'ሕማቕ ክነሳ ከም ጽብቕቲ' - ስለምንታይ ኢና ሕማቕ ፊልምታት ንፈቱ?

ምሉእ እታ ፊልም፡ ስክሪን ኮምፒተር ኣይስ ኪዩብ ወይ ድማ ኣብ ካሜራ ዝርአ ገጹ ጥራይ እያ እተርኢ

ምንጪ ስእሊ, Universal Pictures/Prime Video

መግለጺ ስእሊ, ምሉእ እታ ፊልም፡ ስክሪን ኮምፒተር ኣይስ ኪዩብ ወይ ድማ ኣብ ካሜራ ዝርአ ገጹ ጥራይ እያ እተርኢ

ሓዳሽ ፊልም 'War of the Worlds' ርኢኹምዋ'ዶ ኣለኹም? ሃየስቲ ፊልም ኣብ ዝህብዎ ዘለው ርእይቶ፤ ብዙሕ ከምዘይፈተዉዋ እዮም ዘመልክቱ ዘለዉ።

እዛ ፊልም፡ ኣመሪካዊ ራፐር ኣይስ ኪዩብ ከም ሓደ ሰብ ካብ ገዛኡ ከይወጽአ ንደቂ ሰባት ካብ ወራር ባዕዳውያን [ኤልየን] ከድሕን ዝቃለስ ሰብ ኰይኑ ክወሳእ እንከሎ እያ እተርኢ። ሃየስቲ ግን ኣመና ሕማቕ ፊልም ምዃና እዮም ዝሕብሩ።

ግን ክሳብ ክንደይ ሕማቕ? "ክሳብ ሕጂ ካብተን ዝኸፍኣ ፊልምታት ናይዚ ዓሰርተ ዓመት" ድያ? ወይስ እታ ፊልም ብሓቂ "ሓንቲ ካብተን ዝኸፍኣ ፊልምታት?"

ኣብዚ ሰሙን እዚ ርእይቶታት ክወሃብ ምስ ጀመረ፡ ሮተን ቶማቶስ 0 ሚእታዊት ክብል ርእይቶ ሂብላ። ገሊኦም ነዚ ዝወሃብ ዘሎ ሓያሎ ነቐፌታታት ክጽንበርዎ እንከለው፡ ገለ በታ ፊልም ዝተስሓቡ ሰባት ግን ኣለው።

ተዋሳኣይ ዘ ዋይት ሎተስ ፓትሪክ ሽዋዚንገር፡ "ሕጂ ነዛ ፊልም ክርእያ ዘለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ክብል ጽሒፉ፣ ንሱ ጥራይ ግን ኣይኰነን። ካልኦት ኣመና ሕማቓት ፊልምታት፡ ሕማቓት ክንሰን ከም ጽቡቓት ብዙሕ ተረኣይነት ረኺበን ብዙሓት ሰዓብቲ ኣጥሪየን እየን።

ፈጻሚ ስራሕ ፖድካስት 'This Week in Startups' ሎን ሃሪስ፡ "ኣብ ሮተን ቶማቶስ ትሕቲ ሓሙሽተ ሚእታዊት ምርካብ፡ ብመሰረቱ ንዓይ ከምቲ 90 ሚእታዊት ምህራም'ዩ ዝስሕበኒ፡" ክብል ብምጽሓፍ እዩ ነቲ ኣብ ዙርያ ሕማቓት ፊልምታት ዝወሃብ ርእይቶታት ኣለዓዒሉዎ።

ሃሪስ፡ ሓንቲ ፊልም ትሑት ነጥቢ ወይ ገምጋም ክትረክብ እንከላ፡ ኣድማሳዊ ስምምዕ ምህላው ዘርኢ'ዩ ብምባል ፊልም 'War of the Worlds' ኣዝያ ሕማቕ እያ፤ ግን ዝያዳ ብዛዕባኣ ክፈልጥ እደሊ ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ስለምንታይ ኵሉ ሰብ ይሰማማዕ? ኢለ ተገሪመ፡" ይብል።

"ብዙሕ ፊልምታት እርኢ፣ ብዙሕ ትሕዝቶታት ይወጽእ ኣሎ፤ መብዛሕትኡ ድማ ድኹምን ቀልጢፉ ዝርሳዕን'ዩ።"

ሃሪስ፡ ንፊልም 'War of the Worlds' ርእዩዋ።

"ዕሽነት'ዩ! ኣይስ ኪዩብ ንውልቁ ኣብ ስክሪን ላፕቶፕ ንዘሎ ነገራት ግብረ-መልሲ ክህብ ምርኣይ ዘስሕቕ እዩ። ከምኡ'ውን ናይ ኣማዞን መበጻጻሕቲ ድሮን ዘጠቓልል ንኡስ ዛንታ ኣሎ፡" ኢሉ።

ኣብታ ፊልም፡ ወኪል ምክትታል መንግስቲ ኣይስ ኪዩብ፡ ነቲ ወራር ባዕዳውያን [ኤልየን] ኣብ ስክሪን ኮምፒዩተሩ ክግንፍል እናተዓዘበ፡ ንዓለምን ስድራኡን ካብ ርሑቕ ከድሕን ኣለዎ።

እዚ ድማ፡ እቲ ፊልም ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ዝተሰርሐ ምዃኑ የመላኽት። እቲ ገጸ ባህሪ ግን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ካብ ኮፍ ዝበለሉ መንበር ኣይለዓልን።

ሃሪስ፡ "ከም መብዛሕትኡ ካልኦት ፊልምታት ስሉጥን እሩምን ዘይኰነ ፊልም ምርኣይ ገለ ዝስሕብ ነገራት ኣለዎ። በዚ እቶም ስነጥበባውያን ኣብ ስራሕ ንጉዳይ ባጀቶምን ምዝንባላት ምፍራይን ንምሽፋን ዝከኣሎም ክጽዕሩ ክትዕዘብ ትኽእል፡" ኢሉ።

ኣመሪካዊ ሃያሲ ፊልም ጆርዳን ሆፍማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ፊልም 'War of the Worlds' ግን "ኣዝያ ሕማቕ ድያ?" ክብል ጽሑፉ።

"እቲ መልሲ... ፍጹም ኣይኰነትን። ብርግጽ ዕሽነት ኣለዋ፤ ግን ከኣ ዘዘናግዕ'ዩ።"

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንክለብ ሕማቕ ፊልም ብሪስቶል ዝመስረተ ቲሞን ሲንግ፡ ሕማቕ ፊልምታት ካብቶም ብቐሊሉ ዝርስዑ ፊልምታት ይምረጹ ይብል።

"እቲ ስእሊ፡ ዝዀነ ትዅረት ዘይብሉ፡ ተዋሳእቲ ካብ መቓን ፊልም ዝወጽእሉ፡ ወይ ጸጕሪ [ዊግ] ናይ ተዋሳእቲ እናወደቐ ዝርኣየለን ፊልምታት ርእየ እየ። ግን የዘናግዓ ድማ እየን፡ ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ተዋስኦ ወይ ትሕዝቶ እትርእየለን ፊልምታት ዝርስዓ ከም ዘይኰና'ዩ ዝዛረብ።

ካልኦት ብዙሓት ዝርእዩዎም ሰባት ዝረኸቡ "ዝወረደ ስራሕ" ዝተባህሉ ከም ኣብ 2003 ዝተዘርግሐት 'ዘ ሩም' ዝበላ ፊልምታት ኣለዋ።

እተን ኣዝየን ዝኸፍኣ ፊልምታት (ምናልባት)

ሮተን ቶማቶስ፡ ወትሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝርዝር ናይተን ዝኸፍኣ ፊልምታት የቐምጥ እዩ።

እተን ኣብ ኦንላይን ዝበዝሐ ርእይቶ ዝተዋህበን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ዝፈረያ ፊልምታት ውሑዳት ኣይኰናን።

ሃየስቲ፡ ባዶ ሚእታዊት (0%) ደረጃ ዝሃቡወን ሓሙሽተ ፊልምታት ክንጠቅስ፤ Ballistic: Ecks vs Sever (2002) - እዘን ናይ ኣክሽን ፊልምታት፡ ብድርሰት፡ ተዋስኦን ናይ ቅልስ ቅደም ተኸተልን ትዅረት ረኺበን።

One Missed Call (2008) ብዛዕባ ጃፓናውያን ኮተቴ ኣዕሩኽ፡ ኣብ እዋን ሞቶም ንገዛእ ርእሶም ዝለኣኽ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ትትርኽ።

ኒውዮርክ ታይምስ ብዛዕባ እዛ ፊልም ኣብ ዘስፈሮ ገምጋም፡ እዛ እተፍርሕ ፊልም፡ "ምትሕውዋስ ግህሰት ህጻናትን ስንባደ ኣባጽሕን ዘለዋ፡" ኢሉ።

ካብዚ ብዝሰገረ Left Behind (2014) - መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቴማ ዘለዋ ልዕለ ባህርያዊ ተፈጥሮን ሓደጋ ነፋሪትን ዘርኢ፡ ብጽቡቕ ዘይተኻወነ ድራማን እያ።

A Thousand Words (2012) ከምኡ'ው ን Gotti (2018) እተን ኣዝየን ሕማቓት ተባሂለን ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ፊልምታት እየን።