ሜላንያ ትራምፕ፡ ንሃንተር ባይደን ብሓደ ቢልዮን ዶላር ክትከሶ ምዃና ኣፈራሪሓ

ሜላንያ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ፡ ሃንተር ባይደን ምስ ብዓልቤታ ዘላለያ ውልቀሰብ ብጾታዊ ዓመጽ ገበነኛ ዝተባህለ ጀፍሪ ኤፕስተይን እዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ብልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክትከሶ ምዃና ኣፈራሪሓ።

ጠበቓታት እታ ኣብ 2005 ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተመርዓወት ሜላንያ፡ ነቲ ክሲ "ሓሶት፡ ዘነኣእስ፡ ጸለመን ዘቘጥዕን፡" ክብሉ ገሊጾሞ።

ወዲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ኤፕስተይን ዝነበሮ ሕሉፍ ርክብ ብትሪ ነቒፉ።

ዶናልድ ትራምፕ ዓርኪ ኤፕስተይን'ኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ብዓል ሃብቲ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ክለብ ጎልፍ ትራምፕ ኣብ ዘሎ ስፓ ንዝሰርሓ ሰራሕተኛታት ስለ ዝተናኸፈ፡ ኣብ መጀመርታታት 2000 ከም ዝተፈላለዩ ገሊጹ።

ካብ ጠበቓታት ቀዳመይቲ እመቤት ዝተጻሕፈን ናብ ጠበቓ ሃንተር ባይደን ዝተላእኸን ደብዳበ፡ ነቲ ክሲ ስሒቡ ይቕረታ ክሓትት፡ ወይ ድማ "ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ" ክኸፍል ሕጋዊ ስጕምቲ ክወስደሉ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብ ኒውዮርክ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤፕስተይን፡ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ኣብታ ከተማ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ዳልተን ሕሳብን ፊዚክስን ይምህር ነይሩ።

ንሱ ዋላ እኳ ካብ ዩኒቨርሲቲ እንተ ዘይተመረቐ፡ ባዕሉ ፊዚክስን ሕሳብን ተማሂሩ። ኣብ 1982 ናይ ጄ ኤፕስተይን ኤንድ ኮ ዝተባህለ ትካል መስሪቱ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2002 ብዛዕባ ኤፕስተይን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ንጀፍ ን15 ዓመታት እየ ዝፈልጦ። ምስኡ ምዃን ብዙሕ'ዩ ዘዛኒ፤ ከማይ፡ ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝፈቱ ይንገር፣ መብዛሕትአን ክኣ ንኣሽቱ'የን፡" ክብል ተረሪቡ'ዩ።

"ብዘይጥርጥር፡ ጀፍሪ ማሕበራዊ ህይወቱ የስተማቕሮ እዩ።"

ድሒሩ ኣብ ልዕሊ ኤፕስተይን ዝቐረቡ ክስታት፡ ትሕቲ ዕድመ ቈልዑ ዝርከብአን ሓዊሱ ጾታዊ መጥቃዕቲ ክበጽሐን ከም ዝገበረ ይገልጹ።

እተን ግዳያት ትሕቲ 18 ዓመት ምዃነን ይፈልጥ ከም ዝነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሙ ዕርቃነን ሕስዮ - ማሳጅ - ክገብራ ከም ዝዕድመን ይገልጽ።

እቲ ተኸሳሲ፡ "ንገለ ካብ ግዳያቱ'ውን ገንዘብ ከፊሉ ተወሳኺ ኣዋልድ ብተመሳሳሊ ግህሰት ክበጽሐን ከም ዝመልመለ'ዩ፡" ሰነዳት ክሱ ክገልጹ ጸኒሖም።

ኣብ ሓምለ 2019፡ ምስ ተኣስረ ግን ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ነሓሰ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነብሰ-ቕትለት ፈጺሙ።

ደብዳበ ሜላንያ እንታይ ይብል?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ ቀዳመይቲ እመቤት ብሰንኪ እቲ ሃንተር ደጋጊሙ ዝተዛረቦ፡ "ዓቢይ ገንዘባውን ናይ ዝናን ጕድኣት፡" ከም ዘጋጠማ ትገልጽ።

ብተወሳኺ ወዲ ባይደን፡ "ብስም ካልኦት ሰባት ናይ ምንጋድ ሰፊሕ ታሪኽ" ከም ዘለዎን፡ "ኣቓልቦ ንምርካብ" ብዝብል ይደጋግሞ ኣሎን ትብል።

ሃንተር ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምስ ኣፍራዪ ፊልም ኣንድሪው ካላጋን ኣብ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመሕትት፡ ምስ ኤፕስተይን ዝተኣሳሰሩ ዘይተዘርግሑ ሰነዳት ንፕረዚደንት ትራምፕ "ኢድ ከም ዘለዎ" ከርእዩ እዮም ኢሉ።

ንሱ፡ "ኤፕስተይን ንሜላንያ ምስ ትራምፕ ኣላልዩዋ - እቲ ምትእስሳር ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን'ዩ፡" ኢሉ።

ሕጋዊ ደብዳበ እታ ቀዳመይቲ እመቤት፡ እቲ ክሲ ብኸፊል ምስ ማይክል ዎልፍ ዝተባህለ ታሪኽ ህይወት ናይቲ ፕረዚደንት ዝነቅፍ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ጋዜጠኛ ከም ዝተተሓሓዘ ይሕብር።

ዎልፍ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ማዕከን ዜና ደይሊ ቢስት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እታ ቀዳመይቲ እመቤት ምስቲ ናይ ሕጂ ብዓልቤታ ኣብ ዝተራኸበትሉ እዋን፡ ምስ ሓደ ተሓባባሪ ኤፕስተይንን ትራምፕን ሌላ ከም ዝነበራ ገሊጹ።

ድሒሩ እቲ ማዕከን ዜና ንትሕዝቶን ኣጸሓሕፋን ናይቲ ዛንታ ዝነቅፍ ደብዳበ ካብ ጠበቓ ሜላንያ ምስ በጽሖ ነቲ ዛንታ ኣልዩዎ።

ዛጊት እቶም መጻምዲ ብኤፕስተይን ከም ዝተላለዩ ዘርኢ መርትዖ የሎን።

ደብዳበ ሜላንያ፡ ክሲ ሃንተር ባይደን ኣቐዲሙ ዝተኣልየን ዝተረስዐን ጽሑፍ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ እዚ ድማ "ሓሶትን ጸለመን" ክብል ይገልጾ።

ደይሊ ቢስት፡ ካብ ሜላንያ ዝተላእከ መልእኽቲ ስዒቡ፡ "እዚ ዛንታ ምስ ተሓተመ፡ ዘ ቢስት ካብ ጠበቓ ቀዳመይቲ እመቤት ሜላንያ ትራምፕ ንኣርእስቲን ኣጸሓሕፋን ናይቲ ጽሑፍ ዝነቅፍ ደብዳበ በጺሕዎ። ነዚ ጉዳይ ድሕሪ ምግምጋም ድማ ነቲ ጽሑፍ ኣልዩዎ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ዝተፈጥረ ዝዀነ ምድንጋር ወይ ዘይምርድዳእ እንተ'ልዩ ይቕረታ ንሓትት፡" ኢሉ ነይሩ።

ብ2016 ኣብ መጽሔት ፋሽን ደቀንስትዮ ሃርፐርስ ባዛር ዝወጽአ ጽሑፍ ከም ዝሕብሮ፡ ሜላንያ ምስ ብዓልቤታ ኣብ ሕዳር 1998፡ ኣብቲ ብመስራቲ ትካል ሞዴሊንግ ጄፍሪ ዝተዳለወ ድግስ ከም ዝተራኸበት ይሕብር።

ጓል 55 ዓመት ሜላንያ፡ ሽዑ "ምስ ሰብ" ስለ ዝነበረ ቍጽሪ ተለፎና ከም ዘይሃበቶ ተዛሪባ ነይራ።

ትራምፕ፡ ኣብ 1999 ምስ ካልአይቲ ብዓልቲቤቱ ማርላ ሜፕልስ ከም ዝተፈላለየ እቲ ጽሑፍ ይሕብር።

ቅድሚኡ፡ ካብ 1977 ክሳብ 1990 ምስ ኢቫና ትራምፕ ተመርዕዩ ከም ዝነበረ ይጠቅስ።

ቢቢሲ ንጠበቓ ሃንተር ባይደን ክረክብ ፈቲኑ'ዩ።

ዋይት ሃውስ እቶም ኣብ ዙርያ ኤፕስተይን ዝተትሓዙ ሰነዳት ክዝርግሕ ጸቕጢ ይበጽሖ እዩ ዘሎ።

ትራምፕ ዳግማይ ቅድሚ ምምራጹ፡ ናብ ስልጣኑ እንተ ተመሊሱ ነቲ መዛግብቲ ክዝርግሖ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ኤፍቢኣይን ክፍሊ ፍትሕን ግን ኣብ ሓምለ፡ ዝዀነ ንመሻርኽቲ ኤፕስተይን ዝነበሩ ሰባት ዝቐርብ ዝጠቅስ ዝርዝር "ገበን" የሎን ኢሎም።