ሕግታት ራዕዲ ኣሜሪካ፡ ንዕደላ ረድኤት ሶማልያ ዕንቅፋት ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ኣብ ሶማልያ፡ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ሰባት ንሕሱም ጥምየት ተቓሊዖም ይርከቡ፤ ልዕሊ 213 ሽሕ ድማ “ኣብ ኣፍ ሞት” ከም ዝርከቡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ኣብታ ሃገር፡ ኣርባዕተ ወቕቲ ዝናብ ፈሺሉ'ዩ።
ስለዚ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘተኣኻኸቦ ሓገዝ፡ 1.46 ቢልዮን ዶላር ኣብታ ሃገር በጺሑ ኣሎ።
ሓደ ኣብ ባይታ ዘሎ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትጽቢት ካብ ዝተገብሮ ገንዘብ ንላዕሊ ከም ዝተኣከበ ሓቢሩ።
ግን ክኣ፡ ሕጂ’ውን መግቢ፡ ማይ ወይ ገንዘብ ናብቶም ህጹጽ ረድኤት ዝደልዩ ሰባት ክበጽሕ ኣይከኣለን።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ይብል ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ላዕለዋይ ወኪል እቲ ትካል፡ ሕጋገ ጸረ ግብረ ራዕዲ ኣሜሪካ’ዩ።
ካብ ኣሜሪካ ገንዘብ ዝረኽቡ ትካላት፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ኢድ “ኣሸበርቲ” ከም ዘይኣቱ ከረጋግጹ ኣለዎም፤ ዝበዝሕ ከባቢታት ደቡብ ሶማልያ ክኣ ኣልሸባብ’ዩ ተቘጻጺሩዎ ዝርከብ።
እዚ ጕጅለ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ዘለዎን ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣሸባሪ ኢለን ዝወሰናኦን’ዩ።
ካልእ ሓላፊ ትካል ረድኤት ብወገኑ፡ “ሓደ ስጕሚ’ውን ክንስድር ኣይክኣልናን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ 11 ዓመታት፡ ኣብቶም ኣልሸባብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት ኣስታት 260 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ዓጸቦ ሞይቶም’ዮም።
ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ “ከቢድ ሰብኣዊ ኵነታት” ከም እትግንዘቦ ብምግላጽ እቶም ኣንጻር ሽበራ ዝግበሩ ጻዕርታት ኣብ ልዕሊ ረድኤት ዘነጻጽሩ ኣይኰኑን ትብል።
ብተኸታታሊ፡ ጽልዋ እቶም እገዳታት ከም ዝግምገሙን ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ረድኤት ማሕለኻታት ከጋጥሞም እንከሎ፡ ሓገዝ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ክሓቱ ከም እተተባብዕን ትገልጽ።
ይዅን’ምበር፡ እዚ መረጋገጺ ነቶም ንቢቢሲ ዝተዛረቡ ክልተ ትካላት ረድኤት እዅል ኣይኰነን።
መንግስቲ ናብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት’ኳ እንተበጽሑ ናብቶም ብኣልሸባብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ዝበጽሕ ቀረባት ግን ከም ዘየለ ሓቢሮም።
ኣብዞም ከባቢታት ኣስታት 900 ሽሕ ሰባት ከም ዝነብሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
ገሊኦም ድማ፡ ሕጂ ብኸቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ምናልባት ኣብ ቀረባ ዓጸቦ ከጋጥሞም ዝኽእልን እዮም።
እቲ ልዕሊ ዝተለሞ ገንዘብ ዘተኣኻኸበ ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ ቅድሚ ሕጂ፡ እቲ ንሶማልያ ዝወሃብ ውሱን ረድኤት ንምስላጥ “ዝተማልአ ምላሽ ንምሃብ ገንዘብ የብልናን” ኢሉ ነይሩ።
ሕጂ ግን፡ ስለምንታይ ዝያዳ ዘይተሰርሐ ዝብሉ “ስክፍታ ዘለዎም ሕቶታት” ይቐርቡ ኣለው።
ኣልሸባብ፡ ኣብ ሶማልያ ኣዝዮም ሓደገኛ መጥቃዕታት ብምፍጻም፡ ምንቅስቓሳት ሰብኣዊ ረድኤት የተዓናቕፍ እዩ።
ብ2011 ኣብ ዘጋጠመ ደርቂ፡ ኮማንደራት እቲ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ጕጅለታት ሰብኣዊ ረድኤት ናብቶም ዝተቘጻጸርዎም ቦታታት ንኽኣትው ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላራት የኽፍልዎም ከም ዝነበሩን፡ ንገሊኦም ከልኪሎም መግብን መድሃኒትን ኣቃጺሎም፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝቐተሉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ብርክት ኣብ ዝበላ መካይን መጥቃዕቲ ብምኽፋት 20 ሰባት ቀቲሎምን ረድኤት መግቢ ኣዕንዮምን’ዮም።
ኣልሸባብ፡ ምስ መንግስቲ ንዝሰርሑ ዕጡቓት’የ ዒላማ ገይረ ይብል።
ዋላ’ውን፡ እዞም ስግኣታት እንተሃለው፡ ነቶም ኣብ ኣፍ ዓጸቦ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምብጻሕ ዝድለ እንተዀይኑ፡ ንኽሲ ኣሜሪካ ከይሰጋእካ ምስ ኣልሸባብ ስምምዕ ምግባር ኣድላዪ’ዩ፡ ክብል ሓደ በዓል መዚ ሰብኣዊ ረድኤት ተዛሪቡ።
ሕጋጋት ኣሜሪካ እንታይ ይብሉ?
ኣሜሪካ እትድግፎ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ምስ ኣልሸባብ ምዝርራብ ኣይክልከልን፤ ምልውዋጥ ገንዘብ ምግባር ግን ካልእ ነገር እዩ።
ክልተ ሕጋጋት መንግስቲ ፌደራል ኣሜሪካ ገንዘብ ንኣልሸባብ ምሃብ ይኽልክላ፤
- ቤት ግምጃ ዝቈጻጸሮም እገዳታት
- ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ዝወሰኖም ን”ኣሸበርቲ” ጕጅለታት “ሓገዝ ናውቲ ወይ ሃብቲ” ምቕራብ ገበን እዩ ዝብላ እየን።
እዚኦም ክልቲኦም፡ ኣልሸባብ ኣብ ዝቈጻጸሮም ከባቢታት ኣብ ዘለው ነቝጣታት ፍተሻ ገንዘብ ስለ ዘኽፍልን ከም “ግብሪ” ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጠለባት ስለ ዘቕርብን ንትካላት ረድኤት ይጸልዉ'ዮም።
ብ2011፡ ኣብ ሶማልያ ዓጸቦ ምስ ተኣወጀ፡ ጻዕርታት ሰብኣዊ ረድኤት ንምቅላል እገዳታት ኣሜሪካ ብኸፊል ከም ዝፈዅሱ ተገይሩ።
ሰብ መዚ ቤት ግምጃ ኣሜሪካ ዘውጽእዎ መምርሒ፡ “ብዘይፍላጥ” ዝዀነ መግቢ ወይ መድሃኒት ኣብ ኢድ ኣልሸባብ እንተኣትዩ፡ “ግዳይ” እቲ መምርሒ እገዳታት ኣይከውንን ይብል።
ብተወሳኺ፡ እቶም ትካላት ረድኤት ዘጋጠሙዎም ሰባት፡ እቶም ሚሊሻታት ምዃኖም ከይተገንዘቡ፡ “ብዘይፍላጥ” ገንዘብ ከፊሎም እንተዀይኖም’ውን እቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ከም ዘይውዕል ይጠቅስ።
እቶም ትካላት፡ ንኣልሸባብ “ግብሪ” ምኽፋል ክልኩል’ዩ ይብሉ። እቲ መምርሒ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ጠለባት ዝቐርበሎም እንተዀይኑ፡ ንሰብመዚ እገዳታት “ከማኽሩ” ኣለዎም ይብል።
ንኣልሸባብ፡ “ማተርያላዊ ሓገዝ” ምግባር ግን ፍጹም ዝተኸልከለ’ዩ።
ይዅን’ምበር፡ እዞም ሕጋጋት ኣብ ልዕሊ ገለ ትካላት ረድኤት ሓያል ጸቕጢ የሕድሩ ኣለው። ሕጋጋት ብምጥሓስ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ዶላርን 20 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርትን መቕጻዕቲ ከኸትል ይኽእል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ትካል ሰብኣዊ ረድኤት ኣሜሪካ [ዩኤስኤይድ]፡ ዝለዓለ ሓገዝ ሶማልያ ዝሽፍን ኰይኑ፡ ኣሜሪካ ካብ 2011 ኣትሒዛ፡ እቶም እገዳታት ኣብ ልዕሊ ንጥፈታት ሰብኣዊ ረድኤት ሽግራት ከይፈጥሩ ንምርግጋጽ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክትሰርሕ ጸኒሓ እያ ይብል።
እንተዀነ፡ እዚ ነቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰብ መዚ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣይሓገዞምን።
ኣክንድኡ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ሓደገኛ ግን ክኣ ኣገዳሲ ስርሖም ንኽውግኑ፡ ብሓፈሻ እቶም ሕግታት ክፈዅሱ ይሓቱ።
እቲ ሓደ፡ እቶም ሕጋጋት “ምፍኳሶም ዝያዳ ናብ ብዙሓት ቦታታት ንኽንበጽሕ ዕድል ይህበናን እዋናዊ ይኸውንን” ኢሉ።
እቲ ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብወገኑ፡ ህይወት ኣሽሓት ኣብ ሓደጋ’ዩ ዘሎ ይብል።
ኵሎም እቶም ብኣሜሪካ ዝሕገዙ ትካላት ረድኤት ግን እቶም እገዳታት ንስርሖም ማሕለኻ ኰይኖምና ኣይብሉን።
ምኽትል ዳይረክተር ህጻናት ኣድሕን [Save the Children] ሶማልያ ቢnያም ገብሩ፡ ዩኤስኤይድ ናብቶም ኣዝዮም ኣጸገምቲ ዝዀኑ ቦታታት ምብጻሕ ንክኽእሉ ሓገዛት ከም ዝገበረሎም ይዛረብ።
እቶም ምስቶም ዕጡቓት ዝግበሩ ዝርርባት ክኣ ብናይቲ ከባቢ መሓዙት ዝውገኑ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሰይቭ ዘችልድረን፡ ረድኤት ኣብ ዘግብኦ ኢድ ከይወድቕ ኣብ ምክልኻል ጥንቃቐ ከም ዝገብር ዝገልጽ ቢንያም፡ ኣገልግሎት ኣብ ዝህበሉ ግዜ ብዙሓት ቅድመ ጥንቃቐን ምቍጽጻርን ከም ዝገብር ሓቢሩ።
እቶም ሕጋጋት፡ ዋላ’ውን “ቀየድቲ” እንተዀኑ፡ ትካሎም ናብቶም ኣልሸባብ ዘመሓድሮም ሕብረተሰብ ይበጽሕ ምህላው’ዩ ዝገልጽ። እቲ ዓቢይ ጸገም ትካል ህጻናት ኣድሕን ግን፡ ፋይናንሳዊ ቀረብ እዩ።
ኣብ ሶማልያ ሓላፊ ኮሚሽን ስደት ሕቡራት ሃገራት ፍራንዝ ሴለስቲን፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ፡ ነቲ ዘሎ ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲልካ ረድኤት ናብ ኣጸገምቲ ቦታታት ክኣቱ ከም ዝደልዩ ገሊጹ።
እንተዀነ፡ እቶም ትካላት “ግብሪ” እንከይከፈሉ ናብቶም ብኣልሸባብ ዝመሓደሩ ከባቢታት ንምእታው ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ኣልሸባብን ብደረጃ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝግበሩ ዝርርባት ኣገደስቲ’ዮም ይብል።
ኣብ መጀመርታ መስከረም፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት እቲ ትካል ማርቲን ግሪፍስ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ዝርርባት ኣይተኻየዱን ብምባል ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SOPA IMAGES
ኣልሻባብ እቲ ንሓገዝ ዝመጽአ ገንዘብ እንተተቐቢሉኸ?
ምሁር ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስን ሓደ ካብ ጸሓፍቲ እቲ ብ2011 ዘጋጠመ ደርቅን ዝዀነ ኒሳር ማጂድ፡ ኣልሸባብ ንመብዛሕትኡ ክፋል ሶማልያ ዘመሓድር ሓይሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ኣልሸባብ ንህዝብን ትካላት ንግድን ግብሪ ብምኽፋል፡ ካብ መንግስቲ ንላዕሊ “ዝያዳ ውጽኢታዊ” ከም ዝዀነን ኣዝዩ ከቢድ ስርዓተ ፍትሒ ከም ዘለዎን ሓቢሩ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ምስ ኣልሸባብ ርክባት ከይፈጥሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ “ኣሸበርቲ ሓጊዞም” ብዝብል ኣብ ሜድያ ከይቃልዑ እሞ ስሞም ንኸይበላሾ ንምዕቃብ ጸቕጥታት ክበጽሖም ጸኒሑ’ዩ።
ግን ክኣ፡ ኣልሸባብ ካብ ናይ ረድኤት ገንዘብ ብዙሕ ጥቕሚ ይረክብ ድዩ ዝብል ግልጺ ኣይኰነን ይብል ፕሮፌሰር ጂኦግራፊ ዩኒቨርሲቲ ሚኒሶታን ሓጋጊ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሶማልያን ዓብዲ ኢስማል ሳማታር።
ብ2013 ዝወጽአ ጸብጻብ ጕጅለ ሰብኣዊ ፖሊሲ፡ ካብ ትካላት ረድኤት ዝርከብ ገንዘብ ኣልሸባብ፡ “ኣብ ዶባት ዘለዎ ስርዓተ ግብሪ ዝሽፍን ሒደት” ገንዘብ እዩ፤ እቲ ጕጅለ “ብርክት ዝበሉ ካልኦት ኣታዊ ዝረኽበሎም ስርዓታት” ኣለውዎ ይብል።
ይዅን’ምበር፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት ዝቕበሎ ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላራት ተወሳኺ ኣታዊ ይኸውን እዩ።
ኣሜሪካ፡ ሕግታታ፡ “ኣሸበርቲ” ገንዘብ ንኸይረኽቡ ዝገብር እዩ ትብል።
መንግስቲ ሶማልያ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት “ኲናት” ክእውጅ እንከሎ፡ ምንጪታት ኣታዊ እቲ ጕጅለ ምዕጻው ክስዓር ይገብሮ’ዩ ይብል።
ፕሮፌሰር ሳማታር ግን፡ እቶም ንትካላት ረድኤት ዘዐንቅፉ ዘለውን፣ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ገንዘብ ንምልኣኽ ዝጥቀሙሎም ኣገልግሎታትን ሕጋጋት ከም ዝፈኵስ ብምግባር፡ ነቶም ዝጠመዩ ሶማላውያን ለውጢ ከምጽእ ይኽእል’ዩ ኢሉ።
ኣብታ ሃገር፡ ሓምሻይ ወቕቲ ዝናብ ክፈሽል’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉን ዋጋታት መግቢ ኣብ ዝንህረሉ ዘሎን፡ ቍጽሪ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ክውስኽ እዩ።
“ሰባት ካብ ኣልሸባብ ሓራ ቅድሚ ምውጽኦም ካብ ምጥፋእ ከነድሕኖም ይግባእ። ኣሸበርቲ ምውጋእ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሮጀክት’ዩ፤ ዝጠምዩ ዘለው ሰባት ምድሓን ግን ግዜ ዝወሃቦ ኣይኰነን” ክብል ፕሮፌሰር ሳማታር ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







