ድሕሪ 30 ዓመት ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 1980ታት ኣትሒዙ ምስ ኤችኣይቪ ክነብር ዝጸንሐ ሓደ ሰብ ከም ዝሓወየ ሓኻይም ገሊጾም። በዚ መሰረት፡ እዚ ሰብ ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ መበል ራብዓይ ሰብ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ሰብ መንሽሮ ደም ስለዝሓመመ፡ ኣንጕዕ ዓጽሚ ንምሕካም ብዝብል ናይቲ ቫይረስ ተጻዋርነት ካብ ዘለዎ ደም ስለዝተወሃቦ እዩ ሓውዩ ዘሎ።
እቲ መንነቱ ክፍለጥ ዘይደለየ 66 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብ፡ መድሃኒት ኤችኣይቪ ምውሳድ ኣቋሪጹ ኣሎ።
እቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጡ ስለዘየለ ድማ “ካብ ምስጋና ንላዕሊ” ከምዝስምዖ ገሊጹ።
እዚ ሰብኣይ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ዱዋርት ካሊፎርንያ ሆስፒታል ምሕካሙ፡ ተሓካሚ "ሲቲ ኦፍ ሆፕ" - ከተማ ተስፋ ብዝብል ተጸዊዑ'ሎ።
መድሃኒት ኤችኣይቪ [መናውሒ ዕድመ] ከይማዕበለ እንከሎ፡ ብዙሓት ኣዕሩኽቱ ዝነበሩ ብሰንኪ'ቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።
'ነዛ መዓልቲ ክርእያ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤች.ኣይ.ቪ. ንስርዓተ ምክልኻል ሕማም ሰብነት ዝጐድእ ቫይረስ እዩ። እዚ ድማ ኤይድስ የስዕብ።
እቲ ሰብ፡ "ኣብ ኤችኣይቪ ከምዘለኒ ክንገረኒ እንከሎ ከም መብዛሕትኡ ሰብ ናይ ሞት ፍርዲ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ፡’ ክብል ገሊጹ።
እታ፡ "ኤችኣይቪ ካብ ውሽጠይ ዝጠፍኣላ መዓልቲ ክርእያ እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡" ይብል።
ይዅን እምበር እቲ ዝተወሃቦ ሕክምና ንኤችኣይቪ ተባሂሉ ኣይነበርን።
እቲ ሰብ ወዲ 63 ዓመት እንከሎ መንሽሮ ደም ምስ ሓመመ፡ ሓኻይሙ ብመንሽሮ ዝተጠቕዑ ዋህዮታቱ ንምቕያር ኣንጕዕ ዓጽሚ ክትክእሉ ወሲኖም።
ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ እቲ ኣንጕዕ ዓጽሚ ዘወፈየ ሰብ፡ ተጻዋርነት ኤችኣይቪ ዘለዎ ኰይኑ ጸኒሑ።
እቲ ቫይረስ CCR5 ብዝበሃል ፕሮቲን ኣቢሉ እዩ ናብ ጻዕዳ ዋህዮታት ዝኣቱ። እንተዀነ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ቫይረስ ክገትእ ዝኽእል ዝተለወጠ CCR5 ኣለዎም።
ኤችኣይቪ ሕጂ'ውን መድሃኒት ኣይተረኽቦን
እዚ 'ተሓካሚ ከተማ ተስፋ' ድሕሪ ሕክምናኡ፡ ብቐረባ ክትትል እናተገብረሉ እዩ ጸኒሑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንልዕሊ 17 ኣዋርሕ እቲ ኣብ ሰብነቱ ዝጸንሐ ኤችኣይቪ ኣብ ዝነጽሃሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ።
"እቲ ን30 ዓመታት ምስ ኤችኣይቪ ዝነበረ ሰብ፡ ኣብ ሰብነቱ ዝነበረ ቫይረስ ኣብ ምጥፋእ ገጹ ከም ዘሎን ጸረ ኤችኣይቪ መድሓኒት ምውሳድ ከምዘየድልዮን ክንነገሮ እንከለና ኣመና ተሓጕስና፡" ክትብል ኣብቲ ሆስፒታል ትሰርሕ ዶ/ር ጃና ዲክተር ነቲ ህሞት ትገልጽ።
ከምዚ ዓይነት ነገር ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ ኣብ 2011 ነይሩ። ሽዑ ቲሞቲ ረይ ብራውን ካብ ኤችኣይቪ ዝሓወየ ናይ መጀመርታ ሰብ ኰይኑ።
ብድሕሪኡ፡ ሕወየት ካብዚ ቫይረስ ኣብ ሰለስተ ሰባት ኣጋጢሙ ኣሎ።
ተሓካሚ "ሲቲ ኦቭ ሆፕ" ካብ ኵሎም ንላዕሊ እቲ ብዕድመ ዝደፍአን ምስ ኤችኣይቪ ንነዊሕ ዓመታት ዝነበረን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣንጕዕ ዓጽሚ ንምቕያር ዝግበር ሕክምና ናይ ባዕሉ ጐናዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ኣብ ዓለም ዘለዎ ምስ ኤችኣይቪ ዝነብሩ 38 ሚሊዮን ሰባት ንምሕካም ምቹእ ኣይከውንን'ዩ ክትብል ዶ/ር ዲክተር ትገልጽ።
ይዅን እምበር ተመራመርቲ CCR5 ተጠቒሞም መድሃኒት ክረኽቡሉ ይጽዕሩ ኣለው።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







