'ከይዝ' ዘረስዕ ነዊሕን መሪርን ናብራ መዓስከር ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መረዳእታ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት (ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር) ከምዘመልክቶ፡ ክሳብ ወርሒ ለካቲት 2021 (ኣ.ኣ) ኣብ መዕቈቢ ስደተኛታት ደዳብ፡ 224 ሽሕ ከምኡ ድማ ኣብ ካኩማ 206 ሽሕን 458 ስደተኛታት ከምዝነብሩ ተመዝጊቡ'ሎ።
ብሓፈሻ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኬንያ ምስ ዝነብሩ ክድመር እንከሎ፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብታ ሃገር ኣለዉ።
እቶም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፡ ብሩንዲ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ዝመጽኡ እዮም።
ካብቶም ስደተኛታት፡ ልዕሊ ፍርቂ ሶማላውያን ኮይኖም፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድማ ልዕሊ 29 ሽሕ ከምዝበጽሑ መረዳእታ እቲ ትካል የመልክት።
ኣብ ኬንያ ግዝኣት ቱርካና ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ዝነብሩ፡ ኣቶ ጀማል ኣደምን ኣቶ ኣልዩ ዑስማንን በብእዋኑ ብዙሓት ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ከምዝኣትው ይዛረቡ።
ክልተኦም ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወጽኡ 20 ዓመታት ክመልኦም ቀሪቡ'ሎ።
"ብቝልዕነተይ ናብ ካኩማ ኣትየ፡ ሎሚ ኣቦ ሽድሽተ ቈልዑ ኮይነ'ለኹ" ይብል ካብ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ደደር ዝተሰደደ ኣይተ ጀማል።
ካብታ ከተማ ብ1997 [ግእዝ] ናይ ሻምናይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ኬንያ ዝተሰደ ጀማል፡ ናብ ካኩማ ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ከም ዝኣተወ ይዝክር።
ካብ ሃገሩ ዝወጽኣሉ ምኽንያት ከረድእ ከሎ፡ "ናዕቢ ኣለዓዒልካ" ብዝብል ብዕጡቓት መንግስቲ ምክልባት ምስወረዶ፡ ካብኡ ንምህዳም ናብ ኬንያ ከም ዝተሰደ ይዛረብ።
ብ1995 [ግእዝ] ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽአ ኣቶ ኣልዩ ዑስማን ብወገኑ፡ ንዓመታት ኣብቲ መዓስከር ብምጽንሑ፡ ኣብቲ ትካል ስደተኛታት፡ ጉዳዩ 'ከይዝ' እንታይ ኢሉ ከምዘመዝገበ ከምዝረስዖ ይገልፅ።
ን17 ዓመታት ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ቤተሰቡ ክራከብ ብዘይምኽኣሉ ድማ የጉህዮ።
"ንነዊሕ ዓመታት ብዛዕባ ሃለዋትን ኵነታትን ቤተሰበይ ኣይፈልጥን። ኣብ ቀረባ እዋን ግን ሰባት ብዛዕባ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ሓበሬታ ስለዝጥቅዑ፡ ምስኦም ተጸሓሒፈ ብዛዕባ ቤተሰበይ ገለ ነገራት ክሰምዕ ጀሚረ፡" ክብል ሎሚ'ውን ጉዳይ ቤተሰቡ ከም ዘሻቕሎ ይዛረብ።
"ኣነ፡ ብመጠኑ ኣብዚ እዋን ደሃይ ቤተሰበይ እረክብ ኣለኹ። ካልኦት ፈጺሞም ምስ ቤተሰቦም ዘይራኸቡ ኣለዉ። ኣነ ኣቦ ቈልዑ ኮይነ ኣብዚ ተሪፈ ኣለኹ፡" ክብል ወሲኹ የረድእ።

ምንጪ ስእሊ, TONY KARUMBA
ስደተኛ ኰይኑ ካብ ዝምዝገብ ልዕሊ 15 ዓመታት ከምዝኾነ ዝዛረብ ኣቶ ጀማል፡ ክሳብ ሎሚ ዝኾነ ነገር ከም ዘይረኸበ ይገልጽ።
"ዝተመዝገብኩሉ ጉዳይ ['ከይዝ'] እውን ረሲዐዮ ኣለኹ። ሎሚ ንሱ ገዲፈ ናይ ውልቀ ስራሕ ጀሚረ'ለኹ። ናብራይ ንምምራሕ ንግዲ ጀሚረ። ብፃዕረይ ደቀይ የዕብዮምን የምህሮምን ኣለኹ" ይብል።
ብተመሳሳሊ ኵነታት ዝተመዝገበሉ ጉዳይ ['ከይዝ'] ከምዝረስዖ ዝዛረብ ኣቶ ኣልዩ ብወገኑ፡ "መንግስቲ ኬንያ ነዚ መዓስከር ክዓጽዎ ምዃኑ ይገልጽ'ዩ። ንሕና ካብ ፈጣሪ ወጻእ ካልእ ነገር የብልናን። ንጉዳይና ዝሓዙ ኣካላት'ውን ካባና ርሒቘም'ዮም" ክብል ኣብ ስምዒት ሓዘን ኰይኑ ንዝርከቡሉ ኵነታት የረድእ።
ኣቶ ጀማል ኣብ ጕዕዞ ስደቱ ዝወለዶም ሰለስተ ደቁ፡ ሓምሻይን ሻድሻይን ክፍሊ በጺሖም፣ "ብዝኸኣልክዎ ዓቕሚ፡ ደቀይ፡ እቲ ኣነ ዝበጽሓኒ ዕጫ ህይወት ክበጽሖም ኣይደልን። ነዚ ድማ እየ ዝጓየ ዘለኹ፡" ይብል።
ናብ ኬንያ ክመፅእ እንከሎ ጥራሕ ኢዱ ብምንባሩ፡ ትምህርቱ ክቕጽል ከምዘይከኣለ ዝዝክር ኣቶ ጀማል፡ "ኣነ ዝሰኣንክዎ ዕድል፡ ደቀይ ከም ዝመሃሩ ብምግባር ከካሓሕሶ ኣለኒ፡" ብዝብል ደቁ ክመሃሩ ኣብ ምግባር ከምዘተኮረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ መዓስከር 20ን 30ን ዓመታት ዝመልኦም ስደተኛታት ከምዘለዉ፡ ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ይዛረቡ።
ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንሳገር ኢና ዝብል ተስፋ'ኳ እንተሃለዎም፡ ኣብኡ ቤተሰብ መስሪቶም ናብራ ቀጺሎም ኣለዉ።
'ገንዘብ የብለይን፡ ዓቕሚ ስራሕ ግን ኣለኒ'
ኣቶ ጀማል ናብ መዓስከር ስደተኛታት ካኩማ ክኣቱ እንከሎ፡ ዝሕግዞ ዝኾነ ይዅን ኣካል ኣብ ጐድኑ ከምዘይነበረ ይዝክር።
"ብዝኸኣልክዎ ዓቕሚ ጽዒረ ክመሃር ወይ ክሰርሕ ኣለኒ ኢለ ወሲነ። ካብ ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር ብዝረኽበን ሓገዝ ጥራይ ትምህርቲ እንተጀሚረ፡ ካብ ሰብ ተፀባዪ ኮይነ ክተርፍ እየ። በዚ ኵነታት ከኣ ኣብ ትምህርቲ ክዕወት ኣይክእልን ብዝብል ስራሕ ጀሚረ፡" ይብል።
ኣብቲ እዋን ግን ስራሕ ንምጅማር ዘኽእል ገንዘብ ዘይኮነስ ዓቕሚ ከምዝነበሮ ዝዛረብ ኣቶ ጀማል፡ ኣብቲ መዓስከር ስደተኛታት ዝርከብ ሆቴል፡ ወርሓዊ 50 ሽሊን እናተኸፈሎ ክሰርሕ ጀሚሩ።
"ሽዑ ከዋህልል ጀሚረ። ኣብ ሆቴል እናሰራሕኩ ደሞዘይ ሽድሽተ ሽሕ ሽሊን በጺሑ። እናዋህለልኩ ገንዘብ ምስ ሓዝኩ ድማ፡ ናይ ባዕለይ ስራሕ ጀሚረ፡" ክብል ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ናይ ንግዲ ስራሕ ከምዝኣተወ የረድእ።
"ሎሚ ድኳን ኣለኒ፣ ቤት ምግቢ ኣለኒ። ንኻልኦት ሰባት እውን ኣብ ምሕጋዝ እርከብ። ዝዀነ ነገር ዘይብሎም ሰባት ኣብዚ ምሳይ እናሰርሑ ምሳይ ይነብሩ ኣለዉ። ኣብዚ እዋን ምስሳይ እናሰርሑ ዝነብሩ ሽድሽተ ስደተኛታት ኣለዉ፡" ይብል።
'ምፍርራሕ መንግስቲ ንትካለይ የሰናኽሎ'
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀንዲ መዓስከራት ስደተኛታት ኬንያ ንዓመታት ኣብ ከቢድ ኵነታት ክነብሩ ጸኒሖም እዮም። መንግስቲ ኬንያ ንመዓስከራት ስደተኛታት ካኩማን ዳዳብን ከምዝዓጹ ምስ ኣፍለጠ፡ ህይወቶም ናብ ዘይምርግጋእ ከም ዝኣተወን ስነልቦናኦም ከምዝተጐድአን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ቅድም ክብል ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም። ዳዳብን ካኩማን፡ ዝሓሸ ውሕስነት ንምርካብ ብዝብል ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝነብሩሉ መዓስከራት ስደተኛታት'ዩ። መንግስቲ ኬንያ እዞም መዕቈቢታት ጠንቂ ስግኣት ሃገራዊ ድሕንነት ስለዝኾኑ ብምባል ብተደጋጋሚ ከምዝዓጽዎም'ኳ እንተገለጸ፡ ብግብሪ ከይፈጸሞ ጸኒሑ'ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መጋቢት፡ መንግስቲ ኬንያ እቶም መዓስከራት ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ክዕጸዉ ሓቲቱ እንተነበረ'ውን ዝተወስደ ስጕምቲ ግን የለን። "መንግስቲ እቶም መዓስከራት ክዕጸዉ ኣለዎም ክብል ከሎ፡ ኣዝየ እስምብድ" ዝብል ኣቶ ጀማል፡ "ሞራለይ ተተንኪፉ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል ኣቝሑ ካብ ወጻኢ ምእታው ኣቋሪጸ። ከመይሲ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝኸውን ስለ ዘይንፈልጥ። ንዓይ ዓቢይ ብድሆ እዩ ኰይኑኒ” ክብል ስግኣቱ ሎሚ'ውን ከምዘሎ የረድእ። ወሲኹ፡ "መብዛሕትና ኣብ ንግዲ ዝነበርና ክንዓቢ ንኽእለሉ ብዙሕ ዕድላት ነይሩና። ውሳነ መንግስቲ ምስ ሰማዕና ግን ንድሕሪት ተመሊስና፡" ክብል ሓሳቡ ይገልጽ። ኣቶ ኣልዩ፡ እዚ ውሳነ መንግስቲ ኬንያ፡ ናብራኦም ተረጋጊኦም ከይመርሑ ከምዝገበረ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ትጽቢት ይፈጥረሎም
ኬንያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ንዝካየድ ምርጫ ኣብ ምድላው ትርከብ። ዝተፈላለዩ ሕጹያት ናይቲ ምርጫ ጐስጓስ ንምክያድ ናብ ካኩማ እንተመጽኡ'ኳ፡ ጉዳይ ስደተኛታት ግን ዛዕባ ኮይኑ ክለዓል ከምዘይሰምዑ ኣቶ ኣልዩን ኣቶ ጀማልን ይዛረቡ።
ኣቶ ኣልዩ ካብዚ ምርጫ እንታይ ከምዝፅበ ክገልጽ እንከሎ፡ "መንግስቲ ኬንያ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት እንተዘየመሓይሹ ኵነታትና ኣዝዩ ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ክበጽሕ እዩ" ይብል። “ኵነታት እንተዘይተመሓይሹን ሃገርና ሰላም እንተዀይናን ሓደ ለይቲ ኣይንሓድርን ኢና። ሕጂ ግን ሃገርና ኣብ ከቢድ ኵነታት እያ ዘላ። ዕድል እንተረኺብና ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክንከይድ ኢና። ኣብዚ ኣሪግና ተስፋ ቀቢጽና'ለና” ክብል ወሲኹ ገሊጹ። ኣቶ ጀማል ብወገኑ “ጐስጓስ መረጻ ዘካይዱ ሰባት ናብዚ ክመጹ ከለዉ፡ ጉዳይና ኣየልዕሉን እዮም። መንግስቲ'ውን እቶም መዓስከራት ናይ ምዕጻው መርገጺኡ ቀይሩን ኣይቀየረን ንጹር ኣይኰነን ዘሎ። እቲ ውሳነ ዓመት'ኳ እንተመልኦ፡ እንታይ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣይንፈልጥን ኢና” ይብል። ናይ ምድማጽ መሰል'ኳ እንተዘሃለዎም፡ እቲ ዝመጽእ ሓድሽ ምምሕዳር ነዚ መርገጺ ክቕይሮ ይኸውን'ዩ ብዝብል ተስፋ ይገብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







