ዘመትቲ ከብቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም ብውሕዱ 11 ሰባት ተቀቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝዋሰን ሰሜናዊ ክፋል ኬንያ ብዘጋጠመ ድብያ ዘመትቲ ከብቲ ብውሕዱ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ሸሞንተ መኮንናት፣ ክልተ ሲቪላትን ሓደ ሓላፊ እቲ ከባቢን ካብቶም ግዳያት ናይቲ ብቐዳም ኣብ ግዝኣት ቱርካና ዝተፈጸመ ዓመጽ ከም ዝዀኑ ይግለጽ።
ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፖሊስ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብምእታው ጥሪት ዝሰረቑ ሸፋቱ ይሃድኑ ምንባሮም ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ጥሪትን ማይን ዝፍጠር ግጭት ልሙድ ኰይኑ፡ ዝኸፍአ ኩነታት ኣየር (ክሊማ) እውን የጋጥሞ ኣሎ።
ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ብዝተርኣየ ከቢድ ደርቂ ኣዝዮም ካብ ዝተሃስዩ ከባቢታት ሓደ እዩ።
እቲ ንራብዓይ ወቕቲ ዝፈሸለ ዝናብ፡ ጥሪት ብብዝሒ ክሞታን ዘራእቲ ከይቦቁልን ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ሰባት ብስእነት መግብን ማይን ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ 20 ሚልዮን ዝበጽሑ ሰባት ኣብ ሓደጋ ከቢድ ጥምየት ከም ዝርከቡ የመልክት።
ፖሊስ ኬንያ፡ "ገበነኛን ፈራሕን ድብያ" ኣብ ልዕሊ "ንጹሃት ኣባላት ማሕበረሰብን ፖሊስን" ክብል ነቲ መጥቃዕቲ ገሊጽዎ።
ናብታ ኣብ ምብራቕ ቱርካና እትርከብ ቁሸት ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ዝተልኣኹ ኰይኖም ጸጥታ ካብ ምውሓስ ብተወሳኺ ተሓተትቲ እቲ ፍጻመ ዝበልዎም ኣባላት ዓሌት ፖኮት ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ክሰርሑ እዮም።
እዚ ድሕሪ’ቲ ጥርጡራት ምልሻ ዓሌት ፖኮት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ግዝኣት ወራር ብምክያድ ብውሕዱ 7 ሰባት ብሓዊ ኣቃፂሎም ዝቐተሉሉ ፍጻመ ዘጋጠመ ኰይኑ’ሎ።
ኣመሓዳሪ ቱርካና ጀረሚያ ሎሞሩካይ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ "ብሞት ኣባላት ስድራቤቶም ምሕዛን ሰልቺዩዎም" ኢሉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



