ካንዲ ዎከር፡ ሳዕሳዒትን ቲክቶከርን ሚስ ኣፍሪካ ጎልደን ሞዴል ለተብርሃን

ሞዴል ለተብርሃን ኣብ ኣክሱም ተወሊዳ ዝዓበየት ክትከውን እንከላ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ውድድራት ጽባቐ ትሳተፍ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, LETEBRHAN

ኢትዮጵያውያንን ኣመሪካውያንን ስድራ ስለ ዘዕበዩዋ ብኽልተ ሽም እያ ትጽዋዕ።

ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዕጽዋ ኣብ እትርከብ ትግራይ ንዘላ ወላዲታ፡ ለተብርሃን ኣብርሃለይ ክትብላ እንከላ ነቶም ቈልዓ 10 ዓመት እንከላ ብሞግዚትነት ዘዕበዩዋ ኣሜሪካውያን ስድራቤት ከኣ ኬንደስ ዎከር ይብሉዋ።

ብዙሓት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብፍላይ እቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ሚሊዮናት ተጠቀምቲ ዘለውዎ ቲክ ቶክ ዘለው ልዕሊ 200 ሽሕ ሰዓብታ ድማ 'ካንዲ ዎከር' ብዝብል ይፈልጡዋ።

ጓል 19 ዓመት ለተብርሃን፡ ሞዴል፣ ሳዕሳዒትን ቲክቶከርን ኮይና ተመሃሪት መሰናድኦ'ውን እያ። ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ኣብ ዓርሰ/ነብሰ ህንጸት ዘተኮረ ስልጠናታት ምምዕባል ክእለትን ዓቕምን፣ ፋሽንን ምምልኻዕን [ሜክኣፕ] ትወስድ።

ለተብርሃን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ናይጄሪያ ሌጎስ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ውድድር ጽባቐ 'ሚስ ኣፍሪካ ጎልደን 2021'፡ ንኢትዮጵያ ወኪላ ብምስታፍ ካልአይቲ ኮይና ተዓዊታ።

ኣብቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጽኣ 40 ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ውድድር፡ 18 ሞዴላት ኣብ ናይ መወዳእታ ሕጸ እኳ እንተበጽሓ ጓል 28 ዓመት ዚምባቡያዊት ሞዴል ሲንዲሶ ንድሎቩ እያ ተዓዊታ።

'ኣደይ ቈሎ እናሸጠት'ያ ኣዕቢያትኒ'

ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ትግራይ ከተማ ኣኽሱም እያ ተወሊዳ ዓብያ።

"ኣብ ዓድና ኣኽሱም፡ ክሳብ 13 ዓመት ጸኒሐ፤ ኣብ ስድራና ድኽነት ስለዝነበረ ኣደይ ቆሎ እናሸጠት ተዕብየኒ ነይራ" ትብል።

ከም ኣደን ጓልን ኣዝዩ ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን እትዛረብ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ዙርያ ሓወልቲ ኣኽሱም ንበጻሕቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ናይ ክሳድ መስቀል ብምሻጥ ንወላዲታ ትሕግዝ ምንባራ ትገልጽ።

ብሓደ ገጽ ናብራ ምኽባዱ ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኩነታት ጎጆ ንምቕናዕ ላዕልን ታሕትን ትብል ዝነበረት ወላዲታ የተሓሳስባ ስለ ዝነበረ ኾን ዶኾን ሓገዝ ይኸውን ብዝብል'የ ጀሚረዮ ትብል።

"ናብራ ቆሎ እናተሸጠ . . . ንሳ'ውን ኣብ ክረምቲ ግራውቲ እናጸሃየት ማይ እናቐጥቀጣ እያ ኣትመጽእ ነይራ። ንዝኾነ መዓልቲ ዝሸጦ መስቀል እንተዘይገዛእክለይ ኢለ ለሚነ፤ ክልተ መስቀል ገዚኣትለይ። ነዚአን ዕጽፊ ገይረ ሸይጠ ነታ ዓይኒ ዋና መሊሰ በቲ ከስበይ ካልእ መስቀል ገዚአ ቀጺለዮ" ኢላ።

ንኣስታት ክልተ ዓመታት ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ትምህርቲ፣ ፍርቂ መዓልቲ ክኣ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ታሪኻዊ ቦታታት ኣኽሱም ክርእዩ ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ናይ ክሳድ መስቀል ከምኡ'ውን ባዕላ ዝሰርሓቶም ባህላዊ ስፌት እናሸጠት ሽግር ገዝኣ ተቃልል ነይራ።

ኣብቲ እዋን [ለተብርሃን ቈልዓ 10 ዓመት እናሃለወት ጀሚሩ] ጸሓፊ 'Adam without Eden - hope far from Home' ፕሮፌሰር ስነ-ኵዕታ [ኣርኪዮሎጂ] ሳሙኤል ዎከር ናብ ኣኽሱም ይመላለስ ነይሩ።

ለተብርሃን ምስ ኣመሪካዊ ኣቦኣ ፕሮፌሰር ሳሙኤል ዎከር

ምንጪ ስእሊ, Samule Walker FB

መግለጺ ስእሊ, ለተብርሃን ምስ ኣመሪካዊ ኣቦኣ ፕሮፌሰር ስነ-ኵዕታ [ኣርኪዮሎጂ] ሳሙኤል ዎከር

ህጻን ለተብርሃን፡ ኣብ ከባቢ መእተዊ ሓወልቲ ኣኽሱም ዝተደርበዩ ናይ ማይ ፕላስቲክ ኣልዒላ ነቲ ከባቢ ከተጽርዮን ቦታ ቦትኡ ክተሕዝን እንከላ ፕሮፌሰር ዎከር'ውን ኣብቲ ከባቢ ነይሩ።

በዚ ኣጋጣሚ ምስ ተራኸቡ ከኣ ክሕግዙዋ ጀሚሮም።

እቶም ኣመሪካውያን ስድራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናይ ትምህርትን ገንዘብን ሓገዝ ክገብሩላ ድሕሪ ምጽናሕ ብሞግዚትነት ወሲዶም ንከዕብዩዋ'ውን መስርሕ ጀሚሮም።

እዚ ብምኽንያት ሕጊ ሞግዚትነት [ኣዶፕሽን] ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ክሳለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብ 13 ዓመታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምጻእ ዝሓሸ ትምህርትን መነባብሮን እትረኽበሉ ዕድላት ብምፍጣር ኣብ ውሽጢ ዓዲ እናደገፉ ከም ዘዕበዩዋ ትገልጽ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን 'ሰሪሕካ ናይ ባዕልኻ እቶት ምርካብ፣ ወላዲተይ ምሕጋዝ' ዝብሉ ካብ መንፈሳ ጠቕሊሎም ስለ ዘይወጽኡ፡ ጌና ጓል 16 ዓመት እናሃለወት ኣትሒዙ ናይ ምልላይ ስራሕትን ካልእን ንምስራሕ ዕድላት ትርኢ ምንባራ ተዕልል።

እንተኾነ፡ እቲ ዓውዲ ውድድር ዝበዝሖ፣ ግዜን ገንዘብን ዝሓትት ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ ንርእሳ ዓለምለኻዊት ተወዳዳሪት ከግብራ ኣብ ዝኽእል ዓለምለኻዊ ስልጠናታት ሞዴሊንግ ክትወስድን ምስቲ ዓብዪ ዕዳጋ ክትላለን ጀሚራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ወይዘሪት 'ግሎባል ቪዥን ዎርልድ' ናይ መጀመርታ ተሳትፎ ገይራ ካልኣይቲ ወጺኣ።

እዚ ሓደ ሸነኽ ህይወታ ኮይኑ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣካል እዚ ጉዕዞኣ ምስ ዝኾኑ ስድራ ቤታ ተራኺባ ከም ዘይትፈልጥን ድሃይ ወላዲታ ከም ዘይሰምዐትን ትዛረብ።

"ኣደይ ኮነ ቤተሰበይ ብስልኪ ካብ ዘዛርቦም ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ፤ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ኢንተርነት የለን፣ ስልኪ ተዓጽዩ'ዩ . . . ሰላም ይኹን ብዝብል ጸሎት ኢና ዘለና። ግደ ሓቂ፡ ኣዝዩ ስለ ዝጨንቀኒ'ውን እየ ኣብዚ እዋን ንነብሰይ ኣብ ስራሕ ብምጽማድ በብግዝኡ ኣብ ውድድራቱ ዝኣቱ ዘለኹ። ከምኡ እንተዘይገይረ ክድቅስ ኣይክእልን፤ [ዘሻቕል] ዜናታት እናኽሰምዕ ይርበሽ፤ እቶም ካብ ዓዲ ዝሰምዖ ነገራት'ውን ይጸልውኒ'ዮም" ትብል።

ውድድር ጽባቐን ቱሪዝምን

ኣብ ዓለም ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መድረኻት ውድድር ጽባቐ ክህልው እንከለው፡ ብዙሕ ወጻእን ጻዕርን ዝሓቱ'ዮም።

እቲ ኢንዳስትሪ፡ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዘለወን ኣካላዊ ጽባቐ ሓሊፉ ንክእለተን፣ ፍልጠተን፣ ባህሪአንን ካልእን ዝሓውስ ውሽጣዊ ጽባቐ'ውን ዝርኢ ኮይኑ፡ 'ሚስ አርዝ፣ ሚስ ኢንተርናሽናል፣ ሚስ ዩኒቨርስን ሚስ ዎርልድን' እቶም ቀንዲ ዓለምለኻዊ ውድድራት'ዮም።

ሞዴል ለተብርሃን ኣብ ውድድር ወይዘሪት ኣፍሪቃ ጎልደን ካልኣይቲ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, LETEBRHAN

እዚ፡ ኣዝዩ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት፣ ብዙሓት ፈተናታትን ትጽቢት ዘይተገብሮም ነገራትን ክገጥሙዎ ዝኽእሉ ኢንዳስትሪ እኳ እንተኾነ እተን ንዝመጽኣሉ ሃገር ወኪለን ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዓውዲ ዝመርጻሉ ምኽንያት ዝተፈላለየ እዩ።

ብቐንዱ ታሪኽን ባህልን ዝመጽኣሉ ሕብረተሰብ ምልላይ ኮይኑ ጎና ጎኒ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰበን ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ንምቅላስ'ውን ይጥቀማሉ።

ንቱሪዝምን ባህልን ዘለዋ ዝንባለ ናብቲ ኢንዳስትሪ ከም ዝስሓባ እትገልጽ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብታ ሃገር ቱሪዝም ክንድ'ቲ ዝግብኦ ከም ዘይተሰርሓሉ ትዛረብ።

"ጓል ኣኽሱም ስለ ዝኾንኩ ምስ በጻሕቲ ዓዲ እየ ዓብየ። ሕጂ ብምኽንያት ኣብ ሃገር ዘሎ ጸገማት እቲ ዓውዲ [ቱሪዝም] ተሃስዩ'ዩ፤ ክሰርሓሉ'ውን ኣይክኣልኩን። ቀንዲ ዕላማይ፡ ንዓርሰይን ሃገርን ምፍላጥ ስለ ዝኾነ ግን ዓለምለኻዊ ሞዴሊንግ ቀንዲ ኣማራጺ ገይረ ርእየዮ" ኢላ።

ወሲኻ፡ "ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ኣብ ዓድና ትግራይ ብዙሕ ዓቕሚ፣ ኩነታት ናብ ንቡር ምስ ተመለሰ እነመሓይሾ ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ሓርማዝ፣ ዘራፍ ከም ዘለና ኣይፍለጥን፤ ከም ኬንያ፣ ታንዛኒያ ዝበላ ሃገራት ግን ብዝግባእ ስለ ዘፋልጥኦ እቶት ይረክባሉ ኣለዋ። ስለዚ ነዚኦም እናላለኹ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ቱሪዝም፣ ታሪኽን፣ ባህልን ክሰርሕ እየ ዝደሊ" ኢላ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ጽባቐ ንሰብ ወይ ሕብረተሰብ ዘለካ ኣጠማምታ፣ ንዓለምን ከባቢኻን ብኸመይ ትጸሉ፣ ንሰብ ብኸመይ ኣርኣያ ትኸውን ዝብል ትርጉም ከም ዝህባ ክትገልጽ እንከላ፡ ንሓዋሩ ኣብ ዙርያ ዘኽታማት ቈልዑን ደቂ ኣንስትዮን ትኹረት ዝገበሩ ፕሮጀክታት ክትሰርሕ ድልየት ኣለዋ።

"ኣይረሳዕኹዎን፤ ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝሓስቦ ነገር ነይሩ - ምስ ቈልዑ እየ ክሰርሕ ዝደሊ። ምኽንያቱ ምስ ቈልዑ ምስራሕ ወይ ንሳቶም ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከም ዝበጽሑ ምግባር ንጽባሕ ብሩህ መጻኢ ተቕምጥ ኣለኻ ማለት እዩ። ዓዲ ዘማዕብሉ፣ ጠንካራን ጽቡቕ ርእሲ ዘለዎም ቈልዑ ብምፍራይ ኩሉ ክዕረ'ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዘለኒ ምስ ዘኽታማት ቈልዑ ክሰርሕ እየ ዝደሊ" ኢላ።

ናይ መጻኢ መደባት

ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብዚ እዋን ተመሃሪት መሰናድኦ ኮይና ኣብ ዝቕጽል ዓመት ማርኬቲንግ ንክተጽንዕ መደብ ኣለዋ።

ጎድኒ ጎድኒ ትምህርታ ስራሕ ፋሺን ብምስራሕ፣ ኣብ ካልእ ውድድራት ጽባቐ ብምስታፍ ነቶም ክትሰርሖም እትደሊ መደባት ዝድግፉዋ ክእለትን ዓቕምን ከተተኩር ድልየት ኣለዋ።

ብቐንዱ ርእሰ ተኣማንነታ ኣብ ዝሃንጹ መደባት ትኹረት ከም እትገብር እትዛረብ ሞዴል ለተብርሃን፡ ኣብ ጥልያን ኣብ ዝካየድ 'ሚስ ዩሮፕ ኮንቲነንታል' ንምስታፍ ምድላዋት ትገብር ምህላዋ ሓቢራ።

"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ዝደለየቶ ንክትበጽሕ ርእሰ ተኣማንነትን ዕላማን ክህልዋ ኣለዎ፤ ኣብ ህይወት ብዙሕ ዓይነት ፈተና ክብድሃ ይኽእል እዩ፤ ወዲቓ ክትትስእ ትኽእል እያ። ንዕላምኣ ኢላ ክትንቀሳቐስ፣ ንቕድሚት ክትስጉም ኣለዋ። ከምኡ እንተገይካ ክትዕወት ይክኣል'ዩ" ትብል።