ኤች-ኣይ-ቪ፡ ውጽኢታዊ ዝተባህለ መድሃኒት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ

 ፒኣርኢፒ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ኤችኣይቪ ንሰብነትና ከይለክፍ ዝከላኸል መድሓኒት፡ ኣዝዩ ውጽኢታዊ ከምዝኾነ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ መድሃኒት ኣብ ዝወሰዱ 24 ሽሕ ሰባት ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ውጽኢቱ “ዘተኣማምን” ተባሂሉ ኣሎ።

ድሮ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ፒ-ኣር-ኢ-ፒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መድሓኒት ካብ ማእከላት ጥዕና እናወሰዱ ይጥቀሙ ኣለዉ።

'ዘ ተረንስ ሂጊንስ' ዝተባህለ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ዝሰርሕ ትካል ምግባረ ሰናይ፡ እቲ መድሃኒት ብቐሊሉ ተበጻሒ ንምግባር ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ምኽንያቱ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሓዊሱ ብዙሓት ሰባት እዚ መድሃኒት ምህላዉ ኣይፈልጡን።

ምስ ሆስፒታላት ቸልስን ዌስትሚኒስተርን ብምዃን ነቲ ኣብ መድሃኒት ፒኣርኢፒ ዝካየድ ፈተነ ዝመርሕ ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዩኬ፡ ኣብ ተመሳሰልቲ መድሓኒታት ካብ ዝተገበሩ እቲ ዝዓበየ ተግባራዊ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መላእ እንግሊዝ ኣብ ዝርከባ ክሊኒካት ጾታዊ ጥዕና ካብ ጥቅምቲ 2017 ክሳብ ሓምለ 2020 ተኻይዱ።

ርኽበት እቲ መጽናዕቲ ከመዝብሎ፡ ፒኣርኢፒ (pre-exposure prophylaxis) መልከፍቲ ኤችኣይቪ ብ 86 ምኢታዊት ክንክይ ገይሩ። ክሊኒካዊ ፈተነታት ድማ፡ 99 ምኢታዊት ውጽኢታዊ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ኣማኻሪ ጾታዊ ጥዕናን ኣብዚ መጽናዕቲ ዝተሳተፈን ጆን ሳውንደርስ፡ “እዚ ፈተነ ፒኣርኢፒ ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ዘለዎ ውጽኢታውነት ወሲኹ ዘረጋገጸ እዩ” ኢሉ።

ሕትመት እቲ መጽናዕቲ ዝነኣደ ትካል ግብረሰናይ ዘ ተረንስ ሂጊንስ፡ ተበጻሕነትን ኣፍልጦን ክህሉ ግን “ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ” ኢሉ።

“ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እቲ መድሃኒት ምህላዉ ኣይፈልጣን” ትብል ሓላፊት ፖሊሲ እቲ ትካል ደቢ ለይኮክ።

ንሳ እቲ ትካል ምግባረ ሰናይ፡ ፒኣርኢፒ ተበጻሕነቱ ንምዕባይ ኣብ ፋርማሲታትን ኦንላይንን ክሽወጥ ይጽውዕ ከምዘሎ እውን ሓቢራ።

ዶ/ር ሳውንደርስ፡ ዋላኳ ክሊኒካዊ ውጽኢታውነት እቲ መድሓኒት ካብ ዝረጋገፀ ዝፀንሐ እንተዀነ፡ እቲ ናይ ሕዚ መጽናዕቲ ግን ብዛዕባ እቲ መድሓኒት ከመይ ክውሰድ ከምዘለዎ ጠቓሚ ሓበሬታ ዕላዊ ከምዝገበረ ገሊጹ።

“ቅድም ክብል፡ ክንደይ ሰባት ከምዝደልይዎ፣ ከምዝጥቀምዎን ንክንደይ ዝኣክል ግዘ ከምዝወስድዎን ኣይንፈልጥን ኔርና” ኢሉ።

እቲ “ሓቃዊ ውጽኢታውነት” ናይቲ መድሃኒት እቲ መድሃኒት ብትክኽል ምውሳድ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝተመርኮሰ ከምዝኾነ እውን ገሊጹ።

‘ናጽነት ዝህብ’

ኣብ ብዙሓት ፈተነታት ፒኣርኢፒ ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ ሃሪ ዶድ፡ ድሕሪ ሕዚ ኤችኣይቪ ክሕዘኒ እዩ ዝብል ሻቕሎት ከምዝቐንጠጠሉ ይዛረብ።

“ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እዚ ክኸውን እዩ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፤ ናጽነት ዝህብ እዩ። ነቲ መድሃኒት ምውሳድ ካብ ዝጅምር ኤችኣይቪ ምስ ዘለዎም ሰባት ነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ርክብ ነይሩኒ፤ እዚ ቅድም ክብል ዝሕሰብ ኣይነበረን። ሕዚ ብናጽነት ከፍቅር ዓርሰ እምነት ኣለኒ።”

ኮይኑ ግና ወዲ 33 ዓመት ዶድ፡ ምስቲ መድሃኒት ተተሓሒዙ ምግላል ከምዘሎ ይኣምን። ምኽንያቱ እቲ መድሓኒት፡ ምስ ሕደ ጾታውያን ዝተተሓሓዘ ድሕረ ባይታ ስለዘለዎ።

ኤጀንሲ ድሕነት ጥዕና ዩኬ ውጽኢታውነት እቲ መድሃኒት፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ 2030 ረኽሲ ኤችኣይቪ ናብ ባዶ ምኢታዊት ንምውራድ ዝሓዞ መደብ ኣብ ምዕዋት ከምዝሕግዝ ይገልጽ።

እዚ ንክኸውን ግና ብዙሓት ሰባት ነዚ መድሃኒት ክወስዱ ኣለዎም።

ፒኣርኢፒ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ መድሓኒታት ተኖፎቪር ዲሶፕሮክሲልን ኢምትራይሲታባይንን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኤችኣይቪ ናብ ሰብነትና ከይኣቱን ንባዕሉ ከየራብሕን ይገብር።

ከም መዓልታዊ ክኒና ወይ ድማ ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ክውሰድ ይከኣል።