ኣብ ሶማልያ 43 ሽሕ ሰባት ብድርቂ ሞይቶም ክዀኑ ይኽእሉ – ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሶማልያ ንተኸታተልቲ ወቕትታት ዝናብ ብዘይምዝናቡ ኣስታት 43 ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ መንግስቲ ሶማልያን ሕቡራት ሃገራትን ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ድርቂ ዝሞቱ ወግዓዊ ቁጽሪ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ እዩ። ፍርቂ ካብቶም ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ከም ዝዀነ ይግመት።
እቲ ቅልውላው ድርቂ ገና ቀጻሊ ስለዝዀነ ኣብዚ ዓመት ኣብተን ቀዳሞት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ 18 ክሳብ 34 ሽሕ ተወሳኺ ከጋጥም ከም ዝኽእል ይግመት።
ኣብ 2011 ብሰንኪ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ጥሜት ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።
"ሞት ንምክልኻልን ህይወት ንምድሓንን ንረባረብ ኣለና" ክብል ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ማሙኑር ራህማን ማሊክ ተዛሪቡ።
ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ዓመት ኣብ ሶማልያ ንዝርከቡ ግዳያት ድርቂ ንምድጋፍ 2.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ዝገለጸ’ኳ እንተዀነ ዛጊድ ትሕቲ 15 ሚኢታዊ ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ።
ኣብዚ ቅልውላው ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ጥሪት ሞይቶም እዮም።
እዚ ቅልውላው ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዓለማዊ ወሰኽ ዋጋ መግብን እናተጋደደ ይርከብ።
አብታ ሃገር ካልእ ዘተሓሳስብ ዘሎ፡ ናብቶም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣል-ሸባብ ዝርከቡ ከባቢታት ሓገዝ ከብጽሕ ዘይምኽኣሉ'ዩ።
ኣል-ሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰረ ኰይኑ ብኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከም ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዝተመዝገበ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሶማልያ ብቐጻሊ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንሰብኣዊ ንጥፈታት ዓቢ ዕንቅፋት እናፈጠረ ይርከብ።
እንተዀነ ግን፡ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ንግብረሽበራዊ ጉጅለታት ንኸይውዕል ዝዓግት ጽኑዕ ሕግታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ሓገዝ ናብ ብዙሓት ዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት ንኽበጽሕ ዝግበር ጻዕርታት እውን ክተሓላለኽ ገይሩ እዩ።
ገለ ሰበስልጣን ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ሸለል ከም ዝበሎ ይኣምኑ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ኣዳም ዓብደልሙላ፡ ለገስቲ " ኣብ ዩክሬን ኣተኲሮም" ክብል ንማዕከን ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ሓቢሩ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ብዩኒሴፍን ውድብ ጥዕና ዓለምን ዝተመወለ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







