ኣንድሬ ቡሉዋ፡ ኣፍሪቃ ዝረስዓታ ጅግና ተቓላሲት ናጽነት

ኣንድሬ ቡሉዋ፡ ኣቡኣ ፈረንሳዊ ኰይኑ ኣደኣ ካብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እያ

ምንጪ ስእሊ, Eve Blouin

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ ቡሉዋ፡ ኣቦኣ ፈረንሳዊ ኰይኑ ኣደኣ ካብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ እያ

"ክልተ ግዜ ክትመውት ከም እትኽእል እፈልጥ'የ። መጀመርታ ኣካላዊ ሞት ኰይኑ... ምርሳዕ ካልኣይ ሞት እዩ" ትብል ደራሲት ኢቭ ብሉዋ።

እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ታሪኽ ህይወት ኣደኣ ዝሃበቶ መዛዘሚ ዛንታ እዩ።

ኢቭ፡ ነዚ ስምዒት እዚ ካብ ዝዀነ ሰብ ንላዕሊ ትርድኦ።

ነፍስሄር ኣደኣ ኣንድሬ ቡሉዋ፡ ኣብ 1950ታትን 60ታትን ዕድመኣ ንቃልሲ ሓርነት ኣፍሪቃ ኣወፊያ።

ደቂ ኣንስትዮ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣንጻር መግዛእቲ ንኽለዓላ ብምውዳብ፡ ዋና ኣማኻሪት ፈላማይ ቀዳማይ ምኒስተር ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ክቡር ጅግና ናጽነትን ፓትሪስ ሉሙምባ ኰይና ተቓሊሳ።

ምስ ከም በዓል ጋናዊ ክዋመ ንክሩማ፡ ጊኒያዊ ሴኵ ቱረን ኣልጀርያዊ ኣሕመድ ቤን ቤላን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰውራውያን ሓሳባት ትለዋወጥ ነይራ።

ይዅን'ምበር፡ ኣፍሪቃ ታሪኻ ዳርጋ ረሲዓታ'ያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣይትፈልጣን'ውን።

ነዚ ዘይፍትሓዊ ኵነታት ንምቕናዕ፡ ጕዕዞ ኣንድሬ ብሉዋ ኣብታ ዝሓለፈ ዓመት ብኦስካር ዝተሓጸየት ሓፋር ሰነዳዊ ፊልም ብመዐጀቢ ሙዚቃ ተሰሪሑ ተራእዩ ነይሩ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እታ 'My Country, Africa: Autobiography of the Black Pasionaria' ዝብል ርእሲ ዝተዋህባ ታሪኽ ህይወት ብሉዋ እተዘንቱ ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሕትመት ወጻኢ ዝጸንሐት መጽሓፍ ዳግማይ ትዝርጋሕ ኣላ።

ቡሉዋ ኣብታ መጽሓፍ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ ዝነበራ ሃረርታ ውልቃዊ ትራጀዲ ዘበገሶ ከም ዝነበረ ኣብ መጽሓፋ ገሊጻ።

ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ (CAR)ን ኮንጎ-ብራዛቪልን እያ ዓብያ- ኣብቲ እዋን ኡባንጊ-ሻሪን ኮንጎ ፈረንሳን ተባሂለን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ እየን ነይረን።

ብ1940ታት ወዲ ክልተ ዓመት ወዳ ሬኔ፡ ኣብ ዓሶ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ይሕከም ነይሩ።

ሬኔ፡ ከም ኣደኡ ዝተሓዋወሰ ዓሌት እዩ ነይሩዎ - ርብዒ ኣፍሪቃዊ ስለ ዝነበረ፡ መድሃኒት ተኸልኪሉ።

ድሕሪ ሰሙናት ክኣ ሞይቱ።

ብሉዋ፡ ኣብ መዘከርታኣ፡ "ሞት ወደይ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ፖለቲከኛ ክኸውን ገይሩኒ" ኢላ።

ወሲኻ፡ መግዛእቲ "ድሕሪ ደጊም ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕማቕ ዕጫ ዘይኰነ፡ ሰራውር እዚ ክፉእ ስርዓት ናብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ህይወት ኣፍሪቃ ዝበጽሕ እዩ ነይሩ" ኢላ።

ቡሉዋ፡ ኣብ 1921 ካብ ወዲ 40 ዓመት ጻዕዳ ፈረንሳዊን ጓል 14 ዓመት ጸላም ኣደን ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ተወሊዳ።

ክልቲኦም፡ ኣቦ ብሉዋ ኣቝሑት ክሸይጥ ብቑሸት ኣደኣ እትነብረሉ ዝነበረት ከባቢ ክሓልፍ እንከሎ እዮም ተራኺቦም።

"ሎሚ'ውን እንተዀነ፡ ዛንታ ኣቦይን ኣደይን፡ ብዙሕ ቃንዛ ክስምዓኒ ዝገብር'ኳ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ'ዩ ዘግርመለይ" ትብል ብሉዋ።

ጓል ሰለስተ ዓመት እንከላ፡ ኣቦኣ ኣብቲ ኣብ ጐረቤት ሃገር ኮንጎ-ብራዛቪል ብፈረንሳውያን ፈለስቲ ዝመሓደር ዝነበረ ሕውስዋስ ዓሌት ዘለወን ኣዋልድ ዝቕመጣሉ ገዳም ክትኣቱ ገበረ።

እዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ ፈረንሳን ቤልጅየምን ልሙድ'ዩ ነይሩ - ብኣሽሓት ካብ ጸዓዱ ዝተወልዱ ቈልዑን ኣፍሪቃውያን ደቂ ኣንስትዮን ናብ መዕቆቢ ዘኽታማት ብምስዳድ ካብ ካልእ ሕብረተሰብ ይፍለዩ ከም ዝነበሩ ይእመን።

ቡሉዋ፡ "እቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ከም ሓደ መእለዪ ጐሓፍ ካብ ጸሊምን ጻዕዳን ዝተወልደ ክፋል ሕብረተሰብ'ዩ ኣገልጊሉ" ብምባል በቲ ጻዕዳ ኰነ ጸሊም ክፋል ሕብረተሰብ ቅቡልነት ዘይነበሮም ቈልዑ ተፈልዮም ይዓብዩ ከም ዝነበሩ ጽሒፋ።

ኣብቲ መዕቆቢ ዘኽታማት ዘጋጠማ ተመኵሮ ኣሉታ ይዛይዶ - እቶም ኣብቲ ትካል ዝነበሩ ህጻናት ይግረፉ፡ ይጠምዩን ቃላዊ በደል ይበጽሖም ከም ዝነበረን ገሊጻ።

ኣንድሬ ብሉዋ፡ (ካብ ታሕቲ ብየማን ካልኣይቲ) ን12 ዓመታት ኣብ ብራዛቪል ኣብ ዝርከብ ገዳም ኦርደር ኦፍ ሴንት ጆሴፍ ክሉኒ ተቐሚጣ

ምንጪ ስእሊ, Eve Blouin

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ ቡሉዋ፡ (ካብ ታሕቲ ብየማን ካልኣይቲ) ን12 ዓመታት ኣብ ብራዛቪል ኣብ ዝርከብ ገዳም ኦርደር ኦፍ ሴንት ጆሴፍ ክሉኒ ተቐሚጣ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቡሉዋ፡ ግን ሓያል እያ ነይራ።

ኣብቲ መዕቈቢ ዘኽታማት ዝነበራ ፈለስቲ ኣብ 15 ዓመት ዕድመኣ ብኣስገዳድ ከመርዕዋኣ ምስ ፈተና፡ ካብቲ ማእከል ሃዲማ።

ድሕሪ ግዜ፡ ብፍቓዳ ተመርዕያ - ክልተ ግዜ።

ድሕሪ ሞት ወዳ ሬኔ፡ ምስ ካልኣይ በዓል ቤታ ናብታ ብፈረንሳውያን እትመሓደር ዝነበረት ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጊኒ ገዓዘት።

ኣብቲ እዋን፡ ጊኒ ኣብ ማእከል "ፖለቲካዊ ህቦብላ" ከም ዝነበረት ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ኣላ።

ፈረንሳ፡ እታ ሃገር ናጻ ንኽትኸውን ተመባጺዓ እኳ እንተነበረት፡ ዜጋታት ሃገሮም ምስ ፈረንሳ ቍጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ርክብ ክትቕጽሎ ኣለዋ ዶ የብላን ኣብ ዝብል ብረፈረንደም ድምጾም ክህቡ እውን ትጠልብ ነይራ።

ምንቅስቓስ ፓን-ኣፍሪቃ ጨንፈር ጊኒ 'ራዘምብለመንት ዲሞክራቲክ ኣፍሪቃን' (RDA)፡ እታ ሃገር ምሉእ ሓርነት ከም ዘድልያ ብምግላጽ "ኣይፋል" ከተድምጽ ኣለዋ ክብል ሞጒቱ።

ኣብ 1958 ብሉዋ፡ ኣብቲ ወፍሪ ተጸንቢራ።

ኣብ መላእ ሃገር ብመኪና እናተጓዕዘት ክኣ ኣብ ሰልፍታት ክትዛረብ ጀሚራ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ጊኒ "ኣይፋል" ብምድማጽ ናጽነታ ኣረጋጊጻ፤ መራሒ ምንቅስቓስ 'ራዘምብለመንት ዲሞክራቲክ ኣፍሪቃን' ጊኒ ዝዀነ ሴኵ ቱረ ድማ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ።

ኣብዚ እዋን ድሕሪ መግዛእቲ፡ ብሉዋ፡ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓንኬላት ርኡይ ጽልዋ ከተማዕብል ጀመረት።

ንሳ፡ ጊኒ ናጻ ምስ ወጽአት፡ ነዚ ጽልዋ ተጠቒማ ኣማኻሪት ሓድሽ ፕረዚደንት 'ራዘምብለመንት ዲሞክራቲክ ኣፍሪቃን' ባርተለሚ ቦጋንዳ ከም ዝዀነትን ምስቲ ድሕሪ ናጽነት ዝነበረ መራሒ ኮንጎ-ብራዛቪል ዝዀነ ፉልበርት ዩሉ ካብ ዲፕሎማስያዊ ክትዕ ንኽእለ ከም ዘእመነቶን ጽሒፋ።

ቡሉዋ ግን፡ ነታ ብናህሪ እትቕየር ዝነበረት ኣፍሪቃ እትልግሶ ምኽሪ ጥራይ ኣይነበረን።

ኣብ ርእሰ ከተማ ጊኒ ኮናክሪ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ፡ ምስ ሓደ ካብታ ዲሞክራሲያዊት ኮንጎ ዝዀነት ሃገር ዝኸፍአ ጕጅለ ደለይቲ ፍትሒ ሓርነት ተራኺባ።

ኣብ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእታዊ ምሕደራ ቤልጅየም ንደቂ ኣንስትዮ ኮንጎ ንምውዳብ ክትሕግዞም ክኣ ሓቲቶምዋ።

ብሉዋ፡ ብኽልተ ኣንፈት ተወጠረት።

ብሓደ ሸነኽ፡ ሰለስተ ንኣሽቱ ቈልዑ ነይሮምዋ - ንኢቭ ሓዊሱ - ነዚኦም ከተዕቢ ግዴታ ነይሩዋ።

ብኻልእ ወገን ድማ "ኣብ ልዕሊ ዓለም ዕረፍቲ ዘይብሉ ቍጥዐ ዘለዎ ርእዮተ ዓለም ነይሩዋ" ክትብል፡ ሕጂ ጓል 67 ዓመት ዝዀነት ኢቭ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ወግዒ ገሊጻ።

ኣብ 1960፡ ንክሩማ ኣተባቢዑዋ፡ ኣንድሬ ብሉዋ በይና ናብ ዲ.ኣር ኮንጎ ከደት።

ምስ ከም በዓል ፒየር ሙለለን ኣንቶን ጊዘንጋን ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ደለይቲ ፍትሒ ሓርነት ደቂ ተባዕትዮ ተጸንቢራ ክኣ፡ ኣብ መላእ እታ 2.4 ሚልዮን ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ዘለዋ ሃገር ጐስጓሳት ኣካየደት።

በቲ ጐተና ጸጕሪ ርእሳን፡ ንቅርጺ ሰብነት ዝሰማማዕ ኣከዳድንኣን ኣብ ጫካታት እናተጓዕዘት ብእትገብሮ ዝነበረት ወፍሪታት ክኣ ቀልቢ ብዙሓት ትስሕብ ነበረት።

ኣንድሬ፡ (ጫፍ ጸጋም)፡ በዓል ቤታ ኣንድሬ (ካልኣይ ጸጋም)ን ጓላ ሪታን (ሳልሳይ ጸጋም) ምስ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣሕመድ ቤን ቤላ (ጫፍ የማን)ን ቀዳማይ ፕረዚደንት ጊኒ ሴኵ ቱረን ኣብ ኣልጀርስ ዝተስኣሉዎ

ምንጪ ስእሊ, Eve Blouin

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ፡ (ጫፍ ጸጋም)፡ በዓል ቤታ ኣንድሬ (ካልኣይ ጸጋም)ን ጓላ ሪታን (ሳልሳይ ጸጋም) ምስ ቀዳማይ ፕረዚደንት ኣልጀርያ ኣሕመድ ቤን ቤላ (ጫፍ የማን)ን ቀዳማይ ፕረዚደንት ጊኒ ሴኵ ቱረን ኣብ ኣልጀርስ ዝተስኣሉዎ

ኣብ ካሄምባ -ጥቓ ዶብ ኣንጎላ - ብሉዋን ጕጅልኣን ካብ መግዛእታዊ ሰበስልጣን ፖርቱጋል ዝሃደሙ ተጋደልቲ ናጽነት ኣንጎላ ዝሰፍርሉ መደበር ንምህናጽ ንምሕጋዝ ወፍሪ የካይዱ።

ንብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክኣ መደረ ኣስምዐት።

ንጾታዊ ማዕርነት ከምኡ'ውን ንናጽነት ኮንጎ ክደፍኣ ኣተባቢዓ።

ቡሉዋ፡ ሰባት ናይ ምውዳብን ስትራተጂያዊ ብልሒን'ውን ነይርዋ።

ነዊሕ እንከይጸንሐ፡ መግዛእታዊ ሓይልታትን ኣህጉራዊ ፕረሳትን ብምንቅስቓሳት ብሉዋ ክጽለው ጀመሩ።

ካብ ብዙሕ ነገራት ንላዕሊ፡ ውሽማ ንክሩማ፡ ልእኽቲ ሴኮ ቱረን "ኣመንዝራ ኵሎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን" እያ ብምባል ሽማ ከጸልሙ ጀመሩ።

ምስ ሉሙምባ ብኣካል ምስ ተራኸበት ክኣ ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒባ።

ቡሉዋ፡ ኣብ መጽሓፋ፡ "ስሙ ኣብ ሰማያት ኮንጎ ብፊደላት ወርቂ ዝተጻሕፈ ልኡምን ውቁብን" ሰብ ክትብል ገሊጻቶ።

እታ ሃገር ኣብ 1960 ናጽነታ ምስ ረኸበት፡ ሉሙምባ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ።

ሽዑ፡ወዲ 34 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ።

ሉሙምባ ንብሊዋ "ሓላፊ ፕሮቶኮል" ከምኡ'ውን ጸሓፊት መደረኡ ገይሩ ሓረያ።

ክልቲኦም ብቐረባ ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ክኣ፡ ማዕከናት ዜና "ሉሙም-ብሉዋ" እናበሉ ይጽውዑዎም ነበሩ።

መጽሔት ታይም ኣመሪካ፡ብሉዋ "ጽብቕቲ ጓል 41 ዓመት" ጓል ኣነስተይቲ ክብል ሰምዩዋ ነበረ።

"ሓጺናዊ ድሌታን ቅልጡፍ ሓይላን ብዋጋ ዘይትትመን ሓጋዚት ፖለቲካዊ ይገብራ" ኢሉ።

ኣብ ስልጣን ሒደት መዓልታት ጥራይ ምስ ጸንሑ ግን፡ ጋንታ ሉሙም-ብሉዋን - ከምኡ'ውን ነቲ ሓድሽ ዝተመስረተ መንግስቲ ብዙሕ ሓደጋታት ከጋጥሞም ጀሚሩ።

ፈለማ፡ እቲ ሰራዊት ኣንጻር ጸዓዱ ኣዘዝቲ ቤልጅየም ብምዕማጾም፡ ኣብ መላእ ሃገር ዓመጽ ተልዓለ።

ድሕሪኡ፡ ቤልጅየም፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ካታንጋ ንዝነበሩ ተገንጸልቲ ክሕግዛ ጀመራ።

ሰለስቲአን ምዕራባውያን ሃገራት እቲ ብማዕድናት ዝሃብተመ ዞባ ክግንጸል ይድግፋ ነይረን።

ወተሃደራት ቤልጅም ክኣ፡ ምርግጋእ እታ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝብል ናብታ ሃገር ኣተው።

ብሉዋ፡ ነቲ ፍጻመታት ከዳዓት "ኣብ ኵሉ ቦታ ዝተወደብሉ- ኲናት ነርቭ" ክትብል ትገልጾ።

ኣንድሬ፡ ኣንደበተ ርቱእ ካብ መንጐ ዝብሃሉ እያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Herbert Weiss

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ፡ ኣንደበተ ርቱእ ካብ መንጐ ዝብሃሉ እያ ነይራ

ሉሙምባ "ሓቀኛ ጅግና ዘመናዊ ግዜ" ምዃኑ ጽሒፋ።

እንተዀነ፡ ገርሂን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ተለሳላስን እዩ ኢላ።

"መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቶም ብሉጽ እምነት ዘለዎም ሰባት ብዘሰክፍ ኵነታት ዝታለሉ ምዃኖም ሓቂ'ዩ" ትብል።

ሉሙምባ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ኣዋርሕ፡ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጆሴፍ ሞቡቱ ስልጣን ተቈጻጸረ።

ብ17 ጥሪ፡ ብሓገዝ ቤልጅም ሉሙምባ ተቐቲሉ።

ዓባይ ብሪጣንያ'ውን ኢድ ክህልዋ ከም ዝኽእል ይእመን።

ኣመሪካ ግን ቅድሚኡ ንሉሙምባ ንምቕታል ውዲታት ነይሩዋ - ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ተደናጋጺ ሕብረት ሶቭየት'ዩ ብዝብል።

ቡሉዋ፡ ኣብ መጽሓፋ፡ ሞት ሉሙምባ ዘስዓቦ ስንባደን ሓዘንን ቃላት ከም ዝሰኣነትሉ ገሊጻ።

"ቅድሚ ሕጂ ዝብሎ ጠፊኡኒ ኣይፈልጥን" ክትብል ጽሒፋ።

ድሕሪ እቲ ሞቡቱ ዝፈጸሞ ዕልዋ መንግስቲ ካብታ ሃገር ክትወጸእ ስለ ዝተገደደት፡ ሉሙምባ ኣብ ዝተቐትለሉ እዋን ኣብ ፓሪስ ትነብር ነይራ።

ብሉዋ፡ ስድራቤታ ናብ ኮንጎ ምስ ግዓዙ ሰብ መዚ ከም "ጅሆ" ስለዝሓዙዎም፡ ንማዕከናት ዜና ዓለም ቃለመጠይቕ ኣይትህብን ነይራ።

ካብ ስድርኣ ምፍላይ፡ ኣመና ሃስዩዋ።

ጓላ ኢቭ፡ "ሓላይን ኣመና ኣደኣዊ ባህሪ ዝነበራን" እያ ነይራ ብምባል ትገልጻ።

ወሲኻ፡ "ኣደይ ዋላ'ውን ኣቢን ለጋስን ልቢ እንተነበራ፡ ባህሪኣ ክቀያየር ስለ ዝኽእል፡ ዝዀነ ሰብ ክጻብኣ ኣይደልን" ትብል።

ቡሉዋ፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ወተሃደራት ገዛ ስድራኣ ዘሚቶም ንኣደኣ ብሽጉጥ ብጭካነ ብምቕጥቃጥ፡ ኣብ ዓንዲ ሕቘኣ ነባሪ ሃሰያ ኣውሪዶም።

ስድራቤት ብሉዋ፡ድሕሪ ኣዋርሕ ክጽንበሩዋ ክኢሎም።

ንሓጺር እዋን ኣብ ኣልጀርያ ኣሕሊፎም - ኣብኡ ድማ ብናይ መጀመርታ ድሕሪ ናጽነት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣሕመድ ቤን ቤላ መዕቈቢ ተዋሂብዎም።

ብድሕሪኡ ኣብ ፓሪስ ሰፈሩ።

ቡሉዋ፡ ብርሑቕ "ብመልክዕ ጽሑፋትን ዳርጋ መዓልታዊ ኣኼባታትን" ኣካል ምንቅስቓስ ፓን-ኣፍሪቃን ኰይና ከም ዝቐጸለት ኢቭ ኣብ መዛዘሚ መጽሓፍ ብሉዋ ኣስፊራቶ ኣላ።

ኣብ ሰብዓታት ታሪኽ ህይወታ ክትጽሕፍ ምስ ጀመረት፡ ነቲ ህይወታ ዘወፈየትሉ ምንቅስቓሳት ናጽነት ዓብዪ ቦታ ነይርዋ።

ኣንድሬ ቡሉዋ ከም በዓል ፒየር ሙለለ (ኣብ ማእከል) ዝኣመሰሉ ብቓልሲ ናጽነት ሽም ዘትረፉ ሰባት፡ ኣብ 1960 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኮንጎ ንዘስምዑዎ መደረታት ጽሑፍ ኣብ ምድላው ልዑል ሓገዝ ትገብር ነይራ

ምንጪ ስእሊ, Herbert Weiss

መግለጺ ስእሊ, ኣንድሬ ቡሉዋ ከም በዓል ፒየር ሙለለ (ኣብ ማእከል) ዝኣመሰሉ ብቓልሲ ናጽነት ሽም ዘትረፉ ሰባት፡ ኣብ 1960 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኮንጎ ንዘስምዑዎ መደረታት ጽሑፍ ኣብ ምድላው ልዑል ሓገዝ ትገብር ነይራ

ነቲ ኣብቲ እዋን ብሓንቲ ሰልፊ እትመሓደር ሃገር መስሪቱ ብዘይ ንሕስያ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝዓብጦ ዝነበረ ሴኵ ቱረ ልዑል ናእዳ ነይርዋ።

ቡሉዋ ግን ኣፍሪቃ ከምቲ ተስፋ ዝገበረቶ "ናጻ" ከም ዘይኰነት ስለ ዝተሰምዓ ኣዝያ ተስፋ ቈሪጻ ነበረት።

"ንኣፍሪቃ ዝያዳ ዝሃሰዩዋ ግዳማውያን [ሓይልታት] ዘይኰኑስ፡ጐደሎ ድሌት ህዝብን ርእሰ ፍትወት ብዘለዎም ናይ ገዛእ ርእስና መራሕቲ'ዮም" ክትብል ጽሒፋ።

ሕልማ ስለዘይሰመረ ከቢድ ሓዘን ይስምዓ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ክሳብ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድ ሃሰያ ዘውርድ ዝነበረ መንሽሮ መድሃኒት ምውሳድ ምእባይ ዝበጽሐ ዘይዕግበት ሓዲሩዋ ከም ዝነበረ ጓላ ትገልጽ።

"ነዚ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ፤ ዋላ ሓደ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን" ትብል ኢቭ።

ቡሉዋ ብ9 ሚያዝያ 1986 [ኣ.ኤ] ኣብ መበል 65 ዓመታ ኣብ ፓሪስ ዓሪፋ።

ኢቭ፡ ሞት ኣደኣ ዓለም "ዘሕዝን ዘይተገዳስነት" ከም ዝተቐበለቶ ትዛረብ።

ኣብ ገለ ኵርናዓት ግን ጸላዊት ኰይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ -ኪንሻሳ- ብስም ብሉዋ ዝተሰየመ ማእከል ባህሊ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ ከም ትምህርታዊ መደባት፡ ዋዕላታትን ምርኢት ፊልምን ይቐርበሉ።

ፍሉይ ዛንታ ቡሉዋ ዝሓዘት 'My Country, Africa' ኣብዚ ወርሒ ንኻልኣይ ግዜ ተዘርጊሓ ኣላ።

ኣብዚ እዋን ድማ፡ ዓለም ንታሪኻዊ ኣበርክቶ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ተገዳስነት ተርኢ እያ ዘላ።