ዛንታ ሄዲ ላማር፡ ብሰንኪ መልክዓ ምህዞታታ ከመይን ስለምንታይን ተደብዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images)
ኣብ ዓለም "እታ ዝበለጸት መልክዐኛ" ተባሂሉ ልዕሊኣ ዝተወግዓላ ጓለንስተይቲ ዳርጋ የላን።
ፍልጥቲ ኰኾብ ኢንዳስትሪ ፊልም ሆሊውድን መሃዚትን'ያ።
ሄዲ ላማር፡ ኣብ ስክሪን ተሌቪዥን እታ ናይ መጀመርታ ተዋሳኢት፡ ሓንቲ ጥርዚ ጾታዊ ርውየት [orgasm] እተርኢ ገጸ ባህሪ ዝተላበሰት ኰይና፡ መሃዚት ናብ ሞባይል ተሌፎናት ዝመርሐ ቴክኖሎጂ እያ።
ኣብ 1930ታን 1940ታትን፡ 'ኣብ ዓለም እታ ዝጸበቐት ጓለንስተይቲ' ተባሂላ እትንኣድ ዝነበረት ሄዲ ላማር፡ ነቲ ኣብ 1966 ንሞያዊ ዓወታታ ከጕልሕ ተስፋ ዝገበረትሉ ኵነታት ዝጸየቐ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍቕራዊ ህይወት ዘዘንቱ መጽሓፍ ግን፡ ንዓመታት ከውሊ እቲ ዝዓበየ ክፋል ታሪኻ ኰይኑ ጸኒሑ።
እታ መጽሓፍ፡ ነቲ ኣዝዩ ዘደንቕ ኣበርክቶ ላማር ኣይተዛረበትሉን።
እዚ ማለት፡ ንሳ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብራድዮ ዝምራሕ ስርዓት ሚሳይል ከም ዘማዕበለት ኣይተጠቕሰን።
እቲ ዘማዕበለቶ ስርዓት ቴክኖሎጂ 'ስፕረድ-ስፔክትረም' ድማ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሞባይልን ዋይፋይን ክውዕል'ዩ ተገይሩ።

ክሳብ እትመውት 'የቐንየልና' ዘይተብሃለትሉ ምህዞ
ዓለምለኻዊ ዝና ዝተጐናጸፈት ኰኾብ ሆሊውድ ሄዲ ላማር፡ ተዋስኦ ጥራይ ዘዕግባ ኣይነበረትን።
ማዕረ ተዋስኦ፡ ፍሉይ ህንጡይነታ ንምርዋይ ኣብ ምህዞ ልምምድ ብምግባር ድቃስ ስኢና ትሓድር ነበረት።
ዓለም ኰነት ላማር እቲ ምህዞኣ ኣብ ቴክኖሎጂ ሞባይል ተሌፎን ከም ዝኣተወ ንምርዳእ ዓሰርታት ዓመታት እዩ ወሲዱላ።
ብ1996 [ኣ.ኤ]፡ ኣብ መበል 85 ዓመታ - ኣርባዕተ ዓመት ቅድሚ ምማታ - ድማ ኤሌክትሮኒክ ፍሮንቴር ፋውንዴሽን ንሄዲ ላማርን ኣመሪካዊ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ጆርጅ ኣንቴልን ሽልማት ኣበርኪቱ።
እንተዀነ፡ እዚ ነታ ኰኾብ ሆሊውድ ብሰንኪ ስርቂ ወይ ኣዕናዊ መጥባሕቲ ፕላስቲክ ወይ'ውን እቲ ድሒራ ዝነጸገቶ ብዛዕባኣ ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ስዒቡ ክብራ ዝጐደለ ሄዲ ኣዝዩ ዝደንጐየ ሽልማት ነበረ።
ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝወጽአት 'Bombshell' ዝተሰምየት ሰነዳዊት ፊልም፡ ንዅሉ ነገራት ቀሊዓቶ።
ኣብታ ፊልም ዝወዓለ ዝተቐድሐ ድምጺ ሄዲ ላማር፡ ንሳይንስ ዘለዋ ፍቕሪ፡ እትገብሮም ዝነበረት ፈተነታት ዝምልከት ክትዛረብ እንከላ ይስማዕ።
"ኣብ ሓሳባት ብዙሕ ምስራሕ ኣየድልየንን'ዩ፤ ብተፈጥሮ ስቕ ኢሎም'ዮም ዝውሕዙለይ፡" ክትብል ተዛሪባ ነይራ።
ላማር፡ መሕለፊ ተረፍ ግዝኣ ምህዞ እዩ ነይሩ።
ካልኦት ከዋኽብቲ ሆሊዉድ ግዜኦም ኣብ ድግሳት ኣብ ዘሕልፍሉ እዋን፡ ንሳ ኣብ ገዛኣ ኰይና ንመብራህቲ ትራፊክ ዝኸውን ዲዛይን ትጣበብ፣ ወይ ድማ ዝሓቅቕ ከኒና ከመይ ክፈሪ ከም ዝኽእል ትፍትን ነይራ።
እቲ ኣዝዩ ሰውራዊ ዝበሃል ሓሳባ፡ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም መሓዙት ሃገራት ንኽዕወታ ክሕግዝ ተስፋ ዝገበረትሉ ሓሳብ እዩ ነይሩ።
እቲ ዝዓበየ ሳይንሳዊ ዓወት ላማር ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ንሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተሓሰበ ኰይኑ፡ ሕጂ ግን ኣብ ዘመናዊ ገመድ ኣልቦ መራኸቢታት ንጥቀመሉ ኣለና።
እቲ "ምስጢራዊ ስርዓተ መራኸቢ" ሄዲ ላማር፡ "ፍሪኩዌንሲ ሆፒንግ" - ነቲ ተሰካሚ ዝተፈላለዩ ፍሪኩዌንሲ ቻነላት ብቕልጡፍ ብምቕያር ምልክታት ሬድዮ ዘመሓላልፍ ገመድ ኣልቦ ቴክኖሎጂ- ብሬድዮ እትቈጻጸሮም ሚሳይላት ትሕቲ ማይ ብጸላኢ ብዘይፈልጦ መገዲ ክሓልፉ ኣብ ምግባር ውዒሉ።
እዚ፡ ኣብ መንጐ ነፋሪትን ሚሳይል ትሕቲ ባሕሪን ንዘሎ ምልክታት ሬድዮ ጸላኢ ንምዕጋት ዝዓለመ'ዩ።
ዋላ'ኳ ንዓኣን ንኣመሪካዊ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ጆርጅ ኣንቴልን ብ1942 ዓ.ም መሰል ዋንነት እንተተዋህቦም፡ ኣዝዩ ዝመጠቐ ሓሳብ ስለ ዝነበረ እቲ ምህዞ ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተመንዚዑ'ዩ።
ላማር ነዚ ምስ መሓዛኣ ኣመሪካዊ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ዝዀነ ጆርጅ ኣንታይል ብሓባር እያ ኣማዕቢላቶ። ገሊኦም ግን ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ቀዳማይ በዓል ቤታ፡ ኣፍራዪ ተተኰስቲ ኦስትርያ ፍሪትዝ ማንድል ዘማዕበሎ ተመሳሳሊ ሓሳብ ዝገልጽ ንድፊ ርእያ ትኸውን በሃልቲ'ዮም።
ከምቲ ኣብ ዙርያ ሄዲ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ዝብሎ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ንሓሳብ ሄዲ ላማር ወሲዱ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ተጠቒምሉ።

ምንጪ ስእሊ, Wikipedia
ኣብ እዋን እቲ ኲናት፡ ሄዲ ላማር ከም መሃዚት ዘይኰነ ንወተሃደራት ብምዝናይ፡ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ዝኸውን ገንዘብ ብምትእኽኻብ፡ ከምኡ'ውን ንሰባት እናስዓመት ገንዘብ ብምእካብ ኣብቲ ኲናት ኣበርክቶ ክትገብር ከም እትኽእል'ዩ ተነጊሩዋ።
ምህዞ ላማር፡ ክሳብ መወዳእታ ህይወታ (መወዳእታ 1990ታት) ከይተፈልጠ ጸኒሑ፤ እኳ ደኣ ብ2000፡ ብድሕሪ ሞታ ኣብ ዝተሓትመ ጽሑፍ'ዩ ዝያዳ ኣቓልቦ ዝረኸበ።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ርእሰ ዜናታት ዓለም ኰነት፤ ኣርማ ደቀንስትዮ ሳይንስ ተባህለት፤ ዛንታኣ ኣብ መጽሓፍትን ድራማታትን ክንገር ጀመረ፤ ጕግል'ዉን ከምቲ ፍሉያት ዝኽሪታት ክህሉ እንከሎ ዝገብሮ ኣብ ኣርማኡ ኣእተዋ።
ላማር፡ ኣብ ሆሊውድ ዓበይቲ ፊልምታት ኣብ እትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን ግን፡ ጋዜጣታትን ማዕከናት ዜናን ብዛዕባ ናይ ፍቕሪ ህይወታ (ሽዱሽተ ግዜ ተመርዒያ፡ ሽዱሽተ ግዜ ተፋቲሓ)፡ ብዛዕባ ኣብ ፊልምታት እትላበሶም ኣካታዕቲ ገጸባህሪያትን ማራኺ መልክዓን እየን ዝጽሕፋን ዘጋውሓን ነይረን።
እቲ ብ1941 ወግዓዊ ዝዀነ ምህዞኣ ግን ዝዀነ ዝዛረበሉ ኣይነበረን።
ኣብ 1940 ዝተመስረተ መንግስታዊ ትካል ኣመሪካ ሃገራዊ ካውንስል መሃዝቲ ግን እዚ ዝተዓብጠ ሚስጢር ናብ ሚድያ ከም ዝወጽእ ገይሩ።
'ኤልኤ ታይምስ' ዝተባህለ ጋዜጣ ድማ ንላማር "ሳይረን ስክሪንን መሃዚትን ... [እታ] ምህዞኣ ብመንግስቲ ምስጢር ዝተትሓዘ መሃዚት፡ ኣብ ፕሮግራም ሃገራዊ ምክልኻል ዓቢ ዋጋ ዘለዎ እትብሃል፡" ክብል ጽሒፉ።
እቲ ዛንታ ግን ጠፊኡ።
ኣብ 1944 ድማ መጽሔት 'ሞሽን ፒክቸር' ብዛዕባ ብልሒ ላማር ጽሒፋ።
ላማር ጸኒሓ መዋዘዪት ኰይና።
እቲ 'Ecstasy and Me: My Life as a Woman' ዝተሰምየ መጽሓፍ ኣብ 1969 ቅድሚ ምሕታሙ ኣንቢባ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "ፈጠራዊ፡ ሓሶት፡ ጽዩፍ፡ ዘሕፍር፡ ጸለመን ጽዩቕን፡" ኢላ ክትነጽጐ እንከላ፡ ምስቲ ኣሕታሚ ናብ ምጕት ቤት ፍርዲ ከተምርሕ ተገዲዳ እያ።
ዳኛ ኣንጻራ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ ሕትመት እቲ ዝነቐፈቶ መጽሓፍ ክቕጽልን ላማር ዘይደለየቶ ዓይነት ተፈላጥነት ክትረክብን ገበረ።
ላማር ዝወሃቡዋ ዝነበሩ ገጸ ባህርያት ዓበይቲ ፊልምታት፡ ውጽእ ዝበሉን ደቂ ተባዕትዮ ተዋሳእቲ ንጽባቕኣ ብተመስጦ ዝጥምቱዋን ዝፈዙላን ካብ ኣፋ ብዙሕ ቃላት ዘይወጽኣ ጓለንስተይቲ ገይሮም ዘቕርቡዋ'ዮም ነይሮም።
ላማር ከምቲ ባዕላ ዝበለቶ፡ እዚኦም ብግልጺ ዓሻ ክትመስል ዝገብሩ ዝነበሩ እኳ እንተዀኑ፡ ዝዀነ ብዛዕባ ሳይንሳዊ ስርሓ ክሰምዕ ዝደሊ ሰብ ከም ዘየለ ኣጸቢቝ ተረዲኡዋ ነይሩ።
እቲ ምንታይ፡ እዚ ምስቲ 'MGM' (ኩባንያ ፊልምን ተሌቪዥንን ሆሊውድን) ዝደልዮ ተረኽ ስለ ዘይቃዶ።
ብተወሳኺ፡ ምሉእ ታሪኽ ላማር እንተዝዝንቶ ነይሩ፡ ወይ ድማ ከምኣ ዝኣመሰለት ንፍዕቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ፊልም እንተትዋሳእ ነይራ፡ ምናልባት ሓንቲ በሊሕ ኣእምሮን ጽባቐን ዝተዓደለት ኰኸብ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስደምም ጕዳይ ምዀነ።

ምንጪ ስእሊ, Corbis
ካብ ሙሶሊኒ ክሳብ ፊልምታት
ብ1914 [ኣ.ኤ] ኣብ ቬና ዝተወልደት ሄዲ ላማር፡ ሽማ ሄድቪግ ኪስለር'ዩ።
ኣብ ቬና፡ ኣዝዩ ምቹእ እዋን ቍልዕነት ኣሕሊፉ። ቋንቋታት ጀርመን፡ ፈረንሳን ጥልያንን ብግቡእ ተማሂራ።
ኣይሁዳዊ ነጋዳይ ዝነበረ ኣቦኣ ምህንድስና ይምህራ ነበረ። ንሳ ግን ተዋሳኢት ናይ ምዃን ክቱር ድልየት ስለ ዝነበራ፡ ኣብ ትምህርታ ክተተኵር ኣይከኣለትን።
ጓል 15 ዓመት ምስ ኰነት ከም ጸሓፊት ስቱዲዮ ፊልም ስራሕ ረኸበት።
ኣብ 18 ዓመት ዕድመኣ ድማ ኣብታ ብጉስታቭ ማቻቲ ዝተሰርሐት ኣዝያ ኣካታዒት ፊልም -Ecstasy- መሪሕ ተዋሳኢት 'ኢቫ' ዝተባህለት ገጸ ባህሪ ኰነት።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ፊልም ብጳጳስ ፒዮስ 11 ተዀኒና፤ ሄዲ ድማ 'The Ecstasy Girl' ዝብል ስያመ ለጊቡዋ።
ኣብ 1960ታት ዝተሓትመት ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወት ሄዲ ላማር እተዘንቱ መጽሓፍ ድማ ብዅሉ ኣንፈት ዝነበሩ ኣንበብቲ ንሳን ሳልሳይ በዓል ቤታ ጆን ሎደርን፡ ኣብ ዙርያ ጾታዊ ርክብ ብዛዕባ ዝነበሮም ኵነታት ክበጽሖም ገበረት።
ብተወሳኺ፡ እታ መጽሓፍ ካልእ ኣፍቃሪ ላማር፡ ብዅሉ ነገር ንዓኣ እትመስል ኣሻንጕሊት ጾታዊ ርክብ ኣስሪሑ፤ ከምኡ'ውን መንእሰይ ላማር ተፈላጥነት ንምርካብ ኣብታ ብ1933 ዝተሰርሐት ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ጾታዊ ርውየት ዝርኣየላ ፍቕራዊ ድራማ -Ecstasy- ተዋሲኣ ዝብሉ ሓቅነት ዘይብሎም ጸለመታት ክረኽቡ ገይራ።
ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ኣድነቕታ ፍሪድሪክ ማንድል ዝተባህለ ኣፍራዪ ኣጽዋርን ሳልሳይ ዝሃብተመ ሰብ ኣብ ኦስትርያን እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ናይ ሸሞንተ ሰሙን ሕጸ፡ ንሱን ሄዲን ቃል ኪዳን ይኣስሩ፤ ሄዲ ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ናብ ኣዝዩ ምቾት ዝመልኦ ህይወት ኣተወት።
ማንድል ኣብ ሓደ ናብ ፓሪስ ዝገበርዎ መገሻ፡ ንብዓልቲ ቤቱ ኣዝዩ ብዙሕ ክቡር ዘብለጭልጭ መጋየጺታት በብዓይነቱ ይዕድገላ።
ንሳ ግን፡ "ብዝተንደላቐቐ ህይወት ተሓኒቓ ክሳብ እትመውት፡" ኰይኑ ክስምዓ ከም ዝገበረ ትገልጽ።
ኣዝዩ ቀናእ ዝነበረ ማንድል'ውን ንነፍሲ ወከፍ ሕትመት እታ ኣካታዒት ፊልም ዓዲጕ ከጥፍኣ ፈተነ።
ምስ መሓዙታ ክትራኸብ ኰነ ናብ ትያትር ክትከይድ ክኽልክላ ጀመረ።
እቲ ዝፈቐደላ እንኰ ነገር፡ ኣዝዮም ምዕሩጋት መጋየጺታት ገይራ ኣብቶም ምስ ከም ሙሶሊኒ ዝበሉ ሓያላት ሰባት ብዛዕባ ኣጽዋር ንምዝርራብ ዘካይዶም እንግዶት ድራር ሓቢራቶ ኰፍ እትብል ተራ በዓልቲ ቤቱ ምዃን'ዩ።
እዚ ሓዳር ብኸመይ ተበቲኑ ኣብ ዝብል ብዙሓት ግምታት እዮም ዘለዉ።
እቲ ሓደ ብብዝሒ ዝጥቀስ፡ ላማር ንሰራሕተኛኣ መደቀሲ መድሃኒት ብምሃብ ናታ ኽዳን ተኸዲና ናብ ፓሪስ ሃዲማ ዝብል'ዩ።
ካብ ማንድል ብ1937 ድሕሪ ምህዳማ ግን፡ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ሽማ ካብ ሄድቪግ ኪስለር ናብ ሄዲ ላማር ቀይራቶ።
ንጽባቕኣ እትረግም ሄዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢንዳስትሪ ፊልም ሎስ ኣንጀለስ፡ ንዓመታት ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ ብዝተሃንጸ ትካላዊ ጾታዊ ኣድልዎ እውን ክቐርበሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ዓውዲ፡ ጽባቐ ላማር መናገዲ'ዩ ኰይኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገለ ሰባት ንላማር ከም ግዳይ ጾታዊ ኣድልዎ ይርእዩዋ፣ ኣመና መልክዐኛ ጓለንስተይቲ ብዕቱብ ከም ተዋሳኢት ወይ ከም መሃዚት ክትውሰድ ኣይክኣለትን ይብሉ።
ላማር፡ ነዚ ብልክዕ ገሊጻቶ እያ።
ገጸይ፡ "ን50 ዓመታት ትራጀዲን ቃንዛን'ዩ ኣምጺኡለይ። ገጸይ ክኣልዮ ዘይክእል ማስክ'ዩ። ወትሩ እናረገምኩዎ ምስኡ'የ ክነብር፡" ክትብል ጽሒፋ ነይራ።
ብ2017 'Bombshell' ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ኣብ ዙርያ ሞያዊ ጕዕዞ ሄዲ ላማር ዘድሃበ ሰነዳዊ ፊልም ተሰሪሑ'ዩ።
እዚ ፊልም፡ ካብ ቅድሚ ኲናት ቬና ክሳብ ካብቲ ፈላማይ ሃብታም በዓል ቤታ እትሃድም ዝነበረ ኵነታት የዘንቱ።
ኣብቲ ፊልም ዝተኻተቱ ቃለ መጠይቓት ላማር፡ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዖም ዘይፈልጡ ኣብ 1990 ንመጽሔት ፎርብስ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት ይርከቡዎ።
ኣብቲ እዋን ኣብ ፈሎሪዳ'ያ ትነብር ነይራ።
ኣብ ቴክኖሎጂ ዘለዋ ተገዳስነት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መልሲ ድማ፡ "ንዓይ ምህዞ ቀሊል እዩ፤ በቃ ካብ ካልእ ፕላነት ዝመጻእኩ'ዩ ዝመስለኒ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







