ካባና ዲዛይን፡ መሕለፊ ግዜኣ ዝነበረ ናብ ቢዝነስ ዝቐየረት ሰምሃል ጉዕሽ

ምንጪ ስእሊ, Kabana
ሰባት፡ ንሰምሃል ጉዕሽ፡ ግዜኺ ኣብ ምንታይ ተሕልፍዮ? ኣብ ትርፊ ሰዓትኪ’ኸ እንታይ ትገብሪ? ክብሉ ብዙሕ ግዜ ይሓቱዋ እዮም። ይኹን እምበር እቲ ከም መሕለፊ ግዜን መዘናግዕን እትርእዮ ዝነበረት ጥበብን ክእለትን ኣብ መወዳእትኡ መኽሰብ ናብ ዘለዎ ትካል ክትቅይሮ በቒዓ።
ሰምሃል፡ ፈጻሚት ስራሕ ልዕሊ 100 ሰራሕተኛታት ናይ ዝሓቘፈ ‘ካባና ዲዛይን’ እያ። እቲ ዓብዩ ትካል ብመሃዝቲ ደቀንስትዮ ዝሞቐ እዩ።
እዛ ኣብ ትግራይ ተወሊዳ ኣዲስ ኣበባ ዝዓበየት ሰምሃል፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ‘ካባና ሌዘር’ ዝተሰምየ ትካል ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኪነ-ህንጻ (ኣርክቴክቸር) ተጽንዕ ነይራ። ኣብ ትርፊ ግዜኣ ከኣ እናኣጽነዐት ካብ ቆርበት ናይ ኢድ በናጅር ብምስራሕ ግዝኣ ተሕልፎ ነይራ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቓ ኣብ ሓደ ትካል ኪነ-ህንጻ ተቘጺራ ክትሰርሕ ጀሚራ። ጎድኒ ጐድኑ ከኣ ምስ ሰለስተ መሓዙታ ዝጀመረቶ እሞ ዘይተዓወተ መጠነ ንኡስ ዋኒን (ቢዝነስ) ነይሮማ።
ዳሕራይ ግን ሰምሃል ነቲ ንውልቃዊ ባህትኣ እትፈታትኖ ዝነበረ ጥበብ ብምስፋሕ ካብ ቈርበት ናብ ዝስርሑ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቦርሳ አዕብያቶ። ደሓን ኣታዊ ክትረኽበሉ ስለዝጀመረት ከኣ ካባና ሌዘር ዝሰመየቶ ትካል ከፊታ ምሉእ ግዜኣ ክትሰርሓሉ ወሲና።
“እቲ ስራሕ ንናተይ ባህጊ (ሆቢ) ከማልእ ንመሕለፊ ግዜ እየ ጀሚረዮ። ዳሕራይ ብቐዋምነት ዝሰርሑ ሰባት ቈጺረ ደሞዝ ክኸፍል ምስ ጀመርኩ ተተባቢዐ” ክትብል ትዝክሮ።
ሰምሃል፡ ውሱን ክእለትን ፍልጠትን ንዝነበረን ሰባት ቈርበት ከመይ ቈሪጽካ ይስፈ፣ ቅዲ ይወጽኦ ምሂራ ናብረአን ንኸመሓይሻ ሓጊዛተን። ገሊአን ንነብሰን ኰይነን ንአሕዋተን ዝሕግዛ እውን ነይረን። ካብኡ ሓሙሽተ ሰባት ቆጺራ ካብቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ትካል ተሰናቢታ ናብዚ ንኻልኦት ደቂ ኣንስትዮ ዕድላት ስራሕ ዝፈጠረ ንጥፈት ብምሉእ ዓቕማ ኣትያቶ።
ካልእ ነዚ ዝደረኻ ነገር፡ ኣብ ህይወት ንዝተፈላለዩ ጸገማት ተቓላዕቲ ዝዀና ብፍላይ ደቀን ንብሕተን ዘዕብያን ካብ ስደት ተመለስቲ ዝዀናን ደቂ ኣንስትዮ ቁጠባዊ ሓርነት ምምጻእን ቁጠባዊ ብድሆታት ምስባርን ዝብል እምነት ምዃኑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት ገሊጻ።
ኣብዚ ዓውዲ፡ ማል ብምውፋር መኽሰብ ኣብ ምፍጣር ጥራይ ዘይኰነ ህይወት ሰባት ዝቕየረሉ ባይታ ምጥጣሕ ከም ሓደ ማሕበራዊ ሓላፍነትን ተወፋይነትን ገይራ እያ እትወስዶ።
“ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ይጽገማ’የን ምናልባት ቈልዓ ስለ ዘለወን። ኣይኰነን’ዶ ትሑት ቁጠባ ዘለዋ፡ ሓንቲ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ ክትወልድ እንከላ ዝዀነ ክፋል ዕብየት ስርሓ ይኹለፍ’ዩ፤ ወዲ ተባዕታይ ግን ከየቋረጸ’ዩ ዝቕጽል። ኣብ ትሑት እቶት ወይ መስመር ድኽነት ክንበጽሕ እንከለና ድማ ኣዝያ እትሽገር ጓል ኣንስተይቲ’ያ፤ ስለዚ ንጓል ኣንስተይቲ ቁጠባዊ ናጽነት ብምሃብን ብምሕጋዝን ዓርሰ እምነታ ክውስኽ ምግባር ከም ዝክኣል ብግብሪ ኣብ ፋብሪካይ ርእየዮ” ትብል።
ሓበሬታ ድሕረ ገጽ እቲ ትካል ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መጀመርታ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት፡ እቲ ትካል ዓብዪ ለውጢ ብምርኣይ፡ ዓማዊል ልዑል ጽሬት ዘለዎ ፍርያት ፋሽን ቈርበት ኢትዮጵያ ንክረኽቡ ዕድል ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ 2018 ኣስታት 14 ሽሕ ፍርያት ቈርበት ብምሻጥ ናብ ዕዳጋ ከም ዝተጸንበረን ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸን የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Kababa
ካብ ጓል ኣንስተይቲ ንጓል ኣንስተይቲ
ሃና፣ ሰላም፣ ደስታ፣ በረከት፣ ሚክኤላ . . . ካባና ዲዛይን፡ ንገለ ካብ ዘፍርዮም ዝተፈላለዩ ዋለታት፣ ናይ ኢድ ቦርሳታት፣ ኣብ ማዕጥቘኻ ዝሕንገጡ ንኣሽቱ ቦርሳታትን ካልኦትን ዝሃቦም መጸውዒ ኣሽማት’ዮም።
እቶም ቦርሳታት ብሽም ብሉጻት ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ክጽውዑ ምግባር፡ ብድሕሪ እቲ ፍርያት ንዘለዋ ሰራሕተኛታት ክብሪ ንምግላጽ ዝዓለመ ከም ዝዀነ ሰምሃል ተብርህ። “እዚአን ኣብ ህይወተን ጀጋኑ’የን፤ ስለዚ ብውሑድ ክገብሮ ዝኽእል ኣብ ፍርያትና ሽመን ክኣቱ ምግባር እዩ” ትብል።
ናይ መጀመርታ ሰራሕተኛ ክትቘጽር እንከላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ደረጃ ጽርየት ዘለዎም ቦርሳታት ብምፍራይ ሕልምታተን ከዐውታን ስድራቤተን ክሕግዛን ዘኽእለን ዕድል ንምሃብ ክበቅዕ’የ ዝብል ውዱእ ግምት ኣይነበራን።
እቲ እትፈጥሮ ዕድላት ስራሕ ግን ውጹዓት ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ዝህብ ከም ዝኸውን ምግባራ እትዛረብ ሰምሃል፡ ካብተን መጀመርታ ዝቘጸረተን ሰራሕተኛታት ደቀን ንብሕተን ዘዕብያ፣ ማእሲ ዘርጊሐን ዝዓርፋሉ ገዛ ዘይነበረን ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ቦታ ዝነበራ ብምዃነን ዓብዪ ብድሆ ከም ዝነበረ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Kabana
ነዚአን “እነሀልክን ናይ ስራሕ ውዕል ኢልካ ክትገድፎ እትኽእል ኩነታት ዘይኰነ፡ ናብ ውሽጢ ኣቲኻ ብሓባር ዝካረ ገዛ ምድላይ፣ ዘድልየን መሰረታዊ ነገራት ከም ብሓድሽ ምምላእን ካልእን ምግባር የድሊ ነይሩ። ድሕሪኡ ዝመጽአ ብድሆ ክኣ፡ ደቀን ኣበይ’ዮም ክጸንሑ ዝብል ነይሩ። ስለዚ ኣብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ግዝያዊ መጽንሒ ቦታ ክህሉ ብምግባር” ስልጠና ከምዝረኽባን ከምዝጅምራን ሓቢራ።
ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ደሞዝ ክረኽባ ስለ ዝጀመራ ቀስ እናበላ ካብ ጽግዕተኝነት ዝተናገፋ ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን፡ ወጻኢታት ደቀንን ካልእን ክሽፍና በቒዐን።
“እወ፤ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ቦርሳታት ሰደድ ንገብር፣ ዕድል ስራሕ ንፈጥር ኣለና ኢና፤ ግን እዞም ከምዚኦም ዝበሉ ህይወት ዝልውጡ ነገራት’ዮም ኣዝየ ዝሕበነሎም ዓወታተይ። ደቀን ኣበይ ነይሮም፤ ሕጂ ከመይ ኣለው ምርኣይ ውሽጣዊ ሓጐስ’ዩ ዝፈጥረለይ” ኢላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 80 ሚኢታዊት ሰራሕተኛታት ካባና ዲዛይን ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን፡ ኣብ ኢንዳስትሪ ማኑፋክቸሪንግ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሓደርቲ ክዀና ምብቃዕ ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ ትብል።
“ኣብ ከባቢና፡ ብርክት ዝበሉ ጸገማት ዘጋጥመን ኣዴታት ኢኻ ትርኢ፤ ደቀን በይነን ዘዕብያ ኣዴታት ረድኤት ዘይኰነ ዕድላት እየን ዝደልያ። ሓንቲ ካብኣተን ሕጂ ሓላፊት ኣቕሓ ከይተርኣየ ዘይወጽኣሉ ክፍሊ’ያ። ኢዳ ሒዘ ኣይኰንኩን ናብዚ ኣብጺሐያ፤ ዕድል ጥራይ’የ ኣመቻቺአ፤ ስለዚ ነገራት ብደይ-መደይ ክትገብሮም እንተኽኢልካ ከተዐውቶ ይክአል እዩ”።
ንምዃኑ፡ ቢዝነስ ንምጅማር እንታይ’ዩ ዘድሊ?
ሰምሃል፡ እዚ ኣብ ዕዳጋታት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ከምኡ’ውን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዑል ጠለብ ዘለዎ ምህርታት ቈርበት ዘፍሪ ትካል፡ ካብ ሓደ ክፍሊ መንበሪ ገዛ ወለዳ ወጻእ ኣብ ንእሽቶ ጋራጅ ኰይና’ያ ጀሚራቶ።
እዚ ቢዝነስ፡ ብእኹል ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ዘይኰነ ክእለትን ድኽነት ምስዓር ዝብል ንጹር ሸቶን ሒዛ ከተበግሶ እንከላ፡ ‘ኵሉ ትኽእሊ ኢኺ’ ዝብል መተባብዒ ቃላት ስድራኣ ልዑል ሓገዝ ከም ዝዀና ትዛረብ።
“ኣቦይ ድኽነት’ዩ ጸላኢኻ ይብል ነይሩ፤ ህይወት፡ ድኽነት ብምስዓር’ያ ትንበር። ወለደይ ንሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ኣርክቴክቸር ተማሂርካ በቲ ዓውዲ ዘይምቕጻል ኣየሰንበዶምን፤ ወይ’ውን ጠጠው ኣየበሉንን። ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝስምዓኪ ነገር ሰዓቢ’ዮም ኢሎምኒ፤ እዚ ክኣ ጠጠው ንከየብል መተባብዒ ኰይኑኒ’ዩ” ትብል።
ካባና፡ ባይታ ምስ ሓዘ ናይ መጀመርታ 200 ንሰደድ ዝኸውን ቦርሳ ብትእዛዝ ተቐቢሉ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብ ሓንቲ መሽን ወጻእ እኹል ገንዘብ ኣብ ኢዳ ዘይነበራ ሰምሃል፡ ጥረ ኣቕሓ ቈርበት ንዘቕርብ ትካል ኰነ ማሽናት ንዘቕርቡ ኣካላት ነቲ ዝነበራ ናይ ትእዛዝ ወረቐት ጥራይ ብምርኣይ ብልቓሕ ክህቡዋ ብትብዓት እያ ሓቲታቶም።
ኣብቲ እዋን፡ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ጀመርቲ ትካላት ንግዲ ዝነበረ እምነት ትሑት ስለ ዝዀነ፡ ካብ ባንክን ካልኦት ኣለቃሕቲ ትካላትን እምነት ምስኣን ካብቶም መሰናኽላት ሓደ እኳ እንተነበረ፡ እዚ ደው ኣቢሉዋ ኣይፈልጥን።
“ነቲ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ሰሪሕና ምስ ወዳእና ግን ጽሬቱ ኣይተማልአን ተባሂልና እቶም ዓደግቲ 100 ዝኸውን ቦርሳ ነጺጎምዎ። ናይዚ ምኽንያት እቲ ቈርበት ኣብ ውሽጡ ብልምዲ ኣብ ገዛ ክሕረድ እንከሎ ካራ ተንኪፉዎ ዝነበረ ምዃኑ’ዩ፤ ኣነ ግን ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ስለ ዘይነበረኒ ኣዝዩ ዘሰንብድ ነገር ነይሩ” ትብል።
ሰምሃል፡ በዚ ከጋጥማ ንዝኽእል ሙሉእ ክሳራ ንምድሓን፡ ነቶም ዓደግቲ እቲ ዘይተቐበሉዎ ቦርሳታት ናብ ንኣሽቱ ዋሌታት ብምቕያር ሰሪሓ ክትህቦም ሓሳብ ኣቕረበት እምበር፡ ኢዳ ኣይሃበትን።

ምንጪ ስእሊ, Kabana
“መኽሰብ እኳ እንተዘይረኸብኩሉ፡ ተቐቢሎምኒ። እዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ስራሕኻ ብዘጋጥሙኻ ነገራት ተስፋ ክትቖርጽ ከምዘይብልካ ዘምሃሩኒ’ዩ። ካብ ሃብታም ስደራ ኣይኰንኩን መጺአ፤ ስለዚ፡ ጸገም ኣጋጢሙኒ ኢልካ ምግዳፍ ዘይኰነ፡ ስንኻ ነኺስኻ ኢኻ ክትቕጽል ዘለካ”።
ካብ ስድራን መሓዛን እትረኽቦ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ፣ ኣባል ዝዀነትሎም ማሕበራት ዝህቡዋ መፍትሒ ሓሳባት፡ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ በዳህቲ እዋናት ወሳኒ ተራ ከም ዝነበሮም ትዛረብ።
“ስነ-ልቦናዊ ጥንካረ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፤ ኣቦይ ከኣ፡ ወትሩ ሸቶ ዝበሃል እንታይ’ዩ ዝብል ብዝግባእ ክርዳእ ገይሩ’ዩ ኣዕቢዩኒ። ‘ተስፋ ምቑራጽ፣ ምውዳቕ ምርጫ ኣይኰነን፤ ከተዐውትዮ እትደልዪ ነገር እንተሃልዩ ነዚኦም ኢኺ ክትሓልፊ’ ይብለኒ ነይሩ። ስለዚ፡ ካብ ኣተዓባብያይ መጀመርታ ከተዐውትዮ ትደልዪ ዲኺ? ዝብል ከይርስዕ ዝገብር እዩ ነይሩ” ኢላ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዝነበረ ኲናትን፡ ኣብ ልዕሊ ፍርያትን ዕዳጋን ካባና ከቢድ ጸቕጢ ካብ ዘሕደሩን ተስፋ ንክትቘርጽ ምኽንያት ክዀኑ ዝኽእሉ ምንባሮም ኣይሓብአትን።
ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ንግዲ ወጻኢ ስለ ዝተቛረጸ ትኹረት ዕዳጋኣ ናብ ውሽጢ ዓዲ ክትገብር’ያ ተገዲዳ።
12 ንኣሽቱን ማእከለዎትን ትካላት 12 ናእሽቱን ማእከሎትን ትካላት ዝሓቖፈ ግዝያዊ ምትሕብባር ንግዲ ክህሉ ብምግባር ድማ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከምኡ’ውን ካልኦት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣቑሑ ናብ ምፍራይ ክኣትውን ካብ ማስተርካርድ ፋውንዴሽን ሓገዝ ብምርካብ ልዕሊ 1060 ሰባት ስርሖም ከይስእኑን ከም ዝገበረት መርብበ ሓበሬታ ካባና የመልክት።
ማሕበራውን ከባብያውን ሓላፍነት ካባና
ሰምሃል ጉዕሽ፡ ብኢንስቲትዩት ምሕደራ ስዊደን ኣብ ዝወሃብ ፕሮግራም ኣመራርሓ ዘላቒ ምሕደራ ስልጠናን ትምህርትን ክትረክብ እንከላ፡ ኣብ 2020፡ ንፕሮግራም ኣመራርሓ መንእሰያት ኣፍሪቃ ኦባማ ተሓጽያ ነይራ።
ብ2018 ድማ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) መንእሰይ ጓል ኣንስተይቲ መሃዚት ስራሕ ብምባል ሸሊሙዋ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ’ውን ካባና ‘ሞዴል’ ትካል ኢሉ ሸሊሙዎ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ኣብ ስዊድን፡ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ዝረኸበቶ ተሞክሮ፡ ብፍላይ ኣብ ኣተኣላልያ ጕሓፍን ረሳሕ ፈሳስን እትኽተሎ ዝነበረት ኣገባብ ንክመሓየሽ ከም ዘኽኣላ እትገልጽ ሰምሃል፡ “ክንጅምር እንከለና ኣትሒዙ ካብ ፋብሪካ ቈርበት ዝወጽእ ማይ ከቢድ ብከላ ከባቢ ከስዕብ ዝኽእል ሓደገኛ ኬሚካል ዘለዎ ማይ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ፡ ቅድሚ ምፍናው ምስ ዝሕክሙ ‘ሳፕላየራት’ ኢና ንሰርሕ” ኢላ።
ብኻልእ ወገን፡ ቈርበት ከስዕቦ ዝኽእል ከባብያዊ ብኽለት ንምክልኻል ንዓመታት ኣብ መስርሒ ቦታኣ ተዀሚሩ ዝጸንሐ ጕሓፍ ቈርበታት፡ ዳግም ኣብ ረብሓ ከምዝውዕል ብምግባር፡ ካብ ደገ ዝኣትው ጥረ ኣቑሑ ዝትክኡ፣ ጫማ፣ ምንጻፍን ካልኦት ኣቑሑን ንምስራሕ ከተውዕሎ ከም ዝጀመረት ሓቢራ።
ካባና፡ ኣብ ከም ካብ ስደት ተመለስቲ ንዝዀና ደቂ ኣንስትዮን ካልኦትን ስልጠናታት ምሃብ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ሓላፍነታት ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣብ ቀጻሊ ነዚ ዝመርሕን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻእ ኣብ ዘለው ከባቢታት ተመሳሳሊ ስራሕቲ ንምስፋሕ ዝሕግዝን ፋውንዴሽን ንምጥያሽ መደብ ከም ዘለዎ እታ ፈጻሚት ስራሕ ገሊጻ።
ካብ ስራሕ ወጻእ ኣብ ዘሎ ህይወታ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ናብ እትገብረሉ ማእከል ምኻድ፣ ምስ ከልባ ናይ እግሪ ጉዕዞ ምግባር፣ ኣብ ገለ መዓልታት ድማ፡ ናብ ኣኼባታት ደቂ ኣንስትዮ ፈጸምቲ ስራሕ ምኻድ እተዘውትር ሰምሃል፡ “ዓወት ውሽጣውን ግዳማውን ሓጐስ’ዩ፤ ዝፈትዎ ነገር ይሰርሕ ብምህላወይ ዕግበት ይስምዓኒ። ዲዛይን ክኣ ዝምስጠኒ ነገር’ዩ” ብምባል ንመጻኢኣ ተመዓዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







