ኣብ ውሽጢ እቲ ሕቡእ ዓለም ንግዲ ጾታዊ-ርክብ ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, LEYLA JEYTE
ኣብታ ድሕሪ ንዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ሕጂ’ውን ኣብ ስግኣት ዘላ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ዝነብራ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብቲ ዝተሓብአ ኣብ ዓለም ፋይቶት ሶማሊያ [ንግዲ ጾታዊ ርክብ] ብኸመይ ከምዝኣተዋ ንቢቢሲ ተዛሪበን ኣለዋ።
መንነተን ንምሕላው ግን ሽመን ተቐይሩ እዩ።
ንጡፍን ዕሙርን ገማግም ባሕሪ ሊዶ ሞቓድሾ፡ እታ ካብ ጐንጺ ንምውጻእ እትፍትን ዘላ ሶማልያ እንታይ ክትከውን ከም እትኽእል ቅሩብ ባና ይህብ።
ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ መዘናግዒ ቦታታት፡ ብሉጻት ኣብያተ መግቢ፡ ሆቴላትን ቀረባት ቅልጡፍ መግብን ዓበይቲ መስሕባት እዮም።
ኣብ ጥቓኡ ግን ካልእ ፍልይ ዝበለ ነገር ትርኢ - ዕንደራ፡ ሓሽሽን ብጾታዊ ርክብ ዝተደወነ ዓመጽን።
ኣብዛ ብቐንዱ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝርከቡላ ሃገር፡ ኣብቲ ሕቡእ ሸነኽ እታ ከተማ ዝተጸመዳ ድማ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ድኻታትን መብዛሕትኡ ግዜ ተቓላዕቲ ዝዀናን እየን።
ጓል 22 ዓመት ፋርዶሳ፡ ንሰለስተ ዓመታት ዋርድሂግሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ብጠያይት ዝተበሳስዐ ብቐይሕ መጋረጃ ዝተሸፈነ ጸልማት ክፍሊ፡ ፋይቶት ኰይና ሰሪሓ እያ።
እዛ ኣዝዩ ልስሉስ ድምጺ ዘለዋ ቀጣን ንእስቲ፡ ነቲ ኣብዚ ህይወት ዘጋጠማ ትገልጽ።
ፋርዶሳ፡ ኣብ 19 ዓመት ዕድመኣ ካብ ገዛ ከም ዝወጸት ትገልጽ፤ እዚ ድማ ኣብ ማሕበረሰብ ሶማልያ ሳሕቲ ዝረአ ኰይኑ፡ ብሓፈሻ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምምርዓወን ካብ ስድራቤት ኣይወጽኣን።
ይዅን’ምበር ኣብ ገዛ ዝፍጸም ግህሰት ወይ ምስ ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ዝፍጠር ዘይሳነ ፍልልይ ንገሊአን ክደፋፍአን ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።
"ኣብ መጀመርታ ከም ምህዳም ኣይረኣኹዎን፤ ግን ምስ ሰበይቲ ኣቦይ ምንባር ክጻወሮ ኣይከኣልኩን” ትብል።
"ኣደይ ብንእስነተይ ምስ ሞተት፡ ንሳ ካልአይቲ በዓልቲ ቤት ኣቦይ ኰይና። ንዝሓለፉ ዓመታት ትብድለኒ ነይራ፤ እዚ እናሃለወ ግን ኣቦይ ወትሩ ምስኣ ይውግን ነይሩ።”
ፋርዶሳ ካብ ገዛ ምስ ወጽአት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናተዘዋወረት ምስ ሓደስቲ ሰባት ክትመሓዞ ጀሚራ፤ እዚኦም ድማ ንዓኣ ዝመስሉ ሰባት ኰይኑ ተሰምዓ።
"ንዓይ ዝግደሱለይ መሲሉኒ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ናይ ብሓቂ ኣዕሩኽ ኣይነበሩን” ትብል።
ቀስ ብቐስ፡ ውልፍቲ ከም ሞርፊን፡ ትራማዶልን ፔቲዲንን ዝኣመሰሉ ኦፒዮይድስ ኰነት።
ድሕሪኡ፡ ኣብ ሊዶ ቢች ኣብ ዝርከብ ሕቡእ እንዳ መስተ ኣትያ፤ ኣብኡ ድማ ምስ ስራሕ ፋይቶት ተላልያ።
ፋርዶሳ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ዝተሓብአ ክፋል ሞቓድሾ ዝርከብ ጸልማት ህይወት ጥሒላ።
ኣብኡ ድማ ካብ ሆቴላት ናብ ገዛውቲ ዘይትፈልጦም ሰባት፡ ናብ ጽምው ዝበሉ ቦታታት ትኸይድ ነበረት።
ሕጂ ግን እኹላት ዓማዊል ዝዀኑ ሰባት ስለ እትፈልጥ፡ ምስቶም ብተሌፎን ዝጽውዕዋ ሰባት ትራኸብ።
"ስልከይ ክሳብ እትጽውዕ እጽበ፤ ድሕሪኡ ምስቶም ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ንኽገብር እወጽእ። ካልእ ግዜ ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣዕሩኽተይ ድሉዋት ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ ምስ ዝህልው ይድውላለይ” ክትብል ነቲ ህይወት ትገልጾ።
'ንወልፈይ ገንዘብ የድልየኒ ነይሩ'
ዝተፈላለየ ዓይነት ህይወት ምስ ዘለዎም ዓማዊል ትራኸብ።
"እዞም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ መጀመርታ ኣዕሩኽ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ መሓዙይ እዮም ነይሮም። ድሕሪኡ ምስ ዘይፈልጦም ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ናብ ምፍጻም ተቐይሩ።
"ልክዕ ከም ብዙሓት ካልኦት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ እዛ ከተማ፡ ተቓላዒት ስለ ዝነበርኩ ንወልፈይ ዝኸውን ገንዘብ የድልየኒ ነይሩ" ትብል ፋርዱሳ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ስፍሓት ስራሕ ፋይቶት ዘርኢ ወግዓዊ መረዳእታ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ካብ ፋርዶሳን ካልኦትን ዝተረኽበ ምስክርነት ግን ነቲ ብዙሓት መናእሰይ ደቂኣንስትዮ ዝርከባሉ ህይወት ብመጠኑ ዘርኢ እዩ።
ሆዳን ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ሰራሕተኛ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ኰይና ጸኒሓ።
እታ ጓል 23 ዓመት መንእሰይ ልክዕ ከም ፋርዶሳ ካብ ገዛኣ ሃዲማ ምስ ወጽአት፡ ንነብሳ ኣብቲ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዘይብሎም ብዙሓት ካብ ግዚኦም ዝወጽኡ መንእሰያት ዝርከብሉ ሕቡእ ናብራ ሞቓድሾ ረኺባቶ።
"መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሆቴላት እየ ዘሕልፎ፤ መብዛሕትአን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ’የን። ኣብኡ ምስ ኵሎም ዓይነት ደቂ ተባዕትዮ ትራኸብ። ብሓቂ ግን ምስ ገለ ካብዞም ደቂ ተባዕትዮ ክትከይድ ከለኻ ነገራት ናብ ዝኸፍአ ክቕየሩ ይኽእሉ" ትብል ሆዳን።
ኣብ ሶማልያ ስራሕ ፋይቶት ዘይሕጋዊ እዩ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሰብ መዝን ፖሊስን ከምኡ’ውን ሚኒስትሪ ደቂ ኣንስትዮን ሰብኣዊ መሰላትን ርእይቶ ንምርካብ'ኳ እንተሓተተ መልሲ ኣይረኸበን።
"መብዛሕትኡ ግዜ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተበዲለን ኣብ ኣካላተን በሰላ ሒዘን ክምለሳ እንከለዋ፡ ካልኦት መንእሰያት ፋይቶት ድማ ብዝኣመናኦም ሰባት ይጥለማ” ትብል።
ፋርዱሳ፡ ናብ ዓመጽ ዘምርሐ ክስተት ኣጓኒፉዋ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, LEYLA JEYTE
"ኣብ ሕሉፍ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ዝመረጽዎ ቦታታት ይኸይድ ነይረ፤ ሓደ መዓልቲ ግን ተሃሪመ ገጸይ በሊዙ ደም ብደም ኰይነ። ኵሉ ነገር ዘጋጠመ ብዋጋ ስለ ዘይተሰማማዕና’ዩ” ክትብል ተረድእ።
"ካብ ሽዑ ጀሚረ፡ ናብቲ ንሳቶም ዘዳለውዎ ቦታ ኣይኸይድን። ምስ ዝዀነ ወዲ ተባዕታይ ናብ ጽምው ዝበለ ቦታታት ኣይኸይድን፤ ኣዝዩ ሓደገኛ'ዩ። ጉድኣት ከም ዘይበጽሐኒ ፈሊጠ ናብ ሆቴላት ክኸይድ ይመርጽ። ኣብኡ ኣውያትካ’ውን ክረድአካ ይኽእል’ዩ”።
"ብዙሓት ኣብዚ ስራሕ ዝኣተዋ ደቂ ኣንስትዮ ግን ዕድለኛታት ኣይኰናን። ምስቶም ደቂ ተባዕትዮ ናብ ገዛኦምን ጽምው ዝበለ ቦታን ዝኸዳ ፋይቶት፡ ይግፋዓ ዋላ'ውን ይዕመጻ - ሓሓሊፉ ልዕሊ ሓደ ብዝዀኑ ደቂተባዕትዮ” ትብል።
ብተወሳኺ ሓሓሊፉ እቲ ዝወርደን መጥቃዕቲ ከም ዝስኣልን ንዕኡ ተጠቒሞም ከም ዘጸልምወንን ትዛረብ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ “ክንብርከኻ ይገብሩ” ክትብል ትዛረብ።
'ንእትፈትዎም ሰባት ክትገጥሞም ከቢድ’ዩ’
ሆዳን፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ብሓሽሽ ምስ ደንዘዛ ብቪድዮ ከም ዝቐድሑወንን በዚ ድማ "ገንዘብ ኣምጽኣ፡ መኽሰብክን ምቐላና" እናተባህላ ከም ዝጋፍዓን ትገልጽ።
"እንተኣብየን፡ በቶም እቲ ቪድዮ ዝሓዙ ደቂ ተባዕትዮ ይቕጥቀጣን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይወርደን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ነተን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ንምስቓይ ነቲ ቪድዮ ናብ ኣዕሩኽቶም ይዝርግሕዎ፤ ዳርጋ ዲጂታላዊ መጸለምታ’ዩ” ትብል።
ኣብ ቀረባ እዋን ብመርበብ ቲቪ ብሪጣንያ ቻነል 4 ዝተዘርግሐ ሰነዳዊ ምድላው፡ ከምዚ ዓይነት ምጽላም ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ደቂ ኣንስትዮ ሶማልያ፡ ክንዮ ኣብ ስራሕ ፋይቶት ዘለዋ ዝፍጸም ምዃኑ የርኢ።
"ኣብ ብዙሓት ዝፈልጠን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ እዩ ኣጋጢሙ። መብዛሕትአን ንኽኣምና ኣዝየን ይሓፍራ እየን፤ ግን ኵላትና እንታይ ከም ዝሓለፍና ንፈልጥ ኢና። ኣብዚ ህይወት ንነዊሕ እዋን ኢና ጸኒሕና" ትብል ሆዳን።
ካብ 2019 ክሳብ 2020 ኣብ ጾታዊ ዓመጽ ዓቢ ዝላ ከም ዝነበረ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ግጭት ኣብ ዘለወን ዞባታት ግህሰት ከምዝተጋደደ'ውን ይሕብር።
ብተወሳኺ "ድኹም ሕጊ፡ ገበነኛታት ብናጻ ክኸዱ ከም ዘኽእሎምን ካብቲ ሓደጋ ዝደሓና ድማ ውሑድ ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ደገፍ ከም ዘይረኽባን" ይጠቅስ።
ኣብ ጾታዊ ስራሕ ፋይቶት ዝተዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣብ ሶማልያ ዝያዳ ተቓላዕቲ እየን።
"ኣብ ሶማልያ ንኸማና ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ዝድግፍ ስርዓት የለን፤ ክሕግዘና ንተኣማመነሉ ሰብ እውን የለን። እቲ ሕብረተሰባዊ ጸቕጢ ንዅሉ ክጋድድ ይገብሮ። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ካብዘን ተቓላዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ንምርካብ ፍቓደኛታት ኣይኰናን - ብፍላይ ወልፊ ዘለወን” ክትብል ፋርዶሳ ትዛረብ።
ኣብ ሶማልያ ሓያሎ ትካላት ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ። እንተዀነ፡ ቢቢሲ ከዘራርበን ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ብሰንኪ ተኣፋፍነት ናይቲ ጉዳይ ርእይቶ ክህባ ፍቓደኛታት ኣይነበራን።
ሆዳንን ፋርዱሳን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕግዙወን ኣሰራርሓታትን ትካላት እንተዝህልው፡ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ስራሕ ኣይምኣተዋን ዝብል እምነት ኣለወን።
"ብዙሓት ካብአን ዝድቅሳሉ ቦታ'ኳ የብለንን። ከባቢ ከባቢ ሊዶ ቢችን ካልእ ክፋላት እታ ከተማን ኣብ ጐደናታት እየን ዝድቅሳ። ዝድቅሳሉ ቦታ ንምርካብ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዝኸዳ'ውን ኣለዋ። እዚ ድማ ብዝያዳ ብጾታዊ ርክብ ይምዝመዛ ተቓላዕቲ ይገብረን " ትብል ፋርዶሳ።
ኣብ ድሕሪት ፋርዶሳ ኰፍ ኢላ ዝረኸብናያ ኣሚና፡ ሰራሕተኛ ንግዲ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ጠነሰት ነቲ ስራሕ ደው ኣቢላቶ ኣላ።
"ኣሚና ወትሩ ነዚ ህይወት ግደፍዮ [ናብ ገዛኺ ተመለሲ] ትብለኒ፤ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ንእትፈትዎም ሰባት ክትገጥም ከቢድ'ዩ። ስድራይ ካብ ዝርእዮም ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ" ክትብል ተዘንቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







