ማክዳ፡ ብጥንታውያን ንግስቲታት ዝተጸለወ ኣልበም ሙዚቃ ኢትዮ-ኢጣልያዊት

ጋብርኤላ ገርማንዲ

ምንጪ ስእሊ, Mario Di Bari

ገብርኤላ ገርማንዲ ብመንግስታት ወጻኢ ይምወል ዝነበረ ‘የኛ’ ዝተበሃለ ጕጅለ ሙዚቃ፡ ተረኽ ኢትዮጵያውያን ደቂኣንስትዮ ንምቕያር ከም ዝሰርሕ ምስ ሰምዐት፡ “እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል” ብምባል ንርእሳ ሓቲታ ነይራ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ እዋን ስሙይ ዝነበረ ‘የኛ’ ዝተበሃለ ጕጅለ ሙዚቃ ደቂኣንስትዮ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።

“ናይ ኢትዮጵያ ስፓይስ ገርልስ’ ዝብል ሳጓ ዝተወሃቦ እዚ ጕጅለ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝለዓለ ሓገዝ ገንዘብ ይረክብ ስለ ዝነበረ፡ ገለ ሰባት 'ገንዘብ ከፈልቲ ግብሪ ይባኽን ኣሎ' ዝብል ቅሬታ ነይርዎም።

ኣብ ኣእምሮ ገብርኤላ ግን፡ ንኢትዮጵያውያን ካብ ወጻኢ ብዝመጽኡ ሰባት ኣቢልካ ንምንቃሕ ዝግበር ጻዕሪ ቅኑዕ ድዩ? ዝብል ሕቶ ይመላለስ ነይሩ።

ገብርኤላ፡ ‘ናይ ኢትዮጵያ ስፓይስ ገርልስ’ ኣብ ብሪጣንያ ፍሉጥ ምዃኑ ምስ ሰምዐት፡ “እንታይ? ንደቂኣንስትዮ ብኸመይ ክንሕይል ከም ዘለና ንዓና ከምህሩ? እሞ ድማ እዘን ኵለን ሰብ-ቅያ ደቂኣንስትዮ እናሃለዋና?” ብምባል እያ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበራ ቃለ-መሕትት ቅሬታኣ ገሊጻ።

ትውልዲ ኢትዮጵያዊት ኢጣልያዊት ገብርኤላ፡ ድምጻዊትን ኣፍራይት ሙዚቃን እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ “ኣብ ታሪኽና ካብ ደቂተባዕትዮ ዘይንእስ ዓቕሚ ዘለወን ተባዓት ደቂኣንስትዮ ከም ዘለዋና ንዓለም ዘርኢ እዩ” ዝበለቶ ኣልበም ዘርጊሓ ኣላ።

ትሽዓተ ደርፍታት ዝሓዘ ኣልበም ማክዳ፡ ብስም እታ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢይ ቦታ ዝወሃባ ሳባ ዝተበሃለት ንግስቲ ዝተሰየመ እዩ።

ኣብዚ ኣልበም ዘለዉ ነብሲወከፍ ደርፍታት፡ ኣብነታውያን ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ክፋል ማሕበረሰብን ይንእድ።

ብዙሓት ነዚ ኣልበም “ኢትዮ-ጃዝ” ከም ዝብልዎ እትጠቅስ ገብርኤላ፡ ንሳ ግን ልዕሊ ኢትዮ-ጃዝ እዩ ትብል።

“መበቆሉ ሙዚቃ ኢትዮጵያ’ዩ። እንተዀነ ካልኦት ቅድታት’ውን ኣለውዎ። ቅዲ ሮክ ኣለዎ። ኣብዚ ኣልበም ኵሉ ነገር ምርካብ ይከኣል’ዩ” ትብል።

ኢትዮጵያውያንን ኢጣልያውያንን ሙዚቀኛታት ነዚ ኣልበም ንምውዳድ ኣርባዕተ ዓመት ወሲዱሎም።

ክልቲአን ሃገረይ (ኢትዮጵያን ኢጣልያን) ሓደ ክዀና ስለ ዝደሊ ኣብዚ ኣልበም ዝተሳተፉ ድምጻውያን ኣብ ምውዳድ ሙዚቃ’ውን ግደ ከምዘለዎም ትዛረብ።

ብ 1965 ካብ ኢጣልያዊ ኣቡኣን ኢትዮጵያዊት ኣደኣን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወለደት ገብርኤላ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበራ ግዜ ቍልዕነት እንክትዝክር፡ “ነፍሲወከፍ ቍሸት ብሙዚቃን ትልሂትን ዝዓመረ ነይሩ። ኣብ ደመይ ዝኣተወ ቅዲ ሙዚቃ ሻቡ ዝተላለኽዎ እመስለኒ” ትብል።

ገብሬላ ምስ ማሕበረሰብ ዶርዜ ሙዚቃ ሰሪሓ

ምንጪ ስእሊ, Gabriella Ghermandi

ቈልዓ ኰይና ምስ ዓበይቲ ኣሕዋታ ኣብ ትኸደሎም መዘናግዒ ቦታታት፡ ናይጀርያዊ ስሙይ ድምጻዊ ፌላ ኩቲ ሓዊሱ ብዙሓት ስርሖም የቕርቡ ነይሮም።

ገብርኤላ ዋላ’ኳ ስሩዕ ትምህርቲ ሙዚቃ እንተዘይተምሃረት፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወታ ካብ ትዕደመሎም መርዓታትን ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ፍቕሪ ሙዚቃ ከም ዝወደቐት ትገልጽ።

ካብዚ ብተወሳኺ ብምኽንያት ኣቦኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ምንባራ፡ ቅዲ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ንክትርድኦ ሓጊዝዋ እዩ።

ወላዲ ገብርኤላ፡ ብ 1935 ናብታ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢጣልያ ዝነበረት ኤርትራ ብምኽንያት ስራሕ ይመጽእ፤ ኣብ 1955 ድማ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ተቐይሩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ምስ ኣደ ገብርኤላ ተላልዩ።

ኣብ ስርሓት ህንጻ ዝነጥፍን ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝንቀሳቐስን ወላዲኣ፡ ገብርኤላ ኣብ እዋን ቍልዕነታ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ንኽትዛወር ኣኽኢልዋ እዩ።

ኣቦኣ ገርማንዲ፡ ወተሃደራዊ ምልካዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ንኢትዮጵያ ኣብ ዝመርሐሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ 1978 ዓሪፉ። ኣብ 1980ታት ጐርዞ እንከላ ናብ ኢጣልያ ተሰዲዳ።

ይዅን’ምበር ኣብ እዋን ቍልዕነታ ብፍቕሪ ዝጠሓለትሉ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኵሉ ግዜ ኣብ ልባ እዩ። ማክዳ ዝተበሃለ ኣልበማ ንምስራሕ ናብ ገጠራት ኢትዮጵያ ተጓዒዛ እያ።

ጋብርኤላ ንኣልበማ ዝኸውን ስእሊ ዝጸንሐ ፎቶ ኣዝማዳ ክትጥቀም መሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Galileo MC

ፈለማ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ ዝዓበየትሉ ማሕበረሰብ ዶርዜ ከይዳ። ኣብዚ ማሕበረሰብ መራሕቲ ንዝዀና ደቂኣንስትዮ ብዘደንቕ ቃና ትዝክረን።

‘ሴት ናት’ (ጓልኣንስተይቲ’ያ) ኣብ ኣልበም ገብርኤላ ካብ ዝርከቡ ደርፍታት እዩ። ገብርኤላ በዚ ደርፋ እዚ “ንመላእ ዓለም ጓልኣንስተይቲ ምዃን ጥራሕ ልዕሊ ዝዀነ ነገር ምዃኑ ክዛረብ እደሊ” ትብል።

ካልእ ኣብዚ ኣልበም ካብ መንጐ ዝተኻተቱ ደርፍታት ድማ ‘ኮትሊዳ’ ዝበሃል ሙዚቃ ኩናማ እዩ። ኣብዚ ደርፊ ህዝቢ ኩናማ ዝጥቀመሉ ኣባንጋላ ዝበሃል መሳርሒ ሙዚቃ ተጠቒማ።

“ባህላዊ መሳርሒ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምፍላጥ ዝግበር ጻዕሪ ትሑት ስለዝዀነ፡ ባህላዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ኢትዮጵያ ምስ ዘበናዊ መሳርሕታት ሙዚቃ ኣዋሂደ ምስራሕ እደሊ” ትብል።

ሳባ ዝብል ደርፋ ድማ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ስማ ብስፍሓት ትለዓል ንግስተ-ሳባ፡ ምስ ንጉስ ሰለሞን ንምርካብ ብግመል ዝገበረቶ ጕዕዞ ዘዘንቱ’ዩ።

ሕብሪ ሙዚቃ ጭራ ዋጣ ምስ ኣይሁዳዊ ቅዲ ሙዚቃ ተወሃሂዱ’ዩ።

“ኣብ ደርፍታተይ ሓሳብ ምጓዓዝን ኣብ ጕዕዞና ዘጋጥሙና ነገራትን ኣለዉ። ብሙዚቃ ናይ ምውሃድ ሓሳብ” ትብል ገብርኤላ።