‘ሚልየነር ክኸውን ሕልሚ ነይሩኒ’ - ራህዋ በየነ

ራህዋ በየነ

ምንጪ ስእሊ, Rahwa

መንእሰይ ራህዋ በየነ፡ መብዛሕትኡ ካብ ዩኒቨርሲታት ኢትዮጵያ ዝምረቕ ተምሃራይ ስራሕ ኣይረክብን’ዩ ዝብል መረረ ትሰምዕ ስለ ዝነበረት ካብ ዩኒቨርሲቲ ምስ ተመረቐት ሓለቓ ነብሰይን ስርሐይን ክኸውን ኣለኒ ብምባል ቀልጢፋ’ያ ናይ ባዕላ ስራሕ’ያ ጀሚራ።

ምኽንያቱ፡ ‘ስለምንታይ እዮም ሰባት ስራሕ ገዛእ ርእሶም ዘይፈጥሩ?’ ዝብል ሓሳብ ይመላለሳ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ሰባት ይዅን ትካላት ክትቍጸር ድልየት ኣይነበራን።

ናተይ እትብሎ ትካል ክትጅምር ብምሕሳብ ከኣ፡ ወለዳ ዝኽእሉ እንተዀይኖም መበገሲ ዝኸውን ቅሩብ ገንዘብ ክህቡዋ ሓተተቶም።

እንተዀነ፡ ወላዳ ብወርሓዊ መሃያ መንግስቲ ስለ ዝነባበሩ፡ እቲ ንመመረቕታኣ ክኸውን ዝሓሰብዎ 30 ሽሕ ገንዘብ መትከል እግሪ ክዀና ሃቡዋ።

“ማሕበረሰብና ውላዱ ክምረቕ እንከሎ ሰብ ደስ ንክብሎ ንድግስን ካልእን ስለ ዝፈቱ፡ ኣነ ክምረቕ እንከለኹ ነቲ ንውራይ ዝሓሰቡዎ ገንዘብ ንመጀመሪ ሰራሕ ክህቡኒ ምስ ወደለይ ተዘራሪብና። 30 ሽሕ ብር ተዋሂበ” ትብል።

ኣብ 2011 ዓ.ም (ግእዝ) ብ’ሌዘር ኢንጅነሪን’ (ምህንድስና ቈርበት) ክትምረቕ እንከላ፡ ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪን ክትነጥፍ ዘኽእላ ፕሮጀክት ሒዛ ከም ዝወጽአት ትዛረብ።

ራህዋ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ውቕሮ ብማኑፋክቸሪን ቈርበትን ውጽኢታት ቈርበትን እትነጥፍ መንእሰይ’ያ።

ቅድሚ፡ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ውቕሮ ክትከይድ እንከላ፡ እተን ወለዳ ዝሃቡዋ 30 ሽሕ ብር ሒዛ፡ ተወሳኺ ልቓሕ መንግስቲ ብምውሳድ ማሽናት ዓዲጋ ናብ ስራሕ ከም ዝኣተወት ትገልጽ።

ተምሃሪት ዩኒቨርሰቲያብ ዝነበረትሉ፡ ንሽዱሽተ ወርሒ ብዝተዋህባ ፕሮጀክት ኣብ ውቕሮ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ቈርበት ሸባ (ካብ መቐለ 45 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ እትርከብ ከተማ) ዝነበራ ተመኵሮ’ዩ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ቢዝነስ ክትጅምር ድርኺት ፈጢሩላ።

“ዝዀነ ስራሕ ክትሓስቢ እንከለኺ ኣብ ቀረብኡ መገብቲ ዝዀኑ፣ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ትካላት ክህልው ኣለዎም። ስለዚ ማሽን እንተዘይሃልዩኒ ንዕኦም ሓግዙኒ ብምባል ክሰርሕ ይኽእል’የ ብምባል’የ ንከተማ ውቕሮ መሪጸ” ትብል።

ራህዋ፡ ብኢድ ሰሪሓ ንዕዳጋ ካብ እተቕርቦም ጫማታት

ምንጪ ስእሊ, Rahwa

መግለጺ ስእሊ, ራህዋ፡ ብኢድ ሰሪሓ ንዕዳጋ ካብ እተቕርቦም ጫማታት

ይዅን’ምበር፡ ኣብ መወዳእታ 2012 ዓ.ም ፍቓድ ንግዲ ኣውጺኣ ስራሕ ኣብ ዝጀመረትሉ፣ ኣብ ካልኣይ ወርሑ ኲናት ትግራይ ተወሊዑ፤ በዚ እቲ ብዙሕ ተስፋ ዝገበረትሉ ስራሕ ተሰናኺሉ፤ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝገደፈቶም ስድራኣ'ውን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

“ብጣዕሚ ከቢድ ግዜ ነይሩ፤ ካብ ወለድኻ ተፈሊኻ እሞ ስራሕ ዘይብልካ 30 ሽሕ ብር ጥራይ ሒዝካ መግቢ፡ ገዛ ክራይ፡ ብኢንተርነት ዝወስዶ ዝነበርኵ ትምህርቲ . . . ከቢድ ነይሩ።”

ኣብ መንጐ ደኣ ህይወት ብኸመይ ትቕጽል ነይራ? ንዝብል ዝቐረበላ ሕቶ፤

“ብኢድ ዝስርሑ ጫማታት፡ ሻርፓ ዝኣመሰሉ ነገራት ብምስራሕ’የ ‘ሰርቫይቭ’ ዝገብር ነይረ። ኲናት ግዜኻ፡ ሕልምኻ፡ ኵሉ ነገር’ዩ ዘሰናኽል። ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ግዜናን ዕድመናን ብመደብ’ዩ ዝምራሕ። ክትምርዖ፡ ክትወልድ፡ ክትሰርሕ ኵሉ መደብ ስለ እትገብር ዓይኒ ቢዝነስ ክውሰዀ እንከሎ ከቢድ እዩ” ኢላ።

‘ኣቑሑተይ ጠርኒፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ’

ራህዋ፡ ብኢድ ዝስርሑ ጫማታት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ቦርሳታት፡ መዓጥቘ፡ መትሓዚ መፍትሕ ዝኣመሰሉ ፍርያት ንዕዳጋ ተቕርብ።

እዚኦም ድማ፡ ነቲ ተጠቃማይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ዝቐርቡን ብፍላይ ኣብ እዋን ሓጋይ ወይ ሙቐት ዝበዝሖ ከባቢ ተመራጺ ክዀኑ ዝኽእሉ ፍርያት ከም ዘለውዋ ትገልጽ።

“ምስቲ ጀማሪት ምዃነይ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ስለ ዘለኒ፡ ብንእሽቶ መኽሰብ እየ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ዝደሊ” ትብል።

ራህዋ፡ ብቐንዱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈርዩ ምህርቲ እትጥቀም ኰይና፡ ብቕዓት እቶም ብፈትሊ ዝስርሑ ጫማታት ንምርግጋጽ ‘polyster thread’ ዝበሃል ብዓይነቱ ዝተፈለየ ኣፋትል ትጥቀም።

ነዚ ዘድልዩ መሽናት ንምዕዳግን ሰራሕተኛታት ንምቝጻርን 300 ሽሕ ልቓሕ መንግስቲ ከም ዝወሰደት እትዛረብ ራህዋ፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጠጠው ዝበለ ኲናት ሓድሕድ፡ ከቢድ ጽልዋ ከም ዘሕደረላ ገሊጻ።

“ኣብ መንጐ በቲ ኲናት ብዙሕ ተሳቒና፤ ኣብ ውቕሮ ደብዳብ ነይሩ፤ ኣብ መገዲ ሰብ እናሓለፈ ይቕተል ነይሩ፤ ብዙሓት መንእሰያት ተቐቲሎም፣ ደቂ ኣንስትዮ ተዓሚጸን እየን። ሽዑ ምስ ምንኣሰይ ሓፍተይ ኣብ ገዛ ተዓጺና ኢና ኣሕሊፍናዮ። ቤተሰበይ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም። ዝነበረኒ ኣማራጺ ዝተረፈ ኣቕሓ ጠርኒፈ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ’ዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ብኢድ ዝስራሕ ዝነበረ እየ ቀጺለዮ። ናይ ኦንላይን ሾፒን እናሰራሕኩ ድማ ሓሊፈዮ።”

ራህዋ፡ ምህርታታ ብሕሳር ዋጋ ናብ ዕዳጋ ከም እተቕርቦም ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Rahwa

መግለጺ ስእሊ, ራህዋ፡ ምህርታ ብርትዓዊ ዋጋ ናብ ዕዳጋ ከም እተቕርቦም ትዛረብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ድሕሪ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝበጽሕዎ ስምምዕ ኲናት ደው ክብል እንከሎ፡ ራህዋ ኣብ ግንቦት ናብ ትግራይ ተመሊሳ።

ንሳ፡ ዝነበረኒ ዕላማ ንምዕዋት እየ ተመሊሰ ትብል።

“ኵሉ ነገር ኣብዚ ስለ ዝመስረትኩዎ፡ ዝዓነወ ይዅን ዝወደቐ ነገራት ኣልዒለ ናብቲ ዕላማይ ክምለስ ስለ ዘለኒ’የ ተመሊሰ። ሕጂ’ውን ገና ይለዓል ኣለኹ እምበር ካብቲ ከቢድ ብድሆ ኣይወጻእኹን፤ ዕዳጋ የለን። ብድሆ ግን ንዕላማ ኣይዓግቶን። ብድሆ ከም ዘሎ ኣሚንካ ክትጓዓዝ ስለ ዘለካ ተቐቢለዮ እየ።”

ካልእ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዚ ዓውዲ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብሃገር በቆል ትካላት ዝፈርዩ ምህርቲ ዓዲግካ ምጥቃም ዘለዎ ግንዛበ ድሩት ምዃኑ’ዩ።

ሓቂ እዩ፡ ብፍላይ ገለ ሰባት ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ዝዀነ ዓለባን ጫማን ነዊሕ እዋን የገልግለኒ’ዩ ዝብል እምነት ከሕድሩ ኣይርኣዩን።

እዚ፡ ብዙሓት ኣብታ ሃገር ብተበግሶኦም ዝንቀሳቐሱ ሰባት ዝገጥሞም መሰናኽል ኰይኑ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈላለዩ ንኣሽቱን ዓበይትን ወፍሪታት ንክሳራታት ክቃልዑ ምኽንያት ምዃኑ ይግለጽ።

“ብዙሓት ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ሓሳብ ጥራይ ሒዞም ኮፍ ዝብሉ ሰባት ዝኸበዶም ነገር እዚ’ዩ። ቅሩብ ዘገናዝብ ሰብ ርእይቶ ሂቡ፣ ኣተባቢዑካ’ዩ ዝኸይድ። ንመብዛሕትኡ ግን እናረዳእኹ እየ ዝሰርሕ። ከም ሕብረተሰብ ክንዓቢ እንተዄንና’ውን ካብ ደገ ዝኣቱ ዘይኰነስ ንሕና ሰደድ ገይርና ገንዘብ ብምምጻእ፡ ኣብ ውሽጥና’ውን ምልውዋጣት እናፈጠርና’ዩ ቍጠባና ክዓቢ ዝኽእል።

“ንሕና ነቲ ዕዳጋ ብትሑት ዋጋ ኢና ክንቈጻጸሮ እንኽእል፤ ስለዝዀነ ናይ ቻይና ኣቕሓ ኣምጺኦም ክሸጡ እንከለው ክትወዳደር ኣይትኽእልን፤ ውድቀት የጋጥም። [እዚ ከኣ ] ዝዓበየ ዕዮ ገዛ ናይ መንግስቲ ይመስለኒ” ክትብል ተረድእ።

ኣብዚ እዋን፡ ንሳ እትርከቦም ሽዱሽተ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ኣለውዋ፤ እቲ ዝተኸለቶ ቢዝነስ ንኻልኦት ግዝያዊ ሰራሕተኛታት’ውን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ምህላው ሓቢራ።

‘ዓቂንኪ ሕለሚ’የ ዝበሃል’

ራህዋ፡ ሓደ ካብ ዕላማታታ ድኽነት ምብዳህ እዩ። ካብዚ ብዝሰገረ “ሚልዮነር ወይ ቢልየነር ጓል ኣንስተይቲ ናይ ምዃን” ሕልሚ ኣለዋ።

“ኣብ ትግራይ፡ ዳርጋ ኵሉ ኣብ ትሑት ብርኪ መነባብሮ’ዩ ዘሎ (ብጀካ ውሑዳት)። ንሕና’ውን ልክዕ ከምቲ ድልየታትና ኵሉ ክማላእ ዝኽእለሉ ኵነታት ኣይነበረናን። ስለዚ ድልየተይ ንኸማልእ፡ ኣብ መጻኢየይ እንታይ ክገብር ይኽእል ዝብል እናሓሰብኩ’የ ዓብየ” ትብል።

ወሲኻ፡ “እትምነዮ ነገር ካብ ገዛኻ’ዩ ዝብገስ። ድልየታትካ ንኸተማልእ ግድን ክትሰርሕ ኣለካ። ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ክህልወካ ኣለዎ፤ ኣነ ጥራይ ድልየተይ መሊኡለይ ክነብር ጥራይ ዘይኰነ ንኻልኦት ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር’የ ዝግንዘብ ነይረ” ብምባል ቍጠባዊ ጸገማት ንምብዳህ ተሊማ ከም ዝተበገሰት ትገልጽ።

ይዅን’ምበር፡ ‘ዓቂንኪ ሕለሚ’ ዝብሉ ኣሉታዊ ርእይቶታት እትሰምዓሉ ኣጋጣሚታት ነይሩ’ዩ።

“እዚ ከም ሰብ መጠን ክስምዓካ ዝገብር’ዩ፤ ግን እቲ ዓቢይ ነገር ካብ ውሽጥኻ ዝብገስ እንተዀይኑ ኣይትስኰንን፤ ካብ ደገ ዝብገስ ነገር እንተዝኸውን ነይሩ፡ ኢኻ ትወድቕ። ጸጸኒሕኻ ናይ ውሽጥኻ ድልየት፡ ዕላማኻ ከተዳምጾ እንከለኻ፡ ግን ብንእሽቶ ነገር ክትሰናኸል ኣይተፍቅድን ወይ ትኹረት ኣይትህበሉን” ዝብል መርገጺ ኣለዋ።

ብድሆታት ሰጊርካ ተስፋ ክትፈጥር ምኽኣል ኣዝዩ ከቢድ’ዩ እትብል ራህዋ፡ ኣብ ቀጻሊ እቶም ሕጂ ዓዲጋ እትጥቀመሉ ዘላ ምህርቲ ባዕላ ብምፍራይ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወዳዳሪ ዝዀነ ትካል ክትውንን ራእይ ኣቐሚጣ ትሰርሕ ምህላዋ ተዛሪባ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣደኣ ካብ ስደት ሱዳን እኳ እንተተመልሳ ኣቦኣ ግን ሕጂ’ውን ኣብኡ እዮም ዘለው።