ፍርቂ ውድድር ጕያ መሮር ብሓንቲ ጫማ ዝወድአ ኤርትራዊ ኣትለት ሃብቶም

ሃብቶም ነዚ ውድድር ካልኣይ ኰይኑ ዛዚሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትለት ሃብቶም ሳሙኤል፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ሻምፒዮን ጕያ ሞሮር [Cross Country] ኣብ መንጐ ጸወታ ጸጋመይቲ ጫማኡ ሞሊቓቶ ክንሱ፡ ኣጻብዕቲ እግሩ እናደመየ ነቲ ውድድር ካልኣይ ኰይኑ ብምዝዛሙ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ይርከብ።

ወዲ 21 ዓመት ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ኣትለት ሃብቶም፡ ነቲ ኣብ ግዝኣት ዊስኮንሲን ከተማ ቬሮና ብ24 ሕዳር 2024 ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ኪሎ ሜትር፡ ብ28 ደቒቕን 38 ካልኢትን እዩ ዛዚምዎ።

እቲ ወድድር ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን፡ ካብ ኣጻብዕቲ ጸጋመይቲ እግሩ ደም ክወጽእ ይረአ።

ክሳብ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር እቲ ውድድር ብፍጥነት ክጐዪ ዝጸንሐ ሃብቶም፡ ድሕሪኡ ኣብ ዘለው ኪሎ ሜትራት ጫማኡ ሞሊቓ።

“ጥራሕ እግርኻ ምጕያይ ከቢድ’ዩ”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 'ጥራሕ እግርኻ ምጕያይ ከቢድ’ዩ'

ሃብቶም ኣብቲ እዋን ውድድር ብኻልእ ተወዳዳሪ ስለ ዝተረገጸ'ዩ ሓንቲ ጫማኡ ሞሊቓ።ሓደ እግሩ እናደመየ ድማ ነቲ ውድድር ዛዚምዎ።

እቲ ውድድር ብዩኒቨርሲቲ ኒው ሜክሲኮ ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።

ንሱ ድሕሪ እቲ ውድድር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ጫማኡ እንተዘይስእን ነይሩ ካብኡ ዝሓሸ ውጽኢት ብምምጻእ ብዓወት ክዛዝሞ ይኽእል ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

“ካልኣይ ኰይነ ምዝዛመይ ክኣምን ኣይክኣልኩን” ዝበለ ሃብቶም፡ ሕጕስ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ “ጥራሕ እግርኻ ምጕያይ ከቢድ’ዩ” ኢሉ።

ኣብታ ኣጻብዕቲ እግሩ ክደሚ ምኽንያት ዝዀነት ሓንቲ ጫማኡ፡ ቅዳድ ተረኺቡ።

ኣብታ ግዝኣት ዝነበረ ኵነታት ኣየር፡ ኣሉታ 30 ዲግሪ ሴልሽየሽ [-30ዲ] ዝዀነ ሓደገኛ ዛሕሊ’ዩ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ሃብቶም ኣብ መንጐ እቲ ውድድር ከቋርጽ ከም ዘይሓሰበ ተዛሪቡ።

“ከቋርጽ ኣይክእልን፤ ኣይደልን።"

ሓደ ካብቶም ዞባ ዓንሰባ ዘፍርየቶ ኣትለት ዝዀነ ሃብቶም፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም 2021 ከምኡ'ውን ኣብ 2022 ካብ ትሕቲ 20 ዓመት ክልተ ግዜ ነሓስ ሜዳልያ ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።