ነፍሰ-ጾር ኰይና ኣብ ኦሎምፒክ ንዓለም ዘስደመመት ተወዳዳሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ብዛዕባ ውላደይ'የ ዝሓስብ ነይረ፤ ውላደይ ኦሎምፒካዊ ክኸውን ከም ዝደሊ እየ ዝሓስብ ነይረ።"
ኦሎምፒክ ፓሪስ 2024፡ ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 11 ነሓሰ 2024 ከም ዝተኻየደ ይዝከር።
ኣብዚ ዝተፈላለዩ ውድድራትን ፍጻመታትን ዝተኻየደሉ ኦሎምፒክ፡ ንዓለም ካብ መንጐ ዘስደመሙ ጕዳያት እቲ ሓደ ጕዳይ እታ ብፅሕቲ-ወርሒ ኰይና ኣብ ውድድር ሴፍ [fencer ] ዝተሳተፈት ግብጻዊት ናዳ ሓፌዝ'ዩ።
ነፍሰ-ጾር ምዃና፡ ኣብቲ ውድድር ንክትሳተፍ ዝያዳ ከም ዝደፋፍኣ ትዛረብ።
ንሳ፡ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ እንከላ ነፍሰ-ጾር ምዃና ዝፈልጡ ሒደት ሰባት'ዮም ነይሮም።
እቲ መበል 16 ዝዀነትሉ ናይ መወዳእታ ውድድር፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ዘርግሓቶ ነፍሰ-ጾር ምዃና ወግዓዊ ገይራ።
ናይ ሸውዓተ ወርሒ ዕሸል ከም ዝተሰከመት'ዉን ገለጸት።
ነዚ ስዒቡ፡ ርእሰ ዜና ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ኰነት።
ናዳ ግን እዚ ዅሉ ካብ ትጽቢታ ወጻኢ'ዩ ነይሩ።
"ኣብ ናይ ውልቂ ኣካውንተይ'የ ጠቂዐዮ፤ ነፍሰ-ጾር ኰይነ እቲ ውድድር መበል 16 ደረጃ ሒዘ ምውድአይ ዘሐብን'ዩ ዝብል መልእኽቲ'የ ጠቂዐ፡" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪባ።
ወሲኻ፡ "እዚ ኣዘራራቢ ክኸዉን'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን፤ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኣይፈለጥኩን፡" ኢላ።
ጓል 27 ዓመት ናዳ፡ መብዛሕትኡ ዝበጽሓ መልእኽታት እወንታዊ ከም ዝዀነ ትዛረብ።
"እቲ ዝጠቃዕዅዎ መልእኽቲ ዝያዳ ኣዘራራቢ ምስ ኰነ፡ ንብዙሓት ሰባት ከነቓቕሕ ክኢለ እየ። እዚ ድማ ንዓይ ዓብዪ ነገር'ዩ፡"።
ክኢላ ቤተ-ፈተነ ዝዀነት ናዳ፡ ኣብ ውድድር ሴፍ ንክትሳተፍ ካብ ሓካይም ፍቓድ ከም ዝተዋህባን ኣካላዊ ብቕዓት ደቀንስትዮ ንምርኣይ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ከም ዝወሰነትን ገሊጻ።
"እዚ ንዓይ፡ ንሓንቲ ግብጻዊት ከምኡ'ዉን ዓረብ ጓለንስተይቲ፡ ዓብዪ መልእኽቲ'ዩ። ንዅለን ደቀንስትዮ ሰብነትኽን ዘስደምም ተግብራት ክዓዪ ይኽእል'ዩ ዝብል መልእኽቲ'ዩ ዘርኢ፡" ትብል።
ወሲኻ፡ "ሓሓሊፉ፡ ዝዀነ ነገር ክትገብር ከም እትኽእል ንምፍላጥ፡ ሓደ ኣብነት ዝዀነካ ሰብ ኣብ ቅድሜኻ ክህሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ነፍሰ-ጾር ዝዀነት ጓለንስተይቲ ዝዀነ ነገር ክትገብር ትሰግእ እያ። ነፍሰ-ጾር ኰይና ኣብ ኦሎምፒክ እትወዳደር ጓለንስተይቲ ክትርኢ እንከላ ግን ኣነ'ዉን ዝደለዅዎ ክገብር ይኽእል'የ ዝብል እምነት ይፈጥረላ፡" ኢላ።
ናዳ፡ ነፍሰ-ጾር ሸውዓተ ወርሒ ምዃና ወግዓዊ ምስ ገበረት ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ድቂ ሒዛ ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝተሳተፈት ፈላመይቲ ጓለንስተይቲ ከም ዘይኰነት ብኢንስተግራም ኣቢላ ገሊጻ።
እታ ኣትሌት፡ ግብጻውያን ደቀንስትዮ "ጥንካረን ጽንዓትን ዝወረሳ ከምኡ'ዉን ተስፋ ምቝራጽ ዘይርኣየን" ምዃነን ንምጕላሕ ኣብቲ ውድድር ክትሳተፍ ከም ዝወሰነት ሓቢራ።
ነፍሰ-ጾር ኰይና ኣብ ውድድር ሴፍ ምስታፋ ግን ኵሉ ሰብ ብእወንታ ኣይርኣዮን።
ገለ ተቓውሞ ገጢሙዋ'ዩ።
ነዚ ስዒቡ ገለ ኣሉታዊ ርእይቶታት በጺሖምዋ'ዮም።
"ገለ ሰባት ክሰምረልና እንከሎ ክርእዩ ኣይደልዩን። ኣብ ጕዳይ ሰባት ርእይቶ ሂብካ ምሕላፍ ቀሊል'ዩ። ሓኪም'የ፤ ነፍሰ-ጾር ኰይነ ኣብ ውድድር ምስታፈይ ምስ ዝዀነ ሕክምናዊ ጕዳያት ዝጋጮ ከም ዘይኰነ ግልጺ ክኸዉን'የ ዝደሊ፡" ትብል።
ናዳ ወሲኻ፡ "ገለ ሰባት፡ እቲ ናይ ወድድር ቦታ ንኻልእ ሰብ ኣሕሊፈ ክህብ ከም ዘለኒ ርእይቶታት ይጽሕፉለይ ነይሮም። ኣነ ግን ነዚ ውድድር ብቕዕቲ ስለ ዝዀንኵ'የ ተሳቲፈ። ኣደይ፡ 'በቲ ዝበጽሓኪ ዘሎ ነገራት ከይትሓዝኒ' ትብለኒ ነይራ። ኣነ ግን በቲ ዝገበርኵዎ ነገር ሕብንቲ'የ፤ ኣዝዩ በዳሂ ዝዀነ ነገር ከዐውት ክኢለ'የ፡" ኢላ።
እቲ ናዳ ዝተሳተፈትሉ ውድድር፡ ሴፍ ሒዝካ ዝካየድ ብምዃኑ፡ መንቀሊ እቶም ኣሉታዊ ርእይቶታት እዚ ዶ ክኸዉን ይኽእል?
"ንዓይ፡ ውድድር ሴፍ ከምቲ እትርእዮ ኣይኰነን። ሓኪመይ'ዉን ዉሑስ ምዃኑ ኣረጋጊጹለይ'ዩ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናዳ፡ ኣብ ካይሮ እያ ትቕመጥ።
ተመሃሪት ሕክምና ኣብ እትከታተለሉ ዝነበረት እዋን፡ ኣብ ፍቕሪ እዚ ውድድር ከም ዝጥሓለት ተዘንቱ።
ከም ኣ.ኤ ብ2016 ዓ.ም፡ ሻምፒዮን ግብጺ ብምዃን ኣብ ኦሎምፒክ ሪዮ፡ ብ2020 ድማ ኦሎምፒክ ጃፓን ተሳቲፋ።
ዳግም፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንምስታፍ ብቕዕቲ ምዃናን ነፍሰ-ጾር ምዃናን ምስ ፈለጠት ግን፡ ካብቲ ወድድር ክትስሕብ ሓሲባ ዶ ነይራ?
"እወ፤ ዋንጫ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ'የ ነፍሰ-ጾር ምዃነይ ፈሊጠ። ናይ መጀመርታይ ክኣ ስለ ዝዀነ ናብ ስግኣት ዘእቱ ነገር ክገብር ኣይደለዅን ነይረ።
"በዓል ቤተይ [ክኢላ መጥባሕቲ ልቢ] ካብቲ ወድድር ክወጽእን ዕረፍቲ ክገብርን ክሳብ ዝነግረኒ ይጽበ ነይረ። ንሱ ግን ' ናብ ሓኪም ክንከይድ ኢና፤ እንታይ ከም ዝብል ክኣ ክንርኢ ኢና' በለኒ። እቲ ሓኪም ክኣ 'ሕማም የብልኽን። ነፍሰ-ጾር ጥራይ ኢኺ፤ ዳሕና እንተዀይንክን፡ ኵሉ ነገር ከምቲ ዝተለምደ እንተዀይኑን ድላይኺ ግበሪ' ኢሉኒ፡" ብምባል ተብርህ።
ካብቲ ሓኪም ዝረኸበቶ መረጋገጺ፡ ናብ ስልጠናኣ ክትምለስ ተወሳኺ ሓይሊ ኰና።
ነፍሰ-ጾር ምዃና እንተተፈሊጡ፡ ኣብታ ሃገር መዘራረቢ ክኸዉን'ዩ ብዝብል ክኣ ስቕታ መሪጻ።
"ንዝዀነ ሰብ ምዝራብ ኣየድለየንን፤ ምኽንያቱ እቲ ጕዳይ ሕጊ ኦሎምፒክ ዝጻባእ ኣይኰነን። ክፈልጡ ንዝግብኦም ሰባት ጥራይ'የ ተዛሪበ።
"ናተይ ኵነታት ንሕጊ ወይ ኵነታት ጥዕና ዝጻረር ዘይምዃኑ'ዩ እቲ ዘገድስ ነገር። በዚ ከም ዝዕወት ኣይፈልጥን ነይረ፤ ስለዚ ውድድር ኦሎምፒክ ክሳብ ዝጅመር ቀስ እናበልኵ በብደረጅኡ እየ ዝኸዶ ነይረ፡" ኢላ።
ኮሚቴ ኦሎምፒክ ግብጺ ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ነፍሰ-ጾር ደቀንስትዮ ካብ ስልጠና ኰነ ወድድር ዝኽልክል ሕጊ ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
"ይኹን'ምበር ውሑስ ከባቢ ክህሉ ኣለዎ፤ ስለ ዝዀነ ድማ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ከም ዘየስዕብ ከነረጋግጽ ኣለና፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል ኦሎምፒክ
ናዳ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ሓሪሳ፤ ንጓላ ዘይና ኢላታ።
ሕጂ፡ ግደ እታ ኣብ ከብዳ ዝነበረት ጓላ ኣብ ፓሪስ ንዘመዝገበቶ ዓወት ተስተማቕር ምህላዋ ትዛረብ።
"ምስ ኣሰልጣኒ ኣእምሮ ሰሪሐ'የ፤ ንጓለይ ሓደ ዝተፈለየ ነገር ክገብረላ እየ ዝደሊ ነይረ። ንዘይምዕዋት ምኽንያት ከም ዘይብለይ እየ ክሳብ ዝፍትን። ነፍሰ-ጾር'የ፡ ክዕወት'ዉን እየ ኢለ፡ ኣሳኺዐዮ ክኣ፡" ክትብል ተረድእ።
ናዳ፡ ንኣመሪካዊት ኤልሳቤጥ ታርታኮቭስኪ 15 ን13 ብምስዓር፡ ኣብ ዝርዝር 16 ተዓወትቲ ኣትያ።
እዚ፡ "ኣብ ግብጺ ንጓለንስተይቲ ተወዳዳሪት ኦሎምፒክ ብሉጽ ዝበሃል ዉጽኢት'ዩ። ብሓጐስ ይበኪ'የ ነይረ። እዚ ጓለይ እትሕበነሉ ዓወት'ዩ፡" ክትብል ዝተሰምዓ ሓጐስ ብንብዓት ኣሰንያ ገሊጻቶ።
ድሕሪኡ፡ ብደቡብ ኮርያዊት ጂዮን ሃዮንግ 15 ን7 ተሳዒራ።
ኳዓኡለን ተወዳደርቲ፡ ናዳ ነፍሰ-ጾር ምዃና ኣይፈልጣን ነይረን።
"መነሓንሕተይ፡ እዚ ክፈልጣ ምግባር ፍትሓዊ ኣይኸዉንን። ምናልባት ንምትንኻፍ ወይ ዝዀነ ነገር ንምግባር ክፈርሓ ይኽእላ። ነዚ እየ ክዛረብ ዘይደለዅ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብነት ምዃን'ዩ ንልበይ ዝመልኣለይ
ናዳ፡ ጐና ጐኒ ካልኣይ ዲግሪ ተጽንዕ እያ።
ነዚ ዝረኸበቶ መድረኻት ተጠቒማ ድማ፡ ኣብ ስፖርት ንመሰላት ደቀንስትዮ ደው ክትብል ትሕልን።
ሕጂ፡ ኣብ 2028 ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝካየድ ኦሎምፒክ ንምስታፍ ኣይወሰነትን ዘላ።
ንሕጂ ግን ኣብ ፓሪስ ዝረኸበቶ ዓወት ተስተማቕር ኣላ።
"ንኣሽቱ ኣዋልድ 'ኣተባቢዕኽና፤ ሕክምና ከነጽንዕ፡ ኣብ ስፖርት ክንቅጽል ንደሊ ኢና' ይብላኒ። እዚ ድማ ዝያዳ የሐጕሰኒ። ካብ ዝዀነ ኣብነት ኰይንክና ዝብለኒ ሰብ መልእኽቲ ኣብ ዝመጽኣኒ እዋን፡ ልበይ ብሓጐስ ይመልእ - ምኽንያቱ ምሉእ ህይወተይ ነዚ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ፡"።
"ገና መንእሰይ'፤ ዝያዳ ክሰርሕን ከም ኣደ ጽቡቕቲ ኣብነት ክኸውንን ይደሊ። ጓለይ ሓደ መዓልቲ ኦሎምፒካዊት ክትከውን ተስፋ እገብር። ህጻን ኦሎምፒካዊት እያ - ምናልባት'ውን ዓባይ ኦሎምፒካዊት ክትከውን ትኽእል እያ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







