ትግራይ፡ ብሰላሕታ ዝላባዕ ዘሎ ኤችኣይቪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ ኣብዚ እዋን መጠን ዝርግሐ ኤችኣይቪ፡ ብደረጃ ለበዳ ይርአ ከም ዘሎ ቢሮ ጥዕና እታ ክልል ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ቅድሚ ኲናት 1.4 ሚኢታዊት ዝነበረ ዝርግሐ ሕጂ ዕጽፊ ምዃኑን ካብ 15 ክሳብ 35 ዓመት ኣብ ዝዕድሚኦም መንእሰያት ብሰፊሑ ይርአ ከም ዘሎን ቢቢሲ ካብቲ ቢሮ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ዳይሬክተር ፕሮግራማት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ እቲ ቢሮ ኣቶ ፍስሃ ብርሃነ ብዓርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ልዕሊ ሓደ ሚኢታዊት እንተዀይኑ "ለበዳ እዩ ዝብሃል" ኢሉ።
ንዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዙርያ እቲ ቫይረስ ዘለዎም ግንዛበ ኣዝዩ ዝተሓተ ኰይኑ ምጽንሑ ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ እቲ ሓድሽ ረኽሲ ኣብቲ መንእሰይ ከም ዝበዝሕ ኣመልኪቱ።
"እቲ ረኽሲ ዕድሚኦም ካብ 15-35 ዓመት ኣብ ዘለው ይበዝሕ ኣሎ። ነዚ መሰረት ገይሩ ዝግበር ፈተሻ ከም ዘመላኽቶ፡ እቶም ሓደሽቲ ረኽሲ ዘለዎም መንእሰያት ምዃኖም እዩ ዘርኢ"።
ቢቢሲ፡ ነዚ ጕዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘዳለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ነዚ ሎሚ ብደረጃ ዓለም ዝኽበር መዓልቲ ኤድስ ምኽንያት ብምግባር ደጊሙ ሓቲሙዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብኸፊል ኣገልግሎት መርመራ ኤችኣይቪ ኤይድስ ኣብ ዝተጀመረላ ክልል ትግራይ፡ ብዙሓት ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ይርከብ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።
ምንጪታት ሆስፒታላት፣ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፣ ማሕበራት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ከምኡ’ውን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ከም ዝሕብርዎ፡ ንሕብረተሰብ ዓብዪ ሓደጋ ዝዀነ “ለበዳ” ይርኣይ ኣሎ።
እቲ ለብዒ ድማ ትሕቲ 25 ዓመት ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ከም ዝዀነ ጸብጻባት ጥዕና እቲ ክልል ከመልክቱ ጸኒሖም። ሕጂ ድማ እቲ ለበዳ ዕድሚኦም ካብ 15-35 ዓመት ኣብ ዝርከቡ መንእሰያት ብሰፊሑ ይርአ ምህላው ይገልጹ።
ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣተሓባባሪት ሕዱር ሕማማትን ተጠቀምቲ መድሃኒት ኤችኣይቪን ዝዀነት ህይወት ኣረጋዊ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ ኣብቲ ሆስፒታል መርመራ ካብ ዝተገብረሎም ሰባት፡ ብዙሓት ኣብ ደሞም እቲ ቫይረስ ይርከብ ምህላው ንቢቢሲ ሓቢራ።
“ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኣዋርሕ ኣብ ሒደት ተገልጋሊ ኢና ንረክብ ነይርና፤ ኣብዚ እዋን ግን ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ (ኣብ መዓልቲ) ንረክብ ኣለና። ክሳብ እዛ ስልኪ ዝደወልክለይ ሰዓት ጥራይ ኣስታት ሰለስተ ሰባት ኣለው” ትብል።
ህይወት፡ ኣብ መዓልቲ ብማእኸላይ ገምጋም ካብ 20 ክሳብ 25 ሰባት መርመራ ከም ዝግበረሎምን ካብዚኦም ብውሑድ እቶም ክልተ እቲ ቫይረስ ኣብ ደሞም ከም ዝርከብን ጠቒሳ።
ይኹን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ብዙሕ ክፋል እቲ ሕብረተሰብ ናብ መርመራ ይመጽእ ኣሎ ኢላ ኣይትኣምንን።
ኣብቲ ክልል ዝርከባ ዓበይቲ ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን ብሰንኪ እቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ትግራይ፡ ብሙሉእን ብኸፊልን ክዓንዋ እንከለዋ፡ እተን ዝተረፋ ብሕጽረት ቀረብ ኣፋውስ፣ መመርመሪ ናውታትን ተሃስየን ምጽንሐን ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ጓንቲ ሓጺቦም ክጥቀሙን ነፍሰ ጾር ኣዴታት ክምርምሩ ክጽገሙን ዝተራእየ ኰይኑ፡ ብናጻ ዝዕደል መከላኸሊ ኤችኣይቪ ኮንደም ይኹን መድሃኒታት ጸረ ኤችኣይቪ ጠጠው ኣቢሎም ጸኒሖም፤ ቁጽሮም ዘይነዓቕ ሰብ ሞያ ድማ ነቲ ክልል ገዲፎም ወጺኦም።
ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ’ውን፡ ከቢድ ሕጽረት መመርመርን መድሓኒታትን ከም ዘሎን ብድሩት ቀረብ ይግበሩ ዘለዉ መርመራታት ምልባዕ እቲ ቫይረስ ‘ኣዝዩ ሰፊሕ’’ ምዃኑ ዘመላኽቱ ምዃኖምን ኣረጋጊጹ።
“ኣብ 37 ትካላት ጥዕና ዝተገበረ ምርመራ ዝርገሐ ኤችኣይቪ ካብ 1.8 ክሳብ 10.5 ሚኢታዊት ከም ዝዀነ የመላኽት’’ ዝብል ኣብቲ ቢሮ ኣተሓባባሪ ኩለ መዳያዊ ምክልኻልን ምቁጸጻርን ኤችኣይቪ ዝዀነ ኣቶ ፍሰሃ ብርሃነ፡ መከላኸሊ ኮንደም፣ እቲ ቫይረስ ካብ ኣደ ናብ ዕሸል ከይሓልፍ ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዝወሃቡ መድሃኒታት ከም ዘይነበሩ ጠቒሱ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ኲናት ይቕጽል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሐ ጾታዊ ዓመጻት ነቲ ቫይረስ ኣብ ምግፋሕ ዝነበሮ ተራ ልዑል ከም ዝዀነ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ ሞያ ሕክምናን ሰብ መዝን ገሊጾም።
“ልዕሊ 120 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ በጺሑወን’ዩ፤ ካብዘን መርመራ ዝገበራ እተን 5 ምኢታዊት ድማ ኣብ ደመን ኤችኣይቪ ተረኺቡወን ኣሎ” ክብል ኣቶ ፍስሃ ተዛሪቡ።
እዚ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምህላው ዘመላኽት እዩ እትብል ህይወት፡ “እዚ መጽናዕቲ ተገይርሉ ዘለሉ ደረጃ ንክፍለጥ ብተደጋጋሚ ንሓትት ኣለና፤ ግን መሪጽኩም መርምሩ እዩ ዘሎ - ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ‘ታርጌት ቴስቲንግ’። ግን ክኣ እቲ ሕብሰረተሰብ ብሙሉኡ’ዩ ክምርመር ዘለዎ” ኢላ።
‘ታርጌት ቴስቲንግ’ ማለት፡ ተቓላዕቲ ኣብ ዝብሃሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ጥራሕ ትኹረት ዝገበረ መርመራ ኤችኣይቪ ኰይኑ እዚኦም፡ ፋይቶት፣ መራሕቲ መኪና፣ ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ካብ ዘለዎም ስድራቤታት ዝተወልዱ፣ ነፍሰ ጾራትን ኣብ ማእከላት ተመዛበልቲ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ይርከቡዎም።
‘ብኣና የብቅዕ፤ ወለዶ ይድሓን’
ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ ኣብ ምድሓን ወለዶን ምክልኻል ዝርግሐ ሕማም ኤችኣይቪ ኤድስን ዝጐስጐሰት ወይዘሮ መልከኣ ኣስገዶም፡ ሕጂ’ውን ዳግም ኣብ ሓያል ወፍሪ ነብስኹም ኣድሕኑ ትርከብ።
ንነብሳ፡ ኣብ 1993 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ግእዝ) እቲ ቫይረስ ኣብ ደማ ከም ዘሎ ካብ እትፈልጥ ንድሓር፡ መልከፍቲ እዚ ቫይረስ ‘ብኣና የብቅዕ’ ምስ ዝበሉ ካልኦት ግዱሳት ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ብምዃን ክትምህር፣ ግዳያት ክትሕብሕብ ጸኒሓን፤ ኣላን።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ንሳ ኰነ ካልኦት ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሕጽረት ቀረብ ኣፋውስን ገንዘብን እኹል መድሓኒት ከይረኸቡ እዮም ሓሊፎምዎ።
ኣካያዲት ስራሕ ማሕበር ተስፋህይወት ኤችኣይቪ ኤይድስ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝዀነት ወይዘሮ መልከኣ ኣስገዶም፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝርኣ ዘሎ ምዝንጋዕን ሰላሕታዊ ምዝማት እቲ ቫይረስን ነቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝነበረ ኵነታት የዘኻኽራ።
‘ብዙሕ ዝለፋዕናሉ ናብ ባዶ ይምለስ’ ከይህሉ ብምባል ትሻቐል።
ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ብፍላይ ድሕሪ ለበዳ ኮረናቫይረስ ብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ገዛ ምውዓል ምስ ጀመራ፡ “ሽዑ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓመጻት ነይሮም፤ ብሰንኩ ንረኽሲ ኤችኣይቪ፣ ፌስቱላን ካልእን ተቓላዕቲ ዝዀኑ ሰባት ነይሮም’ዮም” ትብል።
እቲ፡ ብዙሓት ወለዶታት ዘብረሰ ኲናት ምስ ስዓበ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይን ኣባጽሕን ናብ በረኻ ከይዶም፣ ሚልዮናት ተፈናቒሎም እዮም።
“እተን ግዳያት ኰይነን ዝጸንሓ መድሓኒት ስኢነን፣ እናተዓመጻን ጥቕዓት እናበጽሐን ንዝተፈላለዩ ጸገማትን ሞትን ተቓሊዐን እየን። ኣብቲ ናብ በረኻ ዝወጽአ ድማ ‘ጽባሕ ምሟተይ ዘይተርፈኒ’ ዝብል መንፈስ ስለ ዘሎ፡ መከላኸሊ ዘይብሉ ፍኑው ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ነይሩ’ዩ” ክትብል ወይዘሮ መልከኣ ትዛረብ።
እዚኦም፡ ምትሕልላፍ እቲ ቫይረስ ንክውስኽን ብጭቡጥ ዝርግሕኡ ኣብ ዘይፍለጠሉ ደረጃ ንክበጽሕን ካብ ሞንጐ ዝገበሩ ምኽንያት ክዀኑ ከም ዝኽእል ትጠቅስ።
ማሕበር ተስፋህይወት ኤችኣይቪ ኤይድስ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ኣብ መቐለን ከባቢኣን ዝርከባ 1017 ኣባላት ዝሓቘፈት ማሕበር ኰይና ካብዚኦም እቶም 54 ትሕቲ ዕድመ እዮም።

ኤችኣይቪ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዘይካ ኣብ ሰለስተ ክልላት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ለበዳ ከም ዝርከብ ወግዓዊ ሓበሬታ ቤት ጽሕፈት ምክልኻልን ምቁጽጻርን ኤችኣይቪ ኤይድስ ፌደራል የመልክት።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ክልላት ጋምቤላ፣ ኣዲስ ኣበባ፣ ድሬዳዋ፣ ሃረር፣ ዓፋር፣ ትግራይ፣ ኣምሓራን ቤንሻንጎል ጉሙዝን፡ ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ለባዳ ከም ዝርከባ’ውን ከጠንቅቕ ጸኒሑ።
ብመሰረት ኣብ 2016 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ትግራይ 1.24 ሚእታዊት ዝነበረ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ኤይድስ፡ ከም ዝወሰኸ መጽናዕትታት ክሕብሩ ጸኒሖም ኣለው።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብ2019 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ 1.3 ሚእታዊት ምዃኑ ይሕብር።
ብመሰረት ሕጊ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ ልዕሊ ሓደ ሚእታዊት በቲ ሕማም እንተድኣ ተታሒዙ ከም ለባዳ እዩ ዝቑጸር። ብደረጃ እታ ሃገር ዘሎ መጠን ምልባዕ እቲ ቫይረስ፡ ለበዳ ዝብሃል እኳ እንተዘይኰነ፡ ሰፊሕ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምህላው ግን ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ትግራይ መጠን ዝርገሐ ኤችኣይቪ 1.43 ምኢታዊት ከም ዝነበረ ዝገልጽ ኣብ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ዋና ኣተሓባባሪ ኩለ መዳያዊ ምክልኻልን ምቁጸጻርን ኤችኣይቪ ኣቶ ፍሰሃ ብርሃነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ቫይረስ ‘‘ይላባዕ’’ ከም ዘሎ ገሊጹ።
ቅድሚ ኲናት ኣብ ትግራይ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ልዕሊ 43 ሽሕ ዓበይትን ልዕሊ 3 ሽሕ ህጻናትን ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ኣቶ ፍሰሃ፡ ‘‘ድሕሪ ኲናት ብዝገበርናዮ ዳህሳስ ኣስታት 33 ሽሕ ተጠቀምቲ መድሓኒት ኣለዉና’’ ብምባል እቶም ዝተረፉ ሞይቶም ወይ ናብ ካልእ ከባቢ ከይዶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይሕብር፡፡
ኣብ ከባቢታት ዞባ ምዕራብ፣ ደቡብን ኢሮብን ዝነበሩ ተጠቀምቲ መድሓኒት እውን ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘለዉ ኣይንፈልጥን ዝብል ኣቶ ፍስሃ፡ “ኤችኣይቪ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 1 ሽሕ ሰብ ዝቐትለሉ እዋን ነይሩ። ክሳብ 40 ዓመት ዘይንበረሉ እዋን ነይሩ፤ እዚ እቶም ሕዚ ዘለዉ መንእሰያት ኣይፈልጥዎን’’ ኢሉ።
ካልእ ጸገም . . . ኮንደም?
ኣቶ ርእሶም ወረደ ሓላፊ ቁጽጽር ጥዕና ከተማ ሽረ እንዳስላሰ እዩ። ንሱ ሕጽረት መመርመሪ መሳርሒ ብምህላዉ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ሓቀኛ መጠን ምግፋሕ እቲ ቫይረስ ክፍለጥ ከም ዘይከኣለ እዩ ዝገልጽ።
“ሕጽረት ኮንደም ኣሎ። ሰባት ከይተመርመሩ እዮም ዝምርዐዉ ዘለዉ። ፍኑው ጾታዊ ርክብ'ውን ነይሩ ኢልና ኢና ንጥርጥር። ጠፊኦም ዝነበሩ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ከይተረፈ ይረኣዩ ኣለዉ። እዚኦም ኤችኣይቪ ንምትሕልላፍ ዝለዓለ ኣበርክቶ ኣለዎም” ይብል።
ስለዚ ዝምልከቶም ኣካላት መመርመሪ ኪታትን ኮንደምን ብቕልጡፍ ከቕርቡን ብብዝሒ መርመራታት ክካየዱን ከም ዝግባእ እቲ በዓል ሞያ የረድእ።
ኣብ ትግራይ ካብቶም ዘለው ወድዓዊ ምኽንያታት ብዝሰገረ፡ ኣመራርሓ ብዝሰርሖ ነገር ምዕጋቡ፣ መናእሰይ ኣብ ዙርያ ኤችኣይቪ ዘለዎ ኣፍልጦ ትሑት ምዃኑ፣ ንኤችኣይቪ ዘቃልዑ ቦታታት ማለት'ውን እንዳ መስተ፣ ተጠቀምቲ ጫትን ሓሽሽን ምብዝሖም እቲ ለበዳ ንክላባዕ ምኽንያት ምዃኑ እቶም ቢቢሲ ዘዘራቦም ወሃብቲ ርኢይቶ ይገልጹ።
ንኣብነት፡ ቢቢሲ ቅድሚ ኲናት ትግራይ ምጅማሩ ካብ ቢሮ ንግድን ኢንድስትርን ትግራይ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ፡ ፍቓድ ንግዲ ዝወሰዳ ብዝሒ እንዳ መስተን እንዳተልሂትን፡ 1998 ኰይነን ፍቓድ ንግዲ ጫት ዝወሰዳ ድማ 111 እየን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቑጽሪ እዞም ቦታታት ወሲኹ ምህላው ሓበሬታ ቢሮ ጥዕና የመልክት።
ኣካያዲ ስራሕ ኦሳድ ትግራይ ኣቶ ይርጋ ገብረእግዚኣብሄር’ውን፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ክልል ክሳብ ቁሸት ዝተዘርግሐ መሓውር ጥዕና፣ ክለባትን ውዳበታትን፣ ሰራሕተኛታት ጥዕና ሕብረተሰብ ዝሓዘ ሰንሰለት ከም ዝፈረሰ እዩ ዝገልጽ።
“እዚኦም የለውን ማለት መርመራ የለን ማለት እዩ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብዚ ሓሊፉ፡ ምስቲ ኲናት ብዝተሓሓዝ ማሕበራውን ቁጠባውን ምንቅስቓሳት ዕጹዋት ብምንባሮም፡ ሓያል ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምንባሩ የዘኻኽር። ኣብቲ እዋን’ቲ ባንክታትን ካልኦት ትካላት ፋይናንስን ዝህብኦ ኣገልግሎት ተቛሪጹ ምንባሩ ይዝከር።
ድምር እዞም ጸገማት ዝፈጠሩዎ ጸቕጢ፡ ብዙሓት ሰባት ናብቲ ኣሉታዊ ናይ ምጽዋር ኣገባባት ወይ ‘Negative coping mechanisms’ ዝብሃሉ ከም ነብስኻ ሸይጥኻ ምሕዳር፤ ካብ ዝጠሚ፣ ዝዓርቕ ተባሂሉ ዝፍጸም ጾታዊ ርክብ ክኣትው ከም ዝገበሮም ኣቶ ይርጋ ሓቢሩ።
“ኣብ እዋን ‘ነጋቲቭ ኮፒንግ መካኒዝም’ ኮንደም’ውን ኣይነበረን (ኣብ ቀረባ ግዜ ኣትዩ ዕደላ ጀሚርና ኣለና)፣ ናውታት መመርመሪ ኣብ ውልቀ ትካላት ወይ ፋርማሲ ዝርከብ ኣይኰነን፤ እቲ ክልል ናብ ኲናት ምስ ኣተወ እቶም ናይ ልምዓት መሓዙት ወጺኦም ናይ ህጹጽ እዋን ስራሕቲ ዝሰርሑ እዮም ኣትዮም። እዚኦም ድማ ብዛዕባ ኤችኣይቪ ናይ ምምሃር ስራሕቲ ዝብል መደብ የብሎምን። ብድምር ኣብ ትግራይ ኤችኣይቪ ንክውስኽ ዝገብር እምበር ንክንኪ ዝገብር ኩነታት ኣይነበረን” ብምባል የረድእ።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቅድሚ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ትግራይ ሓደ ዋዕላ ኤችኣይቪ ክሳለጥ እንከሎ፡ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝዀኑ ዝተፈላለዩ ኣብ ዙርያ ጥዕናን ምክልኻል ኤችኣይቭን ዝሰርሑ ኣካላት ክልተ ዓበይቲ ውሳነታት ተግባራዊ ክዀኑ ሓቲቶም ኣለው።
እቲ ሓደ፡ ኤችኣይቪ ዓብዪ ሓደጋ ምዃኑ ብመንግስቲ ደረጃ ክእወጅ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ካልኣይ ነዚ ዝሕግዙ እታወታት ንክማልኡ ጻውዒት ክቐርብ ዝብሉ’ዮም።
ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ናብ ዝተሓተ ደረጃ ንምውራድን ግንዛበ ሕብረተሰብ ንምዕባይን ን28 ዓመታት ደኺምና ኢና ዝብል ኣቶ ይርጋ፡ እዚ ንድሕሪት ተመሊሱ ሰባት ኩነታቶም ኣብ ዘይፈልጥሉ ደረጃ ከም ዝተበጽሐ እዩ ዝገልጽ።
“እዚ ድማ ሰብ ሰራሕ ብዝዀነ ስሑት ፖለቲካዊ ስሕተት ዝመጽአ ምዃኑ ክሓስብ እንከለኹ የሕዝነኒ። ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ኲናት ትግራይ ክቐሪ ዝኽእል ትራጄዲ’ዩ ነይሩ። ብሰንኩ ልክዕ ከምቶም ብጥይት ዝሞቱ ጽቡቕ ስድርኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ሰኣን ቀረብ መድሓኒት ዝሞቱ፣ ንዓይነ ስውርነት፣ ኣካል ምጉዳል ዝተቓልዑ ርኢና ኢና” ብምባል ዝመጽእ ዘሎ ስግኣታት ከም ዘተሓሳስቦ ገሊጹ።
ለበዋ ሰብ ሞያን ገበርቲ ሰናይን
ኤችኣይቪ ሕጂ’ውን ቀንዲ ስግኣት ዓለምለኻዊ ጥዕና ሕብረተሰብ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 40 ሚሊዮን ሰባት ብምትሕልላፍ እዚ ቫይረስ ክሞቱ እንከለው፡ ኣብ ገለ ምንካይ ኣርእየን ዝነበራ ሃገራት ይውስኽ ከም ዘሎ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።
እዚ ቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ ፈውሲ ዝተረኽቦ እኳ እንተዘይኰነ ምክልኻል ዝክኣል ሕማም እዩ።
ኣብ ሆስፒታል መቐለ ኣተሓባባሪት ሕዱር ሕማማትን ተጠቀምቲ መድሃኒት ኤችኣይቪን ዝዀነት ህይወት ኣረጋዊ፡ ካብቶም ሕጂ ዝርኣዩ ዘለው ኣፈናዊ ውጽኢታት ብምብጋስ እቲ ሕብረተሰብ እኹል ኣስተምህሮ ክወሃብ ከም ዘለዎ ተገንዝብ።
“ኣሐይሉ መጺኡ ስለ ዘሎ ስሩዕ መጽናዕቲ ተገይሩ ሕብረተሰብ ንዓርሱ ንክከላኸል ክፈልጦ ይግባእ፤ መከላኸሊ መገዲታት’ውን ክስርሓሎም ኣለዎ። እዚ እንተዘይተገይሩ ልዕሊ ክንደይ ሚኢታዊት እዩ ክኸውን ኣይፍለጥን። ብህዝቢ ክበልዓልና እዩ ኢልና ኢና ንሰግእ” ትብል።
ክሳብ ሕጂ ዘይተማልኡ መመርመሪ ናውታት፣ መድሃሓኒት ጸረ ኤችኣይቪ፣ ቀረብ ኮንደምን ካልኦት መከላኸሊ ኣገባባትን ክማልኡ’ውን ትሓትት።
“እቲ ኩነታት ከም ዘለዎ እንተቐጺሉ፡ ዝተላመደ ቫይረስ እዩ ክዝርጋሕ። እቲ ዝነበረ ጸገማት ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈለየ ቈላሕታ ከም ዘድሊ ክሕሰበሉ ኣለዎ። ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ኣለና፤ ግን ከምቲ ብለበዳ ዝወረና ዘሎ መንግስቲ ኣይሰርሕን ዘሎ። በዓል ሞያ ጥራይ ብዘለዎ ይቃለስ ዘሎ” ብምባል ትኹረት መንግስቲ ከም ዝውሕድ ኣገንዚባ።
በዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኣካያዲ ስራሕ ኦሳድ ትግራይ ኣቶ ይርጋ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ፡ ፖለቲካዊ መሪሕነት፡ እዚ ኩነታት ሓደጋ እዩ ኢሉ ክወስድን ፖለቲካዊ ውፍይነት ከርኢ ከምኡ’ውን ነዚ ዝሕግዙ ሃገራውን ዓለማውን ትካላት ጻውዒት ክቐርበሎም ይግባእ ኢሉ።
እቲ ተራእዩ ዘሎ ዘሰንብድ ዝርግሐ ንምዕጋት መመርመሪ ኪት፣ መድሓኒት፣ መስርሒ ቫይራልሎድ፣ መመርመሪ ካብ ቫይረስ ዘለወን ኣዴታት ዝውለዱ ዕሸላትን መከላኸልን ክማላእ ኣለዎ ኣለዎ ዝብል ኣቶ ፍሰሃ ብርሃነ ብወገኑ፡ እቲ ተራእዩ ዘሎ ሓደጋ መንግስቲ ፌደራል ክፈልጦ ከም ዝተገብረ ገሊጹ።
እንተዀነ ኣብታ ሃገር ‘‘ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ’’ ከም ዘሎ ዝጠቕሱ ሰብ መዚ ፌደራል እኹል ቀረብ ይልእኹ ከም ዘየለዉ ይዛረብ፡፡
ክሳብ ሕጂ፡ 72 ሽሕ ሰባት ዘመርምር መሳርሒ ከም ዝመጽኣሎም ብምምልኻት፡ “ ‘ንሱ መርሚርኩም ውጽኢት ኣርእዩና እሞ መማረጺ ክነናዲ ኢና’ እዮም ዝብሉ። ዝመጽእ መድሓኒት እውን ውሱን እዩ” ኢሉ።
ብተወሳኺ በቲ ዘሎ ቀረብ ተጓይኻ ንምስራሕ እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ከምዘድልዮ ኣቶ ፍሰሃ ብርሃኑ ይገልጽ ፡፡
‘‘ንሰለስተ ዓመት ካብ ዓለም ድሒርና ጸኒሕና ኢና፡፡ ከይዲ ምርመራ ተቐይሩ እዩ፡፡ ነዚ ስልጠና ምሃብ የድሊ፡፡ ፋይናንሳዊ ሓገዝ እውን የድሊ፡፡ ዝነበራና መካይን ኩለን ተወሲደን እየን፡፡ ናይ ትራንስፖርት ጸገም ኣሎ፡፡’’




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







