‘ብዙሓት ፋይቶት መሓዙተይ ኰይነን’ - ጋዜጠኛ ሶስና ተስፋዬ

ሶስና፡ ንእሽቶ ደገፍ እንተረኺበን ካብ ፍይትትና ዝወጻ ብዙሓት ምዃናን ትዛረብ
መግለጺ ስእሊ, ሶስና፡ ንእሽቶ ደገፍ እንተረኺበን ካብ ፍይትትና ዝወጻ ብዙሓት ምዃናን ትዛረብ

ንነዊሕ ዓመታት ከም ጋዜጠኛ ጥዕና ዘገልገለት ሶስና ተስፋዬ ፋይቶነት ዓይነቱን መልክዑን እናቐየረ ይሰፍሕን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይተረፈ ይስርሓሉ ከምዘሎ ትዛረብ።

ብሰንኪ ልዑል መጠን ወሰን ሃለኽቲ ኣቝሑ ክነብራ ዝተጸገማ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተወሳኺ እቶት ንምርካብ ለይቲ ለይቲ ኣብ ፋይቶትነት ይዋፈራ ከምዘለዋ ይዝረብ።

ገሊአን ድማ ካልኣይ ገዛ ተኻርየን፡ ቀትሪ፡ ጾታዊ ዓማዊል ከተኣናግዳ ውዒለን ምሸት ናብ ስድርአን ዝምለሳ ኣለዋ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ሶስና፡ ካብ እትምረቕ ጀሚራ ኣብ ዓውዲ ኤችኣይቪን ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ብዙሕ ሰሪሓ እያ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ብመንገዲ ማእከል ሓበሬታ ኤይድስ ዝፍኖ ዝነበረ 'ቤተኛ ፕሮግራም ሬድዮ' ኣዳልያ’ያ።

ቤተኛ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮሞን ትግርኛን ምስ ኤችኣይቪ ናይ ዝነብሩ ሰባት ሓቀኛ ታሪኽ ዘመሓላለፍ ፈላሚ መደብ ሬድዮ’ዩ ነይሩ።

እቲ ብሰማዕቲ ተፈታዊ ዝነበረ መደብ፡ ምስ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝተኣሳሰር ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብምብጻሕ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገበረ ይንገር።

ንኤችኣይቪ/ኤይድስ ዝወሃብ ዝነበረ ምወላ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣዝዩ እናነከየ ምስ መጽአ ግን እቲ መደብ ተቛሪጹ።

ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ኣዳለውቲ እቲ መደብ ተገዳስነት እንተሃልይዎም ስሙ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ ምስ ኣፍለጠ፡ በቲ ኵነታት ሓዚና ዝነበረት ሶስና ነቲ ዕድል ክትጥቀመሉ ወሲና።

“እርካብ ሚድያ” ዝበሃል ትካል መስሪታ ከኣ ምስ ዝተፈላለዩ ስፖንሰራት ብምትሕብባር ነቲ ናይ ራድዮ ፈነወ መደብ ቀጺላቶ።

ኣብቲ መደብ፡ ሶስና፡ ኣብ ፋይቶታት ዘተኮሩ ዛንታት’ያ ንሰማዕቲ ተቕርብ። ብዛዕባ ኤችኣይቪን ውጥን ስድራ ቤትን ወይ መከላኸሊ ጥንስን ዝምልከቱ መደባት’ውን ይቐርቡ’ዮም።

እዚ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኦሮምኛ፣ ሶማልኛ ዝፍኖ መደብ ኣብ ክልተ ዝተኸፋፈለ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ክፋል እተን ንህዝቢ ክንመክር ኣሎና ዝበላ ፋይቶታት ሓቀኛ ታሪኸን የቕርባ። ኣብቲ ካልኣይ መደብ ጉዳይ ጥዕና ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምዕባይ ዝዓለሙ ዘተታት፡ ሓበሬታን ርእይቶታት ሰብ ሞያ ጥዕናን ይቐርቡ።

ኣሰናዳኢትን ኣቕራቢትን እቲ መደብ ሶስና፡ ምስ ስርሓ ብዝተኣሳሰር ምስ ፋይቶታት ጥቡቕ ርክብ ከም ዝፈጠረት ትገልጽ።

ፈለማ ካብ ማሕበራት ፋይቶነት፡ ሓቀኛ ታሪኸን ዘካፍላ ደቂ ኣንስትዮ ትረክብ ነይራ። ምስ ግዜ ግን "ምስ ፋይቶታት ዘለኒ ቅርበትን ዕርክነትን እናሰፍሐ ስለዝኸደ . . . ዝነብራሉ ከባቢ ከይተረፈ ክፈልጥ ክኢለ” ትብል።

"ካብ ቺቺንያ ክሳብ ዳትሰን ሰፈር፡ ዶሮ ማነቂያ፡ መርካቶ፡ ኣቶቢስ ተራን፡ ሾላን ኣብ ካልእ ከባቢታት ምስ ዝርከባ ፋይቶታት ተላልየ።"

ምስተን ተገሪሀን ኮነ ናብራ ከሸንፋ ተጸጊመን ኣብ ፋይቶነት ዝተዋፈራ ብስራሕ እትረኽበን ዝነበረት ሓያሎ ደቀንስትዮ ዕርክነት ዝፈጠረት ሶስና፡ ብዛዕባ እቲ ስራሕ ትዕዝብታ ኣካፊላትና ኣላ።

ፋይቶነት እንታይ ይመስል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሶስና ፋይቶነት ካብቲ ዝዀነ ሰብ ዝሓስቦ ዝኸፍአ’ዩ ትብል።

"እታ ጓል ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ሰትያ ከም እትሰርሕ፡ እቶም ኣወዳት’ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ነፍሱ ብዝተፈላለየ መስተ፡ ሓሽሽ [ኣስኪሮም] ናብ ፋይቶት ከም ዝኸዱ፡ ባእሲ፡ ምውቓዕ፡ ምጉዳል ኣካላት ከም ዘሎን እቲ ህይወት ኣዝዩ ክፉእ ምዃኑን’የ ተዓዚበ” ትብል።

ገለ ካብተን ፋይቶታት ብበትሪ ከም ዝተሃረማ፡ ዓይነን ከም ዝጠፍአ ወይ ኣካለን ከም ዝጎደለ ነጊረናኣ።

ብሰንኪ እቲ ስራሕ "ህይወተን ዝሓለፋ ደቂ ኣንስትዮ እውን እፈልጥ እየ" ብምባል ከም ኣብነት ተቐቲላ ዝተደርበየት ጓል ትጠቅስ።

“ኣወዳት ናብ ርሑቕ ጫካ ይወስድወን። ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብጉጅለ ይዕመጻ። ሓደ ሰብኣይ ኣዛሪብዋ ከብቅዕ፡ ሽዱሽተን ሸውዓተን ኰይኖም መጻወቲ ይገብርወን። ይወቕዕወን። ብሳዕቤኑ ዝሞተት ሰበይቲ ድማ እፈልጥ እየ።”

ወሲኻ ድማ "ነዚ ስራሕ እዚ ንነዊሕ እዋን ሰሪሓ ኤችኣይቪ ተታሒዛ . . . ማዕጾ ዓጽያ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ሞይታ ዝተረኽበት ሰበይቲ እውን እፈልጥ’የ" ክትብል ብዙሕ ዘሕዝን ዛንታታት ከም ዝሰምዐት ትገልጽ።

ቁጽሪ ፋይቶት ይውስኽ ኣሎ እትብል ሶስና፡ እቲ ስራሕ እናሰፍሐን እናተቐየረን ይኸይድ ከምዘሎ ትዛረብ።

“ንኣብነት ናይ መንግስቲ ስራሕ ዝሰርሓ ቀዋሚ ኣታዊ ዘለወን ፋይቶት ኰይነን ረኺበየን’የ” ብምባል ፋይቶነት፡ ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ይውዕል ከም ዘሎ ትሕብር።

"ቅድሚ ሕዚ ፋይቶነት ብለይቲ ክስራሕ ኢና እንፈለጥ ሓቀይ’ዶ? ሕዚ ግን ልክዕ ከም ካልእ ስራሕ፡ ልክዕ ቀትሪ ናብ ቤት ጽሕፈት ከምእትኸይድ ጓል ኣንስተይቲ፡ ቦርሳአን ሒዘን ደቀን ናብ ቤት ትምህርቲ ልኢኸን ኣብቲ ዓውዲ ክሰርሓ ናብ ዝተኻረይኦ ገዛ ዝኸዳ ኣንስቲ ኣለዋ።”

እዘን ኣንስቲ ቀትሪ ከም ፋይቶት ሰሪሐን ምሸት ናብ ደቀን ከም ዝምለሳ’ያ ትገልጽ ሶስና።

“ንደገ ከይወጽኣን ቁሪ ከይተሃረማን ኣብ ገዛ ኮፍ ኢለን ብኢንተርነት ዝዝምዋ ኣንሰቲ’ውን እፈልጥ እየ።"

ዝተፈላለየ ሸበጥ ዝገበሩ ዓማዊል

'ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓቢ፡ ካብ ዘይተመርዓወ ክሳብ በዓል ሓዳር' ናብተን ፋይቶታት ይቕልቀሉ’ዮም
መግለጺ ስእሊ, 'ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓቢ፡ ካብ ዘይተመርዓወ ክሳብ በዓል ሓዳር' ናብተን ፋይቶታት ይቕልቀሉ’ዮም

እተን ፋይቶታት ዝተፈላለየ ዓይነት ዓማዊል ኣለወን።

"ካብ ቆልዓ ክሳብ ዓቢ፡ ካብ ንእሽቶ ክሳብ ሽማግለ፡ ካብ ዘይተመርዓወ ክሳብ በዓል ሓዳርን ኣቦ ቘልዑን" ናብተን ፋይቶታት ይቕልቀሉ’ዮም።

ብመንጽር ሞያ ድማ "ሰበ ስልጣን፡ ናይ ሕጊ ኣካላት፡ ተማሃሮ ኩሎም ናብተን ፋይቶታት ይኸዱ’ዮም" ትብል ሶስና።

"ብገንዘብ እንተርኢኻዮ ድማ፡ ንኣብነት ካብቲ ዝተፈላለየ ሸበጥ ገይሩ ዝኸይድ ምስኪን ድኻ ክሳብ ብዙሓት ኣውፈርቲ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት መካይንን ዝተፈላለየ ዓይነት ትካላትን ዘለዎም ሰባት" ገለ ካብቶም ዓማዊል እዮም።

ዝርገሐ ኤችኣይቪ ይውስኽ ኣሎ

ሶስና ካብ ዘስተብሃለቶም ነገራት ሓደ ዝርገሐ ኤችኣይቪ እናወሰኸ ምምጽኡ እዩ።

"ብብዝሒ ኣብ ፋይቶነት ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ደመን ኤችኣይቪ ይርከብ" ትብል።

ሶስና ብዙሕ ግዜ ናይ ዘተ መደብ ተዳሉ’ያ። "ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ቃለ መሕትት እንተገይረ፡ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ካብአን ኤችኣይቪ ኣለወን" ትብል።

እንተዀነ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብለን፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ደመን ከምዘሎ እናፈለጣ ነቲ ስራሕ እናፈርሓ ከም ዝሰርሐኦ ትዛረብ።

ብመሰረት ትዕዝብታ፡ እታ እትዝሙ ኣብ ኣጠቓቕማ ኮንዶም "ኣዝያ ጥንቅቕቲ" እያ።

ኣብ መንጎ 'ባሉካ'ን 'ላዳን' ዘሎ ርክብን ልዑል ናይ ሓበሬታ ጋግን ዝኣመሰሉ ግን ነቲ ጸገም የጋድድዎ ከም ዘለዉ ኣስተብሂላ’ያ።

‘ባሉካ’ን ‘ላዳ’ን

‘ባሉካ’ን ‘ላዳ’ን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትአን ፋይቶታት 'ባሉካ' ኣለወን።

እዞም 'ባሉካ' እዚኦም፡ ነተን ፋይቶታት ከም ሓለውትን ሰብኡትን ኰይኖም ዘገልግሉ ደቂ ተባዕትዮ እዮም።

ኣብ ዙርያ እቲ ዝሰርሓሉ ቦታ እናተዘዋወሩ ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ከየሸግሩወን ይሕልዉወን።

እዞም ባሉካታት ነታ ከም ዓርኪ ዝሕዝዋ ሰብ 'ላዳ' ይብሉዋ። እተን ፋይቶት፡ ከኣ ካብቲ ኣካለን ኣካርየን ዝረኽቦ ገንዘብ ስለዝካፈሉ፡ ከም ኮንትራት ታክሲ መዓልታዊ ምንጪ ኣታዊኦም እየን።

ባሉካን ላዳን ኣብ ጾታዊ ርክቦም ኮንዶም ኣይጥቀሙን።

"ምስ ዓሚል ኮንዶም ተጠቒምኪ ምሳይ’ውን ከመይ ጌርኪ ብዘይ ኮንዶም ትወጽኢ?" ኢሎም እሺ ከም ዘይብልወን ሶስና ትገልጽ።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ኤችኣይቪ ኣብ ደመን ከምዘሎ እኳ እንተገለጻ፡ ገለ ካብቶም ባሉካታት ግን ኣይኣምንወንን። "ጸገም የብሉን ይኹን" ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

"ኣብ ደማ ኤችኣይቪ ይሃሉ ኣይሃሉ፡ እቲ ምልማድን ብሓባር ምጽናሕን እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ እቲ ርክብ ብዘይ ኮንዶም ይቕጽል" ትብል ሶስና።

እቲ ጸገም ግን ሓደ ባሉካ ምስ ሓንቲ ፋይቶተይቲ ጥራይ ኣይኰነን ርክብ ዝህልዎ፤ ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እውን ከም ዓርኪ ዝሕዝወን ካልኦት ፋይቶታት ኣለዋ።

ምስ ኩለን ድማ ብዘይ ኮንዶም’ዮም ርክብ ዝፍጽሙ። እዚ ድማ ኣብ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ልዑል ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝህልዎ ትገልጽ።

ኣብ መንእሰይ ዘሎ 'ክፍተት'

ኣብዚ እዋን ኣብ መንእሰያት ብዙሕ ናይ ንቕሓት ጋግ ስለዘሎ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ከምዝኾነ ትጠቅስ።

“ቀደም ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ኤችኣይቪ ብዙሕ ይዝረብ ስለዝነበረ ናብ ህዝቢ ሓበሬታ ይበጽሕ ነይሩ።"

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ግን ንኤችኣይቪ ዝወሃብ ምወላን ባጀትን ስለዝነከየ ዝተፈላለዩ ናይ ጎስጓስ መደባት ተዓጽዮም ንህዝቢ ዝቐርብ ዝነበረ ሓበሬታ እናነከየ መጺኡ።

“ኣብ ማእከል ነዊሕ ስቕታ ነይሩ። እቶም ሽዑ ቆልዑ ዝነበሩ ሎሚ ጎቢዞም እዮም ግን እኹል ሓበሬታ የብሎምን።"

ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ኮንዶም ክጥቀሙ ከም ዘይደልዩ እተን ፋይቶታት ከም ዝነገሩዋ ትገልጽ። ኤችኣይቪ ከምዘየለ ዝኣምኑ’ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

“ጾታዊ ርክብ ክለማመዱ ናብአን’ዮም ዝኸዱ። ብዙሓት ቘልዑ ይመጹኡወን። እተን ፋይቶታ ዝነግራኒ’ዩ። ገሊአን ይሰጕኦም፡ ገሊአን ግን 'ንዓ እሺ' ኢለን ዘለማምዳ ኣለዋ - ብዘይ ኮንዶም።"

“ብዙሕ ገንዘብ” ከፊሎም ብዘይ ኮንዶም ጾታዊ ርክብ ክፍጽሙ ዝሓቱ፡ ዘሸግሩወን፡ ዘፈራርሑወን፡ ኣብ እዋን ርክብ ኮንዶም ዘንኩሉ ወይ ዝቐዱ፡ ቀስ ኢሎም መትሎኦም ኣስሊዀም ብምውጻእ ርክብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ኣለዉ ብምባል ብወገን ዓማዊል ዘሎ ጸገማት ትገልጽ።

ኣበርክቶ ‘ቤተኛ’

ኣበርክቶ ‘ቤተኛ’

ሶስና ኣብ መደብ ቤተኛ ቀሪበን ሓቀኛ ታሪኸን ዝትርኻ ፋይቶታት ፍሉይ ረብሓ ክረኽባ ኢለን ከም ዘይኰና ተስምር።

"እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣብዚ ህይወት ክኣትዋ ዝደልያን ብቀሊሉ ገንዘብ ክረኽባ ዝሓስባን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ . . . እቲ ህይወት ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ክፈልጣ፡ ካብ ህይወተን ተመኩሮ ከምዝረኽባ ምግባር'ዩ።"

"ካልእ ድማ መዛኑአን ወይ ካልኦት ፋይቶት ካብቲ ህይወት ክወጽኣ ከም ዝኽእላ፡ ኮንዶም ክጥቀማ ከም ዘለወን፡ ኤችኣይቪ ድማ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑ” ከምህራን’የን ፍቓደኛታት ዝዀና።

ካብዚ ወጻኢ ሓደ ሓደ ታሪኸን ዝሰምዑ ሰማዕቲ ገለ ደገፍ ይህብወን’ዮም።

“’ኣነ ክሕግዛ፡ ካብዚ ህይወት ከውጽኣ’ ኢሎም ካብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝድውሉ ሰባት ኣለዉ” ትብል ሶስና፡ ብዙሓት ኣብቲ መደብ ዝቐረባ ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ንምቕያር ገንዘባዊ ደገፍ ከም ዝረኸባ ትዛረብ።

በቲ ዝረኸብኦ ደገፍ፡ ከም እንጀራ ምሻጥ፡ ሻሂ፡ ቡን ወይ ቀለልቲ መግቢታት ምቕራብ ኣብ ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ስራሕቲ ተዋፊረን ካብ ፈይቶነት ዝተናገፋ ውሑዳት ኣይኰናን።

ብፍላይ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ክልተ ሰለስተ ቆልዑ ዘመሓድራ ብዙሓት ፋይቶት ደዊለን "ንበልዖ ስኢንና" ይብላ ከም ዝነበራ ትዝክር። ሶስና ነዚ ኣዝዩ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ኵነታት ኣብቲ መደብ ክከምዝቐርብ ብምግባር ደገፍ ንክረኽባ ተሓጋጊዛተን እያ።

“ሽዑ እቲ ምትሕግጋዝ ልዑል’ዩ ነይሩ፤ ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ፋይቶት ግዝያውን ቀዋምን ደገፍ ረኺበን። ካብ ዘይቲ፡ ፓስታ፡ ጀሚሩ ክሳብ ጽቡቕ ገንዘባዊ ደገፍ ዝረኸባ ፋይቶታት ሽዑ ካብቲ ስራሕ ምስ ወጽኣ ክሳዕ ሎሚ ንድሕሪት ዘይጠመታ ኣለዋ” ብምባል ንእሽቶ ደገፍ እንተረኺበን ካብ ፋይቶነት ዝወጽኣ ብዙሓት ምዃናን ተረድእ።

ኣብቲ መደብ ዝቐረቡ ዛንታታት ሰሚዐን "ይኣኽለኒ" ኢለን ዝወሰና ፋይቶታት እውን ኣለዋ።

ካብዚ ሓሊፉ እቲ መደብ፡ ብዛንታታቱን ዘተታቱን ኣቢሉ፡ ብፍላይ ድማ ኣገዳስነት ምጥቃም ኮንዶም ዘጉልሕ ብምዃኑ፡ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኣብ ምግታእ ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገብር እምነት ሶስና እዩ።

ንሳ ኣብ ቀረባ መጻኢ ምሉእ ብምሉእ "ኣብ ጥዕና ዘተኮረ መደበር ሬድዮ" ክትጅምር መደብ ኣለዋ።