲ ዘሳቕየኒ” ትብል።

ኣብ ሴራልዮን ብኣሽሓት ዝቝጸራ ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ስራሕ ፋይቶነት ከም ዝተዋፈራ ይግመት።

መብዛሕትአን ብሰንኪ እቲ ህይወት ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ኲናት፡ዝዘኽተማ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ እየን። እቲ ዳርጋ ንፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ዘመዛበለ ኲናት ኣብ 2002 እዩ ኣብቂዑ።

ትካላት ገበርቲ ሰናይ፡ ሴራልዮን ብለበዳ ኢቦላን ኮሮናቫይረስን ምስ ዝለመሰ ቍጠባ ትቃለሰ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ብዝሒ ንግዲ ምንዝርና (ፋይቶነት) ዝሰርሓ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ ከም ዝወሰኸ ይገልጹ።

ከም ካልኦት ቅልውላዋት፡ እዚኦም’ውን ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዘይመጣጠን ጽልዋ ኣስዒቦም እዮም።

ኣብታ ሃገር ምንዝርና ዘይሕጋዊ ኣይኰነን። ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂኣንስትዮ ከም ንጹላት ስለ ዝረኣያ ግን፡ ካብ መንግስቲ ወይ ሕብረተሰብ ብዙሕ ሓገዝ ኣይረኽባን።

ኣብ 2020 ምስ ኢሳታ ድሕሪ ምርኻብና ነዊሕ እንከይጸንሐት፡ ብገበነኛ ጕጅለ ተጨውያ፡ ናብ ጋምቢያ፡ ሰኔጋል ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ማሊ ተወሲዳ ጊላ ምንዝርና ክትከውን ተገዲዳ።

ኣብኡ ተሌፎን ረኺባ፡ ብዛዕባ ትሓልፎ ዘላ ህይወት ገሊጻትልና።

ኢሳታ፡ “ንሕቶኦም እንተዘይተቐቢልና፡ ንዓና ዝቐርብሉ መንገዲ ክቐትሉና ከም ዝደልዩ እዩ” ትብል።

“ብጣዕሚ’የ ዝሳቐ ዘለኹ።”

ድሕሪ'ዚ፡ ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ኣሰር ኢሳታ ክከታተል ክኢሉ፤ ትካል ስደተኛታት ዓለም-ኣይኦኤም ድማ ናብ ሴራልዮን ክትምለስ ሓጊዝዋ።

ስራሕ ፋይቶነት ኣቋሪጻ፤ ኣብ 2021 ክንረኽባ እንከለና ግን፡ ጓላ ንምዕባይ እኹል ገንዘብ ንምርካብ ክትቃለስ ረኺብናያ፤ ኣብ ሓደ ከባብያዊ እንዳ ክሽነ ምግቢ ትሰርሕ ነይራ።

ብድሕሪ'ዚ ካብ ኢሳታ ሓበሬታ ዝረኸብናሉ እዋን፡ 2023 እዩ ነይሩ። ውልፍቲ መዐወኒ ኩሽ ድሕሪ ምዃና፡ ናብ ስራሕ ፋይቶነት ከም ዝተመለሰት ፈሊጥና።

እዚ መዐወኒ ኣብ ሴራልዮን ዓብይ ጸገም ኰይኑ ይርከብ። ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ኩሽ ሃገራዊ ሓደጋ ብምባል ኣዊጁ እዩ።

ኢሳታ ኣብ ህሞት ወልፊ ኰይና፡ ንወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ናጽላ ወዳ ገዲፋቶ ከይዳ።

ወላዲታ ፖሰህ፡ ንወዲ ጓላ ካብ ምሕብሓብ ኣማራጺ የብላን።

ፖሰህ፡ “ጭንቀት ህይወት ጐደናታት እዩ ኩሽ ከተትክኽ ኣገዲድዋ። እቲ ውጥረት’ዩ” ትብል።

ውላዳ፡ ምስ ዓበየት ጠበቓ ክትከውን ከም ትደልይ ነጊራትና
መግለጺ ስእሊ, ውላዳ፡ ምስ ዓበየት ጠበቓ ክትከውን ከም ትደልይ ነጊራትና

ናታ እውን፡ ኣብ ክሊ ዕድመ ዕስራታት ትርከብ ባሕተለይቲ ኣደ እያ።

ሰለስተ ውላድ ኣለውኣ።

ናብ ስራሕ ንምኻድ እናተጻደፈት፡ ኣብ ገዛኣ ኢና ረኺብናያ።

“ደቀይ ኣብ ህይወተን ዕዉታት ክዀና እደሊ። ኣምላኽ ንጸሎተይ ክሰምዖ ተስፋ እገብር” ትብል።

ጓላ፡ ወላዲታ ሜክኣፕ ክተቀባባእ እንከላ ርእያታ፤ ምስ ዓበየት ጠበቓ ክትከውን ከም ትደሊ ነጊራትና።

“ነደይ ንኽሕግዛ” ትብል።

ኣብ ስግር እታ ከተማ፡ ሩጊያቱ እትበሃል ጓል 10 ዓመት ህጻን ረኺብና። ወላዲታ ጂና’ውን ፋይቶ እያ ነይራ። ኣብ 2020 ጓል 19 ዓመት እንከላ ተቐቲላ።

ሩጊያቱ፡ ሕጂ ምስ ዓባያ እያ ትነብር።

“ኣደይን ኣቦይን ሞይቶም እዮም። ምስ ዓባየይ ተሪፈ። ዓባየይ እንተሞይታ ክገብሮ ዝኽእል ነገር፡ ኣብ ጐደና ምልማን’ዩ” ትብል።

ካልእ እዋን ንናታ ምስ ረአናያ፡ ከተልሊ ኣይትኽእልን ነይራ፤ ንሳ እውን ውልፍቲ ኩሽ ኰይና።

“ከምዚ ብምዃነይ ሕጕስቲ ኣይኰንኩን፡ ግን ብዙሕ ክሓስብ ኣይደልን” ኢላትና።

“ሓደ ሓደ ግዜ ክዝክር እንከለኹ እበኪ። ነዚ ድማ እየ ዘትክኽ ዘለኹ።”

ሰለስቲአን ደቃ፡ ናብ ኣዝማደን ከይደን ክነብራ ተገዲደን።


ሩጊያቱ ከም ወለዳ ከይትቕተል ትሻቐል
መግለጺ ስእሊ, ሩጊያቱ ከም ወለዳ ከይትቕተል ትሻቐል

ኣብ መፈለምታ 2024፡ ካብ ኢሳታ ተወሳኺ ሕማቕ ዜና መጺኡ።

ኢሳታ፡ ምስ ካልኦት ደቂኣንስትዮ ኣብ ጋና ኣላይቲ ህጻናት ክትኰና ኢኽን ዝብል ቃል'ኳ እንተትኣተወለን፡ ናብ ማሊ ተወሲደን ኣብ ሓደ ናይ ዕደና ከባቢ ጊላታት ምንዝርና ክዀና ተገዲደን።

“ናብ ገዛይ ክውሰድ እየ ዝደሊ። እምሕጸነኩም ኣለኹ፤ ብዅሉ ነገር ተጣዒሰ እየ” ብምባል፡ ብስልኪ ኣዕሊላትና።

እቲ ስራሕ ኣላይት ህጻናት ከቘጽረኪ እየ ኢሉ ቃል ዝኣተወላ ሰብኣይ፡ ኣብ መንገዲ ካብ ነቝጣታት ፍተሻን ዶባትን ይሃድም ብምንባሩ ከም ዝተሻቐለት ትዛረብ።

“ጆይ ንትበሃል ናይጀርያዊት ሰበይቲ ኣሕሊፉ ሂቡና” ትብል።

“ንስራሕ ምእላይ ቈልዑ፡ ናብ ጋና ከም ትወስደና ኢኻ ነጊርካና። እዚ ጋና ድዩ? ኢልና ሓቲተትና።”

“ ጆይ፡ ‘ፋይቶነት ንምስራሕ ከም ዝመጻእክን ኣይተነገረክንን ድዩ?’ ኢላ ሓቲታ። ኣይፋሉን! ኣይተነገረናን ኢለያ። ‘ገንዘብ ኣምጽኣ እሞ ንዓኣ ሃብኣ’ ኢላትና።”

ከም ብዙሓት ዝተሸጣ ደቂኣንስትዮ፡ ኢሳታ እውን መሊሳ ነጻነታ ንምርካብ፡ ፋይቶነት ሰሪሓ፡ ንሸይጥታ ብዙሕ ገንዘብ ክትከፍል ከም ዘለዋ ተነጊርዋ።

1700 ዶላር ክትከፍል ግድን ከም ዝዀነ ነጊሮማ።

ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ንምርካብ፡ ምስ ኣማኢት ደቂተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ኣለዋ።

እቶም ኣስገርታ፡ ነዚ ገንዘብ ክትከፍሎም ሰለስተ ወርሒ ከም ዘለዋ ነጊሮማ።

ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ በብዓመቱ ህጻናት ዝርከብዎም ኣሽሓት ሴራልዮናውያን ከም ዝሽየጣ ይገልጽ።

እዘን ግዳያት ተጨውየን ወይ ድማ ዝሐሸ ዕድል ስራሕ ክትረኽባ ኢኽን ብዝብል ተታሊለን፡ ካብ ሃገር ዝወጽኣ እየን።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘለዉ ወጻእተኛታት ተሸይጠን፡ መወዳእትአን ግዱድ ሽቕለት ወይ ድማ ጊላታት ምንዝርና ምዃን እዩ።

መብዛሕትአን፡ ዳግማይ ናብ ዓደን ከይምለሳ ይኽእላ።

ከም ዕድል ኰይኑ፡ ኢሳታ ኣብ መወዳእታ ናብ ማኬኒ ተመሊሳ፡ ምስ ወላዲታን ክልተ ደቃን ትነብር ኣላ።