ኣብ ስጋ እንስሳ መድሃኒታት ኤችኣይቪ ዝረኸበ ትካል መጠንቀቕታ ከምዘይሃበ ተኣሚኑ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
በዓል መዚ መድሃኒት ዩጋንዳ፡ ኣብ 2014 እንስሳት ክሃጥራ ተባሂሉ መድሃኒታት ኤችኣይቪ ይወሃበን ምንባሩ ከምዝፈለጠን ማሕበረ ሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዘይሓበረን ተኣሚኑ።
ላዕለዋይ ተቘጻጻሪ መድሃኒት እቲ ትካል ኣሞስ ኣቱማንያ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ‘ኣንቲ-ሪትሮቫይራልስ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ መድሃኒት ንሓሰማን ደርሁን ይወሃብ ምንባሩ ገሊጹ።
ንሱ እቲ መድሃኒት ኣብ ምግቢ ዋላ ብንእሽቶ እንተተወሲዱ ሓደጋ ከብጽሕ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ግን ንርእይቶ እቲ በዓል ሞያ ኣናኢስዎ።
ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ማካረረ ኣብ ቀረባ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ምርመራ ካብ ዝተገበረለን ደርሁ፡ ኣብተን ሲሶ ከምኡ ድማ ኣብ 50 ሚእታዊት ስጋ ሓሰማ ኣሰር ናይቲ መድሃኒት ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ።
እቲ ስጋ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካምፓላን ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሊራን ካብ ዝርከቡ ዕዳጋታት ዝተወሰደ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ኤችኣይቪ ቤት ምኽሪ ዩጋንዳ ዝቐረበ በዓል ስልጣን፡ በዓል መዚ መድሃኒት ዩጋንዳ ኣብ 2014 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ መድሃኒታት ኣንቲ-ሪትሮቫይራል (ኤኣርቪ)፡ ኣርባሕቲ እንስሳ ይጥቀሙሉ ምንባሮም ኣረጋጊጹ፡ ኢሉ።
ዋላኳ እቲ መጽናዕቲ እንተተሓተመ፡ እታ ሃገር ንወጻኢ ኣብ እትልእኮ ምግቢ ጸቕጢ ከይፍጠር ተባሂሉ ንህዝቢ መጠንቀቕታ ከምዘይተወሃበ ተዛሪቡ።
“ስለዚ፡ ነቲ ኵነታት እንኣልየሉ ካልእ መንገዲ ንምርካብ ንፍትን ኔርና።”
ዩኒቨርሲቲ ማካረረ ንዘካየዶ መጽናዕቲ ምላሽ ዝሃበ ሓደ ውልቀ ሰብ፡ መድሃኒት ኣንቲ-ሪትሮቫይራል ዝተወሃበን ሓሰማ፡ “ቀልጢፈን ይረጒዳን ይሽየጣን” ክብል መሊሱ።
ኣሞስ ኣቱማንያ ግን እዚ ነቲ ስጋ ኣብ ዝበልዑን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉን ሰባት ከቢድ ጸገም ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።
“ነዞም ኤኣርቪታት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከተማዕብል ትኽእል ኢኻ” በዚ ድማ “ኣብ ቀጻሊ እቲ መድሃኒት ኣድላዪ ምስዝኸውን፡ ንገለ ሰባት እቲ ኤኣርቪ ከይሰርሓሎም ይኽእል” ኢሉ።
ጽብጻብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመልከቶ፡ ኣስታት 1.4 ሚልዮን ዩጋንዳውያን ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ቫይረስ ኣለዎም።
ጸብጻብ በዓል መዚ መድሃኒት እታ ሃገር፡ ኣብ 2014 እቲ መድሃኒት ‘ኢቦላ ሓሰማ’ ተባሂሉ ንዝፍለጥ ሕማም ንምሕካም ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ዝሓበረ ኰይኑ፡ እቲ ሕማም ዛጊት መድሃኒት ኣይተረኸበሉን።
ኒውካስል ንዝተባህለ ሕማም ደርሁ ብተመሳሳሊ ይወሃብ ምንባሩ እውን ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ እቲ በዓል ሞያ ንቤት ምኽሪ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወሃቢ ቃል በዓል መዚ መድሃኒት ዩጋንዳ፡ ነቲ ንህዝቢ ዕላዊ ንዘይምግባር ዝወሰንዎ ውሳነ ተኸላኺሉ።
“እቲ በዓል መዚ መድሃኒት እምበር ምግቢ ወይ ቀለብ እንስሳት ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት የብሉን” ኢሉ።
“ብሰንኪ እቶም ኣብ ጥቕሚ ዝወዓሉ መድሃኒታት ኣብ ጥዕና ሕብረተሰብ ዘስግእ ነገር ተፈጢሩ እንተዝኸውን፡ ከምቲ ኵሉሻብ ዝገብሮ ኤንዲኤ (እቲ ትካል) መጥንቀቕታ ምሃበ ነይሩ።”
ብተወሳኺ እቲ ትካል ግጉይ ኣጠቓቕማ መድሃኒታት ንምቍጽጻር ስጕምቲታት ከምዝወሰደን፡ ከምውጽኢቱ ብዙሓት ሰባት ከምዝተኣሰሩን ከምዝተቐጽዑን ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







